Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንኤርትራ ካብ ሕሰም ንምድሓን ስምረት የድሊ: ጻዋዒት ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት – ኣርኣያ ደበሳይ ፕሮፈሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደላወር ኣሜሪካ (ትርጉም)

 ንኤርትራ ካብ ሕሰም ንምድሓን ስምረት የድሊ ጻዋዒት ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣርኣያ ደበሳይ ፕሮፈሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደላወር ኣሜሪካ መእተዊ- ” ድምጺ ኤርትራ” ዝተሰምየ ጉጅለ ኣብ’ዚ ቀረባ ጊዜ ክልተ ዓንቀጻት ጽሒፉ:: እቲ ናይ ፈለማ ” ቅልጡፍ ኣድማዕን ነባሪ

 ንኤርትራ ካብ ሕሰም ንምድሓን ስምረት የድሊ

ጻዋዒት ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት

ኣርኣያ ደበሳይ ፕሮፈሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደላወር ኣሜሪካ

መእተዊ- ” ድምጺ ኤርትራ” ዝተሰምየ ጉጅለ ኣብ’ዚ ቀረባ ጊዜ ክልተ ዓንቀጻት ጽሒፉ:: እቲ ናይ ፈለማ ” ቅልጡፍ ኣድማዕን ነባሪ ፍታሕ ንሕሰም ኤርትራ” ኣብ ዓዋተ.ኮም ግንቦት 16, 2015: እቲ ካልኣይ ኣብ ዓዋተን ኣሰናን ዝሰፈረ ” ኣቃውማ ኤርትራውያን ጉጅለ ምኽክር (Think tank) ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ሓምለ 25, 2015:: ኣብ’ዚ ካልኣይ ጽሑፍ: ንግሎባላዊ መሪሕነት ብዝምልከት ሽመይ ተጠቒሱ’ሎ:: ስለ’ዚ ድማ ዕላማ ጽሑፈይ ንኣድላይነት ግሎባላዊ መሪሕነትን : ተራ ስምረት ኣብ ምምራጽ ናይ’ቲ ግሎባላዊ መሪሕነት ማለት እቲ ሕጋዊ መዝነት ንምፍታሕ ሕሰም ኤርትራ ዝምልከት’ዩ::” ድምጽና” ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ጽሑፍ ተኣፈፍቲ ርእይቶታት ኣቕሪቦም ኣለው:: እንተኾነ ኣብ ክንዲ ኣብ መንቅባት ኣብ ኣወንታዊ መዳያት’ቲ ጽሑፍ ከተኩር’የ::

እቲ ”ብድምጽና” ንሕሰም ኤርትራ ንምፍታሕ ዝቐረበ ክልቲኡ ጽሑፋት: እዋናዊ ኮይኑ ረኺበዮ:: እቲ ጉጅለ: ኣብ’ቲ ንህዝቢ ዘቕረቦ ጽሑፍ ሓገዝን ሃናጺ ርእይቶን ጠሊቡ’ሎ:: ብመሰረት’ዚ ሕቶ ደገፍን ርእይቶን እቲ ጉጅለ: ኣድላይነት ስምረት ንምፍታሕ ሕሰም ኤርትራ ይጽሕፍ ኣለኹ::

ኩነታት ኤርትራ ግናይን ኣሰቃቕን ከምዝኾነ: ዘይግንዘብ ኤርትራዊ ከምዘየልቦ እኣምን:: ህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕ: መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንዓለም ኣፍሊጡ:: ” ፕረዚደንት ጉጅለ ኣሜሪካ ንዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ሚስተር ጆን ስተፈር ኣብ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ንወጽዓ ኤርትራውያን ብንጹር ገሊጽዎ:: ስለ’ዚ ድማ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ’ቲ ግሁድ ጸገም ኤርትራ ምግላጽ: ኣተኩሮይ ነቲ ዝተናውሐ ጸገም ህዝቢ ንምፍታሕ ኣብ ዝብል ርእይቶ ክኸውን’ዩ::

ኣድላይነት ስምረት :- 

”ዽር ብያብር ኣንበሳ ያስር” ዝብል ምስላ ኣምሓርኛ :” ዝሓበረ ፈትሊ ኣንበሳ ይኣስር” ከም ማለት’ዩ:: ” እንተሓቢርና ንዕወት: እንተተፈላሊና ድማ ንወድቕ”:: ጸገማት ኤርትራ ብስምረት ጥራይ ከምንፈትሖ ንጹር ክኸውን ይግባእ:: ንድሕነት ሃገር ስምረት ኣገዳሲ ስለዝኾነ: እቲ ስምረት ብኸመይ ይመጽእ ኩላህና ክንምልሶ ዝግባእ ሕቶ’ዩ::

ጽሑፋት ” ድምጽና” ክምዘመልክቶ ነቲ በኹሩ ዘሎ ግሎባላዊ መሪሕነት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንምምራጽ ዘኽእለና ቅርጺ ከነቕውም የድሊ:: መርማሪ ኮሚሽን ሕ.ሃ. ንዘቕረቦ ጸብጻብ ዘይጽወር ኩነታት ኤርትራ ብምድጋፍ  ኣብ ጀነቫ: እስራኤል: ኢትዮጵያን ካልእ ቦታታትን ዝወሓዙ ኤርትራውያን : መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሃገሮም’ዩ::

ኣድላይነት ግሎባላዊ መሪሕነት:-

ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ንጸገም ኤርትራ ዝጎስዮን:  ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለው ኤርትራውያን ካብ ኣብ ወጻኢ ንቕመጥ ተስፋ ዝቖርጹን ኣብ መንጎና ስምረት ብዘይምህላው ክኸውን ይኽእል’ዩ:: እንተደኣ ኣብ ወጻኢ ዘለው ኤርትራውያን ኣብ ከባቢኦም ተወዲቦም ዝውክልዎም መራሕቲ መሪጾም: ዘይጽዓድ ሓይሊ ከምዝኾኑ ከመስክሩ ይኽእሉ’ዮም:: ብሓጺሩ: እቲ ናይ መጀመርያ ስጉምቲ በብከባቢና ተወዲብና ሕጋውነትን መዝነትን ዘለዎም መራሕቲ ምምራጽ’ዩ::” ድምጽና” ነዚ መደብ’ዚ ከተግብር ምውሳኑ ብምስትብሃለይ ዓጊበ:: ነዚ ተበግሶ’ዚ ኩላትና ክንድግፎ ይግባእ::

መዝነት ግሎባላዊ መሪሕነት

እቶም ብተወከልቲ ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ መራሕቲ: ሕጋውያን መራሕቲ ንኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ’ዮም:: መዝነት ናይ’ዚ ግሎባላዊ መሪሕነት ብውሑድ ክሳራን ብዝቐልጠፈን ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ንምእላይ ኣድማዒ ስትራተጂ ምስኣል’ዩ::

ግሎባላዊ መሪሕነት ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለው ተስፋ የስንቕ: ብዝያዳ ድማ ነቶም ብውሑድ ክሳራን ብዝተጸንዐን ፍሉይ ስርሒትን ንምልካዊ ስርዓት ንምውዳቕ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣገዳሲ ተራ ዘለዎም የተባብዕ:: ግሎባላዊ መሪሕነት ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ: ሕቡራት ሃገራት: ሕብረት ኣፍሪቃ: ሕብረት ኤውሮጳ: ካብ ኩለን እተን ብኤርትራውያን ኣዕለቕሊቐን ዘለዋ ሃገራት ደገፍ ይረክብ::

ሓደ ካብ መዝነት ግሎባላዊ መሪሕነት: ስልጣን ናብ ህዝቢ ብልሙጽ መንገዲ ንምስግጋር ኣድማዒ መርሓን ንጹር መደብን ምድላው’ዩ:: ምህላው ግሎባላዊ መሪሕነት ንኢሳያስ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ንምኽሳስ  ዝቐለለ ይገብሮ:: እቲ ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ብምውድብ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ግሎባላዊ መሪሕነት ምምራጽ ዝብል ሓሳብ: እቶም መራሕቲ ካብ ኣብ ወጻኢ ዘለው ኤርትራውያን ደገፍ ከምዘለዎም የረጋግጽ::ነቶም ድምጾም ተዓቢሱ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለውን: ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡን ወኪሎም ኣብ ዝኾነ መድረኽ ክቐርቡ ሕጋዊ መዝነት የጨብጦም:: ብኣይስል ብጹዕ ኣምላክ ዝቐረበ ኣዝዩ ንኡድ ጽሑፍ” ንድፊ መሰረታዊ ኣተሓሕዛ ንምስማር ዲሞክራስያዊ ስቪካዊ መኸተ ኤርትራ” ኣዝማሪኖ.ኮም ነሃሰ 16, 2013 ክውከሱ ንጉጅለ ድምጽና እዘኻኽር:: እዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ( መሰረታት) ኣገባብ ውዳበ ኤርትራውያን የብርህ:: ብመሰረት’ቲ ኣይስል ዘቕረቦ ሓሳብ ግሎባላዊ መሪሕነት ንምምራጽ ብሰለስተ ደረጅታት ሓሊፉ ከምዝብጻሕ ክጠቓለል ይኽእል::

ደረጃ ቁ.1. ምምስራት ከባብያዊ ውድባት:- ምምስራት ኣብ’ቲ ኤርትራውያን ብጻዕቂ ዝርከቡሉ: ብተግባር ድማ ኣብ መላኣ ዓለም ኣለው:: እቲ ቀዳማይ ደረጃ ድሮ ይካየድ ኣሎ:: ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ንኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዘነደረ ሓደጋ ላምፐዱሳ: ኤርትራውያን ንደቂ ሃገሮም ንምድሓን ስቓይ ህዝቢ ንምፍዋስን ጉጅለታት ከቑሙ ጀሚሮም:: እቲ ብነፍስሄር ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ዝካየድ ዝነበረ ጎስጋስን: ኣማኒኤል ኢያሱ ኣሰና.ኮም ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኤርትራውያን ክውደቡ ዘካየዶ ዑደትን: ንምውዳብን ንኣወንታዊ ለውጢ ኤርትራን ክሓብሩ ብምትብባዕ ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎ:: ኣብ ሕ.መ.ኣሜሪካ ንኣብነት ብዙሓት ጉጅለታት ተመስሪተን ይስስና ኣለዋ:: ካብ መንጎ’ዘን ከተማታት: ኣትላንታ: በይኤርያ: ቦስተን: ቻርለት: ደላስ: ደንቨር: ኢንድያና: ሳንዲየጎ: ስያትል: ዋሽንግተን ሜትሮፖሊተን ኤርያ ወዘተ… ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም እውን ከምኡ:: ሕጂ ድማ መርማሪ ኮሚሽን ሕ..ሃ. ድሕሪ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ተጠናኺሮም::

”ድምጽና” እምበኣር ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ተንቀሳቓትን ምስ’ተን ድሮ ኤርትራውያን ንምውዳብ ተሰሪዐን ዘለዋ ማሕበራትን ብምትሕብባር ተራ ኣቀላጣፊ ለውጢ ኮይኑ ከገልግል ይግባእ:: ናብ ኩሉ ክፋላት ሕብረት-ሰብ ኤርትራ: ኣስላም: ክርስትያን: ደቂ ተባዕትዮ: ደቂ ኣንስትዮ ብምዝርጋሕ ኣባላት ንኡሳን ጉጅለታት ንሃገራዊ ህላዊኦም ክቖሙ: ድምጽና ዘይሕለል ጻዕሪ ክገብር ይግባእ:: ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ንዘሕዝን ኩነታት ሃገሩ ንምፍታሕ ከበርክት: መንገዲ ከጣጥሑ ዘይተቖጠበ ጻዕሪ ክገብሩ ኣለዎም::

ኣብ መስርሕ ውዳበ ኤርትራውያን: ኣብ ዝምልከቶም ከባቢ ዝርከቡ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ምውካስ ኣገዳሲ’ዩ:: ዋላ ሓደ እውን ክጉሰ ኣይግባኣን:: እቲ ምንቅስቓስ ንኹሉ ጉጅለታት ሃይማኖታት: ተባዕትዮን ኣንስትዮን ብምትብባዕ ብዝተኻእለ መጠን ንኹሉ ዝሓቁፍ ከምዝኸውን ምግባር::

ደረጃ ቁ.2. ምምስራት ሃገራውያን ውድባት:- ስምረት ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብደረጃ ሃገር ንምምስራት ንጡፍ ተራ ክጻወት ኣለዎ:: ኣብ ኣሜሪካ: ካናዳ:ኣብ ነፍስ-ወከፍ ሃገር ኤውሮጳ: ኣፍሪቃ: ደቡብ ኣሜሪካ: ማእከላይ ምብራቕ: ርሑቕ ምብራቕ: ወ.ዘ.ተ.. እዚአን ሃገራዊያን ማሕበራት: ብጨናፍር ነፍስወከፍ ሃገር ይቖማ:: ተራ ሃገራዊ ውድባት ድማ ምውህሃድ ንጥፈታት እተን ነፍስ-ወከፍ ሃገር ይኸውን::

ሳልሳይ :- ምምስራት ግሎባላዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ- ምምራጽ ግሎባላዊ ጉጅለ መሪሕነትን:-

እተን ዝቖማ ሃገራዊ ውድባት ብሓባር ግሎባላዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምምስራት መሪሕነት ግሎባላዊ ጉጅለ ይመርጻ:: ምርጫ ናይ’ቲ መሪሕነት ግሎባላዊ ጉጅለ ኣብ’ቲ ንነፍወከፍ ሃገር ዝወከሉ መራሕቲ ዝጋብኡሉ ግሎባላዊ ዋዕላ ይካየድ:: ብዝሒ ናይ’ቶም ዝምረጹ: ብፈጻሚት ሽማግለ ዘገልግሉ: ዘድሊ ብዝሒ ንኡሳን ኮሚተን ሓይሊ ሰብን ብዝርዝር ደሓር ኣብ’ቲ ”ድምጽና” መዲብዎ ዘሎ ጉጅለ ምኽክር(think tank) ክርአ ይከኣል:: ኣብ’ዚ ከም ወሓለታት ኣማለድቲ(lobbyst)ህዝባዊ ርክባት: ወጻኢ ዝምድናታት: ናይ ሓበሬታ ክኢላታት: ምወላ ዘተኣኻኽቡ: ሰሚናር ዘዳልው: ወደብቲ ዋዕላ: ኮሚተ ድሕነት ወዘተ.. ኮይኖም ዘገልግሉ ብቑዓትን ውፉያትን ውልቀሰባት የድልዩ::

ብዛዕባ ድሕረ ኢሳያስ ዘሎኒ ራእይ

ብዛዕባ ድሕረ ኢሳያስ ዘሎኒ ራእይ ኤርትራ: ሃገረ ኤርትራ ስልጣን ናብ ህዝቢ ዝሰጋገረላ: ብሄር: ሃይማኖት: ፖለቲካዊ እምነቶም ብዘየገድስ ኩሎም ዜጋታት ዋላ ሓደ እውን ከምዘይግለል ብምርግጋጽ ብክብሪ ዝነብረላ ብቅዋም እትመሓደር ሃገር:: ድሕረ ኢሳያስ ኤርትራ ብፍላይ ንኡሳን ጉጅለታት ኩናማ: ዓፈር: ሳሆ: ዓሳውርታ: ጀበርቲ: ራሻይዳ: ሕዳርብ: ቢሊን: ናራ: ወዘተ. ብማዕረን ብርትዕን ዝጥመቱላ ኤርትራ ክርአ እምነ:: ብኻልእ መዳይ ድሕረ ኢሳያስ ኤርትራ ንኹሎም ደቃ ብማዕረ ትሕብሕብ ኤርትራ:ዜጋታታ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ተሳትፎኦም ብምኽባዕት ክምዕብሉ ዕድል ትህብ ኤርትራ ምርኣይ’ዩ ሕልመይ::

ድሕረ ኢሳያስ ኤርትራ: ሃገረ ሰላም ኣብ ገዛእ ነብሳ ምስ ጎረባብታን: ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ንሓባራዊ ረብሓ ውጽኢትን ዘገልግል ዝምድና ብምፍጣር ኣብ ንግዲ: ቁጠባዊ ሰጉማ: ደረጃ ናብራ ህዝቢ ክብ ዝብለላ ኤርትራ ይቕጀለኒ:: ኤርትራውያን ፍልልያቶም : ዝሓለፈ ጽልእን ቅርሕንትን ኣወጊዶም: ብመንፈስ ሰላምን ዕርቅን ብሓባር ኣብ ልምዓት ዘድህቡላ ዕለት እሓልም::ነቶም ቀንዲ ጸገማት: ንጥሜት: ሕማም: ስእነት ትምህርቲ ፈቲሖም: ድሕረ ኢሳያስ ንሰብ- ዋኒን ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ: ንሓረስቶት: ንክኢላታትን ዘይክኢላታትን ሰራሕተኛታት ብሓባር ሃገሮም ዘልምዑላ ምችእቲ ኤርትራ እሓልም::ናጽነት ፕረስ: ናጽነት ምምስራት ማሕበር: ናጽነት ሃይማኖት ዝሰፈና: ኣብነት ዕርቅን ይቕረ ምብህሃልን ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኽታል ሰናይ ናይ ጽባሕ ኤርትራ እሓልም::

መጸዋዕታ ንኣባላት ተቓወምቲ ሰልፍታት ፖለቲካን ጉጅለ ፖለቲካን:-

ስምረት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ: ብዘይ ንጡፍ ተሳትፎ ኩሎም ኣባላት ጉጅለ ፖለቲካ: ሰልፍታት ፖለቲካ: መንእሰያትን ሲቪካዊ ውድባትን ዝከኣል ኣይኮነን::ኩሎም እዞም ጉጅለታትን ተንቀሳቐስቲን ኣብ ከባቢኦም ዘለው ኤርትራውያን ንምውዳብ ንጡፍ ተራ ክጻወቱ እጽውዕ:: ድሕረ ኢሳያስ ኤርትራ ብዝሐ-ሰልፋዊ ዲሞክራሲ ከምእትኸውን ንጹር ክኸውን ይግባእ:: እንተኾነ ነቲ ምስግጋር ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ኤርትራ ቅልጡፍ ንምግባሩ : ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ ከባቢኦም ኤርትራውያን ንምውዳብ ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ይግባእ:: ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ምልኪ ንምውጋድ ሕጂ ቀዳምነት ዝወሃቦ ስምረት’ዩ::

መጸዋዕታ ንኣባላት ማሕበራት መንእሰይን ሲቪካዊ ማሕበራትን:-

ኤርትራውያን መንእሰያት ተወዲቦም ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ዝወስድዎ ዘለው ተበግሶ ልቢ ዘረስርስ’ዩ:: ውድቀት ምልኪ ንምቅልጣፍ እዞም መራሕቲ መጻኢት ኤርትራ ምስ ካልኦት ሲቪካዊ ውድባትን ተንቀሳቐስትን ተሓባቢሮም ንተበግሶ ኣባላት ድምጽና ክድግፉ ኣለዎም::

መጸዋዕታ ንድሕረ-ገጻት ኤርትራውያን( web sites):- ኩለን እዘን ጊዚአንን ዓቕመንን ብምውፋይ: ሓበሬታን ሓሳብን ንምልውዋጥ: መተንፈሲ ወጽዓ ህዝብና ኮይነን ዝዓያ ድሕረ-ገጻት ሞሳ ይግባአን:: ዛጊት ብዝገበራኦ ኣበርክቶ ብምንኣድ: ኣብ ወጻኢ ንዘሎ ኤርትራዊ ንምውዳብ ምዕጣቕን ኣብ ዝግበር ጻኦሪ ብንጥፈት ክሰርሓ እምሕጸን:: ብድምጽና ንዝተወስደ ተበግሶ ብፍላይ ኣማኒኤል ኢያሱ ዝገበሮ መጸዋዕታ ተሓጉሰ:: ኤርትራውያን በብከባቢኦም ንክውደቡ ንምትብባዕ ብሸፈነ ዜና: ብዓምድታትን ሓተታን ዝግበር ምንቅቓሕ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ዕዙዝ ግደ ኣለዎ::

መደመደምታ:-  እቲ ” ድምጽና” ዝጠቐስዎ ክደግሞ:: ” ኩነታት ኤርትራ ደረት ሕሰም ሓሊፍዎ’ዩ:: እዚ ሕሰም’ዚን ዘንቀጥቅጥ ሃለዋትን እተጸበዮ ሰብ ኣይነበረን:: እንተኾነ ካብ’ዚ በጺሕዎ ዘሎ ክሓልፍ የብሉን::” መፍትሒኡ ድማ ስምረት’ዩ:: ካብ መሰረታት ጀሚርና ብንጥፈት ብምውሳእ ሰሚርና ግሎባላዊ መሪሕነትና ንምረጽ::

” ድምጺና- ኤርትራ” ኣድማዒ ጉጅለ ምኽክር(think tank) ናይ ውዳበ ክንፍን ብህጹጽ ብምምስራት ጎስጋስ ውዳበ ክጅመር ዓወት እምነየሉ:: ተደጋጋሚ ከይከውን እናተሰከፍኩ: እዚ መጸዋዕታዚ ንኩሎም ኤርትራውያን’ዩ:: ኣስላም:ክርስትያን: ኩላተን ንኡሳን ጉጅለታት: ደቀንስትዮ: ተባዕትዮ: መንአሰያትን ሽማግለታትን ኩለን ዝተወድባ ተቓወምቲ ውድባት: ፖለቲካዊ ጉጅለታት ዛጊት ዘይተወደቡ: ሲቪክ ማሕበራት: ማሕበራት መንእሰይ: መራሕቲ ሃይማኖት: ኤርትራውያን ድሕረ-ገጻት ክጽንበርዎ እዘኻኽር::

ትርጉም ዳኘው ኣስፍሃ

ኦስሎ ኖርወይ

31-07-2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Genet-orginal August 3, 2015

    Better late than never is right. Eritrean people need more like Dr Araya to get involved. If the dictator is still damaging our people and country, which he is so, never, never and never too late to get involved. I see, some people are getting off topic. I don’t understand. All Eritrean are suffering under a ruthless dictator and his operatives who are from all regions. Every region in Eritrea is losing his youth. This is not the time to say I did more and you did less to get Eritrean independent. Tell that to the Eritrean youth who is suffering the most and dying every where. By this time we should know getting the Eritrean independent wasn’t enough at all. It took the Eritrean people 30 years to get our independent, yet we lost 24 years and counting and losing our bearing on a normal life. How many lives have been lost the past 24 years? If I am going to say to any one I did more to get Eritrea independent, I should be prepare to answer the Eritrean mothers/fathers what I mean by that. 30 -24 = only 6 and it is going to be zero very soon. We should get all a life and work to prevent the 30 years mark of more suffering. We should be ashamed of ourselves.
    Let us use our common sense for our peoples sake.
    Genet-O

    • human life August 4, 2015

      Genet-orginal,
      I agree with your comment.

  • metkel August 7, 2015

    It seems that we still have hope since people like dr.Araya are involving with no ulterior motive to uplift the eritrean moral, the eritrean social fabric and the eritrean tradition for the well being of the eritrean people. I must admit dr. Wedi. Bacaro. Left a lasting legacies for his people. Please, dr.Araya make sure to carry on dr. Wedi Bacaro foot step and involve every one from different eritrean background and experience. I gave trust in you that we all can make it.
    Let us keep hope alive. I wish all your dreams and aspirations will be fulfilled. Tx.

POST A COMMENT