Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንኢድ ጸጋ ጦርሰራዊት ቆሪጾማ፣ ንኢድ ቢንያም ከኣ ህግደፍ!

  ከመይ ከኒኺ ሃገረይ ! ሃገረይ፣ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፣ ደቅኺ ንመበል 24 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ክልተ በበይኑ ዳሳት፣ ብ ጓሂ ወይ ከኣ ብዝተሰነዐ ሓጎስ፣ ዝበዝሑ ድማ ካብ ክልቲኡ በዅሮም በብፋንጣኦም ከምዝዘከሩዎ መቸም ድሮ ኣስተብሂልክሉ ኣለኺ።

 

ከመይ ከኒኺ ሃገረይ !

ሃገረይ፣ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፣ ደቅኺ ንመበል 24 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ክልተ በበይኑ ዳሳት፣ ብ ጓሂ ወይ ከኣ ብዝተሰነዐ ሓጎስ፣ ዝበዝሑ ድማ ካብ ክልቲኡ በዅሮም በብፋንጣኦም ከምዝዘከሩዎ መቸም ድሮ ኣስተብሂልክሉ ኣለኺ። ኣነ ‘ውን ኣብ ድሮ ናይቲ ጽምብል፣ ምስሊ ናይቶም ብረሃጽ ኣባቕል ዝተባህብሁ ዳሳት-ማዕዶ እንታይ ከምዝመስል ንምዕዛብ ሓንሳብ ናብ ‘ቲቢ-ኤረ’ ተቐልቂለ ነይረ።

ኣብቲ ህዝቢ ብግዴታ ገንዘብ ኣዋጺኡ፣ ብምምሕዳራት ህግደፍ ተኣዚዙ ዝተኸሎ ዳሳት፣ ህዝቢ ምሩኽ ክመስል ዝን ኢሉ እናቕባሕበሐ፣ ኣጥባተን ገጸን እናጸፍዐን ዘዳኽራ ቆለ ዘለወን ውሑዳት ኣንስቲ ምስ ተዓዘብኩ፣ ሓደ ሓው፣ ኣብ ዓደምሓራ፣ ሓዘን ከድምቓ ተኸፊለን ዘልቅሳ ምኩራት ኣንስቲ ከምዘለዋ ዘዕለለኒ ዛንታ ተዘከረኒ ‘ሞ፣ ህግደፍ ‘ውን ነቲ ኩሉ ፈንፊኑዎ ናይ ልቢ ዘየብቆሉ ቆልዑ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ልብወለድ ጓይልኡ ንምድማቕ ገንዘብ ከፊሉ ዘዐንድረን ኣርሆታት ምዃነን ክርዳእ ግዜ ኣይወሰደለይን።

ፈለማ፣ “ቀደም ዘጕህየን መስዋእቲ ተጋዳላይ፣ ሎሚ ‘ውን ዘሕዝነን ሞት ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት የለን” ኢለ ስለዝገመትኩ እየ “ኣባቕል” ዝበልኩወን። ጸኒሑ ከምዚ ኸማይ ንኹነታት ናይዘን ኣብ ልዕሊ መቓብር ክስዕስዓ ዝተዓስባ ኣንስቲ ዝተዓዘበ ሓው፣ ብዙሓት ካብኣተን ኣንስቲ ጦርሰራዊት ዝነበራ፣ ብህግደፍ ገንዘብ ዝተኸፍላ ምዃነን ምስ ኣረጋገጸለይ ግን፣ እቲ ነገር ካብቲ ዝገመትኩዎ ዝኸፍአ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ምኽንያቱ፣ ከምተን መዳምቕቲ ልቕሶ ገንዘብ ጥራይ ዝዓጠን እንተዝነብራ ካብ መዓንጥአን ንላዕሊ ከም ድላየን እናተቛጻጸያ፣ ነቲ ኣዕጽምቲ ሓቢኡ ዘሎ መሬት ኣጸቢቐን ካብ ምርጋጹ ምተሰከፋ ነይረን። እቲ ንሕስያ ዘይብሉ ዝላአን መቓብር ዘፍርስ ሓይሊ ዘለዎ ምንባሩ፣ ብሓቂ ኣንስቲ ጦር ምንባረን፣ ብውሽጠን “ሳላ ኢሱ እንታይ ተሳኢኑ” እናበላ፣ ካብቲ ንሰብኡተን ዘሰክሐ ሽም ዝሓዘ ባጤራ ናቕፋ ዝረኽባኦ ረብሓ ንላዕሊ፣ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ኤርትራን እቲ ኮብኵቡዋ ዝኣተወ ተጋዳላይን ህዝብን ን24 ዓመታት ኣሊኸናኦ ዝጸንሓ ሕነ ይፈድያ ከምዝነበራ ተሰቆረኒ።

ምስኪና ህዝቢ ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ንኽንደይ ዘይጠቕሙ ኣሕሊፉ ዘይሃበካ። ራሻይዳ፣ በደዊን፣ ደምሒት፣ ኣንስቲ ጦር። ወረ ገና፣ ካብቲ መጕሓፊ ባዴልኡ ወሪድካ ካብ ወንበሩ ክሳብ ዘይዓለኻዮ፣ ስሞም ሰሚዕካዮም ዘይትፈልጥ ተላሃይቲ እናምጽአ ኣጸቢቑ ከላህየካ እዩ።

ካብዘን ደቂ ብዳማ ንላዕሊ ንጦርሰራዊት ዘዘከረኒ ግን ሓደ ካልእ ዘሕዝን ፍጻሜ ‘እዩ።

ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት፣ ሓደ ኣብ ዓውደ ውግእ እግሩ ተቖሪጹ ዝሰንከለ ናይ ትግርኛ መምህርና ‘ፍጻሜታት’ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ናይቲ እዋን ወግዓዊ ጋዜጣ ህዝባዊ ግንባር “ኢድ ጸጋ ጦርሰራዊት ቆሪጾማ” ዘርእስታ ዛንታ ናይ ሓንቲ ብወተሃደራት ደርግ ኣብ ዕሸልነታ ኢዳ ዝሰኣነት ኤርትራዊት ቆልዓ ከንብበልና ይዝከረኒ።

ሽዑ ኣነ፣ ብቓንዝኣ ድሕሪ ምቕንዛወይ፣ ንገዛእ ርእሰይ ካብኣ ብቑሩብ ጥራይ ይዓቢ ስለዝነበርኩ፣ ኣብቲ ዘይበሰለ ኣእምሮይ ምስሊ ህጻንነታ ስኢለ፣ “ምስኪነይቲ ቆልዓ፣ ከመይ ኢላ ክትጻወት ‘ያ” ዝብል ሓሳብ ኣጨኒቑኒ ነበረ።

ድሕሪ 35 ዓመታት ሕጂ ክርእዮ እንከለኹ፣ ጸጋ ኣብ ዓለም እንተልያ፣ እቲ ብመዅለፍቲ ጸወታ ክሳናኸል ዝጀመረ ህይወታ፣ ስንክልናኣ ዘመንጨዎ ማዕረ-ማዕረ ዕብየታ ዝውስኽ ኣካኣውን ስነኣእምሮኣውን ጸገማት ከምዘይሓደጋ ‘ውን ይግምት። መን ይፈልጥ፣ ብሰንኩ ዘይተመርዓወት ዘይወለደት ‘ውን ትኸውን። እቲ ሽዑ ንጸጋ ዝወረዳ ግን ሓደጋ መግዛእቲ እዩ። ካብ መግዛእቲ ኸኣ፣ ምቝረጽትን ሞትን ኢኻ ትጽበ። ምስኪነይቲ ጸጋ፣ መቸም ካብዚ ኹሉ ኣነ ዝፈራሕኩዎ ጸገማት ሓራ ኮይና ዓብያ ክትከውን እምነየላ።

ንጸጋ ዘዘከረኒ ኸኣ ቢንያም እዩ።

ኣብ ጽባሕ ናይቲ 24 ዓመታት ዘቝጸረ ‘መዓልቲ ናጽነት’ 24 ግንቦት 2015፣ ካብ ከሰላ ኣብ ዝተቐበልኩዎ ጻውዒት ተሌፎን፣ ሓደ ቢንያም ገብራይ ዝተባህለ ካብ ዕድመ ናጽነት ኤርትራ ብ 5 ዓመት ዝንእስ (ወዲ 19 ዓመት)፣ ብዕሱባት ኢሳይያስ ኣብ ተሰነይ ን10 መዓልታት ተኣሲሩ ድሕሪ ምቕናዩ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ቀጥ ኢሉ ኣብ ዓጽሙ ዝበጽሐ ምቑሕ ማእሰርትን ገደብ ዘይብሉ መግረፍቲ መርመርቱን ኢዱ ሓሊቑ ሓካይም ሱዳን ንመቝረጽቲ ኣዳልዮሞ ከምዘለዉ ተረዳእኩ።

Biniam_K_1ካብ መጠን ንላዕሊ ሰንቢደ! ምሉእ ህይወቱ ገና ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ዕሸል መንእሰይ ድሕሪ 24 ዓመታት ናጽነት ኢዱ ክስእን? ብፍጹም ኣይተዋሕጠለይን። ሃለዋቱ ፈሊጠ ኣጆኻ ክብሎ ምስ ደወልኩሉ ‘ውን ስንባደይ ኣይጎደለን። መሊሱ ደኣ ወሰኸ። ቢንያም በቲ “ኢድካ ክትቍረጽ እያ” ዝብል ምኽሪ ሓካይም ከሰላ ዝሓደሮ ሻቕሎት ነቲ ምጕዳል ኣካላት ጸጋ ዘሕደረለይ ስግኣት ኣረጋገጸለይ። ቢንያም ንመቍርጽቲ ከም ሞት ፈሪሑዋ ከምዝነበረ ካብ ዘረብኡ ስለዝተገንዘብኩ፣ ቁጽሪ ቴለፎን ናይቶም ላዕለዎት ዶካትር ኣናድየ፣ ኣብ ካርቱም ዝሓሸ ሕክምና ክህሉ ይኽእል ‘ዩ ‘ሞ ቢንያም ካብ መቍረጽቲ ናይ ምድሓን ዕድል ‘ውን ይረክብ ካብ ዝብል ግምት፣ ተቐዳዲሞም ኢዱ ቅድሚ ምቝራጾም ናብ ካርቱም ክሰዱዎ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ኣጥቢቐ ለመንኩዎም። ንሳቶም ሓልዮተይ ተገንዚቦም፣ ማህሰይቱ ከቢድ ምዃኑ ብምቕሉል ቃላት ገሊጾምለይ። ኣብ መወዳእታ፣ እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ እንኮ ምርጫ ‘ኢድ ቢንያም ዶ ህይወት ቢንያም’ ምዃኑ ‘ውን ኣረድኡኒ። ንጽብሓይቱ፣ ኢድ ቢንያም ተቖሪጻ! ንኢድ ቢንያም ዝቖረጹ ግን፣ ሓካይም ከሰላ ኣይኮኑን፣ ህግደፍ እዮም። እወ፣ ንኢድ ጸጋ ጦርሰራዊት ቆሪጾማ፣ ንኢድ ቢንያም ከኣ ህግደፍ። ህግደፍን ደርግን፣ ናጽነትን መግዛእትን ደኣ እንታይ እዩ ፍልልዩ? እንታይ እዩ ፋይዳ መስዋእቲ ኣሽሓት ደቂ ኤርትራ!

ቢንያም ንሱዳን ክትሃድም ሓሲብካ ተባሂሉ ብሓሶት ተኣሲሩ ኢዱ ኣብ ዝሓልቀሉ ዝነበረ 10 መዓልቲ፣ ቅነ ናጽነት ተባሂሉ ያኢ፣ ኣብ መላእ ኤርትራን ኣብ ወጻእን፣ ንናጽነት ዝውድስ ናይ ሓሶት ዳሳት ተተኺሉ፣ እቶም ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ዘይዓጦም ነውራማት ኣርሆታት ኣቐዲሞም ይስዕስዑ፣ እቶም ምንጪ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ኢሳይያስ ጭፍርኡን ከኣ፣ ኣብ ዳስ ሓሶት ዝምደር ሽሕጣኖም ክሳብ ዝዳሎ ይሰኽሩ ነይሮም።

ሃገረይ፣ ናይ ኤርትራ ነገር ካብ ኣልሰር ናብ ካንሰር እዩ!

ኢሳይያስን ሰብ ብርዑን፣ ነቲ “ጥፍኣት ወለዶታት፣ ካብ ጻት ናብ ጻት” ዝብል ብቐይሕ ቀለም ዝጸሓፉዎ ጭርሖ፣ ብላዕሊ “ልምዓት ብጽንዓት” ብዝብል ቀጠልያ ጽሑፍ ሸፊኖም፣ ንሕሱም መግዛእቶም ናጽነት ዝብል ሳጓ ኣጠሚቖም ክውድሱ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዳንኬራ ጥፍኣቱ ‘ሆ’ ኣባህለና ኢሎም ከገድዱዎ ክትርኢ ከለኻ ደም ዘፍልሕ እዩ።

ነቲ ዝፈልሐ ደም ዘገንፍል ግን፣ ነቲ ህዝቢ ከጥፍእ ዝተንስአ ሰይጣን ዝለኣኹዎ ኣራዊት ከምዘለዉ ምፍላጥ እዩ። ኢሳይያስ ጥራይ ዘይኮነ፣ ህዝቢ ‘ውን ነንሕድሕዱ ይባላዕ ስለዘሎ ንኢሳይያስ ፕሮጀክት ጥፍኣት ይሰልጦ ‘ሎ።

እታ “ቁረጽ፣ ሕረድ፣ ረሽን” ትብል መጽሓፍ ገበነ-ኢሳይያስ ኣብቲ ናይ ተሰነይ ቤትማእሰርቲ ኳ እንተላ፣ ኢድ ቢንያም ክትሓልቕ ከላ ግን ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ እዩ ነይሩ። ኣብ ምድሪ ኤርትራ፣ ኣብ መንጎ እቶም ኣራዊት ሰባት ዘይርከቡሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ እዩ? ኢሳይያስ ንመግዛእቲ ናጽነት፣ ንጥፍኣት ልምዓት ኣምሲሉ ከርእዮም ከሎ፣ ንሳቶም ከ፣ ነቲ ኢሳይያስ ቤትማእሰርቲ ክኸውን ዝደልዮ ‘ኣንደራት’ ቤትምህርቲ ምቕያር፣ እንተኸፍአ ኸኣ ነቲ ሸጥ ዝበለ ማእሰርቲ ዝመስል ፈኵስ ማእሰርቲ፣ ኣብ ክንዲ ሰንሰለት ሰቲ፣ ኢድ ኣሕዋቶም ዘየሕልቕ ማእሰርቲ ምምሃዝ ከመይ ኢሉ እዩ ዘጸግሞም!?

ሓደ ኤርትራውያን ክንምሃሮ ዘለና ዛንታ፣ ዋላ ኣብ ውሽጢ ‘ቶም ንዓለም ብሴፍ ዘሰክሑዋ፣ ህይወት ሰብ ብሚልዮናት ዝበልዑ ዝነበሩ ጨካናት ስርዓታት ናዚን ስታሊንን ‘ውን ህይወት ዘድሕኑ ርህሩሃት ሰባት ከምዝነበሩ እዩ። ስለዚ፣ ኣብ ክንዲ ነቶም ኣረሜናውያን ንኽትመስል ምቅድዳም፣ በቶም ርህሩህት ከቕንኣና ኣለዎ። ነብስና ዘቕስን ጽቡቕ ተግባር ከብህገና ይግባእ። ኣብ ክንዲ ንጥፍኣት ንድሕነት ክንተሓጋገዝ ኣለና።

ካብቶም ኣራዊት ወጻኢ፣ እቶም ኣብ ደምበ ሰባት ኣለና እንብል ‘ውን ንሞት ከይንለምዶ ክንጥንቀቕ ይግባእ። ምናልባት፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ እናተቐዝፉ፣ መቕረጽቲ ኢድ ቢንያም ክንድ’ዚ ዝምረረሉ ምኽንያት ግር ዝብለኩም እንተሊኹም፣ ከይተፈለጠኩም ሞት ናይ ምልማድ ሕማም ዝጀመረኩም ከይትኾኑ ነብስኹም ክትምርምሩ ኣለኩም። ‘ኣብዛ ምእንቲ ሰላምን ሓርነትን ህይወት ኣሽሓት ዝኸፈለት ሃገር፣ ንጣብ ደም ‘ውን ትኹን ንብላሽ ክትፈስስ የብላን’ ዝብል ጽኑዕ እምነት ክህልወና ኣለዎ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ስነሓሳብ ናይቲ ወፍሪ “ጥፍኣት ብጽንዓት” ዘሰላስል ዘሎ እኩይ ስርዓት ኢና ንርዕም ዘለና። እቲ ኣብ ሓኒሽ ዝኸፈልናዮ 12 ህይወት ከቢዱና ኵናት ከይደግሰና ዋሕስ እንተንተክል ‘ኮ ህልቂት ባድመ ኣይምወደቐናን።  ስንኩላና ሰሃራ ቆሪጾም ክስደዱ ከለዉ፣ ጠንቂ ስደትና ኣለሊና ብኣግኡ ፍታሕ እንተንረኽበሉ ‘ኮ፣ ውርደት ሲናይ ቅዝፈት ላምፐዱዛ ኣይምወረደናን።

ንምዃኑ ናይ ቃልሲ ወለዶን ሓዱሽ ወለዶን ኣብ ክንዲ ኣብ ዳስ መርዓ ከም ዋሕስን መርዓውን፣ ኣብ ጉዕዞ ስደት እተራክብ ናጽነት እንታይ ዓይነት ናጽነት እያ?

ኣብ 1971፣ ህዝባዊ ግንባር ቀዳማይ ዓመቱ ከየብዓለ ስለ ናጽነት ዝተጋደሉ፣ ኣብ 1976 ኣብ ዓውደ ውግእ ስለ ናጽነት ዝተቖርጹ ኣበድን ብጾቱን፣ ብምርኩሶም ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ቆሪጾም ምስ ደቆም ክስደዱ ዝቐሰበት ናጽነት፣ መሓወር ኤርትራውያን በሊዓ ኣይጸገበትን። ኣብ 24 ዓመታ ‘ውን ንቢንያምን መዛኑኡን ቆቆሪጻ ናብ ስደት ተፋንዎም ኣላ። ናጽነት ናይ ብሓቂ ናጽነት ክትከውን እምብኣር፣ እዚ ወለዶ ‘ዚ፣ ወለዶ ጥፍኣትን ዕንወትን ካብ ምዃን ኣዕሪፉ፣ ወለዶ ሰላምን ምዕባለን ምዃን ክጅምር ኣለዎ።

ሃገረይ፣ ነዛ ን24 ዓመት ብኸበሮን እምብልታን ተጸዊዓ “እየይ” ምባል ዝኣበየት ናጽነት ብቐጻሊ ብጓይላን ደበላን ስማ ኣብ ክንዲ ንጽውዓ፣ ከም ሃዳኖ ከነምጽኣ ንወፍር።

እንተዘይኮይኑ ግን፣ እቲ ቅድሚ 10 ዓመት ሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ነብሓጎኣ፣ “ኣቦይ፣ ብሰላም መታን ክኣቱ መርቑኒ ግዳ፣ ንወጻኢ ይብገስ ኣለኹ” ምስ በለቶም፣ “ወይለ’ቦኺ፣ ጓለይ ሃብሮም ‘ታይ ምርቓይ ደሊኺ፣ ብቐደምኪ ምርቕቲ፣ ሓሳብኪ ንርእሱ ምርቓ እዩ፣ ኪዲ ደኣ ጻዕዳ ይጽናሕኪ፣ እምበር እዚ ትርእይዮ ዘለኺ ሽግር ኤርትራ ደኣ ዘይ ሕጂ እዩ ዝጅምር ዘሎ፣ ገና ገና!” ዝበሉዋ፣ ሽዑ ዋዛ ዝመስል ዝነበረ ሕጂ ግን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝተጋህደ ትንቢት፣ ካልኣይ ዙርያ ጥፍኣቱ ክቕጽል እዩ። እንሆ ኳ ድሮ ነታ ብናይ 30 ዓመት ቃልሲ ዝረኸብናያ ናጽነት ኣብ ውሽጢ ‘ዚ 24 ዓመት ኣጥፊእናያ። እወ፣ ምዉት ምንቕናቕ ገዲፍና፣ ነዛ ተቐልቂላ ዝጠፍአት ናጽነት ንምለሳ፣ ሃየ ሓቢርና ንውፈር፣ ሓቀኛ ናጽነት ክንፈጥር።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ሰላም ቀንዪ ሃገረይ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

28 ግንቦት 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • ዘሰኒታ May 29, 2015

    ደመ-ረሃጸይ መጺዩ ሰትዩ ዝዓበየ
    ካብ ርእሰይ ከቶ ምውራድ ዝኣበየ።
    ደመይ ዘዘቅበቦ ቀይሕ ሌቛ
    ሕማም መርዘን’ዩ ሕማም ጓቛ።

    ንዓጽመ ስጋይ ዝሃንኮቶ
    ኣንቛቑሖ ቁማል’ዩ በላዒቶ።

    ብኸንቱ ብላሽ ኣይመውትን ቢሉ
    ብ’ኣውያት ደሙ ኣብ ለሰ ደቢሉ
    እምበር ኣቱም ሰባት ንመን ዶ በዲሉ፧

    ቢንያም ሓንቲ ኢድካ ምስ’ኣን ኣዚዩ ከቢድ ተኮነ
    ሓደራ ፍናንካ ዓቂብካ ተቃላስ ፈጺምካ ኣይትዳነ።

    ኣይዳነን በል ኣንታይ ከይመጸካ ድሕሪ ደጊም
    ኩን ተበጃዊ ፡ ንነብስካ ኩነላ ባዕልካ ሓኪም።

    ብደመ ረሃጽካ’ዩ ዝወግሕ፡ንቅድሚት ጥራይ ሰጉም
    የልቦን ንሓዋር ብዓመጽ፡ ንህዝቢ ብሓለንጊ ዝሕጉም።

  • Meharenazgi Merhawi May 29, 2015

    ኤልያስ ንስኻ ብሓቂ ኤርትራዊ እንተድኣ ኮንካ፣በቲ ብጭቋንን ገፋዕን ስርዓት ኣብ ሓውና መንእሰይ ቢንያም ዝወረደ ኣረሜናዊ ግፍዒ ክስመዓካን ክትሓዝንን ነይሩኳ’ምበር፣ነቲ ኣብ ቢንያም ዝወረደ ማህሰይቲ በቲ ግፍዓዊ ጉጅለ ሸፋቱ መንግስቲ ከም ዘይተፈጸመ ንምምሳል ከመይ ጌሩ ድኣ ናብ ከሰላ ከይዱ ዝዓይነቱ ሕቶ ብምቕራብካ ዘይ ኤርትራዊ የምስለካ።ኣብ ክንዲ ከምዚ ዓይነት ዘይቅቡል ርእይቶ ምጽሓፍ ግን ከምቲ ብህዝቡን ሃገሩን ዝቑርቆርን ዝሓስብን ውፉይ ኣማኑኤል ኢያሱ ዝገበሮ ስልኪ ናይ ቢንያም ሓቲትካ ከተራጋግጽ ምተገባኣካ።

  • araya-11 May 29, 2015

    Amanuel

    From Araya

    You should set rules and regulations instead of deleting and blocking our comments,,,this is nonsense set is free don’t control to much, let the people learn from their mistakes gradually.we are not reading a novel or comedy this is politic,since it is our live we can not stay quite,while some are trying to take over you.as a result its normal to write your feeling which may not be accepted people like you.

  • Debre May 30, 2015

    What is your point Elias? Are you still in doubt? you didn’t hear Biniam’s voice? What other evidence are you expecting from Amanuel or ASSENNA? Or are you denying the truth and defending the evil practice regime? I don’t want to insult you but advice you. First proof the evidence what Assenna told us. you can call him (the victim) as Assenna did through telephone or you can go to Kesela and visit the victim. you can be 100% sure that the evidence is true or not. Please don’t write anything with out proofing such things.
    The other thing is Amanuel did not expose such news with out getting any information from the source. He is our voice, don’t insult him, I warn you.
    Assenna I am back. I want to thank you for the messages you deliver to your audiences, especially the interviews with disabled heroes. I know two of them. Congratulations.
    Elias you can Learn from the real truth that Assenna interviewed in his previous programs.
    MILIKI YFRES FTHI YNGES!
    Debere

POST A COMMENT