Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣልጀርያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘሎ ዝምድና ምዕባለታት ሰላም ምርኣዩ ሓጎሳ ብምግላጽ ደገፋ ከምዝገለጸት ሺንዋ ሓቢሩ።

እታ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998-2000 ከቢድ ኲናት ድሕሪ ምክያዱ ከም መንጎኛ ዝተዋሰአትን ናይ ሰላም ስምምዕ ዝተኻየደላን ኣልጀርያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘሎ ዝምድና ምዕባለታት ሰላም ምርኣዩ ሓጎሳ ብምግላጽ ደገፋ ከምዝገለጸት ሺንዋ ሓቢሩ። ብመሰረት `ቲ

እታ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998-2000 ከቢድ ኲናት ድሕሪ ምክያዱ ከም መንጎኛ ዝተዋሰአትን ናይ ሰላም ስምምዕ ዝተኻየደላን ኣልጀርያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘሎ ዝምድና ምዕባለታት ሰላም ምርኣዩ ሓጎሳ ብምግላጽ ደገፋ ከምዝገለጸት ሺንዋ ሓቢሩ።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ ኣፈኛ ጉዳያት ወጻኢ `ታ ሃገር ዓብደሎኣዚዝ በናሊ ትማሊ ቀዳም 23 ሰነ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ዝተፈረመ ውዕል ሰላምን ውሳኔ ኮምሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ከተግብሩዎ ምውሳኖም፡ ከምኡ `ውን ኤርትራ ኣውንታዊ ግብረመልሲ ምሃባ ሞጒሱ።

እቲ ተረኺቡ ዘሎ ኣውንታዊ ምዕባለ ክሰምር ምእንቲ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ከምዝግብኦ ድማ ኣገንዚቡ።

ኣቐዲሞም፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝርከቡዎም ኣገደስቲ ኣህጉራውያን ተዋሳእቲ ደገፎም ብምግላጽ ኣብ ምትግባር ናይቲ ጽቡቕ ኣንፈት ኣርእዩ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው ከምዝተሓባበሩ ገሊጾም እዮም።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንተንዮ ጉተረስ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀጻልነት ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ምርግጋጽ ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣውንታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ ምግላጹ ይዝከር።

For up-to-date info Subscribe to ASSENNA NEWS channel

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT