Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣርኣያ በላይ ካብ ተላዕለ-!

ኣነ ንኣርኣያ በላይ ብቐረባ ካብ ዝፈልጡዎ ደቀ’ሥመራ ሓደ’የ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ “ኣይጋ” ብዛዕብኡ ዝተጻሕፈ ኣንቀጽ ምስ-ረኣኹ ድማ፥ ነቲ ብልቦናን ብዓቢይ ቁም-ነገርን ዝፍለጥ ዝነበረ፥ ኃወይ ክብሎ ዝኽእል ዓርከይን መተዓብይተን ኣርኣያ በላይ፥ ብዓይኒ ሕልና ክዝክሮ ምኽንያት ኮይኑኒ።

ኣነ ንኣርኣያ በላይ ብቐረባ ካብ ዝፈልጡዎ ደቀ’ሥመራ ሓደ’የ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ “ኣይጋ” ብዛዕብኡ ዝተጻሕፈ ኣንቀጽ ምስ-ረኣኹ ድማ፥ ነቲ ብልቦናን ብዓቢይ ቁም-ነገርን ዝፍለጥ ዝነበረ፥ ኃወይ ክብሎ ዝኽእል ዓርከይን መተዓብይተን ኣርኣያ በላይ፥ ብዓይኒ ሕልና ክዝክሮ ምኽንያት ኮይኑኒ። ኣርኣያ ብኹሉ ዓይነት መዐቀኒ፥ ዝኾነ ኣበር ነይሩዎ ተባሂሉ ዘይሕመ፥ ለባምን ወረጃን’ዩ ነይሩ ኢልካ ክምስከረሉ ዝግባእ ሰብ’ዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር እቲ ኣብ 1966 ዓ/ም (1974) ኣብ ኣሥመራ ክነፍስ ዝርአ ዝነበረ ንፋስ፥ ነቲ ወረጃን ለባምን ዝኾነ ኣርኣያ፥ ቀዳዊኡ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ኣብታ ዝተወልደላን መዳሕንቱ ዝተቐብረላን ኣሥመራ ድማ፥ ደሙ ብግፍዒ ክፈስስ ተራእዩ። ኣርኣያ ግና ከም ጲላጦስ ንጹሕ ዝኾነ ሰብ’ዩ ነይሩ። ዝኾነ ኣበሳ ከይሃለዎ ከኣ፥ ኣብታ እናተጻወተ ዝዓበየላ መሬት፥ ደሙ ደም ሓደ-ንጹሕ ሰብ ብኸንቱ ከም-ዝፈስስ ተገይሩ። እዚ ግፍዒ’ዚ ግና ኣብ ልዕሊ ኣርኣያ ክፍጸም ዝግባእ ኣይነበረን።

ኣርኣያ ካብቶም ሓሙሽተ ደቀቦይ በላይ ሓደ’ዩ ነይሩ። ምዕባዩ ኃውቱ ምዕራፍ ትበሃል ኮይና፥ ምንኣሱ ድማ ኣበበችን ኃይለን ለምለምን እዮም። ኣቡኡ ወላዲኡ ኣቦይ በላይ ተሰማ ዝበሃሉ ኮይኖም፥ ኣዲኡ ድማ ኣደይ ደሃብ ተካ እየን ዝበሃላ። ቤቶም ድማ ኣብ ዕዳጋ-ዓርቢ ከም-ዝነበረ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብቲ ኣቶ ኣብርሃም ብርሃነ ዝጸሓፉዎ ግና፥ ኣብ ከባቢ እንዳ-ሳዕሪ ኣርባዕተ-ኣሥመራ ከም-ዝዓበየ ተገሊጹ ኣሎ። ርግጽ’ዩ ኣርኣያ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኣብ ኣርባዕተ-ኣሥመራ ስለ-ዝነበሩዎ፥ ናብኡ ኣቢሉ ምምልላስ የዘውትር ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ’ዩ። እንዳቦይ በላይ ግና ቀዋሚ ኣድራሻኦም ዕዳጋ-ዓርቢ’ዩ ነይሩ።

ብፍላይ ገዛ እንዳቦይ በላይ፥ ኣብ ዕዳጋ-ዓርቢ ኮይኑ። ኣብ ከባቢ እንዳ በዓል ኣቦይ ኣስማረን እንዳቦይ ቀሺ-ማህደረን፥ በቲ ሓደ ድማ እንዳ’ቦይ  ተፈሪን፥ እንዳቦይ ደሳለኝን ኣቢሉ ዝነበረ ኮይኑ’ዩ ዝርዳኣኒ። ስለዚ ኣርኣያ ወዲ ዕዳጋ-ዓርቢ እምበር፥ ወዲ ኣርባዕተ-ኣሥመራ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ብዝተረፈ ኣብ እንዳቦይ በላይ ንዕዳጋ ዝወርድ እንጌራ ይስንከት ነይሩ’ዩ። ነዚ ናይ መሸጣ ሥራሕ’ዚ ግና፥ እታ ምዕባዩ ዝኾነት ምዕራፍ ኃውቱ እምበር፥ ከምቲ ተባሂሉ ዘሎ ኣርኣያ ኣብ ምሻጥ ሕምባሻ፥ ይሳተፍ ነይሩ ንምባል ዘኽእል ተዘክሮ የብለይን።

ኣነን ኣርኣያን ንመጀመርታ ግዜ ክንራኸብ ዝኸኣልና፥ ኣብ 1937 ዓ/ም (1945) ገና ቈልዑት ከሎና ኣብ እንዳ-የነታ ዑቕባ-እንድርያስ ዓስቡ ኢና። ምስቶም ኩሎም ናትና ዕድመ ዝነበሮም ደቀ’ሥመራ ድማ፥ ፊደል ቈጺርና መልእክተ ዮሓንስ-ሓዋርያ ነቢብና ብብርዒ-ሻምቡቆ ምጽሓፍ ንለማመድ ምንባርና እዝክር። ሰንበት መጸት ድማ ንየነታ ተኸቲልና ቤተ-ክርስቲያን ምኻድና ዘይተርፍ’ዩ ዝነበረ። ኣርኣያ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ መልሓሱ ወይ ኣደማምጻኡ ጭይፍ ዝበለ ከም-ዝነበረ’ውን ይዝከረኒ።

ኣብቲ ኣቶ ኣብረሃም ዘቕረቡዎ ጽሑፍ፣ መሰለት ኣርኣያ ንኣዲኡ ወላዲቱ ከም-ዝመስል’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ኣብዚ ግና ኣቶ ኣብረሃም ጌጋ ሓበሬታ ዝረኸቡ’ዩ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ከመይሲ ብኹሉ መዐቀኒ እንተ-ተራእየ’ውን፣ ካብ ኩሎም ኣሕዋቱ ነቦይ በላይ ዝመስል ኣርኣያ’ዩ። ኣደይ ደሃብ ብቁመት ነዋሕ ዝበሃላ ሰበይቲ ኣይነበራን። ኣቦይ በላይን ኣርኣያን ግና፣ ምሉእ ዝበሃል ቁመት’ዩ ነይሩዎም። ጠቕላላ ተክሊ-ሰብእነቱ ከኣ ኣርኣያ ነቡኡ’ዩ ዝመስል ዝነበረ። ብዝተረፈ ክልቲኦም ወለዲ፣ ብልቦና ዝፍለጡ ረዘንቲ ተባሂሎም ዝምስከረሎም ምንባሮም፣ ኩሉ ክሰማማዓሉ ዝኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ብዝተረፈ ኣብቲ ቈልዑ ኮንና ምስ ኣርኣያ፥ ኣብ እንዳ የነታ ዑቕባ-እንድርያስ  ንመሃር ዝነበርናሉ እዋን። ዳርጋ ኩላትና እቶም ቈልዑ፥ ዝጠቅም ክዳን ዝነበሮ ቈልዓ ኣይነበረናን። ብፍላይ እቶም ከማይ ዝኣመሰሉ፥ ካብ ኣርባዕተ-ኣሥመራ ንመጽእ ዝነበርና ደቂ-ሓረስቶት፥ ድርብ ኮይኑ ዝተሰፍየ ኢደ-ጠባብ ኣቡጀዲድ’ዩ ነይሩ ክዳውንትና። እቶም ካብ ዕዳጋ-ዓርብን ሓድሽ-ዕድን ዝመጹ ዝነበሩ ቈልዑት እንተኾኑ’ውን፥ ካብቲ ናትና ናይ ደቂ-ሓረስቶት ዝሓይሽ ክዳውንቲ ነይሩዎም ዝበሃሉ ኣይነበሩን። ኣርኣያ ግና እታ ብዙሕ ትግደሰሉን ተሐንቅቖን ዝነበረት ዓባይ ኃውቱ። ማለት ምዕራፍ ጎልፎ ምእላም ትኽእል ስለ-ዝነበረት፥ ንዓና ነቶም ደቂ-ሓረስቶት፥ ከቕንእ ዝኽእል ጎልፎ ይኽደን ከም-ዝነበረ ይዝከረኒ’ዩ።

ይኹን እምበር ንናይ ኣርኣያ ዕቤት ወይ ተፈላጥነት፥ ከም መሠረት ወይ መበገሲ፥ ማኅበር ትያትር ኣሥመራ ከም-ዝኾነት ገይሮም ዝዛረቡ ኣለዉ’ዮም። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኮነን። ኣርኣያ ብመሠረቱ ከም ኩሎም እቶም መሳቱኡ ወይ መተዓብይቱ ደቂ ዕዳጋ-ዓርቢ፥ ወዲ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኑ’ዩ ዓብዩ። ኣብ መፋርቕ 50-ታት ኣቢሉ ድማ፥ ኣብ ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ክጽንበር ክኢሉ። በሊሕን ትኩርን ከም-ምንባሩ መጠን ድማ፥ ኣብ ኩሉ ዝነጥፍ ምርኡይ ኮይኑ፥ ጸብለል ኢሉ ክርአ ግዜ ኣይወሰደሉን።

እቲ ኣብ ሥነ-ጽሑፍ ኮነ፥ ኣብ መድረኽ ወጺእካ ናይ ምውሳእ ክእለት ዘጥረዮ’ውን ኣብዚ ማኅበር’ዚ ምዃኑ፥ ኩሎም እቶም ብቐረባ ዝፈልጡዎ ኣዕሩኽቱን መተዓብይቱን ይሰማምዑ’ዮም። ከመይሲ እዚ ማኅበር’ዚ፥ ወንጌል ናይ ምስባኽ መደብ’ውን የካይድ ስለ-ዝነበረ፥ ኣርኣያ’ውን ኣብዚ ወንጌል ናይ ምስባኽ ኣገልግሎት ተሳታፊ ነይሩ’ዩ። ስለ’ዚ ኣርኣያ ነቲ ደሓር ክኾኖ ዝኸኣለ፥ ናይ መድረኽን ናይ ሥነ-ጽሑፍን መንነት፥ መሠረቱ ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን ደኣምበር፥ ካልእ ክጥቀስ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስለንን።

ርግጽ’ዩ ኣብቲ ብኣቶ ኣብርሃም ብርሃነ ዝቐረበ ጽሑፍ። ኣርኣያ በላይ ምስታ ብ ማተደ ትፍለጥ ዝነበረት “ማኅበር ተዋስኦ ደቀባት” ከምኡ’ውን ማምሃል ማለት “ማኅበር ምምሕያሽ ሃገራዊ ልምዲ” ዝበሃላ ዝነበራ ማኅበራት ተሳትፎ ከም-ዝነበሮ ተገሊጹ ኣሎ። ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ግና ኣርኣያ በላይ፥ ምስዘን ማኅበራት እዚኣተን ምፍላጥ ነይሩዎ ክብል ኣይክእልን’የ። እቶም ኣባላት እዘን ማኅበራት’ዚኣተን ዝነበሩ ድማ፥ ብዕድመ ኣዚዮም ካብ ኣርኣያ ዝዓብዩ ስለ-ዝነበሩ፥ ናይዘን ዝተባህላ ማኅበራት ኣባል ንክኸውን፥ እቲ ዕድሚኡ’ውን ከፍቅደሉ ይኽእል ኣይነበረን።

ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ሓደ ካብቶም፥ ንኣርኣያ ቀረብኡ ነይሮም ዝበሃሉ ደቂ ፍኖተ-ብርሃን፥ ማለት ኣቶ ኣዲ ገብረ ግና፥ ከምዚ ዝስዕብ ርእይቶ’ዩ ዘለዎ። “…ንኣርኣያ ኣኩኡ ማለት ግራዝማች ገብረ-እግዚኣብሔር ተካ። ሓደ ካብቶም ኣብ ማተደ ኣዚዮም ንጡፋት ዝበሃሉ ኣባላት ስለ-ዝነበረ። እቲ ናይ ኣኩኡ ኣብ “ማተደ” ዝነበሮ ተሳትፎ ጽልዋ ገይሩሉ ክኸውን ይኽእል’ዩ፥ ምባል ከኽይድ ዝኽእል ይመስል። ከመይሲ ግራዝማች ገብረ-እግዚኣብሔር ተካ፥ ምስ በዓልቲ ቤቱ መምህር ለምለም ገብረ-እግዚኣብሔር፥ ንጡፋት ኣባላት “-ማኅበር ተዋስኦ ደቀባት-” እዮም ነይሮም። እዚታት ኩሉ ድማ ኣብ ኣርኣያ፥ ጽልዋ ኣይገበረን ክበሃል ኣይከኣልን…” ዝብል ርእይቶ’ዩ ዘለዎ ኣቶ ኣዲ ገብረ። ኣነ’ውን ካብዚ ናይ ኣዲ ዝተፈልየ ተዘክሮ የብለይን።

እታ ካብ ዕድመ ንእስነት ጀሚሩ ዝዓበየላ፥ ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን ግና፥ ናይ ሥነ-ጽሑፍን መድረኽን ሰብ ኮይኑ ንኽዓቢ፥ መልሚላቶን ኮስኵሳቶን’ያ ክበሃል ይከኣል። እቲ በታ ማኅበር ተዳልዩ በብዓመቱ ንሕዝቢ ዝቐርብ ዝነበረ። ናይ ጎይታና ታሪኽ መከራ-መስቀል። ንናይ ጎይታ ገጸ ባህርይ ወኪሉ ዝዋሳእ ዝነበረ፥ ኣርኣያ በላይ ምዃኑ ኣብ ተዘክሮ ብዙሓት ክህሉ ከም-ዝኽእል፥ ምግማቱ ይከኣል እዩ። ኣርኣያ ኣዚዩ ክኢላ ናይ መድረኽ ሰብ ከም-ዝነበረ፥ ብዙሓት ይዝክሩዎ እዮም ዝብል እምነት ኣሎኒ። ከመይሲ ፍሉይ ተውህቦ ዝተዓደለ ናይ ኪነ-ጥበብ ሰብ’ዩ ነይሩ።

ኣብቲ ዳሕራይ እዋን’ውን፥ እቲ ንኣርኣያ ንእሽቶ ኃዉ ዝኾነ ማለት ኃይለ በላይ፥ ንኣርኣያ ተኪኡ ነቲ ኣብ ታሪኽ-መስቀል ዝነበረ ናይ ጎይታ ገጸ-ባህርይ ወኪሉ፥ ይዋሳእ ከም-ዝነበረ ዝዝከር’ዩ። ኣብ ንጥፈታት እቲ ማኅበር’ውን፥ ኣርኣያ ኣብ ኩሉ ነይሩ’ዩ። ዋና-ጸሓፊ ብምዃን ዘገልገሎ ዓመታት’ውን ውሑድ ኣይነበረን። ሓደ ካብቶም ተጠመትቲ ደቂ-ማኅበር ነይሩ’ውን ክበሃል ይከኣል። ብዝተረፈ ኣርኣያ ኣብ ዘተን ምርድዳእን ዝኣምን እምበር፥ ጐነጽን ዓመጽን ምስ ባህርያቱ ዝሳነ ኣይነበረን።

እታ “መን’ዩ በደለኛ” እትብል በዅሪ ድርሰቱ ዝኾነት መጽሓፍ’ውን፥ ምስ “ማትኣ” ምስ-ተፋለጠ ዝጸሓፋ’ኳ እንትኾነት፥ እቲ ናይ ድርሰት ሞያ ግና፥ ኣብ ፍኖተ-ብርሃን እናሃለወ ዘጥረዮ ደኣምበር፥ ካብ “ማትኣ” ዝውሰዶ’ዩ ንክብል ኣይንኽእልን። ማትኣ ክትቀውም ከላ ድሮ ኣርኣያ ምሉእ ናይ መድረኽ ሰብ ኮይኑ’ዩ ዝኸደ እምበር፥ ኣብ ማትኣ ከይዱ’ዩ ናይ መድረኽ ሰብ ክኸውን ዝኸኣለ ዝብል ኣበሃህላ፥ ዝኾነ ጭብጢ ክቐርበሉ ዘይክእል፥ ምስቲ ሓቀኛ ታሪኹ’ውን ክሳነ ዘይክእል’ዩ ክበሃል ይከኣል።

ብዝተረፈ ማትኣ ክትቀውም ከላ፥ ብዙሓት ደቂ ማኅበር-መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን፥ ተሳተፍቲ ኮይኖም ምርካቦም ክጥቀስ ካብ ዘለዎ ሓደ’ዩ። ማለት ናይ መድረኽ ተመክሮ ኣለዎም ስለ-ዝተባህለ ግዲ ኮይኑ ይመስለኒ፥ ብርክት ዝበሉ ደቂ ፍኖተ-ብርሃን መሥረትቲ ኣባላት “ማትኣ” ኮይኖም ክርከቡ ምኽኣሎም እዩ። ንምጥቃስ ዝኣክል 1ይ-መምህር ኣለማዮ ካሕሳይ 2ይ-መምህር ኣስረስ ተሰማ 3ይ-ኣርኣያ በላይ 4ይ-ገብረ-ሕይወት ቀለታ። 5ይ-ኣብርሃ ………? ፊዛርሞኒካ ዝጻወት ዝነበረ’ውን፥ እዚኣቶም ኩሎም ደቂ ፍኖተ-ብርሃን እዮም።

ኣብቲ እዋን’ቲ እዚ ጉዳይ’ዚ፥ ኣብ ማኅበር ፍኖተ-ብርሃን ኣከራኻሪ ኣርእስቲ ኮይኑ ተረኺቡ ከም-ዝነበረ፥ እቶም ብሕይወት ተሪፎም ዘለዉ ዉሑዳት ደቂ ማኅበርና ይዝክሩዎ’ዮም ዝብል ግምት ኣሎኒ። እዚ ማለት ድማ፥ እቲ ናብ ማትኣ ምኻድ፥ ምስ መንፈሳዊ-ዕላማ ማኅበርና ተሳንዩ ክኸይድ ኣይክእልን’ዩ ስለ-ዝተባህለ፥ እቲ ናይቶም ደቂ-ማኅበር ናብ ማትኣ ምኻድ፥ብጽቡቕ ዓይኒ ክጥመት ዘይከኣለ’ውን ስለዚ’ዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ብዙሕ ዘከራኽር ጉዳይ ኮይኑ ከም-ዝተረኽበ፥ ከቶ ክርሳዕ ዝኽእል ኣይኮነን።

ድሕሪ ክንደይ ክርክር ድማ፥ ከም ኣታዓራቒ ሓሳ ኮይኑ ዝቐረበ። ቅድም ኣከያይዳ እቲ ማኅበር ይርአ’ሞ፥ ኣብ ባህሊ ጥራይ ዘተኵር እንተደኣ ኮይኑ፥ እዚ ከም ካብ መንፈሳውነት ሪሒቑ ዝኸደ ክውሰድ ኣይከኣልን’ዩ። ስለዚ ቅድም ንጥፈታት እቲ ማኅበር ይርአ’ሞ፥ ብድሕሪኡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ምስ-ተራእየ፥ ሓዲኡ ክውሰን ስለ-ዝተባህለ፥ ብኸምዚ’ዩ ብዙሕ ዘሰሓሕብ ኮይኑ እናሃለወ፥ ኣርኣያ ኮነ እቶም ካልኦት ደቂ ፍኖተ-ብርሃን፥ ኣብቲ መንፈሳዊ ማኅበር ዝነበሮም ኣባልነት ከም-ዝነበሮ ኮይኑ፥ ኣብ ምንቅስቓስ ማትኣ ክሕወሱ ዝተፈቕደሎም።

ከም ሓቅን ስለ ሓቅን ክዝረብ እንተደኣ ኮይኑ፥ ነቲ ኣርኣያ ከም ናይ ሥነ-ጽሑፍን፥ ናይ መድረኽን ሰብ ክኸውን ጽልዋ ዘሕደሩሉ፥ ቤት-ትምህርቲ ኣግኣዝያንን ማኅበር ፍኖተ-ብርሃንን እምበር፥ ናብ ካልእ ኣቢልካ ዘይነበረ ምጥማት፥ ነቲ ሓቀኛ ኣርኣያ ዝሓለፎ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ፥ መኣዝኑ ከም-ዝስሕት ምግባር’ዩ ክኸውን። ብዝተፈልየ ኣብዚ እቶም ዓቢይ ናይ ታሪኽ ሰብ ኢልካ ክግለጹ ዝኽእሉ፥ የነታ ዑቕባ-እንድርያስ ዓስቡ ቀዳማይ ቦታ ክሕዙ ዝኽእሉ ይመስለኒ

ብዝተረፈ ኣርኣያ ቅድም ሥራሕ ዝጀመረሉ ሲቪል-ኣቭየሽን ኮይኑ፥ ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ራድዮ ጋዜጠኛ ኮይኑ ከም-ዝሠርሐ’ዩ ዝፍለጥ። እቲ መምህር ነይሩ ዝብል ኣበሃህላ ግና፥ ኣነ ክሳብ ዝርድኣኒ ኣርኣያ መምህር ኮይኑ ዝሠርሓሉ ግዜ ነይሩ ክብል ኣይክእልን’የ። ኣነን ንሱን ከም መተዓብይትን ደቂ ፍኖተ-ብርሃንን መጠን፥ ክሳብ መወዳእታ ግዜ ርክብና ቀረባ’ዩ ነይሩ። እቲ መምህር ነይሩ ዝብል ነገር ግና፥ ንዓይ ክርድኣኒ ዝኽእል ኣይኮነን።

ኣብ 1966 ዓ/ም (1974) ንዓይን ንኣርኣያን ዘራኽብ ሓደ ነገር ተረኺቡ። ንሱ ድማ ጉዳይ ኣማሃ-ጽዮን ተኸስተ’ዩ። ኣማሃ-ጽዮን ተኸስተ ኣብዚ ዝተባህለ እዋን ብደርጊ ዝተቐትለ ኃውናን ዓርክናን’ዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ንሕና ሠለስቴና፥ ኣካየድቲ ማኅበር-መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን ስለ-ዝነበርና፥ ኣነን ኣርኣያን ብጉዳይ እማሃ-ጽዮን ክንግደስ ናይ ግድን’ዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ደርጊ ነቲ እማሃ-ጽዮን ዝነበሮ ኩሉ ንብረት ስለ-ዝወረሶ፥  በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ገብርኤላ ወልዱ፥ ዘኻትም ደቃ ከተዕቢ ዘኽእላ ንብረት ክምለሰላ ብምባል፥ ሓደ ጽሑፍ ናብቲ ኅብረተ-እዚ ዝበሃል ዝነበረ ክፍሊ ከነቕርብ ግድነት ኮይኑና።

ናይዚ ሕቶ’ዚ መልሲ ንምርካብ ንመላለስ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ድማ፥ ሓደ መዓልቲ እቲ ነቲ ጉዳይ ሒዙዎ ዝነበረ ኮለኔል “…እዚ ዘመላልሰኩም ዘሎ ጉዳይ፥ ንሕይወትኩም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ-ዝኾነ፥ ካልኣይ ግዜ ነዚ ጉዳይ’ዚ ሒዝኩም፥ የማነ ጸጋም ክንብል ኢና ዝብል ሓሳብ እንተደኣ ኣልዩኩም፥ ሕይወትኩም ንሓደጋ ኣሕሊፍኩም ትህቡ ከም-ዘሎኹም ፍለጡ…” ዝብል ምኽሪ ዝመስል መጠንቀቕታ ምስ-ሃበና፥ በዚ ተፋኒና ምስ-ከድና፥ ኣነን ኣርኣያን ካልኣይ ግዜ ብሕይወት ክንራኸብ ኣይከኣልናን። ምኽንያቱ ድማ ኣነ ብዙሕ ከይጸናሕኩ፥ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ተኣሲረ ንኣዲስ-ኣበባ ስለ-ዝተውሰድኩ፥ ናይ ዘለዓለም ምፍልላይና ክኸውን ክኢሉ።

ኣነ ቅድሚ ንኣዲስ-ኣበባ ተኣሲረ ምኻደይ፥ ኣብ ግቢ ተኣሲረ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፥ ካብቲ ኣርኣያ ዝሠርሓሉ ዝነበረ ናይ ራድዮ ክፍሊ፥ ሓሙሽተ ዝኾኑ ተኣሲሮም ስለ-ዝመጹ፥ ንሳቶም’ውን ምስ ኣርኣያ ዝነበረና ምቅርራብ ይፈልጡ ስለ-ዝነበሩ፥ “…ኣርኣያ ብዛዕባ ናትካ ምእሳር ብዙሕ ይሽገር’ዩ ዘሎ። ስለዚ እንድዒ ደኣምበር፥ በቲ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፥ ኣብ ሓጺር ግዜ ከይወጻእካ ኣይትተርፍን ኢኻ…” ምስ-በሉኒ፥ ኣነ’ውን ኣርኣያ ብምእሳረይ ከም-ዘይድቅስ እግምት ስለ-ዝነበርኩ፥ እቲ ድኻሙ ተቓኒዑ ክወጽእ ከም-ዝኽእል፥ ምሉእ ተስፋ ገይረ ክጽበ ምኽኣለይ ይዝከረኒ። ኣብቲ ሰሙን ኣቢሉ ግና፥ ካልኦት ሓደስቲ እሱራት መጺኦም ከዕልሉ ከለዉ፥ እቲ ሕያዋይን ጥዑምን ኣርኣያ ዝፈጸሞ ገበን ከይሃለወ፥ ብግፍዒ ከም-ዝተቐትለ፥ እቲ መሪር መርድእ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኮይነ’የ ክሰምዖ ዝኸኣልኩ። ሕይወት ሓደ ንጹሕ ዝኾነ ሰብ ብኸንቱ ምጥፍኡ ድማ፥ ብዙሕ ኣብክዩንን ኣሕዚኑንን። ከመይሲ ወርቂ ዝኾነ ሰብ’ዩ ጠፊኡ።

የግዳ ኣብቲ ብናይ ኣማሃጽዮን ተኸስተ ጉዳይ ክንራኸብ ዝቐነናሉ ሰሙን፥ ንኣርኣያ ብዛዕባ ክመጾ ዝኽእል ሓደጋ፥ ብግልጺ ከዕልሎ ግድነት ኮይኑኒ ነይሩ። ማለት ሓደ መዓልቲ ካብቲ ናይ ኣማሃጽዮን ጉዳይ ተመሊስና ከነዕልል ከሎና “… ኣርኣያ-! ኩነታት እዚ ዓዲ ካብ ዕለት ንዕለት፥ ዘየተኣማምን እናኾነ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ንኹላትና ድማ ከቕስነና ዝኽእል ኣይኮነን። ኣነ ዕድል እንተዝህልወኒ ኣዲስ-ኣበባ ቅያር ክረክብ እንተ-ዝኽእል ኣይምጸላእኩን። ንስኻ ግና ካብ ናተይ ዝሐሸ ዕድል’ዩ ዘሎካ። ከመይሲ ኃይለ ኃውኻ ድሮ ኣብኡ ሥራሕ ጀሚሩ ኣሎ። ስለዚ ኣነ እዚ ስጉምቲ’ዚ ክትወስድ’የ  ዝመኽረካ። ከመይሲ እቲ ካብ በረካ ይመጽእ’ዩ ዝበሃልናይ ሞት መጠንቀቕታ ደብዳቤ፥ ድሮ ከም-ዝበጽሓካ’ዩ ኣብዚ ከተማ ዝዕለል ዘሎ። እዚ ዘረባ’ዚ ክነግረካ ከሎኹ፥ ስለ-ክትጥንቀቕ እምበር ከፍርሓካ ደልየ ኣይኮንኩን…” ብምባል፥ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመትኩ ከም-ዝነገርኩዎ እግዚኣብሔር ምስክረይ’ዩ።

ኣርኣያ እቲ ሽዕኡ ዝሃበኒ መልሲ “…ተኽለ-ማርያም ኃወይ-! ኣነን ንስኻን ዕድሜና ምሉእ ንፋለጥ ስለ-ዝኾንና፥ ናተይን ናትካን ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያ፥ ኣነ ክሳብ ዝዝክሮ ተፈላሊና ኣይንፈልጥን ኢና። ስለዚ ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያዶ ንሓደ ሰብ ገበነኛ ክገበሮ ይኽእል እዩ-? ኣብ ምንታዮም ስለ-ዝተረኽብና ደኣ ኢና፥ ሕጂ ሕይወትና ኣብ ሓደጋ ከእትዉዎ ዝደልዩ ዘለዉ-? ብዝኾነ ስለቲ ተገዳስነትካን ሓልዮትካን ብጣዕሚ’የ ዘመስግን። ኣብ ሕልናይ ሕርኽርኽ ዝብል ነገር ስለ-ዘይብለይ ግና፥ ክመጽእ ንዝኽእል ኩሉ እግዚኣብሔረይ ኣሚነ ክጽበዮ እየ…”  ዝብላ ቃላት ከም-ዝመለሰለይ’የ ዝዝክር።

ሓደ ካብ ደቂ ፍኖተ-ብርሃን ማለት ኣዲ ገብረ፥ ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣልዒልና ኣብ ዘዕለልናሉ እዋን ከም ዘዘንተወለይ’ውን፥ ንኣርኣያ ካልኦት ጽቡቑ ዝደልዩ ኣኅዋትና፥ እልይ ኢሉ ክጸንሕ ዝመኸሩዎ’ውን ነይሮም እዮም። ኣርኣያ ግና ብንጽሕንኡ ይተኣማመን ስለ-ዝነበረ፥ ነቲ እልይ ኢልካ ምጽናሕ ዝብል ኣበሃህላ፥ ሕዝብኻን ሃገርካን ገዲፍካ ከም ምህዳም ገይሩ ስለ-ዝቘጸሮ፥ ፈጺሙ ሕልንኡ ክቕበሎ ዝደሊ ኣይነበረን። ኣብቲ ዝሃቦ መልሲ “…ኣነ ካብዛ መሬት’ዚኣ ዝተፈጠርኩ ወደ’ሥመራ’የ። ካብ ዓደይ ሃዲመኸ ዓዲ መን ከይደ’የ ክሕባእ-? ደቀይ እንተኾኑ ሓማሴኖት እዮም። ስለዚ ንዓይን ንስድራይን ኣሥመራ ዓድና’ያ። እቲ ዝመጽእ ከኣ ኣብዛ ዓድና ኮንና ደኣ ንቕበሎ እምበር፥ የማን ጸጋም ዝብለሉ ምኽንያት የብለይን…” ብምባል ከም-ዝመለሰ’ዩ ኣዲ ዘዕለለኒ።

 

ንኣርኣያ በዓልቲ ቤቱ ማለት ወይዘሮ ኣበባ ኣፍወርቂ፥ በዓልቲ ደቂ-ሽሓይ ዓንሰባ ስለ-ዝኾነት፥ ነዚ ንኽጠቅስ ኢሉ’ዩ ኣርኣያ “ደቀይ እንተኾኑ ሓማሴኖት’ዮም” ዝበለ። ብዝተረፈ ኣርኣያ ብዝኾነ ነውሪ ዘይሕመ፥ ርእሱ ኣቕኒዑ ዝኸይድ ሰብ’ዩ ነይሩ።ንዘረባ ዘይህወኽ ዕጉስ። ነገራት ከመዛዝን ዝኽእል። ንዝኣመነሉ ዕላማ ክሳብ መወዳእታ ደው ክብል፥ ጽንዓት ዝነበሮ ሰብ ምንባሩ ዝምስክሩሉ ብዙሓት’ዮም። ንኣርኣያ ኣብ ሞት ከብጽሖ ዝኸኣለ ጠንቂ ግና፥ እቲ ከም መዓርን ወለላን ዝጥዕም ላዛ ኣናብባ ትግርኝኡ ከም-ዝኾነ፥ ማንም ክርድኦ ይኽእል’ዩ። ይኹን እምበር ንሳቶም እቶም ሰብ ጠብ-መንጃ፥ ነቲ ፍሉይ ዝኾነ ተውህቦ ዝነበሮ ዓቢይ ናይ መድረኽ ሰብ፥ ንዘለዓለም ካብ መድረኽ ከም-ዝእለ ምግባሮም፥ ክንደይ ዘብኪ ክንደይ’ውን ዘሕዝን እዩ።

ኣነ ኣብ ማእከላይ-ምብራቕ ኮነ፥ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝነበርኩሉ ናይ ስደት ዓመታት፥ ብዙሕ ግዜ ኣርኣያ በላይ ስለ-ምንታይ ተቐቲሉ-? ዝብል ሕቶ ክለዓል ይስማዕ’ዩ። ግዳስ በቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዝጉሂ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ብሞት ኣርኣያ ዝሕጎስ ገጢሙኒ ኣይፈልጥን።ኣርኣያ ንጹህ ምንባሩ ኩሉ’ዩ ዝምስክረሉ። ነቶም ሰብ ጠብ-መንጃ ግና፥ እዚ ሓቂ’ዚ ክርኣዮም ኣይከኣለን።ብዝተረፈ ወዮ ደኣ ዘመዛዝን ኣእምሮ ኣይተዓደሉን እምበር፥ ዘመዛዝን ሕልና ነይሩዎም እንተ-ዝኸውንሲ፥ ኣርኣያ መን ምንባሩ ዘርኢ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ነይሩ’ዩ።

ከመይሲ ኣብቲ ደርጊ መጀመርታ፥ ኣብ ሥልጣን ዝመጹሉ እዋን። ሓደ በቲ እዋን’ቲ ናይ ክፍለ-ሃገር ጎጃም ኣማሓዳሪ ኮይኑ ዝነበረ ሰብ። ጉዳይ ኤርትራ ብኃይሊ ክፍታሕ ይኽእል’ዩ፥ ዝብል ሓሳብ ኣልዒሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “…ሽዱሽተ-ሚልዮን ዝኸውን ሕዝቢ ኣዝሚትና፥ ሓንሳእን ንሓዋሩን ካብ ገጽ ምድሪ፥ ክንድምስሶም ንኽእል ኢና…” ምስበለ፥ ቅድሚ ኩሉ ናይ ተቓውሞ ብርዖም ዘልዓሉ፥ እቲ ናይ ብርዒ-ሰብ ዝኾነ ኣርኣያ በላይን፥ ማሞ ውድነህ ዝተባህሉ ዓቢይ-ጋዜጠኛን ምዃኖም’ዩ ዝፍለጥ። ነዚ ኩሉ’ዚ ግና ኣብ ግምት ከእትዎ ዝደሊ ኣይተረኽበን። ንደም’ቲ ናይ ሕዝቢ ወገን ምዃኑ ብብርዑ ዘመስከረ ዓቢይ-ጋዜጠኛ ከኣ፥ ኣብ ኣደባባይ ደሙ ብከንቱ ከፍስስዎ ስኽፍ ኣይበሎምን።

ብዝተረፈ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፥ ብማእሰርቲ ኣቢለ ንኣዲስ-ኣበባ ስለ-ዝተወሰድኩ፥ ኣብ እንዳ ኣርኣያ ከይደ ከልቅስ ዕድል ኣይረኸብኩን። ድሕሪ ሠለስተ ዓመት ምስ-ተመለስኩ ግና፥ ብቐጥታ ማይ-ተመናይ ከይደ በጺሐ እየ። ሓማቱን ወዱን’ውን ጸኒሖሙኒ። በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ኣበባ ኣፍወርቂ ግና ኣይጸንሓትንን። ብዝኾነ እዚ ምብጻሕ’ዚ ናይ ሕልና ቅሳነት ክህበኒ ስለ-ዝኸኣለ፥ ንኣርኣያ ብኣካል ከም-ዝረኸብኩዎ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ።ኣብ መቓብሩ ከይደ’ውን፥ “-በል ኣርኣያ ክሳብ ኣብ ሰማይ ተራኺብና ነዕልል፥ ብሰላም ዕረፍ ክብለካ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ንሕና’ውን እንተኾንና ብድሕሬኹም ምንም ኣይጠዓመናን-” እየ ዝበልኩዎ።

ዝኾነ ኮይኑ እምሃ-ጽዮን ተኸስተን ኣርኣያ በላይን፥ ክልቲኦም ኣብ 1966 ዓ/ም (1974) እዮም ብግፍዒ ዝተቐትሉ። ኣብቲ እዋን’ቲ ክልቲኦም፥ ናይ ማኅበር-መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን ላዕለዎት ኣካየድቲ-ኣካል ዝነበሩ ክኾኑ ከለዉ። ኣብ መጽሔት-ኣሥመራ’ውን ክልቲኦም ብኃባር ሠሪሖም እዮም። ኣብቲ ዝተቐትሉሉ እዋን ክልቲኦም፥ ብኹሉ ነገር ዝቐንዖም ጸብለል ኢሎም ዝርኣዩ ምርኡያት ከም-ዝነበሩ ርግጽ’ዩ።

እቲ ዘገርም ግና እምሃ-ጽዮን ካብ ውሽጢ ከተማ ብዝተተኮሰት ጥይት ክቕተል ከሎ። ንኣርኣያ ዝቐተለት ጥይት ድማ ብኣንጻሩ፥ ብወገን በረኻ ተተኵሳ ዝመጸት’ያ። እቶም ክልተ ብልቦናን ብቑም-ነገርን ዝፍለጡ ደቂ ፍኖተ-ብርሃን ድማ፥ ናብ ክምለሱሉ ዘይክእሉ ዓለም ተመራሪሖም ከይዶም። እቲ ሕያው ኣምላኽ ኣብ መንግሥቱ ክቕበሎም ድማ፥ ጸሎት ኩሎም ደቂ-ማኅበሮም እዩ።

ኣብዚ ክጠቕሶ ዝደሊ ሓደ ነገር ኣሎ። ማለት ኣርኣያ ኣብ ጥምቀት ወዱ’ዩ ቅዱስ-ቁርባን ክቕበል ዝኸኣለ። ከም-ኣጋጣሚ ድማ ክቡር ደጃዝማች ሓረጎት ኣባይ፥ ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ኣቐዲሶም ስለ-ዝነበሩ፥ ኣርኣያ ክቕበል ከሎ ክርእዩዎ ክኢሎም። ንጽባሒቱ ሰኑይ ንናይ’ዚ ኣንቀጽ’ዚ ጸሓፊ ጸዊዖም፥ እቲ ኣርኣያ ቅዱስ-ቁርባን ክወስድ ኢሉ ዝውሰኖ ውሳኔ፥ ብጣዕሚ ከም-ዘሐጎሶም ገሊጾሙሉ። ከም-መግለጽ ሓጎሶም ድማ፥ ናይ ከተማ መሬት ክህቡዎ ወሲኖም።

በዚ መንገዲ’ዚ ኣቢሉ ድማ’ዩ፥ ኣርኣያ ነታ ኣብ ማይ-ተመናይ ዘላ ቤቱ ክሠርሓ ዝኸኣለ። ክቡር ደገዝማቲ ናይ ማኅበር ፍኖተ-ብርሃን ናይ ክብሪ ፕረሲደንት ከም-ምንባሮም መጠን፥ ንኣርኣያ ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጡዎ ነይሮም እዮም። እዛ ዝተባህለት ቤት ኣዚኣ ግና፥ ንደቁ ደኣ ጽላልን መዕቈብን ክትኮኖም ክኢላ እምበር፥ ኣርኣያስ ቀሲኑ ክድቅሰላ ዕድል ኣይገበረን።

ከምቲ ባዕሉ ዝብሎ ዝነበረ ድማ “ሰብን ዕንጨይትን ተሰባሪ” ስለ-ዝኾነ፥ ነቲ ዝነበሮ ርሑቕ ዝጠመተ ብሩህ ራእይ፥ ኣብ መፈጸምታ ከየብጽሖ ገዲፉዎ ክኸይድ ግድነት ኮይኑ። ኣነ ድማ ናይ ሕልና ጉዳይ ስለ-ዝኾነኒ’የ ነዛ ጽሕፍቲ’ዚኣ ዝሓናጠጥኩ’ሞ፥ ድሕሪ 43-ዓመት ስም’ቶም ክልተ ከቶ ክርስዑ ዘይክእሉ ኣኅዋተይን መተዓብይተይን፥ ማለት ኣርኣያ በላይን ኣማሃ-ጽዮን ተኸስተን ንኽዝክር ኣጋጣሚ ብምርካበይ፥ ነቲ ሕያው ኣምላኽ ዘቕርቦ ምስጋና ወሰን የብሉን።

 

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Temesgen December 22, 2017

    Selam Qeshi Tekhlemariam Merkatsion,

    I can’t thank you enough for walking us through the life of one of the prominent personalities of his generation—Ato Araya Belay. I was almost five years old when his life was taken away prematurely and in such a way that no sane mind can make sense out of but a true friend like you brings his rich legacy to light and to life so that the new generation can learn the factual history that had surrounded the life and untimely depurture of the brave and corageous Ato Araya Belay. Again thank you.

  • meretse December 24, 2017

    ዝከበርኩም ተራኺ፡
    ኣነ ኣብቲ ብቕደም ተከተል ዝዘርኹሞ ታሪኽ “ነብሰሄር ኣርኣያ በላይ” ዝውስኮ ወይ ዝንኽዮ የብለይ። ከመይሲ – ካብቲ ዝቕረበ ዓሚቝ መግለጺ ንላዕሊ ወይ ንታሕቲ ምካድ ንጌጋ ስለ ዘቓልዕ። ግን ሓደ ነገር ዘተሓሳሰበኒ ክቡር ተራኺ ዝሰሓትክሞ –ኣብ ዝርዝር ታሪኹ ዘይኾነስ ምስ ስሙ ተኣሳሲሩ ዝከይድ ፡ካብ ኣርእስቲ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ዝርዝር ታሪኹ ክንገር ግን ዝትረሰዔ ኮይኑ ዝተሰመዓኒ ክሓትት ……
    ብባህልና ንሓደ ካብ ዓለም ዝተፈለየ ብስሙ እንክጽዋዕ >> ቅድመ-ጥብቖ (ቅድሚ ስሙ ዝጠብቕ ቃል) ኣሎ። ንሱ ከኣ “ነብሰሄር እገለ ወይ እገሊት” ዝብል ይመስለኒ። ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ “ኣቶ” እገለ ወይ ወ/ት እገሊት፣ ወሮ/ እገሊት ምንባል መን ከልኤ ወይ ካብ መኣስ ተረፈ?

POST A COMMENT