Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣባላት ስለያን ጸጥታን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ቀይዲ ምስ ዘእተዉዎም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብምትሕብባር፡ ቤተሰቦም ናብ ስደት ካብ ዘምለጡ ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣማኢት ኣሽሓት ገንዘብ ይዘምቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣባላት ስለያን ጸጥታን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከስግሩ ምስ ዝሓዙዎም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ (Human Traffickers) ብምትሕብባር፡ ቤተሰቦም ናብ ስደት ካብ ዘምለጡ ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣማኢት ኣሽሓት ገንዘብ ይዘምቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ብመሰረት

ኣባላት ስለያን ጸጥታን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከስግሩ ምስ ዝሓዙዎም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ (Human Traffickers) ብምትሕብባር፡ ቤተሰቦም ናብ ስደት ካብ ዘምለጡ ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣማኢት ኣሽሓት ገንዘብ ይዘምቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ካብ ዞባ ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ፡ ነቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ኣብ ቤትማእሰርቲ ምስ ዳጎኑዎም፡ ናብ ኣባይቲ ናይ`ቶም ኣብ ዝሓለፈ 2-3 ዓመታት ደቆም ናብ ኢትዮጵያ ዘስገሩሎም ስድራቤታት መሪሖሞም ከምዝወስዱዎም ብምግባር፡ ንስድራቤቶም፡ `ነቶም መሰጋገርቲ ዘይከፈልኩሞም ገንዘብ፡ ክሳብ 250 ሽሕ ናቕፋ ንሓደ ሰብ ነዚ እሱር መሰጋገሪ ክፈሉዎ፡ እንተዘየለ ንስኻትኩም `ውን ክትእሰርሩ ኢኹም` ኢሎም ብምፍርራሕ ገንዘብ ይዝርፉ ኣለዉ።

እቶም፡ እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ካብቶም ናይ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ራስያ ዘይፍለ ሽፍታዊ ስራሕ ሳዕሪሩ ከምዘሎ ዝገለጹ ምንጭታት፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢሳይያስ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዘለዉ `ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ` ኢሎም ዝሓዙዎም ውልቀሰባት `ክፈሉዎም` ኢሎም ንስድራቤታት ከገድዱዎም ከለዉ፡ እቶም ኣባላት ጸጥታ ንገዛእ ርእሶም ተሓባበርቲ ናይቲ መንእሰያት ናይ ምስግጋር መርበብ ይኾኑ ከምዘለዉ፡  ወይ ድማ እቲ ብስም እቶም መሰጋገርቲ ዝኽፈል ገንዘብ ናብ ውልቃዊ ካዝናኦም ብምእታው ስድራቤታት ይዝርፉ ኣለዉ ማለት ስለዝኾነ፡ ብኽልቲኡ ወገን ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ምዝማት ተዋፊሮም ከምዘለዉ ዘረጋግጽ እኩይ ተግባር ምዃኑ የረድኡ።

እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ራስያን ዝምታን ተግባር ተዋፊሮም ዘለዉ ኣባላት ጸጥታን ስለያን ኢሳይያስ፡ ዋላ ኣድራሻ ናይ ዝቐየሩ ስድራቤታት ኣሰር ረኺቦም ገንዘብ ከኻዕብቱ እሱራት መሰጋገርቲ ኣምሪሖም ካብ ከተማ ናብ ከተማ ሃነፍነፍ ክብሉ ይረኣዩ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ `እዚ ናይ ስርዓት ኢሳይያስ ግዜ፡ ዘበን ተባላላዕ ኮይኑ ሎ` ክብሉ ነቲ ኩነታት ብስምክሕካሕ ገሊጾሞ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ደቆም ናብ ስደት ንዝኸዱ ስድራቤታት 50 ሽሕ ናቕፋ ምኽፋልን ኣብ ክንድኦም ኣቡኦምን ኣዲኦምን ምእሳርን ከም ፖሊሲ ይሰርሓሉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ፡ ብስም ን `ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ዘይከፈልኩሞ ገንዘብ` ኢሉ ከም ተጣባቒ ናይቶም ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ብምውሳእ ገንዘብ ህዝቢ ናይ ምዝማት ተግባሩ ግን ኣብዚ እዋን`ዚ ዝቃላዕ ዘሎ፡ ብልሽውናን ክፋእን ናይቲ ስርዓት ደረት ስኢኑ ከምዘሎ ዘረድእ ሓድሽ ዝምባለ እዩ።

 

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Berhane Haile April 12, 2018

    ሓደ ስርዓት ውድቀቱ ክቀራረብ ከሎ ኣብ ከምዚ ዓይነት ደረት ኣልቦ ጨመልቕለቕ እዩ ዝኣቱ። ህግደፍ ብመሰረቱ ናይ ማፍያታት ስርዓት ስለ ዝኾነ ድማ ዘይከም ኣብ ካልእ ሃገር ናይቲ ስርዓት መጋበርያ ንዝኾኑ ሰበስልጣን፡ ዝገበሩ እንተገበሩ ዝትንክፎም ኣካል የሎን።

  • Danilo April 12, 2018

    መልእኽቲ እዚ ሓበሬታ፡ጉሓላሉ ካብ መጠን ንላዕሊ ገርጊሮም ከምዘለዉ የረጋግጸልና።ጉሒላን ዝብእን ሓደ ዓይነት ባህሪያት ከም ዘለዎም መጠን ድራሮም ብቀሊሉ ይረኽቡ።ዋእ፡ ከመይ’ድኣሞ! ኮልኮላ ኣብ ደገ ተሕድር በጊዕን ገንዘቡ ሱቅ ኢሉ ዝዘሩን ስለዝረኽቡ ኢዩ ኢቲ ጸገም።

    • k.tewolde April 12, 2018

      Danilo,the tyrant never worked in his life,even when he was in the field he was always catered to,and he taught his cronies what to do,”you got guns, go get what you want..” did they! as soon as they entered the capital they had a field day,they started robbing the citizens in broad daylight,eviction,murder,rape,kidnapping,bribery,bullying,disappearance,illegal confiscation… became a way of life,they sucked the soul out of the people and left them looking like zombies staggering in different direction to destinations unknown.This little nation under HGDEF’s rule should be a case study for social scientists to mule over.God knows what they could come up with.

  • rezen April 13, 2018

    Issayas did what he wanted to do, and no doubt he will continue to do so.
    Question: What do WE want to do?
    Answer: Squabbling against each other.
    Why: Because, of our parochial mentality based on religion and region and individual’s hunger for power
    Proof: twenty-five years of squabbling.
    Conclusion: a) Issyas will continue to his human limit; and b) we will continue to be ሓመድ ሓፋሽ።

    • Hagos April 13, 2018

      ኣቶ ረዘነ ነዛ ሎሚ ቕነ ሓደ ዝጸሓፋ መራር ሓቂ ኣዘኪርካኒ።

      ማሕሙድ ሳልሕ: “ … ኣንጻር ህግድፍ ደው ከም ዝበልካ ምእዋጅን ብሓቂ ኣንጻሩ ምዃንካ ዘረጋግጽ ስራሕ ምስራሕን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። ንለውጢ ንምቅላስ ብቐዳምነት ዝጥለብ ርእሰምትእምማን እዩ። ኣብ መንነትካን ታሪኽካን ረጊጽካ ኢኻ ንዝሓሸ ደረጃ ምዕባለ ወይ ንለውጢ ትቃለስ። ማለትሲ፥ ንለውጢ ክትብገስ ዘገድድ ብምጀመርያ ክትልውጦ ዝግበኣካ ነገር ምስ እትውንን እዩ። ንህዝቡን መንነቱን ታሪኹን ዘይኣምን ተቓዋማይ ወገን ከቶ ክዕወት ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ደልዲሉ ዝረግጸሉ ባይታን ዝምግቦ ሰራውር የብሉን። እቲ ከም ሰራውር ኮይኑ ኣጽኒዑ ዝሕዞ መንነቱን ታሪኹን ስለዝኾነ፡ እቲ ንታሪኹን መንንነቱን ዘናሹ ወገን ይንዋሕ ይሕጸር ቆምሲሉ ይተርፍ ‘ሞ ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ከንሳፍፍን፡ ብካልኦት ዘበገስዎ ህቦብላ ክጋፋዕን እዩ ዝተርፍ።”
      ” … ተቓውሞ ኤርትራ ግን ገና ሃናጺ ኣተሓሳስባ ‘ኳ ከዕኩኽን ክጭብጥን ንጋዶ። ተቓውሞ ኤርትራ፥ ስምረት ኣተሓሳስባኡስ ይትረፍ ርእሱን እግሩን ‘ኳ ክነለሊ እንተኸኣልና።”

  • Gebretensae April 18, 2018

    ሎሚ ድዩ ሓድሽ ነገር ሰሚዕና እዚ ደኣ ንመናእሰይ ሰን ሰን ዘበሎም ክንደይ ዓመት ዝተሰርሓሉ ቁሩባት ሰበ ስልጣን ጁባኦም ዝመልእሉ ዶ ኣይኮነን so what? Every one knows that nothing new

POST A COMMENT