ኣብ’ታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ መንግስቲ ሱዳን ወዲቓ ዘላ ከተማ ቦር ዝርከቡ 550 ኣቢሎም ዝግመቱ ኤርትራውያን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ተዋጢሮም ከምዘለዉ ሓደ ካብቶም ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ንኣሰና ሓቢሩ።

ኣብ’ታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ወዲቓ ዘላ፣ ዋና ከተማ ኣውራጃ ጆንግለይ፣ ቦር፣ ዝርከቡ 550 ኣቢሎም ዝግመቱ ኤርትራውያን ንህይወቶም ኣብ ዘስግእ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ተዋጢሮም ከምዘለዉ ብምምልካት ማሕበረሰብ ዓለም ካብቲ ኣትዮሞ ዘለዉ መዓት

ኣብ’ታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ወዲቓ ዘላ፣ ዋና ከተማ ኣውራጃ ጆንግለይ፣ ቦር፣ ዝርከቡ 550 ኣቢሎም ዝግመቱ ኤርትራውያን ንህይወቶም ኣብ ዘስግእ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ተዋጢሮም ከምዘለዉ ብምምልካት ማሕበረሰብ ዓለም ካብቲ ኣትዮሞ ዘለዉ መዓት ከድሕኖም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጻውዒት ክገብሩ ሓደ ካብቶም ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ንኣሰና ሓቢሩ።

ንሱ፣ እቶም ህጻናትን ኣዴታትን ዝርከባኦም ኣስታት 550 ኤርትራውያን ዳርጋ መብዛሕትኦም ኣብ ቦር ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ‘ኳ እንተለዉ፣ እቲ ቐጽሪ ንገዛእ ርእሱ በቶም ዕጡቓት ተቓወምቲ ተኸቢቡ ብምህላዉ ውሕስነት ከምዘይብሉ የረድእ።

ኣብቲ ዕርግግር ሓደ ሶማላዊ ክምወት ከሎ፣ ሓደ ኢትዮጵያዊ ከምዝተወግአ፣ ንሓደ ኤርትራዊ ኸኣ ኣብ ደረት ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከሎ ኣብ ጅቡኡ ዝነበረ ገንዘብ እቶም ዕጡቓት ከምዝዘረፉዎ ኣገንዚቡ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ንብረት ናይቶም ኣብታ ከተማ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን በቶም ክሳብ ደቂ 13-14 ዓመት ዝግመቱ ቆልዑ ዝርከቡዎም ዕጡቓት ተቓወምቲ ከምዝተዘረፈ ብምሕባር፣ እቶም ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ካልኦት ኣሽሓት ሱዳናውያን፣ ኢትዮጵያውያን፣ ኡጋንዳውያንን ካልኦት ዜጋታትን ተዓጽዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝኾነ ናይ መግቢ ቀረብ ይኹን ካልእ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ስለዘይብሎም ኣዝዮም ተጨኒቖም ኣለዉ።

ነቲ ህጹጽ ጻውዒት ከምዘለዎ ንምቕራብ ተደጋጋሚ ናብቶም ኣብ ቀጽሪው ድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ብተደጋጋሚ ግዜ ቴለፎን ‘ኳ እንተደወልና መስመር ከሕልፈና ኣይከኣለን።

እቲ ግጭት፣ ኣብ መንጎ’ቲ ካብ ዲንቃ ዝብሃል ዓሌት ዝኾነ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ከምኡ ‘ውን ምኽትሉ ዝነበረ ካብ ዓሌት ኑር ዝውለድ ማቻር ብምዃኑ፣ ድሮ ዓሌታዊ መልክዕ እናሓዘ ይኸይድ ብምህላዉ እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይከውን ኣዝዩ ኣስጋኢ ኮይኑ ‘ሎ። ብኡ መጠን ኣስጋእነቱ ነቶም ኣብ ከበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዓቢ ምዃኑ እቶም ምንጭታት የገንዝቡ።

ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ 14 ሽሕ ህዝቢ ኣዕቍቡ ዘሎ ኣብ ከተማ ቦር ዝርከብ መዓስከር ውድብ ህቡራት ሃገራት ብኣሽሓት ዕጡቓት ተቓወምቲ ተኸቢቡ ከምዘሎ፣ ድሮ ‘ውን 2 ወተሃደራት ዓቃብ ሰላምን ኣስታት 11 ሲቭል ደቂ ደቡብ ሱንዳንን ሞይቶም ምህላዎም ኣረጋጊጹ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • t December 21, 2013

    what do you expect from east Africa? nothing good,i think that region should be colonized again.

  • t December 21, 2013

    what do you expect in East Africa? Nothing good,i believe that region should be colonized again.

  • Awet Nihafash December 21, 2013

    t on
    as much as i disagree with that idea i really like the jocke ,,,gud 1

  • senay December 21, 2013

    come on be fair and at least wait , you always jump to the wrong side of events , amanuel please wait

  • senay December 21, 2013

    I hate the Eritrean government but , how do we mobilize our people to challenge the government should be open for all Eritreans and also have respect even if we hate them.

    Amanuel and others in Assena group are pushing the most valuable young Eritreans to a wrong side by posting wrong information.Please be informative and tell the truth .

  • Med December 21, 2013

    Senay just represent your self once you trust yourself then you can trust others. There no is absolute unity in the world; but there is agreement and negotiation for mutual benefit.If you believe our people had enough from the PFDJ gangs; if ready for change and justice, there is nothing that can block us from negotiating and come to common interest.But before we come to the table for negotiation we have to analyse facts; so that is what we can learn from Radio Asena (Amaniel) he is doing great job.

  • Kereny December 21, 2013

    The eritreans are stateless, they have no government representing them

  • weygud December 21, 2013

    I have inkling that there might be the invisible hand of the belligerent PFDJ as it likes chaos in the HOA.
    May God keep our people safe in South Sudan as they donot have responsible government. I have no doubt the Ethiopian government ready to rescue its citizens in Juba.

  • Hitzit December 22, 2013

    What happened in South Sudan is a typical problem in Africa. Leaders do nothing to resolve potential problems. Each country in Africa has various nationalities with different languages and cultures. Not only that, also different regional groupings. A government which does not represent various nationalities, regions, and beliefs is a cause for violent outcomes.

  • wedi bore December 22, 2013

    bore is the homeland of late john garang and almost all the state is antagonistic to salvaker,those residents of bore they treat eritreans as supporters of the current president and they thought the personnel account of john gaurang was saved in eritrean banks estimated around 40 million and took by hgdef

POST A COMMENT