Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኖርወይን መላእ ዓለምን

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 16/2/2013 Norway ኖርወይ ብተኣምር ሰራሕቲ ቅያ ላዕሊ ታሕቲ ብጉልበት ብዎፈያ ተጓይያ ምእንተ ወጽዓ ኤሪትረያ ህዝብና ንምድሓን ሰልፊ አዳልያ ኣውቶቡስ ባቡር መካይን ብኣየር ተጓዒዙ ካብ ኣሻሓት ኪሎሜተር ቑሪ በረድ ተጻዊርኩም ንስለ ሃገር ገንዘብኩም ኣፍርዩ ዓቢ ቑምነገር ሕልና ከተቕስኑ ደስ ክብለኩም ኣምላኽ ረቢ ዝፈትዎ ሰሪሕኩም ጽባሕ ክንዕወት

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
16/2/2013 Norway

ኖርወይ ብተኣምር ሰራሕቲ ቅያ
ላዕሊ ታሕቲ ብጉልበት ብዎፈያ
ተጓይያ ምእንተ ወጽዓ ኤሪትረያ
ህዝብና ንምድሓን ሰልፊ አዳልያ

ኣውቶቡስ ባቡር መካይን ብኣየር
ተጓዒዙ ካብ ኣሻሓት ኪሎሜተር
ቑሪ በረድ ተጻዊርኩም ንስለ ሃገር
ገንዘብኩም ኣፍርዩ ዓቢ ቑምነገር

ሕልና ከተቕስኑ ደስ ክብለኩም
ኣምላኽ ረቢ ዝፈትዎ ሰሪሕኩም
ጽባሕ ክንዕወት ብሳላ ጻማኹም
ቕንዕናን ሓቦን ጽኑዕ ሓይልኹም
ነቕናቒ የብሉን ስጡም ዕርድኹም
ደቂ ኤረ ሓየት ኣጆና ኣጆኻትኩም

ተቓወምቲ ኖርወይ ኩሉ ግዜ ላዕሊ
ስርሖም ጽፉፍ ዝራዳድኡ ብዓቕሊ
ብዓለም ዝተፈልጡ ብወግዒ ብዕሊ
ብዉሑዳት ዝተጀመረ ህዝቡ ዝሓሊ
ብግብሪ ተራእዩ ሰዊቶም ከም እኽሊ

መንእሰይ ኣፍርዩ ፈጢኖም ዝቃለሱ
ንህዝቦም ከድሕኑ ሃገሮም ከውሑሱ
ዑቑር ሓይሊ ዓጢቑ እንሆ ተበጊሱ
ንህግደፍ ካብ ሱሩ ክምሕዎ ቦንቍሱ

ደጊም ቀሪቡዩ ክሩሁ ክወግሓልና
ኣመስግኒ ኤረ ሓደስቲ ገጽኳ ሪኢና
ኩሉ ተረዲኡዎ ሽግር ናይ ህዝብና
እልል በሊ ወላዲት ሃገር ኣሰየ ኣሰና

ንናይ ፎርቶ ከመጉስ ፍናን ክህብ
ዘንቀሎ ዕጥቂ ኣብ ሾቶኡ ክዓልብ
ናብ ስርሒት ፎርቶ ንኸነድህብ
ህዝና ተላዒሉ እጅገኡ ክስብስብ

ኣብ ኩሉ ሊሒሙ ሰላማዊ ሰልፊ
ንህግደፍ ክጉሕፎ ንህጉሙ ንጸድፊ
ንዝደንጎየ ክምዕድ ብልዝብ ብጽፊ
ሰላም ከንግስ ብጥበብ ብዘይ ጸርፊ

ኣርኢኻ መንእሰይ ጎበዝ ኣባ ዳህሪ
ህግደፍ ተንገብጊቡ ኣእቲኻሉ ቁሪ
ዝብሎ ጠፊኡዎ እንታይ ከምዘውሪ
ሓሶቱ ተጸንቂቑ ዝዕቡድ መደናግሪ
በላዕ ኩሊት ሰብ ተሓጺቡ ዘይጸሪ

ኣብ እንግሊዝ ጥልያን ድርብ ዓወት
ንኤምባሲ ህግደፍ ዘሕሰረ ክብረት
ወዲ ኤሬ ቆራጽ ብግብሪ ብትብዓት
ኣመሪካ ዝካየድ ኣብ ኩለን ስተይት
ብጀጋኑ ተመሪሑ በቶም ሙዑታት

ስግር ማዕዶ ካናዳ ኣውስትራሊያ
ኣናብስ ኣለዉ ምስ ዋዓሩ ሰብ ቅያ
ንቕድሚት ደጊም መሬት ወጊሓያ
ቆጾራና ትኹን ኣብ ሓዳስ ኤሪትረያ
ብሓደ ክንዞሮ ኮምብሽታቶ ኣኽርያ

ጻዊዒት ስርሒት ፎርቶ ኣበራቢራ
ኣብ ውሽጢ ዝበቖለት ኣብ ኣስመራ
ዝናኣ ዎፊሩ ሊሒሙ ናብ ዲያስፖራ
ተሓባቢርና ከነውጽኦ ንህዝብና ሓራ

ዘገርም ናይ ኣሕዋትና ዑቕበኛታት
ኣብ ጎሮቤት ሃገር ዘለዉ በኣሽሓት
ምእንተ ሃገሮም ዝብሉ ሓርኮትኮት
ትጽዕሩ ዘለኹም ከይነውሕ ትጽቢት
ኣጆኹም ቀሪብናና ክንተክል ስርዓት
ምዩቕ ከይበልና ከነዕልል ክንጻወት

ህዝቢ በብዘለኻዮ ሕልናኻ ኣበርክት
ጸላኢና ወጊድና ቀልጢፍና ክንዕወት
ኩልና ንዋሳእ ተጠርኒፍና ብሕብረት
ዕላማና ሓደ ይኹን ንሙሉእ ነጻነት፣፣

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Mesinas February 17, 2013

    ዝኸበርካ ሓው ተስፋማርያም፡ ብመጀመርያ ኣብዚ ትገብሮ ዘለኻ ስነ ጥበባዊ ኣበርክቶ ዘለኒ ኣድንቖትን ክብርን ክገልጸልካ ይፈቱ። ምኽንያቱ፡ ቃልሲ ብስ ነጥበብ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሰባት ኣብ ምንቃሕን ንተቓለስቲ ፍትሒ፡ ሞራል ኣብ ምሃብን ንላዕሊ፡ ባህልን ስነ ጽሑፍን ኣብ ምህናጽን ምምዕባልንውን ዓቢ ተራ ስለ ዘሎዎ። ስነ ጥበባዊ ስራሕካ ብዝለዓለ ኪትቅጽሎ እላበወካ። ሓንቲ ግን ከም ሓውኻን መቓልስትኻን መጠን ክመኽረካ ወይ ከዛኻኽረካ ዝደሊ ነገር ኣላ። ዝኾነ ይኹን ግጥሚ፡ ትሕዝቶኡን መቐረቱን ብዘየገድስ፡ እንተደኣ ብዓቐን ካብቲ ኪኾኖ ዘለዎ ሓሊፉ፡ ወይ ካብቲ ኪኸዶ ዘለዎ ንላዕሊ ከይዱ፡ ካብ ኣበርክቶኡ ክሳራኡ ከም ዝዓቢ’ዩ። ብኸመይ እንተ ኢልካኒ ከኣ ብመሰረቱ ህዝብና ዋላውን ካብ ቀደም ማለተይ እየ፡ ንግጥሚ ብምስማዕ’ምበር ብምንባብ ኣይተላለዮን። ኣብዚ ኸኣ ናይ ቀደም ገጠምቲ ማለት ማሰኛታት፡ ብጥዑም ቃናን ምዑዝ ዜማን ኣሰንዮም፡ ብዘየሰልቹ ኣጋባብ የቕርብሉ ስለ ዝነበሩ፡ ቀልጢፉ ፍቕሪ ማሰን ኣውሎን ኪሓድሮ ኪኢሉ’ዩ። በዚ ኸኣ ናይ ቀደም ገጠምቲ፡ ንሳቶምን ፍረኦምን ኣብ ህዝቢ፡ ልዑል ተቀባልነትን ተባሃግነትን ኔሩዎም።

    እዞም ሕጂ ንፍትን ዘሎናውን እንተኾንና ነዚ ኣብነት’ዚ ብምኽታል፡ ብኸመይ ይገጥሙ ከም ዝነበሩ ንስራሓቶም ብምውካስ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ግጥሚ ናይ ምንባብን ናይ ምስማዕን ሽውሃቱ ዝተዓጽወ ወልዶ፡ ሽውሃቱ መታን ክንከፍተሉ፡ በብቚሩብ ጨው ኣመቅር ኣቢልና ፈይ ከነብለሉ’ዩ ዘሎና’ምበር፡ ኣብቲ ክንገልጾ ንደሊ ሓሳባት ጥራይ ኣተኲርና፡ ኣሎ ዝብሃል ቃላት ብምድርዳር ክንገልጸሉ እንተ ደኣ ፈቲንና፡ ዕብየትን ተባህግነትን ግጥምታትና፡ ኣብዛ ዘለዋ ሃውሁው ደው ኢሉ ኪንነብር’ዩ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ግጥምኻ ይኹን ግጥመይ መልእኽቱ ኣገዳሲ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ዓቐኑ ኪሕሉ ናይ ግድን ኪኽውን ኣለዎ። ዓቀን ግጥሚ ኸኣ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ትሽዓተ ወይ ድማ 10 ገዛ ኪሓልፍ የብሉን። ንኣብነት እዛ ኣብ ኖርወይን መላእ ዓለምን ዘርእስታ ግጥምኻ እንተ ወሲድና፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ማይ ቤት ወይ ገዛ ኣሎዋ። ክልተ ኣርእስቲ ሂብካ፡ ከፋፊልካ ኪትጽሕፋ ትኽእል ኔርካ ኢኻ እኮ። ስለዚ፡ ንመጻኢ ዓቐኑ ዝሓለወ ንኪኸውን ደጊመ እላወበካ። ኣብ መወዳእታ ብትግርኛ ትጽሕፍ እንተ ደኣ ኣሊኻ እቲ ቃላት ኩሉ ናይ ትግርኛ ኪኸውን ኣለዎ። ናይ ባዕዲ እንተ ሓዊስካሉ ግን ትርጉሙ ኣብ ሓጹር ኪግለጽ ሰዋሱዋዊ ሕጊ’ዩ። ንኣብነት እዛ ትቕጽል ናዕታ ተመልከት፥
    ኣብ እንግሊዝ ጥልያን ድርብ ዓወት
    ንኤምባሲ ህግደፍ ዘሕሰረ ክብረት
    ወዲ ኤሬ ቆራጽ ብግብሪ ስተይት
    ኣመሪካ ዝካየድ ኣብ ኩለን ስተይት
    ብጀጋኑ ተመሪሑ በቶም ሙዑታት

    ካብ ሓውኻ መሲናስ

  • Murad Ali February 17, 2013

    Dear Tesfamariam,

    You nearly left me in tears, brother. My admiration.
    We are always one and united. And Forto has unified us even more.Insha-allah

  • Ing.Arrefaine Tewelde February 18, 2013

    Hi Tesfamariam,

    I am proud of you, because you have never changed your fight for the sake of your beloved country with honesty & without fear.
    All those who have changed their mind, because of matirial interest, or, because they have never being honest for themselves, and aboveall, to their beloved people, whom they
    suffered and still suffering. Time is near for change,I will be happy to see those who are denying the suffer of our people.

    I thank you

    Ing.Arrefaine Tewelde

POST A COMMENT