Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኤርትራ 1500 ግብጻውያን ወተሃደራት ከምዝኣተው ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተዘራሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት 1500 ወተሃደራት ግብጺ ኣብ ማርሳ ተኽላይ ሰሜናዊ ሳሕል ከምዝበጽሑ፡ ቀጺሎም 20 ግብጻውያን ወተሃደራት ኣብ ሂምቦል፡ 15 ግብጻውያን ወተሃደራት ኣብ ከርከበት፡ 43 ግብጻውያን ወተሃደራት ኣብ ሳዋ ከምዝተራእዩ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ትማሊ 7 ጥሪ

ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት 1500 ወተሃደራት ግብጺ ኣብ ማርሳ ተኽላይ ሰሜናዊ ሳሕል ከምዝበጽሑ፡ ቀጺሎም 20 ግብጻውያን ወተሃደራት ኣብ ሂምቦል፡ 15 ግብጻውያን ወተሃደራት ኣብ ከርከበት፡ 43 ግብጻውያን ወተሃደራት ኣብ ሳዋ ከምዝተራእዩ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ትማሊ 7 ጥሪ `ውን ዓሰርተ ኦራላትን ብርክት ዝበላ ላንድክሮዘራትን ዝሓዘ ሰራዊት ሰሜን ካብ ተሰነይ ሻክሻክ ኣብ ዝብሃል ቦታ ከምዝዓረደ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ስሒቡ ናብ ዞባ ጋሽ ዘምጽኦም ኣሃዱታት ኣብ ጎልጅን እምዓሎባን ኣዋፊሩ ከምዘሎ፡ ኣብ ሸንደሸናን ርብዳን ዝብሃል ከባቢ ተቓወምቲ ሱዳን ዓሪዶም ከምዘለዉ፡ ከምኡ `ውን 18 ናይ ግብጽን ኢማራትን ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ናይ ከቢድ ብረትን ስለያን ኣማኸርቲ፡ ብሓያል ጸጥታ እንዳተሓለው ካብ 5 ጥሪ ኣትሒዞም ኣብ ምብራቕ ከተማ ባረንቱ ሰፊሮም ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

እዚ ነቲ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓረብ እንተላይ መደበር ቴለቭዥን ኣጀዚራ ብቕንያቱ ዝዘሰርግሓኦ ንህላወ ወተሃደራት ግብጺ ኣብ ኤርትራ ዘረጋግጽ ሓበሬታ እዩ። ይኹን`ምበር እቲ ወትሩ ብሕብእብእ ዝሰርሕ፡ `ወትሩ ኣሉ` ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ጉዳይ ብመንገዲ ቴለቭዥኑ በሽኻዕላል ኣሉታ ከምዝሃበሉ ይፍለጥ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብዝተፈላለዩ ወገናት እንተላይ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ናይ ሳተላይት ስእልታትን ዝተረጋገጸ ህላወ ወተሃደራዊ መዓስከር ኢማራት ኣብ ዓሰብ `ኳ ክሳብ ሕጂ ኣይተኣመነሉን።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ሱዳን ኣዝዩ ዓቢ ሰራዊት ኣዋፊራ ንመላእ ዶባት ኤርትራን ሱዳን ድሕሪ ምዕጻዋ ድሕሪ ክልተ መዓልታት፡ ኣውራ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ልፍቴናንት ጀነራል ኢማድ ኣል-ዲን ምስጦፋ ዓዳዊ፡ ትማሊ ሰኑይ 7 ጥሪ ኣዲስ ኣበባ በጺሑ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ከምእተዘራረበ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ሓቢሩ።

ምዕጻው ዶባት ብመንግስቲ ሱዳን፡ ነቲ ግብጽን ኢማራትን ኣብ መደበር ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘቖማ ዝተሰምዐ ጸብጻባት ስዒቡ ዝተኸስተ እዩ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓባራዊ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ንምግባር ኣፈናዊ ስምምዕ ከምዝተፈራረማ ይዝከር።

ቱርኪ ነገዛእ ርእሳ ኣብ ሰዋኪን፡ ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ገይራ ከምዘላ ይፈልጥ።

እታ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ኒል ወትሩ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምትፍናን እትነብር ግብጺ፡ ብዝያዳ ምስራሕ ናይቲ 4.8 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ ቁጠዐ ካብ ዘላዕለላ ንደሓር፡ ነቲ ፕሮጀክት ንምስንኻል ብመንገዲ `ቲ ድሕሪ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብስም ዶባዊ ምስሕሓብ ዝተኻየደ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ተፋጢጡ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ክትደጋገፎም ከምዝጸንሐት ግሁድ ኮይኑ፡ ወተሃደራት ግብጺ ብኽንድ`ዚ ቁጽሪ ኣብ ኤርትራ ክረኣዩ ግን ናይ ፈለማ እዩ።

ሱዳን ንገዛእ ርእሳ ብምኽንያት `ቲ ሓላይብ ዝብሃል ኣካራኻሪ ቦታ ምስ ግብጺ ዶባዊ ምስሕሓብ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ካብዚ ዘቤታዊ ምስሕሓባት ጎረባብቲ ክብ ኢልካ ብደረጃ ጂኦ ፖለቲካ ዞባና ክርአ ኸሎ፡ እቲ ምትፍናን ኣሰር ናይቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ተኸሲቱ ዘሎ ምምቕቓል ዝተኸተለ `ውን እዩ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ነቶም ብ ኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሕቱ ናይ የመን ንምድምሳስ ኣብ ዝፈጠራኦ ምሕዝነት ፈሪሙ ንኢማራት ኣብ ዓሰብ መበገሲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝኸውን ወተሃደራዊ መዓስከር ክምጥዋ ኸሎ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፡ እታ ድሕሪ ምውጋን ኢሳይያስ ምስ ኢማራትን ስዑድን ነቲ ኣብ መንጎ ጅቡትን ኤርትራ ንዝነበረ ዶባዊ ምስሕሓብ ንምህዳእ ዓቃብ ሰላም ኣዋፊራ ዝነበረት ቀጠር፡ ተቐይማ፡ ወተሃደራታ ምስ ዝሰሓበት፡ በንጻር `ቲ ስዑድን ኢማራትን ንቐጠር ንምንጻል ዘካየዳኦ ጎስጓስ ምስ ቀጠር ወጊና እትርከብ ቱርኪ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሱዳን፡ ሰዋኪን፡ ወተሃደራዊ መዓስከት ምስሪታ ከምዘላ ይፍለጥ።

በዚ ኮይኑ በቲ፡ እቲ ከም ባሪስታ ገጽ እናቐያየረ ምስ ኩሉ ክሓድር ዝጸንሐ፡ ፈለማ፡ ነታ ጸግዒ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝነበረት ሱዳን ከም ምዋፈሪት ግብረሽበራ ወንጂሉ ምስ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኮይኑ ብሓገዝ ኣመሪካ ክጎጢ ዝፈተነ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብስም ዶብ ምስ ተባእሰ ተገምጢሉ ካብ ከበባ ክወጽእ ምስ ሱዳን ዝተመሻኸነ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ሕጂ ተመሊሱ ምስ ሱዳን ምትፍናኑ ዘገርም ኣይኮነን።

እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ርእሲ`ቲ ምስ ኢትዮጵያ ፈጢሩዎ ዘሎ ጽኑዕ ጽልኢ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ወተሃደራዊ ስምምዕ ተፈራሪመን ዘለዋሉ እዋን ምስ ምዃኑ፡ ኢሳይያስ መፍጠጠዪ ስኢኑ ዓቕሉ ጸቢቡዎ `ሎ። ምስ ኩለን ጎረባብቲ ተናኺሱ ኣብ ከበባ ኣብ ዘለወሉ ግዜ  ካብ ግብጺ ተሳጊሮም ዝመጽኡ ወተሃደራትን ኣማኸርትን ግብጽን ኢማራትን እንታይ ፋይዳ ከምዘምጽኡሉ ድማ ግዜ ዝምልሶ ክኸውን እዩ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Nahon January 10, 2018

    A Tigreyan rascal dares to call himself Degoli ?. Sometimes Keren.
    People like him with twisted heart are causing havoc in Ethiopia. And because of elements like the so-called Degoli, the good people of Tigray are suffering in Ethiopia.
    Everyday the Weyane are coming with a new idea to avoid civil war but the Amhara and Oromo are not trusting them.
    What does this hate monger gain by insulting Eritreans, Arabs and Muslims. When you sell hate you get hate in the transaction.
    This stupid guy thinks when he insults some Eritreans posing as an Eritrean, in the process, he and Tigray get some benefit.
    What a moron !

POST A COMMENT