Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያንን ስደተኛታት ነቲ መንግስቲ እስራኤል ናብ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ንምምላሶም ኣዋዲዱዎ ዘሎ ውጥን ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያንን ስደተኛታት ነቲ መንግስቲ እስራኤል ናብ ሳልሳይ ሃገር ብፍላይ ናብ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ንምምላሶም ኣዋዲዱዎ ዘሎ ውጥን ብምቅዋም ሎሚ 22 ጥሪ 2018 ኣብ ቴልቪቭ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ንሳቶም ኣብ ፊት ኤምባሲ ሩዋንዳ ቀሪቦም ኣብ

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያንን ስደተኛታት ነቲ መንግስቲ እስራኤል ናብ ሳልሳይ ሃገር ብፍላይ ናብ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ንምምላሶም ኣዋዲዱዎ ዘሎ ውጥን ብምቅዋም ሎሚ 22 ጥሪ 2018 ኣብ ቴልቪቭ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ንሳቶም ኣብ ፊት ኤምባሲ ሩዋንዳ ቀሪቦም ኣብ ዘስምዑዎ ተቓውሞ፡ መንግስቲ ሩዋንዳ ብገንዘብ ተደሊሉ ስደተኛታት ክቕበል ከምዘይብሉ ተማሕጺኖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ብወገኑ ነቲ ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ንምስጓጒ ዘዳለዎ ውጥን ንዝገጥሞ ዘሎ ሰፊሕ ነቐፌታ ብምንጻግ፡ እዞም እስራኤል ክትሰጎም መዲባ ዘላ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዑቕባ ድልዮም ዝመጽኡ ዘይኮኑ ንስራሕ ዝመጽኡ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም ብምባል ፡ ስጉምቱ ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ከምዝቃዶ ምግላጹ The Times of Israel ዝተባህለ ጋዜጣ ጠቒሱ።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ከነሰት ዝብሃል ባይቶ እስራኤል እቲ ሆሎት ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ስደተኛታት ክዕጾ ብምውሳን፡ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት፡ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መጋቢት፡ ኣስማተን ናብ ዘይተረቚሓ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ብሓይሊ ክስጎጉ ተሰማሚዑ ኣሎ።

ይኹን`ምበር እተን ነቶም ስደተኛታት ክቕበላ እየን ተባሂለን ኣስማተን ብተደጋጋሚ ኣብ ማዕከናት ዜና ዝርቋሕ ዘሎ ኡጋንዳን ሩዋንዳን፡ ካብ እስራኤል ብሓይሊ ዝስጎጉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከምዘይቅበላ ምግላጸን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ወልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጥየቕ ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ነቶም ዕልዋ ክገብሩ ተዓዲሞም ዝኸዱ እዮም ኢሉ ከም ዕሱባት ዝወቐሶም ስደተኛታት፡ ኣብቲ ንምምላሶም ምስ እስራኤል ዝገበሮ ዘተ ክቕበሎም ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ብምጥቃስ ኣብ ገንዘብ ግን ከምዘይተሰማምዑ ገሊጹ።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Dehai January 24, 2018

    When will Eritreans stand up like these heroes to condemn and call for justice about the slavery of Eritreans and Africans in Libya, Egypt and Sudan?

    • k.tewolde January 25, 2018

      You conveniently forgot the regimes where they originated from.

  • qolo January 26, 2018

    wey eritrawi hazinelka

  • Berhe Tensea January 27, 2018

    What about the slavery these refugees endured under the master called Iseyas?Many or about half of the refugees in Israel are supporters of their master, and why don:”t ask Isu bring them back home and live comfortably and enjoying life there.. It is very unfortunate that the genuine refugees are also treated as economic migrants by Israel and many countries.
    Pfdj or the Prince of Sekota symathiythers deserve what they get.
    The youth of to day who wet their pants by simple Rashaida bandit have no of at all.
    May God have mercy on them.

POST A COMMENT