Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ከተማ ለንደን ብግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ህይወት ሸውዓተ ሰባት ድሕሪ ምሕላፉ፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ትሬዛ መይ ‘enough is enough’ ብምባል እስላማዊ ግብረሽበራ ደው ንምባል ሓያል ግብረመልሲ ከዘድሊ ምግላጻ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ለንደን፣ ብሓንቲ ‘ቫን’ ሰባት ብምርጋጽ ፣ከምኡ ‘ውን ብናይ ካራሩ ብግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ትማሊ ምሸት ህይወት ሸውዓተ ሰባት ድሕሪ ምሕላፉን 48 ሰባት ድሕሪ ምቝሳሎምን፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ትሬዛ መይ 'enough is enough' (ደጊም ይኣክል)

ኣብ ከተማ ለንደን፣ ብሓንቲ ‘ቫን’ ሰባት ብምርጋጽ ፣ከምኡ ‘ውን ብናይ ካራሩ ብግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ትማሊ ምሸት ህይወት ሸውዓተ ሰባት ድሕሪ ምሕላፉን 48 ሰባት ድሕሪ ምቝሳሎምን፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ትሬዛ መይ ‘enough is enough’ (ደጊም ይኣክል) ብምባል እስላማዊ ግብረሽበራ ደው ንምባል ሓያል ግብረመልሲ ከዘድሊ ምግላጻ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙዎ ሰለስተ ኣሸበርቲ ብዕጡቓት ፖሊስ ድሕሪ ምቕታሎም ወድዮሞ ዝጸንሑ ነብሰቅትለታዊ ቦምባ ኣምሲሎም ንመፈራርሒ ዝዓጠቑዎ ናይ ሓሶት ዕጥቂ ምንባሩ እቲ ዜና የረድእ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ብዘካየዱዎ ጽዑቕ ፍተሻ ዛጊት 4 ደቀንስትዮ ዝርከባኦም 12 ሰባት ምስቲ ግበሽበራዊ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።

እቲ መጥቃዕቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ዓዲ እንግሊዝ ክካየድ ሓሙሽተ መዓልታት ተሪፉዎ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ተፈጺሙ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ድማ እዩ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ትሬዛ መይ ፣ ሎሚ ሰንበት ኣብ ቴለቭዥን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ “ብግልጺ ንምዝርብ፣ ኣብ ሃገርና ንእስላማዊ ግብረሽበራ ኣመና ተጻዊርናዮ ጸኒሕና፣ ሕጂ ግን ይኣክል፣ ነገራት ከምዚ ዘለዉዎ ክቕጽሉ ስቕ ኢልና ክንርእዮም ኣይግባእን ‘ዩ። ስለዚ፣ ነቲ ቀጻሊ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ዕቱብ ግብረመልሲ ክንህብ ኢና” ክትብል ተዛሪባ።

ገለ ካብቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት ወጻእተኛታት ምዃኖም ተፈሊጡ።

ዛጊት ነቲ ኣብ ‘ለንደን ብሪጅ’ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ወገን ኳ እንተዘየለ፣ እቲ ‘ኢስላሚክ ስቲት’ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ፣ በቲ ብኣመሪካን መሓዙታን እናተመርሐ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝውሰደሉ ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ተቖጻጺሩዎ ዝጸንሐ መሬት እናሰኣነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ተደናገጽቱ ብዝተፈላለየ ዘይሙድ ኣገባባት መጥቃዕቲ ከካይዱ ጻውዒት ምቕራቡ ሮይተርስ ኣዘኻኺሩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT