Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝተፈላለየ መዋእል ዝመሳሰል መድረኽ

ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኽና ምስ እንውከስ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ዳርጋ ሚእቲ ዓመታት መዋእል ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ወራርትን ገዛእትን እናተዳህከ’ዩ መጺኡ። ንኹሉ ወራራት’ውን በብዞኑኡ እናመከተ ኣፍሺልዎ። ምዕራባውያን ንእንዱስትሪያዊ  ምዕብልናታቶም ዝኸውን ጥረ ሃብቲ ንምንዳይ ንኣፍሪቃ ቈራሪሶም ተኻፊሎማ።

ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኽና ምስ እንውከስ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ዳርጋ ሚእቲ ዓመታት መዋእል ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ወራርትን ገዛእትን እናተዳህከ’ዩ መጺኡ። ንኹሉ ወራራት’ውን በብዞኑኡ እናመከተ ኣፍሺልዎ። ምዕራባውያን ንእንዱስትሪያዊ  ምዕብልናታቶም ዝኸውን ጥረ ሃብቲ ንምንዳይ ንኣፍሪቃ ቈራሪሶም ተኻፊሎማ። ኤርትራ ሃገርናውን ግዳይ ናይዚ ምዕራባውያን ውጥን ብምዃን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ተቘሪና። ኣብቲ ናይ ዳርጋ 58 ዓመታት ናይ ጣልያን መግዛእትን 10 ዓመታት ናይ እንግሊዝ ምሕደራን ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ምዝዛሙ ኤርትራዊ ሃገርነት ማዕቢሉስ ናይ ነብስኻ ባዕልኻ ምምሕዳር ዝብል ስነ-ኣእምራዊ ኣተሓሳስባ ሰሪጹ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዉደባታት ተጠራኒፉ ብኣብዝሓ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ጭርሖታት ኣልዒሉ ንነጻነት ተቓሊሱ።

ይኹን’ምበር ኣብቲ እዋን ሓያላት መንግስታት ቀዳምነት ዝሰርዕዎ ስትራተጂካዊ ረብሐኦም ስለ ዝዀነ ንጉዳይና ጓዕጺጾሞ። ኣብዚ እቲ ዓቢ ረቛሒ ኣሉታዊ ተራ ዝተጻወተ  እውን ኣተሃላልዋን ዘይምስምማዕን  ናይተን ዉዱባት ጉጅለታት እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ብሓደ ድምጺ ከድምዕ ኣይበቕዕን፣ ነቲ በዓል ኣመሪካ ምስ መስፍናዊ መንግስቲ ሃይለስላሴ ተሻሪኾም ዘዋፈርዎ ውዲት ሓጋዚ ኰይኑ።

ኰይኑ ግን ህዝብና ድልየቱን ሃንቀውትኡን ስለ ዘይተማለኤ ብረታዊ ቃልሲ ኣበጊሱ። ኣብ መንጎና ብዝተፈጥረ ዘይምትእምማንን ህዝቢ ብግቡእ ኣንቂሕካ ዘይምብጋሱን ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ኣካይድና ከቢድ ዋጋ ከፊልናሉ። ተመክሮ ሰውራና መሪር’ዩ ፣ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ሕድሕድና ዘይምትእምማን ሰፊኑ የሳቕየና ኣሎ።

ናጽነት ተረኺቡ ኣብ ክንዲ ሰላምን ቅሳነትን ረኺብና ብቓዋምን ስርዓተ ሕግን ንመሓደር ፣ ብሓደ ፋሺሽታዊ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ተጸፍዩ ዝገበለ ኣብ መግዝእታዊ ታሪኽና ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጨካን ኣገዛዝኣ ነሕልፍ ኣሎና።

ኩነታትና ንኹላትና ስዉር ኣይኮነን፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝረኽቦ ዘሎ ኣደራዕ ደጊም ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዓለም ክዛረበሉ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ፍርሕን ራዕድን ዝነብር ዘሎ ህዝቢ’ዩ ይብሉ ኣለዉ። እዚ ግን ፍረ ወይም ውጺኢት ናይቶም መዋእሎም ዝተቓለሱን ገናውን ዝቃለሱ ዘለዉ ተባዓት ዜጋታትናን፣ እዞም ዽሒሮም ዝተወልዱ ሂወቶም ብህ.ግ.ደ.ፍ. ተጨውዩ ንእስነቶም ዘይራኣዩ ጀጋኑ ተካእቲ ወለዶ መንእሰያትናን ዝሕፈስ ዘሎ ዓወት’ዩ። ናይቶም ፈቐዶ ምድረበዳን ባሕርን ዝሃልቁ ዘለዉን ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብጨካን ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍን ተሓባበርቱን ዝጠፍእ ዘሎ ንጹህ ደም ዜጋታትና ኣውያት እዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ. በቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሃላሊ ኣከያይዳ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ኲናት እናወለዕ ንህዝብና ይኹን ንጎረባብቲ ቅሳነት ሰላም ከይረኽቡ እናሰርሔ መጺኡ፣ ምስ ዓለም’ውን  ናይ ሃይማኖት ጥሩፋት ሓይልታት እናመወለ እናመልመለ እናዕተቐ  ከዋፍር ጸኒሑን ኣሎን። እኩብ ድምር ናይዚ ኣከያይዳ’ዚ ካብ ዓለም ክንጸል ጌርዎ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዝፍጽሞ ግፍዕን መቕዘፍትን ዽማ ካብ ህዝቢ ተነጺሉ ኣብ ናይ ስለያውን ጸጥታውን መሓዉራቱ ተሓጺሩ ብናይ ግዳም ጉጅለታት ክሕሎ ተገዲዱ።

ስለዚ ኣብዚ ወድዓዊ ኩነታት ንቃልስና ኣዝዩ ምቹእ ኰይኑሉ ዘሎ መድረኽ ፣ ዓለምና ብባይቶኦም ይኹን ብዜና ማዕከናቶም  ንጉዳይና ዓው ኢሎም ዝዛረብሉ ዘለዉ ህሞት፣ ኮሚሺን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት  ዘቕርቦ ዘሎ ጸብጻባት ሓዲሽ መድረኽ ናብ ረብሓ ውጹዕ ህዝብና ከነውዕሎ ዘይሕለፍ ዓቢ ዕድል’ዩ።

እንተዀነ ግን ሕጂውን ኣተሃላልዋና ዋላኳ ብሃገር ደረጃ ንዋሳእን ካብ ቀደም ምዕብል ዝበለ ኣረኣእያን ንቕሓትን ይሃልወና’ምበር ፣ ገና በዓልቤታዊ ዓቕምና ንዝዀነ ዝመጽእ ተርእዮ ክቕበል ኣሸጋሪ እዩ። ምኽንያቱ ተቓወምቲ ሓይልታት ፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ መንእሰያትና ፣ምሁራትና ወዘተ…. ኣብ ሓደ ዝተጠርነፍና ኣይኮናን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን እውን ኣብ ሕድሕዱ ብሰንኪ  ሰራም ኣሰራርሓ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘይምትእምማንን ሕሱም ፍርሕን ስለ ዘለዎ ክጠራነፍ ኣሸጋሪ’ዩ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ መዋእል ዝመሳሰል መድረኽ ዘበለኒ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እዚ ኣተሃላልዋና ሕጂውን ኣብዚ መዋእል’ዚ ተበታቲና ከነድምዕ ኣይንኽእልን ዝብል ዕግበት ስለዘሎኒ ካብ ሕሉፍ ታሪኽና ተማሂርና ብህጹጽ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠራኒፍና ንዝዀነ ዝመጽእ ተርእዮ ክንቅበል ድሉዋት ኰና ክንጸንሕ ህዝብና ኣብ ምድሓን ጊዜ ዘይህብ ህጹጽ ዋኒና’ዩ።

ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘሎ ፍልልያት ፡ ዘይምትእምማን ኮፍ ኢልካ ዝፍታሕ ጉዳይ እዩ። ነጻጊ ትምክሕታዊ ገባቲ ባህርያትና ክንኣሊ እኹል ተሞክሮን ዕድመን ኣሎና። ናይ ቃልሲ ተሞክሮና ቀሊል ኣይኮነን፣ ዕድመ’ውን ይምህረካ’ዩ።

ስለዚ ምልዛብ፡ ምቅርራብ፡ በብርእይቶኻ ተኻባቢርካ ምኻድ ግን ከኣ ኣብ ሓደ ተጠርኒፍካ ምስራሕ ህዝብን ሃገርን ምድሓን ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ’የ ዝብል ሓላፍነት እዩ። ካብ ሕሉፍ ንምሃር ኣብ ሕሉፍ ግን ኣይንበር ከም ደቂ ሰባት ንድሕሪት እምበር ንቕድሚት ክንሱግም ኣይንኽእልን ኢና ፣ ሳይንሳዊ ሓቂ’ዩ። ሰላም ርግኣት ጥዑይ ምሕደራን ወሳንነት ህዝብን ዘይብሉ ሃገር  ፡ ሕብረተሰብ ክምዕብል ኣይክእልን’ዩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ ነጻነተን ካብ ዝረኽባ ነዊሕ እዋን’ዩ ፣ እንተዀነ ግን ብሰንኪ ድሑር ምጣኔ-ሃብታዊ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ህዝበን ናይ ባዕሉ ወሳንነት ስነ-ኣእምራዊ ንቕሓት ስለ ዘይወነነ በብእዋኑ ብሓይሊ መንግስታት ክለዋውጡ፣

ሕዝቢ ብዓሌት ብወገን ወዘተ.. ክናቘት መነባብሩኡ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ ይርከብ። ንሕናውን ከም ህዝቢ ብመሪር ቃልሲ ስለ ዝሓለፍና ፍሉይ ተሞክሮን ገለ ንቕሓትን ወኒና ድኣ’ምበር ፣ማሕበረ ቁጠባዊ ደረጃ ምዕባሌና ካብኣተን ዝፍለ ኣይኮነን። ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ሓይልታትና መንጸብረቕታ ንቕሓትናን ምዕባሌናን’ዩ።

ኰይኑ ግን በብውድባዊ መልክዕና ፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራምና ፡ ራእይና ተወዲብና ሓባራዊ ዕማም ንምዕዋት ፣ ህዝብን ሃገርን ነድሕን ዝብል ኣድማሳዊ ጭርሖን ኣልዒልና ንፍትሒ ንቃለስ ስለ-ዘሎና ዘራኽበና ዓቢ ዓላማ ንምዕዋት ኣብ ሓደ ንኹላትና ዝጥርንፍ ጽላል ተማሓዚና ክንሰረሕ የድልየና።

ሓያላት መንግስታት ቀደም’ውን ንረብሓኦም ኢሎም በዲሎሙና እዮም ፣ ሕጂውን ዳግማይ ከይንብደል እቲ ሓላፍነት ናትና ኤርትራውያን እዩ። ክንደይ ዲክታቶራት ፡ ገበነኛታት ስርዓታት መሳሪሒኦም ጌሮም ንጹህ ኣህዛብ ኣጨፍጪፎም እዮም። ረብሐኦምዩ ዝግድሶም፣ ኣብ ኤርትራ ድማ ስትራተጂካዊን ማተሪያላዊን  ጥቕሞም ዝሕሉ ስርዓት’ዮም ዘናድዩ ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ’ዩ ንህዝብና ኣሳቕይዎ ፡ብሩኡይ ን24 ዓመታት ፣ ኡይ ኢልና ሰማዒ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይረኸብናን ኔርና። ኣብዚ እዋን ግን ብኣና ይዛረቡ ኣለዉ ፣ ንዓኣቶም ኣስጋኢ ኣብ ዝዀነሉ ደረጃ ስለ ዝበጽሔ። ኣብ ከምኡ ምብጸሖም ብኣውንታ ዝረኤ ነገር’ዩ ፣ ኣብ ረብሓና ግን ከነውዕሎ ክንክእል ኣሎና።

እሞ ኩቡራት ደቂ ኤረይ ጀጋኑ ዓቢ ምስ ንእሽቶይ ብጽንዓትኩም ህዝብና ጩራ ራህዋ ዝሪኢ ዘሎ እመስል፣ እቲ ኣብ ሕሉፍ መዋእል ዘጋጠመና ጸገም ኣብዚ መድረኽ’ዚ ንመሃረሉ ንተዓወተሉ።

ንመርሽ ንጀነቭ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክፍረድ

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ዘላቒ ራህዋን ሰላምን ንሃገርና

ውድቀት ንህ.ግ.ደ.ፋውያን ጸላእትና

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

 

ተስፋይ ክፍለ(ደላይ ፍትሒ)

ካናዳ- ሰነ 21, 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Kisanet June 22, 2015

    Every history has its closing chapter however that history evolved and shaped, however the avtors of each particular history shaped it or deformed the course of history. And the chapters of colonization is closed with Eritrea getting its independence in 1991.
    So now we are compelled to make a new history, to shape the course of our nation and the hopes of our young in this dynamic world. In the process of shaping new history, DIA is holding us back by isolating our nation and our people from the international community and also business integration. Indeed, time for change and unity in Eritrea and for Eritreans.

    • Kisanet June 22, 2015

      correction – please read the “actors” and not ‘avtors’. Thanks.

  • wedifre June 22, 2015

    Dear Tesfay,
    Excellent article with a very great lessons!!!!
    Dear brothers and sisters who are seeking justice from our barbaric Iseyas with the cover of HIGDEF. We are loosing of many innocent lives because of our delay to have a united front againt the barbars!!!
    LET US UNITE TODAY!!!!!

  • yihdego zelalem June 22, 2015

    ኣውጺኤያ ኔረ ሓራ ካብ ሰለስተ በዓቲ
    ኣምሓራ ደርጊ ናይ ወያነ መንግስቲ
    ወደባተይ ሓቝፈ ጽሩይ ማይ ክሰቲ
    ህግደፍ በርቲዑኒ ኣውጺኡኒ ካብ ዓዲ
    ሃገር ሰብ ዘይብላ ብጀካ ደምሒት ባዕዲ
    እንተዘይሰሚርና ሕጂ ሎም ምዓልቲ
    ዓባይ ትግራይ ተቐሪባ ንዓመታ ዓድና ክትኣቲ

POST A COMMENT