Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዝኽሪ መበል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፍታትን ጽንብላትን ብምክያድ ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ከብዕሉዋ ቀንዮም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዝኽሪ መበል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ካብ ድሮ 24 ግንቦት ኣትሒዞም ክሳብ ጽባሕ መዓልቲ ናጽነት፡ ናይ ይኣክል ንምልኪ ኣኼባታት ብምቕጻል፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ጽንብላትን ብምክያድ ብክብ ዝበለ ስነስርዓት

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዝኽሪ መበል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ካብ ድሮ 24 ግንቦት ኣትሒዞም ክሳብ ጽባሕ መዓልቲ ናጽነት፡ ናይ ይኣክል ንምልኪ ኣኼባታት ብምቕጻል፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ጽንብላትን ብምክያድ ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ከብዕሉዋ ከምዝቐነዩ ከካብ ቦትኡ ዝበጽሑና ብስእልታት ዝተሰነዩ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ካብ መላእ ሰሜን ኣመሪካ ናብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝገሹ ሓያለ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብ 24 ን 25ን ግንቦት ኣብቲ `ይኣክል` ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ሰፊሕ ፈስቲቫል ብምስታፍ ንመዓልቲ ናጽነት ብሰላማዊ ሰልፍን ሰሚናርን ዘኪሮማ።

ኣብ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ በቲ ብደለይቲ ፍትሒ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ስለዝተዓበለሉ ብ መጒልሒ ድምጺ ጓይላን ዳንኬራን ብምቅላሕ ነቲ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዝጽውዕ ድምጺ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ተኸራኺሮም። ይኹን `ምበር እቲ ኣብቲ ፊት ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተኻየደ ብብዝሒ ዝተዓጻጸፈ ተሳታፍነት ደለይቲ ፍትሒ ፖለቲካዊ ሚዛንን ናህርን  ከምዝተቐየረ ዘመልክት ከምዝነበረ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ቪድዮ የርኢ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝገሹ ወከልቲ ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ `ውን ተፈሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ውሩያት ስነጥበበኛታት ዮሃንስ ትኳቦ፡ ቨሮኒካ ሰለሙን፡ ግርማይ ዓንዶምን ዝርከቡዎም ስነጥበበኛታት ብእዋናውያን ዜማታት ንተሳታፍቲ ፈስቲቫል ኣዘናጊዖም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰያትል ዋሺንግተን ዝርከቡ ኤርትራውያን `ውን ኣብ 24 ግንቦት ሰላማዊ ሰልፍን ጽምብልን ብምክያድ ንመዓልቲ ናጽነት ብድምቀት ዘኪሮማ።

ንሳቶም ንኣከባብራ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ሰያትል ኣመልኪቶም ብቪድዮ ኣሰንዮም ናብ ቴለቭዥን ኣሰና ዝለኣኹዎ ጸብጻብ፡ 24 ጉንበትን 20 ሰነን ኣኽሊል ብዓላትና ምዃነን ብምምልካት ነበርቲ ሲያትልን ከባቢኣን ሲያትል ዋሺንግቶን፡ ንመዓልቲ ናጽነት ፍልይ ብዝበለ ኣጋጣሚ ከምዝጸንበሉዋ ጠቒሶም። ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ደምበ ፍትሒን ምንቁልቃል ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብቲ ብህግደፍ ዝዳሎ ብዓላት ከምእተራእየ፡ ነዚ ድማ ማዕበል ወፍሪ “ ይኣክል “ ቀንዲ ረቖሒ ከምዝነበረ `ውን ሓቢሮም።

ነቲ ጽምብል ብዝምልከት ካብ ሰያትል ዝበጽሓና ጸብጻብ ከምዚ ይመስል፡

(ክሊፕ)

ብዘይካ`ዚ ኤርትራውያንድ ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ `ውን ብተመሳሳሊ ንመበል 28 ብዓል ናጽነት ኤርትራ ዝሓለፈ ረቡዕ ብዝክረ ሰማእታትን ሃገራዊ መዝሙርን ፈሊሞም ብዘይ ዝኾነ ፍልልይ ንሓድነት ኤርትራውያን ብዘንጸባርቕ ልዑል ሃገራዊ መንፈስ ከምዝጸንበሉዋ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ካብ ላስቬጋስ ዝበጽሓና ጸብጻብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ኣብ ከተማ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ `ውን ብሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንዝተዳለወ፡ መግለጺታት፡ ድራማን ናይ ቆልዑ ንጥፈታትን ዘጠቓለለ ሰፊሕ ጽንብል ብቀዳም 25 ግንቦት ኣካይዶም።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ እቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዞም ብጸረ ምልኪ ዜማታቶም ዝልለዩ ውሩያት ስነጥበበኛ ሃኒ ምሕረታኣብን ፊልሞን ገብረዝጊኣቢሄርን ንተሳተፍቲ ኣዘናጊዖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብደረጃ ዓዲ ጥልያን ኣብ ከተማ ሚላኖ ብዝያዳ ኣብ ንውደባን ጥርናፈን ኣብ ዘተኮሩ ሰሚናራትን ነቲ ዕለት ዘንጸባርቑ ግጥምታትን ብምትኳር ን 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብቐዳም 25 ግንቦት ዘኪሮማ።

እቲ ኣብ ሚላኖ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ እታ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ ደጀን ቃልሲ ንናጽነት ዝነበረት ዓዲ ጥልያን ሕጂ `ውን ኣብዚ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምጉንጻፍን ግዝኣተ ሕጊ ንምርግጋጽን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዳግም ደጀን ቃልሲ ክትኮነሉ እትኽእል መንገድታት ዝድህስስ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ`ቲ ኣጋጣሚ ኸኣ እቶም ነባራት ነበርትን ተቓለስትን ምስቶም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝመጽኡ መእሰያትን ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ኣዴታት ዓዲ ጥልያን ኣብ ዘዳለዋኦ ናይ ድራር እንግዶት ብምስታፍ ሌላኦም ኣዕሚቖም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ጀርመን ከተማ ኦግስበርግ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ከም ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ህዝባዊ ኣኼባ ብምክያድ ንመዓልቲ ናጽነት ከምዝዘከሩዋ ብቪድዮ ኣሰንዮም ኣብ ዝሰደደዱዎ መልእኽቲ ሓቢሮም።

ኣቐድም ኣቢሎም ብ 18 ግንቦት ኣብ ኣስትራልያ ከተማ መልበርን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘካየዱዎ ናይ ይኣክል ንምልኪ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ስልጣን ምእላይ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ለውጢ ከምዘየልቦ ብምርግጋጽ ኣብቲ ዕማም እጃሞም ንምብርካት ጥርናፊኦም ዘስፍሑሉን ዘሐይሉሉን ኣገባብ ብዝምልከት ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ጽምብላት ዝኽሪ ናጽነት ዝተኻየደሉ ኣጋጣሚታት ደለይቲ ፍትሒ፡ መኣዲ ዘተ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና ዘዳለዎ፡ ሃገራዊ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሓርበኛታት ኤርትራ ሞያኦም ዘዘኻኽር ሽልማት ተዋሂቡ።

ክቡራት ተኸታተልትና፡ ንጽምብል ናጽነት ዝምልከቱ ጸብጻባት ቪድዮ ከምቲ ጀሚርናዮ ዝቐነና መምስ በጽሑና ከነቕርበልኩም ኢና።

እቲ ኣብ ወጻኢ ዝተኻየደ ጽምብላት ናጽነት ኤርትራ ከምዚ ክትከታተሉዎ ዝጸናሕኩም ብሓራ ድሌት ህዝቢ ዝተኻየደ ህዝባዊ መልክዕ ዝነበሮ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ብምወላ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ24 ግንቦት ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ዝተኻየደ ይኹን ቅድሚኡ ኣብ ጎደናታት ብስም ካርኒቫል ዝተራእየ ሰልፊ ንህዝቢ ብናይ ኩቦን ካርድ ብምስግዳድ፡ ንተማሃሮ ብመንገዲ ኣብያተ ትምህርቲ ከምጽውዑ ብምግባርን ኣብ ክፍልታቶም ኣቴንዳንስ ብምክትታልን፡ ብብርቱዕ ሓለዋ ከምእተኻየደ ካብ ኣስመራ ዝበጽሑና ሓበሬታታት ኣረዲኦም።

ኣብ ኩሉ እቲ ጽንብላት፡ ቆልዑ ወይ ድማ በቲ ስርዓት ዝተሓረዩ ዓበይቲ እንተዘይኮይኑ፡ እቶም ምንቅስቓስ ከካይዱ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ መንእሰያት ካብቲ ጽምብላት ከምዝተገለሉ እቶም ሓበሬታታት የገንዝቡ።

ኣብ 24 ግንቦት መስመር ሞባይል ቴለፎን ዝተዓጽወሉ ኣጋጣሚ ከምዝነበረ `ውን ሓቢሮም።

ብፍላይ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ በቲ ዘቕረቦ ፈጺሙ ንድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ዘየንጸባርቕ መደረ ህዝቢ ዓው ኢሉ ንዕቀቱን ጽልኡን ይገልጽ ከምዘሎ፡ እቲ ጽምብል፡ ተሳተፍቱ ይኹኑ እቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝቐረበ መግለጺ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውከል ከምዝነበረ እቶም ሓበሬታታት ኣገንዚቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Asmarino menisei May 30, 2019

    VIVA ERITREANS !!!!!
    እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለና ባኣኹም ኮሪዕና
    ንሕና ውን ግደና ክንገብር ቃል ናኣቱ ኣጆኩም ኣጆና ጭፍራ ኢሳያስ ከብቅዕ እዩ። ኣብ ዓድና ብሓደ ናጽነትና ክንጽንብል ኢና !!!

POST A COMMENT