Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ: ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ብመራሕቲ ኪዳን ተደግመ

I ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ እውን ብመራሕቲ ኪዳን ተደግመ ዝብል ኣርእስቲ ካብቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ባይታ ዝነበረን እቲ ሕጂ ኣብ

I ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ነዚ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ እውን ብመራሕቲ ኪዳን ተደግመ ዝብል ኣርእስቲ ካብቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ባይታ ዝነበረን እቲ ሕጂ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ባይታ ዘሎን ብምምስሳል ዝረኣኽዎ ስእሊ እዩ። ድሕረ ባይታን ፖለቲካዊ ቍርቍሳትን ዝተራእየ ተረክቦታትን ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓጺሩ ክጠቅሶ እንከለኹ ውልቃዊ ሚዛነይ ምዃኑ ክሕብር እፈቱ። ብጉዳይ ሃገራዊ ኮሚሽን መደብ ዕዮን ብድሕሪኡ ዝመጸ ተርእዮታትን ክግምግም እንከለኹ ናተይ ትዕዝብቲ ጥራሕ እዩ።

1- ድሕረ-ባይታ፡ ብኣርባዕተ ሰልፍታት ዝቖመ ምዃኑ (ብሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን፡ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኤርትራን፡ ናይ ጋሽን ሰቲትን ምንቅስቃስን) ክዝከር ይከኣል። ኣርባዕቲኤን ሰሚረን ሓደ ሓያል ሰልፊ ፈጢረን ዓብላልነትን ህዝባውነትን ንምርግጋጽ ዝዓለመ ነይሩ። ሰውራዊ ባይቶ ብሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝብል ስሙ ክቕይር እንከሎ ምስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ሓድነት ምፍጣር ዕላማ ስለዝነበሮ እዩ። ምስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ክሰምር እንከሎ ካብ መሰረታቱ ተቓውሞ እንዳረኣየ ሸለል ኢሉ ሓሊፍዎ። ምስቶም ዝድግፍዎ ጥራሕ ተሰማሚዑ ምስ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ተሓቛቘፈ። ናይ መሰረታት ኣሰካፊ ሕቶታት ግን ነጺግዎ ሓለፈ። ምስ ሰልፊ ናብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ዘይከዱ መሰረታት ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ህዝባዊ መርገጽ ሒዞም ምቅላስ ወሰኑ። ብድሕሪዚ ዝመጸ ምዕባሌታት ቀጺሉ ዘሎ ይኸውን።

2- ፖለቲካዊ ቍርቅሳት፡ ዘይመሰራታዊ ግርጭታት ናይ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ዘለዋ ውድባትን ሰልፍታትን ተሓቛቚኑ ኣብ ከባቢ 12 ውድባት ይመጽእ። ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ ነዊሕ ክዝረበሉን ክምጎቶሉን ድሕሪ ምጽናሕ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010 ክግበር ይውሰን። ኣሰናዳዊት ሽማግለ ተመሪጻ ስርሓ ትጅምር። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጎ ፈጻሚት ሽማግለ ናይ ኪዳንን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ውክልና ሃገራዊ ዋዕላ ናይ ውድባቶም ብዝምልከት ተሪር ፖለቲካዊ ቃርሳ የካይዱ። ኣብዚ ናይ ኣብ መንጎ ፈጻሚት ሽማግለ ናይ ኪዳንን ናይ EPDP ዝተገብረ ፖለቲካዊ ቃርሳ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ይስዓሩ። ንስዕረቶም ግን ኣሜን ኢሎም ኣይተቐበሉን። ካልእ እማሜ ኣምጽኡ። ኣይተዳሎናን ግዜ ይወሃበና በሉ። ቀጺሎም ንኻልኦት ሲቪካዊ ማሕበራት ማለት EPDP ዝሓጸይዎም ወይ ዝምጉቱሎም ሓዊሶም ብ24 ሰባት ክንውከል ኣሎና በሉ። በዚ መንገዲ ገይሮም እቲ ፖለቲካዊ ቃርስኦም ክጻወትሉ እሞ ናይ ስልጣን ዕብለላ ንምርግጋጽ ዝደረስዎ ናብ ተውስኦ ክሰርሑሉ ጀመሩ። እዚ ተውስኦ እዚ ስለዘይሰርሓሎም ድማ ኣብቲ ተቖጺሩ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ከምዘይሳተፉ ኣነጸሩ። ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዕለቱ ተገብረ። ብዓወት እውን ተዛዘመ። ድሕሪ ዓመት ሃገራዊ ጉባኤ ክግበር ከኣ ወሰነ። ነዚ እተተግብር ሃገራዊ ኮሚሽን ተመርጸ። ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን ካብ ኪዳን ስለዘይወጹ ሽሕ እኳ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ኣይሳተፉ ናብ ሃገራዊ ኮሚሽን ወከልቶም ክልተ ሰባት ክሰዱ ብወግዒ ተነግሮም። ሰልፊ ዲሞክራሲ ግን ነዚ እውን ብወግዒ ነጸግዎ። ናቶም ሃገራዊ ዋዕላ ክገብሩ ምዃኖም ብወግዒ ኣወጁ።

3- ሓዲስ ተረኽቦታት፡ ቀጺሉ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዲሞክራሲ ሕድሕድ ምግርጫው ተፈጥረ። እቲ ጠንቂ ከኣ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ነበረ። ከም ሳዕበኑ ድማ ንዋዕላ ዝድግፍን ዝጻረርን ኣካላት ኮይኖም ኣብ ክልተ ተፈላለዩ። ቀዳማይ EPDP ካልኣይ EPDP ከኣ ተባህሉ። እቲ ንዋዕላ ዝድግፍ ካልኣይ ሸነኽ ምስ ሃገራዊ ኮሚሽን ተሰማሚዑ ወከልቱ ናብ ሃገራዊ ኮሚሽን ሓወሰ። እቲ ቀዳማይ ሸነኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ምስ ኪዳን ኮይኑ ዝገብሮ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ስለዘስግኦን ዘድከሞን ካብ ኪዳን ከም ዝተፈልየ ብወግዒ ኣፍለጠ። በይኑ ኮይኑ ንሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብፍላይ ንመራሕቲ ኪዳን ዝዕብልለሉ ፖለቲካዊ ወፈራታት ኣካየደ። ካብቲ ዝጥቀመሉ ፖለቲካዊ መሳርሒ ድማ መራሕቲ ኪዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎም ርኽክብ የሰክፈና ኣሎ። ኢትዮጵያ እትህቦም ሓገዝ ዝደለይቶ ረብሓታት ስለዘሎ እዩ። ብመራሕቲ ወያኔ እዮም ዝምእዘዙ። ጉዳይ ብሄራዊ ውድባት ኣብ ኤርትራ ናይ ኢትዮጵያ ፍልስፍና ድኣ’ምበር ናይ ኤርትራውያን ብሄራት ሕቶ ኣይኮነን። ናይ ምስልምና ሃይማኖት ዕብለላን ናይ ብሄራት ውድባትን ንኤርትራ ዝጎዛዚ ስለዝኾነ ብመራሕቲ ኪዳን ሃገርና ከይትበታተን የስግኣና እዩ። እዝን ከምዝን ዝኣመሰለ ንህዝቢ ብዘሰክፍ ኣጋባብ ከተንብሁ ጸኒሖም እዮም። ንህዝቢ ዝኸፋፍል ንመራቲ ኪዳን ንምህራም ይሕግዘና እዩ ዝበልዎ ኩሉ ክጥቀምሉ ጸኒሖም። ማዕረ ማዕሪኦም ከኣ መስከረም ነት ኣለም ጎይትኦም ንሰልፊ ዲሞክራሲ እናነኣደ ንዲሞክራስያዊ ኪዳን መሳርሒ ወያነ ኢሉ እንዳእካፍኤ ንሱ ወዲ መዝሙር ሰልፊ ዲሞክራሲ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ድማ ደቂ መዝሙር ኣለም ጎይትኦም ኮይኖም ብሓባር ክፋጽዩ ጸኒሖም። ግን ኣይተዓወቱሉን። ህግደፍ ድማ ብጣቒዒትን ብሞራልን ብኺነዉ ዘሎ ሕልፍታትን ከሰንዮም ምዃኑ መጎታዊ ሓቂ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ካብ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምፍላዮም ዘርኣይዎ ተግባራዊ ኣዎንታዊ ስርሓት ወይ ኣብ ህዝቢ ዘንጸባረቕዎ ኣዎንታዊ ጽልዋታት ክሳብ ሕጂ ኣይተራእየን። ብሓጺሩ መተካእታ ናይቲ ዝተሓሰምዎ ሃገራዊ ዋዕላ ህዝቢ ዝቕበሎን ዝረብሓሉን ንጥፈታት ብንጹር ንህዝቢ ዝጸለወ ወይ ዘዕገበ የለን እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን።

II ጉዳይ ሃገራዊ ኮሚሽን፡

1- መደብ ዕዮታት፡ ብሸንኽ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ሃገራዊ ዋዕላ ብዝሃቦ ሓላፍነትን መምርሕን መሰረት ብምግባር ንጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት እጅግኡ ሰብሲቡ ስርሑ ጀመረ። ኣብ 5ተ ክፍለ ዓለማት ተዘርጊሑ ከኣ ካብ ህዝቢ፡ ህዝባዊ ሽማግለታት እንዳ ኣምረጸ ዓመት ምሉእ ዕቱብ ስርሓት ኣካየደ። ኣብ መወዳእታ ስርሑ ድማ ሃገራዊ ጉባኤ ክግበር ህዝቢ ወከልቱ ከዳሉ መምርሒ ኣመሓላለፈ። ጉባኤ ዝግበረሉ ግዜ ንዕለት 10/22/2011 ክኸውን ኣጽደቐ። ኣብ በበትኡ ህዝባዊ ኣኼባታት ብምክያድ ብመሰረት ካብ ሃገራዊ ኮሚሽን ዝተዋህበ መምርሒ ናይ ውክልና ስጉምትታት ተጀመረ። ኣብ መብዛሕትኡ እውን ወከልቲ ተዳልዮም ዘድሊ ለበዋታት ህዝቢ ተቐቢሎም ዝተቐረቡ ኮይኖም ጸኒሖም ኣለዉ። ኩሉ ናይ ዓመት ምሉእ ጸብጻባት ናይ ስራሕን ዝርዝር ኣስማት ወከልትን እውን ኣብ መዝገብ ሃገራዊ ኮሚሽን ናይ ውደባን ስርርዕን ክህሉ ናይ ግድን እዩ።

2- ሃንደበታዊ መልእኽቲ፡ ህዝቢ ወከልቱ መሪጹ ንሃገራዊ ጉባኤ ዳርጋ ክልተ ሰሙን ምስ ተረፎ ሃገራዊ ጉባኤ ዕለቱ ተቐይሩ፡ ሓደ ወርሒ ክድንጒ ምዃኑ ይንገር።፡ ንዕለት 10/22/2011 ተቖጺሩ ዝነበረ ናብ ዕለት 11/21/2011 ተመሓላሊፉ ዝብል መልእኽቲ ብሃገራዊ ኮሚሽን ናብ ኩሎም ጨንፈራት ናይ ህዝባዊ ሽማግለታት ብዕሊ ይመሓላለፍ። ጎድኑ ጎድኑ ድማ ተወናጫፊ ሓበሬታታ እዚ እውን ርጉጽ ኣይኮነን ዘይተሰማምዕሉ ኣካላት ስለዘለዉ ንዝመጽእ ዓመት እዩ ክኸውን ዝብል ወረታት እውን ይስማዕ ኣሎ። ኣብዚ ምርዳእ ዘድልዮ ከም ዋና ወይ ኣካየዲ ዘይብሉ ጉዳይ ኮይኑ ጸወታ ጭርጭር ዓበደ ይመስል። ንምቕያሩ ዝግድድ ነገር ትጽቢት ዘይተገብረሉ ህጹጽ ተረኽቦ ዝተዋህበ ንጹር ምክንያት እውን የለን። ካብቲ ዘየዔግብ ዝተዋህበ ምኽንያት እንተኾይኑ ብሸነኽ ሱዳን ኣይተዳለዉን፡ ገለ ውድባት ናይ ኪዳን ኣይተቐረቡን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሔ ናይ ውድባትን ናይ ምሁራትን ሰሚናር ግዜ ወሲዱልና ጸኒሑ፡ ዝብል ምዅኑይ ዘይኮነ ነጥብታት እዩ። ሃገራዊ ጉባኤ ዝኣክል ሃገራዊ ኮሚሽን ዓይኑ ዓሚቱ ዝቖጸሮ ኣይመስለንን። ንኹሉ ብዝጥዕም ኣጋባብ ገለ ጕድለታት ከይርከብ ንኹሉ ህልው ኵነታት ብ360 ኣርከን ዓቂኑን ጠሚቱን መዚኑን ክውስን ሓልፍነቱ ነይሩ። ምኽንያቱ እቲ ኩሉ ንሃገራዊ ጉባኤ ተወኪሉ ዝመጽእ ናይ ስራሕ ፍቓድ ሓቲቱ፡ ናይ ናብርኡ ወይ ስድርኡ ዝምልከት ጉዳያት ወጊኑ፡ ግዝይኡን ገንዘቡን ሓሳቡን ንምውፋይ ስለዝዳሎ ኣብ ኣገዳሲ ጸብጻብ ክኣቱ ይግብኦ። ኩሉ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክቃለስ ዝጸንሔ ከይተሓለለ ላዕልን ታሕትን ክብልን ኣኼባታት ከካይድን ምስ ህዝቢ ክረዳዳእን ንተጻረርቲ ሃገራዊ ጉባኤ ክምክትን ክከላኸልን ብዘይ ዕረፍቲ ክቃለስ ዝጸንሔ ምዃኑ ኣብ ዓቢ ግምት ክኣቱ ይግብኦ። ሃገራዊ ጉባኤ ሓንሳብ እንተ ተወሲኑ፡ እዚ ዝተቖጽረ እንተፈሽሉ እሞ ናብ ካልእ ግዜ እንተ ተቐይሩ ናይዚ ኩሉ ክሳራ ናይ ግዜን ገንዘብን ናይ ስራሕ መደባትን ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ኣእምሮ ሞራልን ፍናንን ስለዝሃሲ ተሓታቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ምዃኑ ንጹር እዩ። ብርግጽ ከኣ ብዙሕ ሰብ ሞራሉ ብኣሉታ ስለዝተጸልወ ከም ሳዕበኑ ድማ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ዓውደ ዓወት ናይ ህዝቢ ዘይኮነ ናይ ስልጣን ነጋዶ መቀናጀዊ ይኸውን።

3- ምንዋሕ ግዜ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዝተገብረ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ድሕሪ ተደጋጋሚ ኣኼባታትን ክትዓትን ንሃገራዊ ጉባኤ እተዳሉ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ተመሪጻ። ንኹሉ ነገራት ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ሃገራዊ ዋዕላ ዝካየደሉ ዕለት ወሲና፡ ቅድሚ ወከልቲ ምምራጾም ከኣ ብወግዒ ኣፍሊጣ። ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ከምዘይተዳለዉ ግዜ ከም ዘድልዮም ኣብሪሆም። ግዜ ክናዋሕ ድማ ሓቲቶም። ክቕየር ከምዘይክእል እውን መልሲ ተዋሂቦም። እቲ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ ድማ ካብዚ ጀሚሩ እንዳ ኸፍኤ ይኸይድ። ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ግዜ ክናዋሕ ክሓቱ ከለዉ ኣይተመለሰን። ኣብ ናይ ሕጂ ሃገራዊ ጉባኤ ኣካላት ናይ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣይተዳለናን ኢሎም ግዜ ክሓቱ እንከለዉ ግን ከምቲ ድሌቶም ተመሊሱሎም። ስለምንታይ? እቲ ዝሓሸ ግዜ ክናዋሕ ዝነበሮ እምብኣር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ እዩ ዝጠዓመ ዝነበረ፡ ምኽንያቱ ኣዋርሕ ተሪፍዎ ስለዝነበረ ህዝቢ እውን ወከልቱ መሪጹ ኣይተዳለወን ነይሩ። ኣብዚ ናይ ሕጂ ሃገራዊ ጉባኤ ግን ህዝቢ ወከልቲ መሪጹ፡ ወከልቲ ህዝቢ ከኣ ግዝይኦምን መደባቶምን ሰሪዖም ተዳልዮም እናተጸበዩ እንከለዉ ዳርጋ ክልተ ሰሙን ምስ ተረፎ ግዜ ተናዊሑ እዩ ክበሃል እንከሎ ዘስደምም እዩ። ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ሕጂ እውን መራሕቲ ኪዳን ይደግምዎ ኣለዉ። ይደግምዎ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ፍልልዩ ሕጂ ሃንደበታዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንኹሉ መደባት ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤ ይቕንጽሉ ኣለው። ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ግን ሰልፊ ዲሞክራሲ ግዜ ከሎ ተሳተፍቲ ከይተመርጹ ዝተሓተ ስለዝነበረ ዝዕንቅፎ መደባት ኣይነበረን። ስለዚ ካብ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበርዎ፡ ሕጂ መራሕቲ ኪዳን ዝገበርዎ ዝያዳ ዝሃስን ዝዕንቅፍን ኮይኑ ይርከብ።

4- ወድዓዊ ገምጋም፡ ወከልቲ ህዝቢ ተመሪጾም። ብመሰረት ፖለቲካዊ መምርሒ ናይ ሃገራዊ ኮሚሽን ብጉዳይ ኣጋባብ ኣመራርጻ ወከልቲ ካብ ውድባትን ህዝብን ዝምልከት፡ ካብ ውድባት 40% ካብ ህዝቢ ድማ 60% ይብል። ነዚ መመርሒ እዚ ዝጠሓሱ ኣባላት ውድባት ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ምህላዎም ይግለጽ። ሃገራዊ ኮሚሽን ብፍላይ ናይ ውደባን ስርርዕን ኣካል ብሸለልትነት ክትርእዮ ኣይግባእን። ብጉዳይ ናይ ህዝቢ ጸብጻባት ናይ ዓመት ምሉእ ዝተኻየደ ስርሓትን ዝተበጽሔ ምዕባሌታትን ናብ ሃገራዊ ኮሚሽን ናይ ውደባን ስርርዕን ቤት ጽሕፈት ተመሓላሊፉ። ብህዝቢ ዝተወከሉ ዝርዝር ኣስማት ተፈሊጡ። ይኹን’ምበር ሃገራዊ ኮሚሽን ከም ነጻ ኣካል ጸብጻባት ተቐቢላ ከተዕቅቦን መሰል ህዝቢ ዝተሓለወ ክትገብሮን መዝነታ ወይ ስልጣና እዩ። መራሕቲ ኮሚሽንን ምስ መራሕቲ ኪዳንን ብምትሕብባር ኵነታት ህዝብን ወከልቱን ኣብ ኣየናይ ደረጃ ምዕባሌ በጺሑ ከም ዘሎ ምስ ፈለጡ ከስግኦም ኪኢሉ። ካብቲ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር እቲ ዝበጽሕዎ ገምጋም፡ ህዝቢ ዝዕብልሎ ወድዕነት ስለዝኾነ ከሰምብዶም ኪኢሉ። ኣዚ ብምርኣይ ኣብ ስልጣን ከምጽኦም ዝኽእል ካልእ ዘይወድዓዊ ምኽንያት ክምህዙ ናይ ግድን ኮይንዎም። ስለዚ ሓዲስ ተዋስኦ ሃንዲሶም ብሃገራዊ ኮሚሽን ገይሮም ከመሓላልፍዎ ይውስኑ። እቲ ዝሰርሕዎ ተዋስኦ ድማ ንግዜ ሃገራዊ ጉባኤ ምቕያር ምቹእ ኵነታት ክፈጥረሎም ከምዝኽእል ይግምግሙ። ኣይተዳሎናን ጻዕቒ ስራሕ በዚሑና ወዘተ… ብምባል ግዜ ክናዋሕ ከምዘለዎ መልእኽቶም የመሓላልፉ። እዚ ተዋስኦ እዚ ነቲ ብህዝቢ ዝተወከለ ንመደባቱን ግዝይኡን ኣሰናኺሉ ካብ ሃገራዊ ጉባኤ ምስታፍ ከፍሽሎ ይኽእል ዝብል ብዝበጽሕዎ ተረድኦ ብተግባር ይነጥፍሉ። ንመራሕቲ ኪዳን ዝድግፉ ወከልቲ ከዳልዉን ዓብላሊ ተራ ዝጻወትሉ ዝተፈላለየ ባይታታት ንምንጻፍ እውን ይጓየዩ። በዚ ኣቢሎም ከኣ ጽምኢ ስልጣኖም ንምርዋይ ዝዋስኡ እዮም። እዚ ውልቃውን ጕጅላውን ናይ ስልጣን ረብሓታት ምቅድዳም ከኣ ንምዕባሌ ንድሕሪት ዝዓግት ኮይኑ ንፍትሕን ንዲሞክራስን ዝሃርም ዘይሓላፍነታዊ ተበላጺ መርገጽ እዩ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ናይ መራሕቲ ኪዳንን መራሕቲ ኮምሽንን ብተግባር ዝዛረብ ዘሎ ወድዓዊ ክውንነት እዚ እዩ።

መደምደምታ፡
ሕጂ ክውሰድ ዝግብኦ ስጉምታት ኩሎም ብህዝቢ ዝተወከሉ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤ ህጹጽ ርኽክብ ምግባር የድልዮም። ብሰንኪ ግዜ ምቕያር ዝርከብ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ናይ ውክልና ይኹን ናይ ሞራል ምድኻምን ቅልውላው ምእታውን ወዘተ…ተሓታቲ እቲ ብነጻ ምንቅስቃስ ሃገራዊ ጉባኤ ከዳሉ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ሓላፍነት ዝተቐበለ ሃገራዊ ኮምሽን ምዃኑ ከስምረሉ እፈቱ። ስለዚ ኩላትኩምን/ኩላትክንን ወከልቲ ህዝቢ ነዚ ብምትሕብባር ከተጽንዕዎን ናብ ህዝቢ ኣኪብኩም ከተብርህዎን የድሊ በሃላይ እየ። ብድሕሪ እዚ ህዝቢ ሃገራዊ ኮሚሽን ከም ዝበደለቶን መሰሉ ከም ዝገሃሰቶን ፈሊጡ ባዕሉ ብዝበጽሖ ገምጋም ክውስንን ብእኡ መሰረት ከኣ መሰረታዊ ፍታሕ ክግበርን ክንነጥፈሉን ክንዓየሉን የድሊ። መጽሓፍየይ ምኽንያት ከም ሓደ ተገዳሲ ባእታ ኮይነ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኣብ ጐድኒ ነብሲ ወከፍ ተገዳሲ ብምስራሕ ዓወት ሃገራዊ ጉባኤ ብዓወት ህዝባዊ ጸብለልትነት ክወጽእ ስለዝምክትን ስለዝቃለስን እየ።

ኣዳላዊ፡ ሃብተማርያም ሚካኤል ካሊፎርንያ/ሳክራሜንቶ
10/11/2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT