Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገዳሲ ህዝባዊ ምልክታ ካብ በርሚንግሃም

ኣብ ሃገርዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ሕጹያት ንምምራጽ ኣብ በርምንግሃም ህዝባዊ ኣኼባ ክካየድ ኢዩ ተሓጋጋዚት ሽማግለ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን ንሃገራዊ ኮሚሽን ንኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ሕጹያት ንምምራጽ ናይ ምድላው ስርሓ ኣብዚ እዋን እዚ ብምዝዛም ህዝባዊ ኣኼባ ትጽውዕ። ንኩሎም ወከልቲ


ኣብ ሃገርዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ሕጹያት ንምምራጽ ኣብ በርምንግሃም ህዝባዊ ኣኼባ ክካየድ ኢዩ
ተሓጋጋዚት ሽማግለ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን ንሃገራዊ ኮሚሽን ንኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ሕጹያት ንምምራጽ ናይ ምድላው ስርሓ ኣብዚ እዋን እዚ ብምዝዛም ህዝባዊ ኣኼባ ትጽውዕ። ንኩሎም ወከልቲ ናይ ኩለን ደገፍቲ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከም ተዓዘብቲ፣ ንጡፋት ምዝጉባት ኣባላት ኮይንኩም ጉቡእ ክፍሊት ገንዘብ ዘማላእኩም ድማ ምሉእ መሰልኩም ኣብ ምርቋሕ፣ ምድማጽን መስርሕ ምርጫ ክትጥቀምሉ ትዕደሙ። እቶም ክሳብ ሕጂ ግቡእኩም ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ዘየማላእኩም ክሳብ ቅድሚ ዕለት ኣኼባ ምስ ዘይተማልኡ መሰልኩም ናይ ምስታፍ ኣብ ምርጫ ክትስእኑ ትኽእሉ።
ነዚ ዕድል ተጠቒማ ተሓጋጋዚት ሽማግለ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን ንኩሎም ብትግሃትን ከይተቖጠቡን ግዚኦም ኣወፊዮም ካብ መጀመርታ ዝጸዓሩ፣ ክሳብ መወዳእታ ብኸምኡ ጸዓትን መንፍስን ክሳብ ምዕዋት ናይ መስርሕ ለውጢ ክቕጽልዎ እናተተስፈወት ዓፙቕን ደረት ዘይብሉን ክብርን ምስጋናን ንዕኦም ክትገልጸሎም ትፈቱ።

ዕለት ናይ ኣኼባ: ሰንበት 02 ጥቅምቲ 2011
ግዜ፣ ሰዓት 2፣00 ድሕሪ ቀትሪ
ቦታ፣ Alnoor
118 Stratford Road
Birmingham
B11 1AJ
ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ተሓጋጋዚት ሽማግለ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT