Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ሕጂ’ውን ከይንቅደም ኣብ ገዛእ ውራይና ከይንዕደም

ኤርትራውያን፡ ሕጂ’ውን ከይንቅደም ኣብ ገዛእ ውራይና ከይንዕደም ሕመረት ጽሑፈይን ሓሳበይን በዛ ቀዳሞት ወለድና ኣንጻር ረብሕኡ ንዝቃለስ፡ ንሞት ክሳብ ገዝኡ ደፊኣ ትኣቱ ዝጽበን ንኽብሩን መንነቱን ስጉምቲ ዘይወስድን ሰብ ቁምነገር ሓዘል ኣሽሙር ሓጻር ግጥሚ ክፍልም። ብጽሓይ ቀትሪ ካብ በለካ

ኤርትራውያን፡ ሕጂ’ውን ከይንቅደም ኣብ ገዛእ ውራይና ከይንዕደም

ሕመረት ጽሑፈይን ሓሳበይን በዛ ቀዳሞት ወለድና ኣንጻር ረብሕኡ ንዝቃለስ፡ ንሞት ክሳብ ገዝኡ ደፊኣ ትኣቱ ዝጽበን ንኽብሩን መንነቱን ስጉምቲ ዘይወስድን ሰብ ቁምነገር ሓዘል ኣሽሙር ሓጻር ግጥሚ ክፍልም።

ብጽሓይ ቀትሪ ካብ በለካ ገብገብ

ገዛ እንከለካ ምስ ሰይቲ ወድኻ ካብ ትቅለብ

ምስ ድቢት ጥሪትካ ምስ ጓና ካብ ትዕሰብ

ሰብ ክንስኻ ኣብ ክንዲ ትሽየጥ ትልወጥ ብገንዘብ

ማይ ምስ ጽሓየ ከተዕቅል ናብ በዓቲ ኣብ ክንዲ ትብል ተብተብ

ዓለም ዘይትምንን እዛ ዓለም ዘይትጽገብ ካብ ምስ ጸላእትኻ ትዋሰብ።

ኣብ ሃገርና፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሓምለ 2018 ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያ ዝፈረሞን ብስዑድ ዓረብያ ዝተባረኸን ዘይሕጋውን ንህዝቢ ኤርትራ ዘግለለን መስርሕ ሰላም፡ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ናበይ ገጹ ይጓዓዝ ከምዘሎ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኮይኑ’ሎ። ብፍላይ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ለጊስዎ ዘይፈልጥ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ዘርኣዮ ውደኽደኽ ፍሽኽታ፡ ደስታን ምጥብጣብ ኣፍልብን ከምኡ’ውን “ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝኸሰርናዮ የለን፡ ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ህዝቢ ኢና ዝፈላልየና የለን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓቢዪ ኣሕመድ ክትመርሓና ምሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣለኹ” ዝብሉ ሓረጋትን ከበድቲ ቃላትን ምስ ኣጋውሐ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተገሪሙን ተደናጊሩን። ትማሊ ትማሊ፡ “ዶብና ከይተሓንጸጸን ተጎቢጡ ዘሎ መሬትና ከይተመልሰን ምስ ኢትዮጵያ ዘተ ዝብሃል የለን፡ ኢትዮጵያ ከዳሚት ኣመሪካ’ያ” ክብሃለና ከምዘይጸንሐን፡ ንኣስታት 20 ዓመታት “ኣብ ኩናት ስለዘለናን ልኡላውነትና ስለዝተጋህሰን እገዳ ተግይሩልላ ስለዘሎን፡ ቅዋም ምንዳፍ እዋኑ ኣይኮነን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቅጽል ኣለዎ” እናተባህለ ንምብትታን ስድራቤታት፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ድኽነትን መመኽነይታ ከምዘይተዋህበሉን፡ ኩሉ ተሪፉ ኣብ ጥራይ ጎልጎልን ውሽጣዊ ሕማምካ ከይፈወስካን፡ ጥሩምባ ሰላም ተነፊሑን ተዳኺሩን።  ዘኽፍኣሉን ዘጸብቀሉን ዘይፈልጥን ብኣጉል ትምክሕቲ ዝተላዕጠጠን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓንሳብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ክሳብ ዝሃድእ ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነት ከምዘይውሃቦ ክገልጽ እንከሎ፡ ካልእ እዋን ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ንኽመጽእ ዝዓበየ ተራ ከምዝተጻወተን ስርዓት ወያነ ክሳብ ዝዳኸም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓቢዪ ኣሕመድ ምትሕብባር ከምዝቅጽልን ይገልጽ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ምስ ህዝቡ ከይተዓርቀን ኣብ ሃገሩ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ከይፈትሐን፡ ናይ ወረጃታት ካባ ለቢሱ ዘይንሱ ክመስል እንተደለየ ድማ፡ ንዓና ኤርትራውያን ንዓይ ንኣንጭዋ’ዶ ኣብ ሎቆታ ካብ ምባል ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት፡ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክል ጥራይ ኣይኮነን ብተግባር ኣረጋጊጹልና። ህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት፡ ሃገራዊ መንነቱ ንምጥፋእን ንምብትታንን፡ ጥሜት፡ ሕማም፡ ስደት፡ ሓድሕድ ምጥርጣር፡ ሽቅለተ ኣልቦነት፡ ጉቦን ጽልእን ክምዕብል ብዝለዓለ ጽዒሩሉን ሚልዮናት ገንዘብ ኣፍሲሱሉን። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018፡ ስርዓት ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይንጹር ስምምዕ ሰላም ከምዝተፈረመን ስዒቡ ኣብ መስከረም ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስተኸፍተን፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ንዓመታት ኣብ ዝባኑ ዝጸንሐ ሕሰም ክእለየሉን ስርዓት ህግደፍ ናብ ንቡር ክምለስን ዝለዓለ ትጽቢት ነይሩዎ፡፡ ብተግባር ግን፡ ኩሉ ተስፋታትን ሕልምታትን ህዝቢ ኤርትራ በኒኑን ተጸንቂቁን። እቲ ብሰበብ ዶብ ዝተወልዐን ልዕሊ 20 ሽሕ መንእሰያትና ዝተሰውኡሉን ጉዳይ ዶብ፡ መሰረት ሰላምን ውሕስነት መጻኢ ወለዶን ክንሱ፡ ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይኮነን ተባሂሉ። ንዓመታት ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ዘለው ኣሽሓት ዜጋታትና ኣይተፈትሑን። ዓቅሚ ዓያዪ ጉልበት ጸንቂቁን ስድራቤታት በታቲኑን ዘሎ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠጠው ኣይበለን። ሃገር ትምርሓሉን ስርዓተ ሕጊ ዝነግሰሉን ቅዋም ክትግበር ኣይተደልየን። ብሓጺሩ ንህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ሰብኣዊ መሰል ከምዘይምልከቶ ዳግም ተረጋጊጹሉ።

እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ከይተፈትሐን፡ ዶባት ብተብተብን ብዘይ እኹል መጽናዕትን ተኸፊቱ። ንህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ስምምዓት ሰላም ዝርዝር ትሕዝትኡ ከይፈልጥን ተዋሳኢ ከይከውንን ተሓሪምዎ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማዕከናት ዜናን ወግዓዊ መግለጺታት ሰበስልጣን ኢትዮጵያን፡ ልኡላውነቱን መንነቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዝኣተወን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ውራዩ ዕዱም ከምዝኾነ መርድእ ምስማዕ ለሚድዎ። ኣብ ገዛእ ሃገሩ ምንባር ተስፋ ስለዝሰኣነሉ ድማ ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ፡ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም። ኣብ ስርዓት ህግደፍ እምነት ከምዘይብሎምን ብተግባር ገሊጾም። ኤርትራውያን ማሙቅ ቤቶም ገዲፎም ኣብ መሳለጥያ ዘይብሉ መዓስከር ስደተኛታት ክእጎሩን ኣብ ጎደናታት ትግራይ ቀንፈዘው ክብሉን ለማኖ ክኾኑን ተገዲዶም። ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ በብእዋኑ ናብ ስደት ዘምርሑን ኣብ መላእ ዓለም ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉን ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ወጥሪ ተፈቲሑ ተባሂሉ ናይ ዕቁባ መሰሎም ኣብ ሓደጋ ወዲቁ። ስርዓት ህግደፍ ድማ ኮቦሮ ሓምሓሙ ሃሪሙ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ክድዓቱን ሃሱስነቱን ኣረጋጊጹ እንከሎን ተነጽሉኡ ንምሕዋይ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ወሽለኽለኽ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋንን፡ ስደት ክቅጽል፡ መንነትና ክጅላሕ፡ ሃብትና ክጉሕጓሕ፡ ፍትሒ ክዕምጸጽ፡ ሃገርና ጓኖት ክዕንድሩላን ክንሓስርን ዝብህጉ መጣቃዕትን የዋሃትን ምህላዎም’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እንተ ብረብሓ፡ እንተ ብምድንጋር፡ እንተ ብፍርሒ፡ ዕድመ  ስርዓት ህግደፍ  ዘናውሕ ዘሎ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ፡ ኣብ ጎደና ጥፍኣት ከምዘሎን ይቅረ ዘይብሃሎ ገበን ይፍጽም ከምዘሎን ክግንዘብ ይግባእ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኩሉ ተግባራቱ፡ ጽባሕ መሬት ምስ ወግሐን ስርዓት ህግደፍ ነበር ምስኮነን ተገምጢሉ ከምዘሕፍሮን ከምዘሕትቶን ክስሕቶ የብሉን። ኤርትራውያን ክሳብ ምኣስ ኢና ብኣጉል ተዋስኦታትን ሽሕጣንን ስርዓት ህግደፍ ክንደናገርን ኣንጻር ረብሓታትና ክንዕጠቅን? ኤርትራውያን፡ ነቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኣብ መላኣ ዓለም ተበታቲኑ ዘሎ ውገንና’ባ፡ ሰብ ክኸውን ክኸብርን ንሕሰበሉ። ኤርትራውያን፡ ዝተረፈና’ኮ የለን፡፡ መንእሰያትና ጸሪሮም፡ ዓድታትና ኣረጋውያንን ቆልዓ ሰበይትን ሒዘን ተሪፈን። ኤርትራውያን ክሳብ መኣስ ኢና፡ ግዳያትን ተንኮላትን ስርዓት ህግደፍን መስሓቅ ጓኖትን ክንከውን? ንዘክር እባ እቶም ነዛ ተወሊዓ ዘላ ብርሃን ከምጽኡ ዝተሰውኡን ከይትፈላለዩ ዝበሉናን ሰማእታትና። ኤርትራውያን እንታይ ክሳብ ንኸውን ኢና ንጽበ ዘለና? ፍልልያት ክህልወናን ፖለቲካዊ ድሌታትና በበይኑ ክኸውንን ገበን ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕፍረትን ጸገምን ፍልልያትና ከነጽብብ ዘይምኽኣልናን ለባማትን ምሁራትን እንከለዉና ኣብ ዕንክሊልን ሓሸውየን ምጥሓልና ኢዩ። ሰሚርና ወይ ተፈላሊና ናትና ንብላ ሃገር እንተዘይሒዝና ትርጉም ይብልናን። ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራትን ካልኦት ጎብለላትን ውጥም ቅልቅል እንተበላን ብዛዕባና ዝቆርቆራ እንተመሰላብ፡ ቀዳምነት ንረብሓታተን እምበር ናትና ዝዓጠን ኣይኮነን። ጸገማት ግዳማዊ ምትእትታው ካብ 50ታት ብተግባር ተዓዚብናን ተማሂርናን ኢና።

ንሕና ኤርትራውያን ከም ሃገርን ከም ህዝቢን ክንህሉን ክንቅጽልን፡ ኣብ ከባቢና ዝፍጠር ነውጺ ክንጻወርን ተቋደስቲ ብልጽግና ክንከውንን፡ ብቀዳምነት ንሕና ክንሰምርን ቀዳምነታትና ከነለልን ይግባእ። ኣብ ካልኦት ዝወልዕዎ ባርዕን ዝጠጅእዎ ተንኮልን ኣእዳውና ክንሕውስ የብልናን። ስውኣትና ይዕዘቡና ኣለዉ፡ መጻኢ ወለዶ ድማ ክሓተና’ዩ። ኤርትራውያን፡ ቅድሚ ሎሚ ዝተዓሸናዮን ዝተገራህናዮን ይኣኽለና። ሕጂ’ውን ከይንቅደም ኣብ ገዛእ ውራይና ኣብ ክንዲ ኣሳሰይትን ተዓጠቅትን፡ ዕዱማትን ኣጋይሽን ከይንኸውን ንጠንቀቅ። ቤትና ነጽሪ፡ ትዕቢት ነወግድ፡ ነብስና ንፍለጥ፡ ወያነ ክንውንጅልን ንተግባራት ደመኛ ህዝብና ህግደፍ ክንውድስን ወርቃዊ ግዜና ኣይነባኽን። ውልቀመላኺ ኢሳያስን ቀንዲ ተሓባበርቱን ጸሓይ ምስ ዓረበቶም ዝረግጽዋ መሬት ምስጠለመቶምን፡ ናብቲ ኣቀዲሞም ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘስገርዎ ሚልዮናት ዶላርን ዝዓደግዎ ቪላታትን እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም ክሃድሙ እምበር ኣዞም ሕጂ ጃለታትን መሓዮታትን ኮይንኩም ተጣቅዑን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ትነብሑን ዘለኹም ዜጋታት ቁሊሕ ከምዘይብልኹም ኣይትዘንግዑ። መታርፍትኹምን ሓውኹምን እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ሕሰም ዝጻወርን ኣብ ስደት ዝሳቀን ዘሎ ወገንኩም እምበር ኢሳያስን ሒደት ኮራኩሩን ኣይኮኑን። ምስ ውጹዕ ህዝብኹም ወጊንኩም መንድዓትን ቁርዲድን ሕብረተሰብና ኣጥፍኡ። ተግባራትኩም ክልተ ግዜ ሕሰቡሉ ንክውንነት ድማ ብርትዒ ምዘኑ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 26 ታሕሳስ 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde December 26, 2018

    “NZEISEMA’AKA GEDAM AITMAHLEL”, hopefully you get through them Tsilal. You need a jack hammer to get through their thick skull.

POST A COMMENT