Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ቤትና እሱራት ኢና

 ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ቤትና እሱራት ኢና ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለምን እንርከብ ኤርትራውያን፡ ክሳብ ሎሚ ጸገምና ንምፍታሕ ጥምረትን ራእይን የብልናን፡፡ ብፍላይ ኣብ ስደት ዘሎና ዜጋታት፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ስለዘሎና፡ ንስርዓት ህግደፍ

 ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ቤትና እሱራት ኢና

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለምን እንርከብ ኤርትራውያን፡ ክሳብ ሎሚ ጸገምና ንምፍታሕ ጥምረትን ራእይን የብልናን፡፡ ብፍላይ ኣብ ስደት ዘሎና ዜጋታት፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ስለዘሎና፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝነቅፍ ወይ ዝውድስ ርእይቶታት ምቅራብን ብቅሉዕ ምቅዋምን ይርአ። ንኣብነት ካብ ሓደ ንላዕሊ ባንዴራ፡ መዓልቲ ናጽነት፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ ቤት ጸሎትን፡ ማሕበረ ኮምን ምህላው ልሙድ ኮይኑ’ሎ። መንቀሊ ናይዚ ድማ፡ ብሰሪ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ንምቅጻል ዝጥቀመሉ ጎጃጃሊ ሜላን ኤርትራውያን ባዕልና እንፈጥሮ ስንፍናን’ዩ። ብፖለቲካዊ ኣጠማምታና ከኣ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ተቃወምቲ ህግደፍ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ክልቲኡ ደምበ ኢድ ዘይሕውሱ ተባሂልና ክንምደብ ንኽእል።

እቶም ኣብ ጉጅለ ደገፍቲ ህግደፍ ዝምደቡ ኤርትራውያን፡ ብግዝያዊ ረብሓ ዓዊሮም ወይ ጌጋን ቅኑዕን ንምፍላይ ኣእምሮኦም ለኩቶም ህግደፍ ወይ ሞት ዝብሉ ኢዮም። እዚኣቶም ፖለቲካዊ ንቅሓቶምን ደረጃ መዝነቶምን ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ ዕላማታት ህግደፍ ንምትግባር ዘካይድዎ ንጥፈታት፡ ዝወሃቦም መደባት ስራሕን ዝረኽብዎ ጉንዓታት’ውን ብኡ መጠን ፍልልይ ኣለዎ። እታ፡ ኣብ ጥራይ ጎልጎል “ኣብ ዓለም ከም ህግደፍ ገስጋስን ፍትሓውን መንግስቲ የለን” ትብል ስነሞጎት ግን ንኹሎም ተሓለቅቲ ህግደፍ ትጥርንፍ ቀለቤት’ያ። ሓለፋታት መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ ብሕቲ ማኪና፡ ዝተደራረበን ቁልፍን ሓላፍነታት ምሓዝ፡ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ምክያድ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ብዘይገደብ መንቀሳቀሲ ፍቃድ ምሃብ፡ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክተርፉ፡ ንፍሉይ ሕክምና ናብ ወጻኢ ብገንዘብ ህዝቢ ክለኣኹ ገለ ካብቲ እሙናት ህግደፍ ዝረኽብዎ ዓስቢ እምነቶምን ጥልመት ህዝቦምን’ዩ።

ጉዳይ ተቃወምቲ ከም ስሞም ተቃወምቲ ሜላታት ህግደፍ ስለዝኾኑ፡ እቲ ንደገፍቲ ህግደፍ ዝስለዓሎም ሓለፋታት ይንፈጎም። ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ስለዘለዎምን ብፖለቲካዊ እምነቶምን፡ ብዘይ መርትዖን ብዘይሕግን ክምቁሑ፡ ክቅተሉ፡ ካብ ስራሕ ክባረሩ ወይ ክድስኩሉ ቅሉዓት’ዮም። ኣብ ክሊ ተቃወምቲ ዝምደቡ ዜጋታት ግን ጸገሞም ካብ ህግደፍን ደገፍቱን ዘጋጥሞም በደልን ተነጽሎን ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ካልኣዊ ፍልልያቶም ወንዚፎም፡ ስሙር ግንባር ፈጢሮም ንስርዓት ህግደፍ ዝምክቱን ራህዋ ህዝቦም ዘቀላጥፉን፡ በብእዋኑ’ዮም ዝጫጭሑ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣግሂድካ  ንህግደፍ ክትቃወም ዕድሜኻ ምሕጻር ስለዝሕሰብ፡ ሃጸይ ኢሳያስ ቃሕታኡ እንተፈጸመ ብሒም ኢሉ ዝዛረቦ የለን። ኣቲ ዘሕዝን ግን እቲ ኣብ ኣፍካ መሊእካ ሓሳብካ ትገልጸሉን ተቃውሞኻ ትድርጉሓሉን ቦታ ዝነብር ኤርትራዊ፡ ተወዲቡ ጭቡጥ ፍረ ክህብ ዘይምኽኣሉ’ዩ። ኤርትራዊ፡ ኣብ ክንዲ ንቀዳማይ ጸላኢኡ ዝኣሊ፡ ንሓድሕዱ ክመናጨት፡ ክበታተንን ውልቃዊ ስምዒታቱ ከጉልሕን ግዚኡ ይባኽንን ኣሎ።

እቲ ኣብ ሳልሳይ ጉጅለ ዝምደብ ድማ፡ ብፍርሒ፡ ብምስልቻው፡ ተስፋ ብምቁራጽን ብበለጽን ኩርንዑ ሒዙ ውራይ ሓዳሩ ጥራይ ዘካይድ’ዩ። መርገጺኡን ስምዒቱን ብእውጅ ስለዘይገልጽን ኣብ ደምበ ተቃወምቲ ወይ ደገፍቲ ጣልቃ ስለዘይኣቱን ከኣ፡ ካብ ተቃወምቲ ልዕል ዝበለ ዝተወሰነ ሓለፋን ምድንጋጽን ይረክብ’ዩ። ሕልና ንዘለዎ ሰብ ግን፡ ወገንካ ክቅተል፡ ክእሰር፡ ክስደድን ብሓለንጊ ጥሜት ክግረፍን ልኡም መርገጺ ምውሳድን ብስቅታ ምዕዛብን፡ ዘይእዉጅ ደገፍ ንህግደፍ’ዩ ዝሕሰብ። ርግጽ’ዩ፡ ህግደፍ ብሕጊ ስለዘይምእዘዝ፡ ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝነብር ሰብ ተቃዋሚ ህግደፍ እንተኾይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤቱ ወይ ንብረቱ ሕነ ምፍዳይን ራስያን ክፍጽም ይኽእል’ዩ ዝብል ፍርሒ ኣሎ። እንተኾነ፡ ህግደፍ መወቀፍ ስለዘይብሉን ሓላዪ ህዝቢ ስለዘይኮነን፡ ናይ ግዜ ሕቶ’ምበር ንደጋፊኡ’ውን ምሕረት የብሉን።

ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ኣረኣእያና ብዘየገድስ ኣብ ሓደ ጽላል ዘይምጥርናፍና ንህግደፍ ዝዓበየ ዓወትን ኣብ ስልጣኑ ተኾዲሙ ህዝብና ክረግጽን ዕድል ሂብዎ’ሎ። እንተ ብግዝያዊ ረብሓ፡ ብጉድለት ንቅሓትን፡ ናይ ኣንታይ ገደሰኒን ገርዛም መርገጽን ክሳብ ዘይወገድና ድማ፡ ዕድመ ህግደፍ ክሓጽር፡ ስቃይ ህዝብና ከብቅዕ፡ ኣብ ቤትና ኣሲሩና ዘሎ መቁሕ ክብተኽን መድሃኒት ሕማምና ክንረክብን ዘበት’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሕሰም ናብራን ምልኪ ህግደፍን ዝመበገሲኡ፡ ዝኸፈልካ ከፊልካ ናብ ስደት ምምራሕን ዓይንኻ እናርኣኻ ናብ ሓዊ ምእታውን’ዩ።  እቲ ነባሪ ፍታሕ ግን፡ ኣፍልብና ነፊሕና ብርእሰ-ተኣማማንነት ኣብ መሬትና ብኩርዓት ክንቅመጥ ዝኸፈልካ ከፊልካ ንመንዳዓት ኤርትራ ምሕግሓግ’ዩ። እቲ ዝዓበየ ፍልልያት፡ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቃወምትን ህግደፍ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ተቃወምቲ ህግደፍ ኢና እንብል ዜጋታት ዝርአ ዘራጊቶን ንፋስ መንጠለንን’ዩ። ኤርትራውያን፡ ብዘረባ ኣናብር ብተግባር ግን ድኹማት ኢና። እዚ ዘሎ ምብትታን ድማ፡ ነታ “ኤርትራውያን ንኸይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና’’ ትብል ዘረባ እናሻዕ ሓቂ ትገብራ።

                         ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (23 ነሓሰ 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Senu August 23, 2015

    ‘Higdef kt’Haqiq and ktidmises alewa’ for ever if our mama Eritrea is to recover from misery and shames. And it will surely happen really soon.

  • Abrehet August 23, 2015

    Decades of abuse have made the Eritrean pride dissolve away from Eritreans.
    Has God deliberately blinded us, or is it that we are callous because we’ve seen too much suffering.

  • Eyob Ghirmay August 23, 2015

    My country, right or wrong; if right, to be kept right, if wrong, to be set right. Carl Schurz.

    Eritrea is at a historical juncture. If the present course is not averted, Eritrea can fall into the abyss of failed states. The human tragedy will be more severe that that witnessed in Somalia because ethnic-religious cleavages in Eritrea are much deeper and the abundance of arms and militarization of the society at large is much greater. If Eritrea falls, the fragile neighboring states of the Sudan and Ethiopia would follow because the restive cores of these three countries have deep ties to each other.

  • Haylat August 23, 2015

    “Kof elika tiseQila’mo dew elika miwirada tisiena” koyinuna guday nay Eritrea. Lets hope for a quick and lasting solution from the Almighty God. I also wish Tslal would come up with solutions not just telling us what we already know about Eritrean problems.

  • ኤድመንተን August 23, 2015

    ሓው ጽላል,

    ትምህርቲ ብመልክዕ ዋዛ

    ሰብ ክድበስ ኢኻ ትርዳእ እምበር,ትጥርንፍ ጽላል ተመስሪታትልና እንድያ።ብትምህርቶም ዝዓዘዙ ንዲክሸነሪን ኢንሳይክሎፔድያን ከይርኣዩ ዝወጽዎ ምሁራት ።ኤርትራና ይሓልፈላ እዩ ዘሎ።እዞም ዝጠቐስካዮም ተቓወምቲ ፍንጡሓት ምኳኖም ገሊጽካልና ኔርካ።ኣየ ጽላል ፣ዘይተረድኣካ OUR VOICE ዝብሃሉ ጠርነፍትና Stem Cell Medical Technology ተጠቒሞም ሓደሽቲ ተቓወምቲ ፈጢሮም እንድዮም።ሓንቲ ጸገም ዘላ… ማለትሲ…OUR VOICE መን ምዃኖም ኣይንፈልጦምን ኢና፣ግን ሙሁራት እዮም ካብቲ ጨጓር ዳንጋ ኢሳያስ ብሽሕ ኢድ ይበልጹ ።ብኸመይ ትፈልጥ ከይትብለኒ ፣ምሁራት እንድዮም ፣ከምኡ ኢልካ ኣይሕተትን እዩ። ከም ውድባት ናይ ማእከላይ ምስራቕ ገጾም ሽፉን እዩ። ሕቡእ ኣጀንዳ ስለ ዘለዎም ኣይኮኑን},ጩራ ጽሓይ ንቖርበቶም ሰንጢቑ Skin Cancer ንከይፈጥረሎም እዩ።ከም ኩላትና ሱቕ ኢልካ ጥራይ እመን ኣይትሕተት።መጀመርያ ግበር ድሓር ሕተት ዝብሃል መምርሒ ውድብና ኣይትረስዕ።

    ምስ ፍሽኽታ ሓውካ ኤድመንተን
    nick name (ጎይታ ሓለውቲ ዓውዲ)

  • AHMED SALEH !!!. August 23, 2015

    Recently I had national discussion with close family
    member whom I taught to get constructive feed back
    based in his knowledge from years of experience .
    Eventhough our close related family members went through
    all hardships like every Eritrean families , for my
    astonishment he was arrogantly defensive to save Issayas
    from any wrong doing . Luckily, I learned not to put
    politics in a path of my relationship either with family
    or friends , I managed to minimize unnecessary tension .
    Politics is very dangerous if we can’t handle outcome it creates cautiously.
    Sometime it drive brothers to kill each other , that is
    it’s evil side we should recognize .

  • k.tewolde August 24, 2015

    My mother’s favorite song while preparing dinner when I was little, ‘SESNU SESNU SHIHNI WALTA KUNU, DEKEY IZI GEZANA KEYATWO GUANA.’ In retrospect, she was warning us.God bless her soul.She is in a better place now looking down. I wonder what she is saying?

    • merhawit August 24, 2015

      Is she dead? Well, she cannot say anything. Dead is dead, my dear.

POST A COMMENT