Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን-ካናዳውያን ደለይቲ ፍትሒ ካናዳ-ሓቆፍ ጽላል ይኣክል የቑሙ

ኣብቲ ካብ 3 ክሳብ 4 ነሓሰ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ካናዳ፡ “ንሓርነት ብሓድነት!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ኤርትራውያን-ካናዳውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብ 12 ከተማታት ዝተላእኩ 36 ወከልቲ ብኣካልን ብውክልናን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ መሰጋገሪ

ኣብቲ ካብ 3 ክሳብ 4 ነሓሰ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ካናዳ፡ “ንሓርነት ብሓድነት!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ኤርትራውያን-ካናዳውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብ 12 ከተማታት ዝተላእኩ 36 ወከልቲ ብኣካልን ብውክልናን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ መሰጋገሪ ካናዳ-ሓቆፍ ጽላል ብወግዒ ተመስሪቱ።

ብመሰረት ካብ ዋና ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ጽላልን ፌስቲቫልን ሓው ገዛኢ ሓጎስ በርሀ፡ ከምኡ’ውን ኣዋሃሃዲ ውደባ ሓው ኣብርሃም ተወልደ ተኪኤ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ ካናዳ-ሓቆፍ ጽላል መሰጋገሪ ክኸውን ዝተወሰነሉ ምኽንያት፡ 6 ካብ’ተን ወከልተን ዝልኣኻ ከተማታት ብግዝያውነት መሪጸን ዝጸንሓን፡ ካልኦት ገና ወከልተን ዘይመረጻን ኣብ ውሽጢ’ቲ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ግዜ ወከልተን መሪጸን ክልእካ ትጽቢት ስለዝግበረለን ኢዩ። ብተወሳኺ እታ መሰጋገሪ ካናዳ-ሓቆፍ ጽላል፡ ነታ ብቐዋምነት ትምስረት ጽላል ድልዱል ሰረት ክህልዋ ዝሕግዝ ባይታ ንምንጻፍ ናይ ምውህሃድ ሓላፍነት ተሰኪማ ክትንቀሳቐስ ምዃና፡ ሓው ገዛኢ ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ ምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ፌስቲቫል ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ወከልቲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ድሕሪ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ተጋባኢ ካብ ሰዓት ሓደ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ክሳብ ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ጉጅለኣዊ-ዘተ፡  ብኣዋሃሃድቲ ፌስቲቫል ንዝተወሃቡ ንምምስራት ጽላል ዝምልከት መግለጺታት ኣብ ምስማዕን፡ ርእይቶታቱ ኣብ ምሃብን’ዩ ተጸሚዱ ውዒሉ።

ብሓፈሽኡ እቲ መንፈስ ውዕዉዕን ኣታባባዕን ነይሩ። ኣብቲ ዝተዋህበ ክፉት ናይ ርእይቶን ሕቶን መድረኽ፡ ንምድልዳል ሓድነት ዝጽውዑ ልቢ ዝትንክፉ ርእይቶታት ክቐርቡ ከለዉ፡ ካልኦት ካናዳ-ሓቆፍ ጽላል ግዜ ወሲድካ ክምስረት ዝብል ምሕጽንታ ዝርከቦም’ውን ቀሪቦም ነይሮም። ኣብዚ ከም ኣብነት ግሉጽነትን ተሓታትን ክውሰድ ዝኽእል ሓደ ዝተኸስተ ተርእዮ፡ ገለ ካብ ኣባላት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ከተማ ቶሮንቶ ዝያዳ ግዜ ተዋሂቡዎም ጉዳያት ከተመኦም ኣጻፊፎም ወከልቶም ክልእኩ ዘቕረቡዎ ጠለብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እታ ሽማግለ፡ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ድሕሪ ምዝታይ፡ ነቲ ኣካራኻሪ ኮይኑ ዝተረኽበ ጉዳይ፡ ሻቡ መዕለቢ ብምግባር፡ ህጹጽ ግብረ-መልሲ ክትህበሉ ምርኣይ ነይሩ።

ብተወሳኺ እታ ናይ መሰጋገሪ ካናዳ-ሓቆፍ ጽላል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ካናዳ ዝርከቡ ኣብ’ዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ከይተሳተፉ ዝጸንሑ ደለይቲ ፍትሒ፡ ተጠርኒፎም ይኣክል ብምባል ወከልቶም ክሳብ ዝመረጹ፡ ብዝሖም ብዘየገድስ ኣካል ናይቲ ካናዳ-ለኸ ጽላል ክኾኑ ከምዝኽእሉ ፈሊጦም ጥርናፈታት ክምስርቱ፡ እቶም ዛጊት ወከልቶም ዘይልኣኹ ከተማታት ድማ ወከልቶም ብምልኣኽ ነቲ ጽላል ከተርንዑ ጻውዒት ኣቕሪባ ኣላ።

ኣብቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ፌስቲቫል ብሓው ስምኦን ሓጎስ በርሀ ዝተደርሰት ተሳተፍቲ ዝመሰጠት ናይ መድረኽ ድራማ፡ ብወናማት ድምጻውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝቐረቡ ኣናቓቓሕቲ ደርፍታትን ካልእ ተወሳኺ ጠቓሚ ንጥፈታትን’ውን ተኻይዶም ነይሮም።

ቴለቪዥን ኣሰና ንፌስቲቫል ደለይቲ ፍትሒ ካናዳ ዝምልከት ሰፊሕ ጸብጻብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከተቕርብ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ንሕብር።

ጋዜጣዊ መግለጺ ካናዳ ሓቆፍ ጽላል ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ካናዳውያን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT