Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

`ኤርትራ፡ ምስ ጎረባብቲ ርክባ ብምሕዳስን ጥዑም ጥዑም ቃላት ብዝምዝራብን ብኡንብኡ ኣህጉራዊ እገዳ ክለዓለላ ክትጽበ የብላን` – Tibor Nagy, the U.S. State Department’s assistant secretary for Africa

ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ምህዳስ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓጎስ ኳ እንተተቐበለ፡ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ገና ኣመሪካ ሻቕሎት ከምዘለዋን ካብ ምትሕግጋዝ ዓንቃፊ ኮይኑ ምህላዉን ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቲ ቲቦር ናጊ ዝተባህለ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ

ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ምህዳስ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓጎስ ኳ እንተተቐበለ፡ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ገና ኣመሪካ ሻቕሎት ከምዘለዋን ካብ ምትሕግጋዝ ዓንቃፊ ኮይኑ ምህላዉን ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ቲቦር ናጊ ዝተባህለ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተሓጋጋዚ ሰክረታሪ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝኾነ ዲፕሎማት፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኮነ ኢላ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምስ ኤርትራ ኣብ ጽምዶ ኳ እንተኣተወት፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ብዛዕባ ምልዓል እገደ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምዝራብ ግን ገና ግዚኡ ከምዘይኣኸለ ምግላጹ እቲ ሓበሬታ የገንዝብ።

ሓደ ካብቶም ን መንግስቲ ኣመሪካ ዘሻቕሉዎ ምስ ሰበስልጣን ስርዓት ኢሳይያስ ዘልዓሎም ጉዳያት ናይቶም ብፖለቲካዊ ጠንቅታት ተኣሲሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ምዃኑ `ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ኣመሪካ ብዛዕባ`ቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝገዝኦ ኣብ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተጠቒሱ ዘሎ ኣጽዋር ምሉእ መግለጺ ክህብ ከምእትደሊ እቲ ዲፕሎማት ምሕባሩ ድማ ተፈሊጡ።

ብዘይካ`ዚ፡ ማእሰርቲ ኣመንትን ናይ ፖለቲካ እሱራትን፡ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ከምኡ `ውን ምልካዊ ስርዓተ ምሕደራ ካብቶም ንኣመሪካ ዘሻቕሉዎ ጉዳያት ምዃኖም ዝጠቐሰ ዲፕሎማት ኣመሪካ፡ `ኤርትራ፡ ምስ ጎረባብቲ ርክባ ብምሕዳስን ጥዑም ጥዑም ቃላት ብዝምዝራብን ጥራይ ብኡንብኡ እገዳ ክለዓለላ ክትጽበ የብላን` ይብል።

ንሰበስልጣን ኤርትራ ባህ ይበሎም ኣይበሎም ብዘየገድስ፡ ጭቡጥ ስጉምታት ክሳብ ዝወስዱ ኣመሪካ ብዓውታ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ምዝራብ ክትቅጽል ምዃና ድማ ኣረጋጊጹ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde September 13, 2018

    It is not a perfect nation,however,it is found on solid ground with a constitution layered and fortified with checks and balances where no one is above the law including the one holding the nuclear codes in the highest office.In our birth place there is one man who comprises the 3 branches of the regime, if he gets up from bed in a bad mood the whole nation is looking for an escape route.Folks,the goofballs has set us light years back,they can fool and keep our naive people in the dark but not the beltway boys.

  • Keshi Mars September 14, 2018

    Hello Assenna, I am delighted to read this news. It’s the basis of our struggle, human rights and justice for all. Dr Abiy remember this if you don’t respect human rights and justice for all in Eritrea sooner that you will follow the destructive path of your predecessors HaileSilasie and Mengustu. History might repeat itself once more.

  • AHMED SALEH!!! September 14, 2018

    If Issaias want to respect human right inside Eritrea , the first step
    will be to release all prisoners which
    might bring the end of his authority .
    Do not forget that many of them are
    products of revolution who felt betrayed by his sinister motives .

POST A COMMENT