Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ምኻድ ውሳኔኹምዩ – ንሓቂ ግን ኣይትጠዋውዩ

  እቲ ምኻድ ውሳኔኹምዩ ንሓቂ ግን ኣይትጠዋውዩ ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 28/07/ 2013 Norway ጥሪት ህግደፍ ሕደግ ኣይትዓሹ ንሓቂ ድለያ ስምካ ኣይተባላሹ ሳዕሲዒት ግደፍ ዓደቦኻ ናበሪሱ ብዘይካኻ ኩሉዩ ለቢሙ ተጣዒሱ ክሳብ መዓሲኻ ተታልል ክትሕሱ? ዓዲ በጺሕካ ተዛረብ ታይሪኢኻ ኩነታት ህዝብና ከመይ ጸኒሑካ ሓቂ ንገር ጥውይውይ ከይበልካ ሕሹኽ በለኒ ህግደፍ ከይሰምዓካ ሓራም

 

እቲ ምኻድ ውሳኔኹምዩ

ንሓቂ ግን ኣይትጠዋውዩ

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

28/07/ 2013 Norway

ጥሪት ህግደፍ ሕደግ ኣይትዓሹ

ንሓቂ ድለያ ስምካ ኣይተባላሹ

ሳዕሲዒት ግደፍ ዓደቦኻ ናበሪሱ

ብዘይካኻ ኩሉዩ ለቢሙ ተጣዒሱ

ክሳብ መዓሲኻ ተታልል ክትሕሱ?

ዓዲ በጺሕካ ተዛረብ ታይሪኢኻ

ኩነታት ህዝብና ከመይ ጸኒሑካ

ሓቂ ንገር ጥውይውይ ከይበልካ

ሕሹኽ በለኒ ህግደፍ ከይሰምዓካ

ሓራም ኢለ ንማንም ከይነግረልካ

 

ክፉእ እናሰማዕና ክፉእ እናረአና

ቁሩብ ተሪፉ ከተንቁሩዎ ዓይንና

ብዓል ኣይስቆሮም መንሽሮ ህዝብና

መታሓፍስቲ ዲክታቶር ጨፍላቒና

ንዘጽንተና ዘሎ ትብሉ ንስኻ ንሕና

 

ወያኔ ወሪራትና  ክትብሉ ሓጊኹም

ብደ.ም.ህ.ት ተኸቢባ ደስ ይበልኩም

ኣጸቢቕኩም ሳዕስዑ ተቖጸዩ ኣጆኹም

እቲ ብሓሶት ትጭፍርዎ ሰሚሩልኩም

ሃገርኩም ፈትሹ እንተዘይ ኣመንኩም

 

ከምዘይ ትትስእ ጌሩ ሃገርና ዘዕነዋ

ዓዲ ግሃነብ ኮይና ጭው ዘለ ጽምዋ

ቀተልቲ ዓመጽቲ ሰረቕቲ ዝመርሕዋ

ምዕብልቲ ሃገርና ጸሎሎ ዝቐብኡዋ

ብሕማቕ ግብሪ ካብ ዓለም ዝነጸሉዋ

ሃገር ጽቡቕ ኣላ ትብል ከይሓፈርካ

ካብዝን ካብትን ኤውሮ ኣዋህሊልካ

ብእንዳ ኣመተ ትነብር ከይሰራሕካ

ኩፍእ እናረአኻ ጠሊምካዮ ህዝብኻ

ኤህ ከምታ ናቶም ሽግር ይፍጠረልካ

 

ጥምየት ጽምኢ ካብ በልኩሞ ድሓን

ሃገር ብጸልማታ ቀቢእኩማ ብርሃን

ገለኹም ንዓዲ ፍርቅኹም ንሽወደን

ከተዳናግሩ እትብሉ ላዕልን ታሕትን

ሃገር ክትህነጽ ያኢ ብኾቦሮን ብጓላን

 

ፈስቲቫል ስተኮልም ብደም ዝጨቀወ

ዓቐን ዘይብሉ ገንዘቡ ንኮንቱ ዝኸዓወ

ብጠላማት ከሓድቲ ህዝቦም ዝተዳለወ

ኩነታቶም ዝረስዑ ሓንጎሎም ዝዓሰወ

ሰብ ኣኻኺቦም ኣስገዲዶም ከይፈተወ

ዓሻ ትቋናጆ ባንደራ ሒዛ ትስዕስዕ

ብጽጋብ ተሰርኒቓ ክሳብ ትጎስዕ

ኤሪትራዊት ኣደ ኸኣ ገበታ ትነብዕ

ሕጻን ቆልዓ ሓቍፋ ዝሓለፈ ትጽውዕ

ጉልባባ ቀሊዓ ለሚና ንደቃ ከተብልዕ

 

መርገም ሰብ እንተዘይ ቀተለ የዕዘንዝን

የድሕን ከይንልከም ብሰሪ ህግደፋውያን

ባዕሉ የጸብቆ ሃገርና ክወግሓላ ክርህዋን

ህግደፍ ክጠፍኣልና ኣብዚ ቀረባ እዋን

ሰጊድ ሰላም ክንብል ብሃገርና ክንቀስን

ሰባ ከይኣክል ሃገርውን ጾማልያ መሲላ

ብሰርኹም ህዝበይ ትራገም ትነብዓላ

ከመይሉ ነብስኹም ይፈቅድ ንውንጀላ

ተሓናጊርኩም ምስ ህግደፋዊት ሰረገላ

ኩንትራታ ዝወድአት ዝኣምና ዘይብላ

 

የዋህ መንእሰይ ኣይትበል ጉያ ጉያ

ጃንዳ ህግደፍ መርሚርካ ኣጽንዓያ

ኣይትጋገ ዕምሪ ህግደፍ ኣብቂዓያ

ጽባሕ ከምዘይ ነበረት ክትሓቅቕያ

ሕጂ ትስዕስዕ ዘላ ደኒና ክትበኪያ

 

ኢዶም ኣይስኣኑ ድሕሪት ዝጓሰስዋ

ካብዚኦም ርሓቑ ካብ ሕማቕ ጽልዋ

ቐዲምኩም ሕተቱ ካብ ትጎዪ ንሳዋ

ዝዋዓሉ ክነግርኹም ጉዳ ዝፈልጥዋ

ክንደይ ዊሒጣልኩም ሓቂ ኣነጽሩዋ

ምኻድ ውሳኔኹምዩ ባዕልኹም ፍረዱ

ሕሰቡ ተመራመሩ ብሓንጎልኩም ኪዱ

ተመሊስኩም ግን ኣጋልጹ ትዘሎ ጉዱ

ዝረኣኹሞ ሽግር ንገሩና ኣይትሓንግዱ

ተወቕዐ ኮቦሮ ሰሚዕኩም ኣይተኹዱዱ

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT