Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ሽማግለን እቲ ቈልዓን

ኣረጊት ወለዶ ይሓልፍ፣ ብሓዲስ ወለዶ ከኣ ይትካእ። እቲ ሓዲስ ወለዶ’ውን ይበሊ ብመጻኢ ወለዶ ይሕደስ። እቲ ኣረጊት ተካኢኡ ይፈጥር። ህይወት እዚ እያ። ብዘይካ እዚ ጥራሕ ከኣ ካልእ ትርጉም የብላን። ሞት እውን። ታሪኽ ከኣ፡ ታሪኽ  እዚ ምትኽኻእ

ኣረጊት ወለዶ ይሓልፍ፣ ብሓዲስ ወለዶ ከኣ ይትካእ። እቲ ሓዲስ ወለዶ’ውን ይበሊ ብመጻኢ ወለዶ ይሕደስ። እቲ ኣረጊት ተካኢኡ ይፈጥር። ህይወት እዚ እያ። ብዘይካ እዚ ጥራሕ ከኣ ካልእ ትርጉም የብላን። ሞት እውን። ታሪኽ ከኣ፡ ታሪኽ  እዚ ምትኽኻእ ወለዶታት ጥራሕ እያ። ምትኽኻእ ወለዶታት እቲ ቀንዲ ህንጻ ሰብኣዊ ህይወትን ስልጣኔን እዩ። ብዘትካ’ዚ ምትኽኻእ’ዚ፡ ወድሰብ፡ ናብ ዝኾነ መንፈሳዊ፡ ሞራላዊ፡ ምጣኔሃብታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ትካላዊ  ምዕብልና ኣንበይዓበየን። ብስሩ’ውን ክሰርር ኣንበይከኣለን።

እቲ ኣረጊት ወለዶ፡ ካብ’ቶም ዝሓለፉዎ ኣረገውቶት ወለዶታት ዝወረሶምን፡ ኣብ መስርሕ ዕድሜኡ ከኣ ዘጥረዮምን ዝመመዮምን ወሎዶኣዊ ንቕሓትን ነፍሰንቕሓትን ብሓባር ወለዶኣዎዊ መንነት የቑሙ። እቲ ሓላፊ ወለዶ ነዚ መንነት’ዚ  ናብ’ቲ መጻኢ ወለዶ ከመሓላልፍ እንተዘይኪኢሉ፡  ታሪኹን መንግነቱን (እቶም ኣብ ነዊሕ እዋን ዝተዋህለሉ ህዝባዊ ሃገራዊ ንቕሓት) ይብተኑ፡ ይመኽኑ። እዚ ኣብ’ቲ ምሉእ ህልዊን መጻኢን ምዕብልናን ኣቕጣጫን እቲ ህዝቢ እዚ ተባሂሉ ኪግምገም ዘይክእል ዕንቅፋት ድሕረታዊ ጕዕዞን ይፈጥር። ብልክዕ ድማ እዚ ኣብ ኤርትራ ኴይኑ።

ገምጋማዊ ዕድመ ሓደ ወለዶ ገለ 20 ዓመታት እዩ። ስለ’ዚ፡ ብረታዊ ቃልሲ ነጻነት ኤርትራ ካብ ዝጀምር ኣትሒዙ ከይተሰከፍና ክልተን ፈረቓን ወለዶታት ኤርትራ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ካብ ወለዶታት ዝተወርሰን ወለዶታትባዕላቶም ዘማዕበሉዎን እኩብ ንቕሓት ፈጺሞም ወይ ከኣ ብግቡእ ኪመሓላልፉ ከይከኣሉ ተቀዚፎም ክንብል ንኽእል። ጉድኣቱ ከኣ ተራ ቍጽራዊ ዘይኮነስ ጅዮመትራዊ እዩ። እዚ ሰብኣውን ንቕሓታውን ጋግ’ዚ፡ ብፍላይ ከም ኤርትራ ንዝኣመሰለ ንኡስ ህዝቢ ዓርሞሽሻዊ ጉድኣት፣ ነቲ ጋግ ክትመልእ ከኣ ነዊሕ ጊዜን ጽዓትን ጻዕርን ዝሓትት እዩ። ገዛእቲ ኢትዮጵያውያን ነዚ ጋግ’ዚ ኣብ ምፍጣር ዓቢዪ እጃም ዝተጻወቱ እኳ እንተኾኑ፣ እቲ ኣብ ምድምሳስ ወለዶታት ኤርትራ ዝዓበየ እጃም ዝተጻወተ ግን እቲ ክሳብ ሕጂ ንወለዶታት ኤርትራ ዘብርስ ዘሎ፡ ካብ ረብሓ ህዝቢ ውልቃዊ መንበሩን ዝናኡን፣ ካብ ህይወት ሰብ ኣቍሑትን ሃብትን፣ ካብ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣፈታትሓ ግድላት ፖለቲካዊ ቅንጸላን ውግእን ዝዓዞ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። ውጽኢቱ ድማ እንሆውለ ነቶም ኣብ ትሕቲ መቝረንቲ’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝዓበዩ ኣቕጣጫኣልቦ ባዶ ሽከናታት ንመልከት። እዚ ቴማ ናይ ባዕሉ ዲቕ ዝበለ ኣርእስቲ ስለዝኾነን ክሳብ ድቕድቕ ነፍሱ ስለዝኣተኹዎን ኣብ በይኑ ጽሑፍ ብዝርዝር  ክደፍሮ መደብ ኣሎኒ።

እቲ እኩብ ሃገራዊ ህዝባዊ ንቕሓት ኣብ እዋን ኢጣልያዊ መግዛእቲ መባእታዊ ኣውሮጳዊ ትምህርትን ቴክኒካዊ ፍልጠትን ተወሲክዎ ኤርትራ መንቋሕቋሕታ ዘመናዊ ስልጣኔ፡ ካብ ማዕዶ እውን ይኹን፡ ረኣየት፡ ሰምዐት፡ ገለ ድማ ቀሰመት። ነቲ ጊዜ’ቲ ዘመናዊ ክበሃል ዝከኣል ርካባዊ ትሕተን ልዕለን ቅርጻታት ተሃንጹ። (ተፈልጡ’ዶ ኣብ 1950ታት ምጣኔሃብታውን ቴክኒካውን ምዕብልና ኤርትራን ኮርያን ተመጣጣኒ ከምዝነበረ!?) እዚ’ውን ነቲ ብቐረባን ብጽዕቕን ማሕበረ-ምጣነሃብታዊ ዝምድና ዘይነበሮ ህዝቢ ናብ ሓደ ሃገራዊ ማሕበረሰብ ክጠራንፎ ጀሚሩ። (ኤርትራ ጣልያንን ኢትዮጵያን ዝሰርሑዋ ኣርቲፊሻል ሃገር ምዃና ፈጺምና ክንርስዖ ዘይግብኣና  ማሕበረ ፖለቲካዊ ክውንነት እዩ።) እዚ መስርሕ እዚ ኣብ እዋን ምምሕዳር እንግሊዝ ዓዘዘ። እንግሊዝ ብዙሕ ካብ’ቲ ጣልያን ዝሓደገልና ‘ሃብቲ’ ሰሪቝና ኢልና ንኸስስ ኢና። ፈለማ፡ እቲ ‘ሃብቲ’ ጣልያን ንዓና ኣይሰርሖን ንዓና’ውን ኣይሓደጎን። እንግሊዝ ብውግእ ዝራሰዮ ሃብቲ እዩ። ካልኣይ፡ ካብቲ እንግሊዝ ዝሰረቐና ‘ሃብቲ’፡ እቲ ዝሓደገልና ሃብቲ ይህብትም። እንግሊዝ፡ እቲ ንጽባሑ ንኤርትራ ብነፍሳ ክትሓድር ዘኽእላ ስሩዕ ኵሉ-ሸነኻዊ ትምህርቲ ሰሪዑልና። ካብ መባእታዊ ንቕሓት ከኣ ናብ ዝለዓለ ንቕሓት ከኣ ክንድይብ ጀሚርና። እዚ መስርሕ’ዚ ድማ ኣብ እዋን ፈደረሽንን መግዛእቲ ኢትዮጵያን ቀጺሉ። ኣብ 70ታት ከኣ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ። ትፈልጡ’ዶ ኣብ 1970፡ ፍርቒ ካብ’ቶም ናብ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ዝሓለፉ  ተመሃሮ ኤርትራውያን ከምዝነበሩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ቴክኒኮ-ንቕሓታዊ  ቁንጮ ምልእቲ ኢትዮጵያ ነቢራ ክንብል ንኽእል። ካብ’ዚ ንደሓር ግን እቲ ህዝባዊ ንቕሓት ኣንቆልቂሉ ጥራሕ እዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ንኤርትራዊ  ምሁርን ተመሃራይን ንስለ ንምዃኑ ኣጽሊኡዎ። ንቑሕ ብስለ ምዃኑ ቀጥቂጡዎ፡ ኣሲሩዎ፡ ሃዲድዎ፡ ርእሰ እምነቱ ቀንጢጡዎ ክሳብ ናብ ጨጓር ዳንጋ ለዊጥዎ። ኣብ ጠገለ ዘይነበሮ ቅድመ ግንባር ሰሪዑ ከኣ ልሒሱዎ። ህ.ግ.ሓ.ኤ ትምህርቲ ሓደገኛ ምዃኑን ከምዘቕትልን ኣብ ኣእምሮ ኤርትራ ወቀጠ። ነቲ ዝኾነ ካብ ኣማኑኤል ኣፈወርቂ፡ ሓዉ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብዝበለጸ ዝገለጾ ከቶ ኣይርከብን። ድሕሪ ነጻነት፡ ኣማኑኤል፡ ብዛዕባ ጅግንነት ሓዉ ገለ ክብል በዕርኵቱ ተሓቲቱ፡ “ ኢሳያስ ሓወይ ምሁራት ደቂ ከተማ ሒዙ ንበረኻ ወጺኡ፡ ደናቝር ጨጋር ዳንጋ ሒዙልና ድማ ተመሊሱ። ሕጂ ሃገር ጠፍአት!” በለ።

ኢሳያስ፡ ብሓቒ  ፍርሓተ ንቕሓትን ንቑሓትን ዘሳቕዮ ፕሲሾፓት (ስነኣእምሮኣዊ ጽሉል) ነበረን ኣሎን።  እቲ ወድቀት ንቕሓት ኤርትራ ድማ ኣብ’ቶም ኣብ ትሕቲ ኢሳያስ ተወሊዶም ዝዓበዩ መንእሰያት ጎሊሑ ይርአ። ምስዚኣቶም መንእሰያት ጠቢቑ ዘይቀረበን፡ ኣብ ገበታ ምምሓሮም ከኣ ዘይሰርሐን፣ ነቲ ውድቀተ ንቕሓት ኤርትራ ፈጺሙ፡ ፈጺሙ ኪግንዘቦ ኣይክእልን። እዚ ወለዶ’ዚ እቶም ናይ መወዳኣታ ቍንጮ ንቕሓትና ዝተጎንደቡዎ ወለዶ እዩ። እቲ ኣውራሲ ተደምሲሱ። ኮነ ተባሂሉ ከኣ ገዛእ ንቕሓት ከየማዕብል ተኸልኪሉ። ስለ’ዚ ድማ፡ ናብ ዝኸሶ ቅድሚት ስለዘይነበሮ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ናብ’ቲ ንቕሓት ናይ ኣቦሓጎታትና ተመሊሱ። ናብ’ቲ ማሪታውን ደብተራዊ ሃይማኖታውን ንቕሓት! ቅድሚ 50 ዓመታት ዘጥፋእናዮ ዝመሰለና ኣብ ቡዳን ጠቢብን ይኣምኑ። ኵሉ ሽግራቱ ብጸሎትን ምህለላን ዝፍታሕ ይመስሎ። ውልቃውን ኣድማሳውን ንቕሓቱ የሰንብድ። ማሕበራዊ ንቕሓትን ተገዳስነትን ዝተቐትሎ፡ ንብሕታዊ ጥቕሙ ጥራሕ ዝሓስብ፡ ንዅሉ ሽግራቱ ናብ እግዚኣቢሔር ዝደርበየን ንኣምላኽ  ከም ብሕታዊ ኣገልጋሊኡ ዝወሰደ ኣእምሮኣውን ስነኣእምሮኣውን ሓንካስ ወለዶ እዩ ፈጢሩ ኢሳያስ።  ንቕሓታዊ ዝሮምሮ!

ሽሕ’ኳ ቀንዲ ፈጣሪ ናይ’ዚ ቕሓታዊ ጋግ’ዚ እቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ እንተኾነ፣ ነቲ ሓጢኣት ናብ’ቲ ስርዓት  ጥራሕ ሰንዴ ክመጻደቕ ኣይፈቱን። እቲ ተረፍ መረፍ ናይቶም ዝጠፍኡ ወለዶታት፣ ከም ወልቀሰባትን ትካላትን፡ ነቲ እኩብ ህዝባውን ኣብ ተሞኵሮ ዝተጠርዩ ውልቃዊ ንቕሓታትን ኣብ ምምሕላፍ ኣዝዩ ድኻ ዝኾነ ፈተነ እዮም ኣካይዶም። ኣሽንኳይዶ እኩብ ንቕሓት ከመሓላልፉስ ናይ ባዕሎም ሓባራዊ እኩብ ንቕሓት የብሎምን። እዚ ድማ ኣብ ምፍንጫልን ዳግመ ምፍንጫልን ናይ ዝኾነ ይዕበን ይንኣስን ውድብ ይኽሰት። ከም ውልቀሰባት ክንገብሮ እንኽእል ግን ብዙሕ ኣሎ። ኣብ’ዚ መስርሕ’ዚ እቲ ኣበው ተጋዳላይ እንታይ’ዩ ተራኡ?

ኣነ’ቲ ኣበው ተጋዳሊ … ንነጻነት፡ ንፍትሒ፡ ንዲሞክራስያ እዬ ተንሲአ ብረተይ ኣልዒለ።  ጎቦን ቁልቁለትን ወሪደ ጎላጉል ሰንጢቐ። ተሰዊአ፡ ኣዕጽምተይ ተሰባሪረ፡ ዓዊረ። ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት ገድሊ ነጻነት ኣምጺአ ፍትሕን ዲሞክራስያን ግን ኣይተተኽሉን። ህዝቢ ኣይረሃዎን። ብኣንጻሩ’ኳ ድኣ ካብ’ቲ ዝነበሮ ከፊእዎ። እዚ ኵሉ ስልጣኔኣዊ ዕንወትን ሰብኣዊ ብርሰትን፣ ንስኻ ‘ነጻነት!’ ኢልካ ስለዝተንሳእካ እዩ ከም ሰንሰለት ተተሓሒዙ ወሪዱና ቢሎም ተዋዘይቲ ቍሸት ይወራዘዩለይ። ኣብ ኵናት ዘይወዓለ በሊሕ ቢለ ርእሰይ ይንቕንቕ ከንፈረይ ይርምጥጥ። ኣነ ድኣ’ሞ እቲ እኩብ ንቕሓት ሃገረይ ዝፈጠሮ ተጋዳላይ ህዝበይ ጥራሕ እንዳኣለ። ሕሉፍነተይን፡ ሕዚነተይን፡ መጻኢአይን ወፍየ ንሓንቲ ዕላማ ብምሉእ ልበይን ዓቕመይን ተጋዲለ። ነቲ ዕላማይ ግን ኣይበጻሕኩዎን። ናብ’ቲ ዕላማይ ስለዘይበጻሕኩ፡ ኣብ ክንዲ ካብ’ቲ ዝበጻሕኩዎ ንቕድሚት ምቕጻል ብጥርሱ ናብ ዘይትበጽሖ ዕላማ ክትብገስ ኣይነበረካን! መበገሲኻ ጉጉይ ኣዩ ነቢሩ! ክሳብ ተባሂለ እኽሰስ። እዚ ርእሲ ኵሉ ዓይነታት በለጽ’ዩ። ኣነ ተጋዳላይ እምበር ጠንቋላይ ኣይነበርኩን፡ ኣይኮንኩን። ውጽኢት ናይ ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ርኢኻ ምውርዛይ ትኵር ኣይገብርን።

ጉድለት ኣይነበረንን ኣይብልን። ኣብ ኤርትራ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንክተክል ግን ኣይተቓለስኩን።እንተኾነ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዕንተይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተተኺሉ።  ኣነ እቲ ብቕዓተይ ዘፍቅዶ ገቢረ። እቲ ዕላማ ደኾን ልዕሊ ዓቕመይ ነቢሩ? ከሚ እንተነበረ እቕረታ እሓትት። ገበነይ ልዕሊ እቅረታ ኣንተኾይኑ ድማ እቲ ክንዳይ ዝተጋደለ ነታ ፈለማ እምኒ ይደርብየለይ። ካብኡ ዝተረፈ ግን፡ መንእሰያት፡ ሕዚ እታ ዓዲ ዓደይ ምዃና ተረፉ ዓድኩም እያ። እንትምንታይ፡ ሃገር ማለት፡ ብልክዕ ትርጉሙ፡ መጻኢ ማለት ጥራሕ እዩ። ኣነ መጻኢየይ ሓሊፉ ቅድሚ ትማሊ ኴይኑ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ናይ መጻኢ ጥቕሚ የብለይን።(ምናልባት ሓንቲ ክልተ ሜትሮ ዝቑመታ ጉድጓድ።  ፈታው ሙቐት እየ‘ሞ ኣብ መሬተ በረድ ኣውሮጳ ክቕበር ኣንበይፈተኹን።)

እቲ ምግዳል ወልፊ ኴይኑኒ፡ ወይ ከኣ ካልእ ሞያ ስለዘየጥረኹን ሕዚ ክጋደል እንተበልኩው’ውን፡ ኣእዛነይ ገልዲሙ፡ ኣዕይንተይ ጸልሚቱ፡ ኣብራኸይ ሓቒቑ፡ ከብደይ ዘቕቢቡ ኣእምሮይ ክመዛበል ጀሚሩ ዓዲ ውዒለ፣ ኣብ ኣረገውቶት ልምድታትን ሜላታትን ጥሒለ ናበይ ክበጽሕ!?  መንእሰይ! ደርብያ ስቐላ ሕዚ እታ ሃገር ናትካ እያ። ዓዲ ጉልበትካን ፈጣርነትካን፣ ዓዲ ሓይልኻን መንፈስካን። ኣነ ከኣ ናይ መወዳእታ ገደለይ፡ ገድሊ ክረምተይ፡ ክሰላስል‘ዬ።

መንእሰይ፣ እታ ሃገርን እቲ ገድልን ሕዚ ናትካ እዩ እንተበልኩ ግን ተሞኵሮን መንፈሳዊ/ንያታዊ መሪሕነትን ናይቲ ምኵር ኣበው ተጋዳሊ ኣየድልየካን እዩ ማለተይ ኣይኮነን። እቲ ተራ ኣበው ተጋዳላይ ዝበልኩዎ ቃልሲ ክረምተይ ድማ ኣብዚ ይመጽእ። ብቅዓታትን ጉድለታትን ናይቲ ኣበው ተጋዳሊ፡ ነቲ ተካኢ መንእሰይ፡ ዓቢዪ ገበታ ትምህርቲ እዩ። ገለ ገና ዘይበሰሉ መንእሰያት፡ ካብ ጉድለታትን ፍሽለታትን እሞ እንታይ ክንመሃር!? ቢሎም ይብድዑ እዮም። እንተኾነ፡ ሰብ ካብ ጉድለታትን ፍሽለታትን ጥራሕ እዩ ዝመሃርን ሓዲስ ዝፈጥርን። እቲ ቅኑዕ፡ እቲ ዕዉት ይድገምን ይደጋገምን ጥራሕ እዩ። ንመጠረስትኡ ከኣ ናብ ልምዲ ተቐይሩ ይዓግት፡ ይምርት።

እቲ ትኵርን ብቕዓተ መሪሕነትን ዘሎዎ መንእሰይ ግን፡ ዝመሃረሎም ተሞኵሮታት እንተረኺቡ ካብ ታሪኽ ይመሃር።እንተኾነ፡ ክሳብ፡ ሕዚ ንተሞኵሮታትና ኣኪብናን ጸጺናን ዘቕረብናሉ ታሪኻዊ ጸብጻብ የሎን።  ንነፍሳትና ገና ብሓቅን ብቕዓትን ኣየጻጣሕናን ውልቃዊ ተሞኵሮታትና’ውን ኣየቕረብናሉን። እሞ ድኣ ካብ እንታይ ኪ,አሃር!? ነቲ መንእሰይ፡ ነቲ ተካኢ ካብ ጉድለታትናን ብቕዓታትና ምቕላዕ ዝዓቢ ህያብ ኣይነብርን። ነዚ ዘይምትግባር ከኣ ካብ’ቲ ዝፈጸምናዮ ቀዳማይ ጌጋ ዝዓበየ ካልኣይ ጌጋ ምፍጻም እዩ።

ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ ምኵር፡ ኣበው፡ ኣዝዩ ኣበው ተጋዳላይ እዩ። ኣብ ብዙሓት ቅኑዓትን ግጉያት ፍጻሜታት  ዝወዓለ ሓደ ካብ’ቶም ዓበይትን ወሰንትን መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ድማ ነቢሩ። ብሃንደበት ድማ ኣይሞተን። እንተኾነ፡ ብዛዕባ ሰውራዊ ተሞኵሮኡ ዝሓደገልና  ውርሻ፡ ክንመሃረሉ እንኽእል ጽሑፍ የሎን። ዓብደላ ምስ ሃብታም ተሞኵሮኡ ተቐቢሩ።

ናይዝጊ ክፍሉ ምኩር፡ ኣዝዩ ምኵር ኣበው ታጋዳላይ እዩ።  ኣብ ብዙሓት ቅኑዓትን ግጉያት ፍጻሜታት ዝወዓለ ሓደ ካብ’ቶም ዓበይትን ወሰንትን መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ከኣ ነቢሩ። ንሱ‘ውን ብሃንደበት ኣይሞተን። እንተኾነ ብዛዕባ ሰውራዊ ተሞኵሮኡ ዝሓደገልና ጽሑፍ ውርሻ የሎን ምስቲ ኵሉ ሃብታም ተሞኵሮ ከይዱ። ከም’ኡ’ውን ካልኦት ብዙሓት ኣበው ተጋደልቲ። እዞም ገዳይም ተጋደልቲ እዚኣቶም ደብዳቤታት ነቢሮም እንተዝነብሩ፡ ነታ ናብ ግጉይ ኣድራሻ ተላኢኻ ከይተኸፍተይ፡ ከይተነበት ናብ ለኣኺኣ እትምለስ ደብዳቤ ምኾኑ። ኣብ ሳጹን ሬሳታቶም ከኣ ከይተኸፍተ ናብ ለኣኺኡ ዝተመልስ (Unopened. Return to Sender) ምተለጠፈ።

ገዳይም ተጋደልቲ በብሓደ ኣብ እንእረየሉ እዋን ኢና በጺሕና እንርከብ። እሞ ስለምንታይ ድኣ ኢና ምስ’ቲ ኵሉ ሃብታም ተሞኵሮታትና ንቕበር? ኣብ ታሪኽ ከይንውቀስ? ስምና ከይሓስር? ውልቃዊ ፖለቲካዊ ወረስትና ከይከስሩ? ወይ’ሲ ብድሕረይ ማይ ኣይሂ! እዩ?

ንብዙሓት ሰባት ጌጋን ፍሽለትን ኣዝዮም መረርቲ እዮም። ጌጋ ኣሰቃቕን ኣሕፋርን እዩ። ምግጋይ ከም ምልክት ድንቍርናን ድኽመትን ጉድመት ብልሕን ይውሰድ’ዩ። እንተኾነ ምግጋይ ናቱ ኣዎንታ ከም ዘለዎ ስነኣእምሮኣውያንን ተሞኵሮን የረጋግጹ። ምግጋይ ሰብኣዊ ናይ ምዃን’ና መረጋገጺ እዩ። ሰብ፡ ካብ ብቅንዓቱ  ብጌግኡ ብዝያዳ ይቐንዕ። እንተኾነ፡ ንሕና ሰባት፡ ሓሳባትናን ግምታትናን ትንቢታትናን ክጋገዩ ከምዘይክእሉ ወሲድና ንጎዓዝ። ንነፍስና ከኣ ክጋገ ከምዘይክእል ሕሉፍ ትኵርን መስተውዓልን ገቢርና ንወስዳ።  ንሕና ሰባት ግን ኣይከምኡን።  ምግጋይ ኣካል ፍጥረትና እዩ። እወ፡ ጌጋ ካልኦት ኣብ ምጥንቋር ሽግር የብልናን። ንሕና ግን ኣይንጋገን ኢና። እዚ ርእሰ መዘና’ዚ ልዕለ መጠናዊ ርእሰእምነትን (overconfidence) ግብዝናን እዩ። ስለ‘ዚ ድማ ምስ ተጋገና ርእሰእምነትና ይትንከፍ። ንሓፍር መሬት እንተትውሕጠና ንምነ። ብኣበራዊ ስምዒት ከኣ ንሳቐ። ኣሜሪካዊት ደራሲት ካትሪን ሹልስ፡ ”እቲ ዝዓበየ ጌጋና ኣብ ምግጋይ ዘሎና ግጉይ ተረድኦ እዩ” ትብል። ፍጹም ሓቃ።  ምግጋይ መረጋገጺ ትሑት ፍልጠት ኣይኮነን። ምግጋይ ሞራላዊ ድኽመት’ውን ኣይኮነን። ምግጋይ ሓደ ኣካል ሰብነትና (human-ness) እዩ እንትምንታይ ኣብ መስርሕ ብሉጻት ሰባት ንምዃን እነካይዶ ጸዓት ኢና ንጋገ’ሞ። ንመጠረስትኡ ከኣ ካብ ቅኑዓት ምዃን ዘይኮነስ ካብ ጉጉያት ምዃን ኢና እንመሃርን እንምዕብልን። ሓቒ ብምዝራብ ዝኸብር እምበር ዝሓስር የሎን። ካብ ሓቂ ዝኽሰብ እምበር ዝኽሰር የሎን። ስለ’ዚ፣ ተሞኵሮታትና ንመሚ፡ ንመዝግብ፡ ነመሓላልፍ። እዚ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ መወዳእታ ክፋል ገድልና እዩ። ኣኽሊል ገድልና።

ከመይ ዚኣመሰልዎ ሲኒክ እዩ’ዚ ድኣ ከይትብሉኒ እምበር፣ እቲ ኵሉ ንስለ ነጻነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ኣደራዕን ቅትለትን፣ ህዝቢ ኤርትራ እንተ ሰሪሩ፣ ንእኩብ ንቕሓቱ ንነዊሕ ዓመታት ዝቕይርን ንቕድሚት ዚመርሕን፡ ካብ ዳግመ ጌጋታት ከኣ ዘጠንቅቖን ተሞኵሮኣዊ ጸጋ‘ዩ ክብል እኽእል። ነዚ ምእንታን ከኣ ናብ’ቲ መጻኢ ወለዶ ከነመሓላልፎ ክንክእል ኣሎና።

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

07.03.2016

ጀርመን

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • negusse March 8, 2016

    ዝኸበርኻ ዳኔኤል፤

    ስለቲ በብግዚኡ ተቕርቦ ስፊሕን መሳጥን ልቦና ዝመልኦ መልእክትን የመስግነኻ፤
    ሎሚ እንትርፊ አዝዮም ውሑዳት ናይ አእምሮ ስንኩላንን ናይ ሀገር ሸኸምን እንተዘይኾይኖም ፤አብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ሕዝቢ ኤርትራ ፤ ውሑዳት እኽብኻብ ሸፉቱ ኢሳያስ ዝመራሒኦም ንኤርትራ ሕዝባን መሬታን ነበረየ ነበረ ይገብርዋ ከምዘለዉ አብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ሕዝቢ ኤርትራ አንዳዕዲኡ እዩ ፈሊጥዎን ተረዲእዎን ዘሎ፤።
    እቱ ዓቢ ግድል ተሪፉ ዘሎ ግን ፤ ከመይ ጌርኻ ነዚ ሽፍታ ተአልዮ እዩሞ አብዚ ነጥቢ እዚ አበርትዕና እንተንሰርሕ ምሐሸ ይብል።
    የቕንየለይ።

  • oromai eritrea March 8, 2016

    After 55 years what do we have to show for it ? Was it worth it ,I leave the response to you all.

    • Musa Ali March 9, 2016

      The answer of course is straight forward and fairly easy. Simply the answer is disintegration of families, Destruction of generations and future of the country. Ofcourse, in the eyes of korakurs this May be considered development.

  • k.tewolde March 9, 2016

    Daniel writes,’..ANE TEGADALAY IMBER TENQUALAY AYKONKUN..’,yes! I toiled,I bled, I starved,I wiped my butt with ignacious rocks and dry leaves,I went for weeks without bathing,I saw limbs nay bitsotey being blown away by land mines left and right,I fought my heart out till the ringing in my ears left me deaf for days…..just to give my people the gift of tranquility,peace, and freedom they deserve,but I could’t predict the outcome then, especially the one we are witnessing today.Great article,Dan.That’s what great writers do, they write,they put things into perspective,keep on writing.

  • Musa Ali March 9, 2016

    Do not feel guilty by association. Higdef is a coalition of thugs and criminal gangs. Tegadelti are selfless Eritreans who melted like candles for eritrea. The people except for some melmexti, shetet shetet bahalti know this fact very well. Tnx for all those who sacrificed their lives.

  • Yohannes March 9, 2016

    ዝኽበርካ ዳንኤል

    ከምዚ ኢልካ፣ እጠቅስ “ገዳይም ተጋደልቲ በብሓደ ኣብ እንእረየሉ እዋን ኢና በጺሕና እንርከብ። እሞ ስለምንታይ ድኣ ኢና ምስ’ቲ ኵሉ ሃብታም ተሞኵሮታትና ንቕበር? ኣብ ታሪኽ ከይንውቀስ? ስምና ከይሓስር? ውልቃዊ ፖለቲካዊ ወረስትና ከይከስሩ? ወይ’ሲ ብድሕረይ ማይ ኣይሂ! እዩ?”
    ኣባሃህላኻ ኣይተረድኣንን። ሕሉፍ ስነኣእምሮኣዊ ሕጽበቶምን ሓባራዊ ኣታሓሰስብኦምን (Group think) ተዓዚብካስ፣ ኣብ ንብዓት ሓርገጽ ርእዬ ምባል ይሓይሽ። They are just living in their static, narrow and shallow world. The world of Denial, Nostalgic and Arrogance (DNA). It is better for the Eritrean people to see them leaving this world without any trace or legacy.
    Yohannes

    • daniel tesfai March 11, 2016

      I can only say you yourself are narrow and shallow and arrogant who wouldnt learn from his own mistakes and the mistakes of his forefathers. Man learns nothing from forgetting.
      daniel

      • AHMED SALEH !!! March 12, 2016

        Did we scream when we witnessed disabled veterans shot dead in front of
        our eyes ?
        Did we show solidarity when ordinary Tegadelti protested for their right
        of fare treatment ?
        What about the silent reaction on mass round up imprisonment of highly
        influential tegadelti including Journalists ?

        Now does it make sense to play the game of blame by pretending innocent
        soul who knew nothing when the incident took place . I don’t forget the
        accusations and the name calling toward righteous Eritreans who showed
        courage to speak in defense of those victims .
        Daniel put it precisely as it is ; ” Man learns nothing from forgetting”.

  • AHMED SALEH !!! March 9, 2016

    At times Eritrean people were occupied on life or death issue struggle
    against giant enemy , Issayas primary aim was to build strong foundation
    in control of dominance at every political aspects . Through his secret
    party propagandists agenda success majority of our people fell victims to give him fake praise that spoiled his ego .
    At this moment those who made past mistake have obligation to take full
    responsibility and figure out how to resolve the problem as concerned
    nationals . Fleeing to leave the people behind at the hands of those
    monsters conveyed doesn’t resonate for excuse to organization forces failure .
    Our generation was patriotic because of our older brothers unselfish
    dedication influences .
    Do these generation have same elements that can inspire them inside the
    country ? BIG NO !!
    The same way we willingly made our own monster the same way we should stand strong to destroy it for sake lives safety .

POST A COMMENT