Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ንጸብጻብ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ንምቍንጻብ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክእክቦ ዝፈተነ ፌርማታት ብእምቢታ ህዝቢ ኤርትራ ፈሺሉ ምእካል ስለዝኣበዮ ብጉንበት 7 ኣቢሉ ፌርማ ኢትዮጵያውያን ኣብ ምልማን ዝወደቐ ውርደተኛ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲን ስዊዘርላንድን ጀመሮ ወፍሪ ርድኡና፣ ኣብ ፍራንክፈርት ‘ውን ክቕጽሎ ይሸባሸብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ንጸብጻብ መርማሪ ኮምሽን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ናይ ህዝቢ ደገፍ የብሉን ኢሉ ንምቍንጻብ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክእክቦ ዝወጠነ ፌርማታት ብእምቢታ ኤርትራውያን ፈሺሉ ምእካል ስለዝኣበዮ፣ ብመንገዲ ተቓዋሚ ውድብ ኢትዮጵያ፣ ጉንበት 7 ኣቢሉ ፌርማ ኢትዮጵያውያን ኣብ

እቲ ንጸብጻብ መርማሪ ኮምሽን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ናይ ህዝቢ ደገፍ የብሉን ኢሉ ንምቍንጻብ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክእክቦ ዝወጠነ ፌርማታት ብእምቢታ ኤርትራውያን ፈሺሉ ምእካል ስለዝኣበዮ፣ ብመንገዲ ተቓዋሚ ውድብ ኢትዮጵያ፣ ጉንበት 7 ኣቢሉ ፌርማ ኢትዮጵያውያን ኣብ ምልማን ዝወደቐ ውርደተኛ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ፈለማ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፣ ቀጺሉ ኣብ ስዊዘርላንድ ብኣላይነት መራሕቲ ናይቲ ተቓዋሚ ጉጅለ ዘካየ ወፍሪ ርድኡና፣ ኣብ ፍራንክፈርት ‘ውን ንጽባሕ ቀዳም 11 ሰነ ክቕጽሎ ብዝለዓለ ይሸባሸብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ከምቲ ኣቐዲምና ምስናይ ጭብጡ ኣቕሪብናልኩም ዝነበርና ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተገብረ ለመና፣ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ሓላፊ ግንቦት 7 ዶር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዝመርሖ ናይቲ ተቓዋሚ ወድብ ኣኼባ ሓደ ልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ልኡኽ ተረኺቡ፣ 150 ፌርማ ካብቶም ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ምርካቡ ብምምስጋን፣ ካብኡ ሓሊፉ፣ ባንዴራኹም ሒዝኩም ኣብቲ ንመርማሪ ኮምሽን ንምቅዋም ኣብ ጀኔቫ እነካይዶ ሰላማዊ ሰልፊ ኣባዝሑና ክብል ዝባኑ ቀሊዑ ተማሕጺኑ።

ኣብ ፍራንክፈርት ብሓፈሻ ድማ ጀርመን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፣ ነዚ ግንቦት 7 ብስም ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ገበናት ንዝፍጽም ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንምድጋፍ ዝግበሮ ተደጋጋሚ ወፍሪ፣ ቃልና ኣይኮነን ብምባል፣ ኣብቲ ዕለት ‘ቲ ማለት 11 ሰነ ኣብ ፍራንክፈርት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ መዲቦም ከምዘለዉ ድማ ተፈሊጡ። ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ወገን ነዚ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ንምንዋሕ ዝካየድ ዘሎ ናይ ገበነኛታት ምሕዝነት ክንምክቶን ከነፍሽሎን ዘለና ንሕና ኤርትራውያን ብምዃና ድማ፣ ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብቲ ሰላማዊ ስለፊ ተረኺቦም ድምጾም ብዓውታ ከስምዑ ይግባእ።

ነቲ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝተጸየቐ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ቀለም ፌርማታት ግንቦት 7 ከንጽሆ ዘይሕሰብ እንተኾነ፣ እቲ ብጭንቀትተናዊጹ ዘሎ ርእሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣጸቢቁ ክትኮስ ምእንቲኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብቲ ን 23 ሰነ ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ንጸብጻብ መርማሪ ኮምሽን ዝድግፍ ነቲ ገበነኛ ስርዓት ዝዅንን ዝቐጽዕን ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺቦም ግብራዊ ምላሽ ክህቡ ድምጺ ኣሰና ደጊማ ትጽውዕ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • k.tewolde June 9, 2016

    Birds of the same feather flock together,nothing surprising there.As far as we are concerned,lets pick it up a notch, let us show the world one more time the Eritrean grit and tenacity that was displayed during the liberation era in its true sense.That gene was always there,it just became latent when HGDEF’s filthy hands tampered with it.No more!lets free our souls, our minds,and our bodies from the shackles of modern day slavery.No human should own another human even if he/she is your own blood.We belong to one higher authority, our creator. ‘ANE KENAA’E AMLAK IYE,BJEKAI KALI’E AMLAK AYTEMLIKU’. We broke that rule, we payed for it.

  • Asmerom June 10, 2016

    This is unfortunately the sad reality with the weak and opportunists Eritrean and Ginbot-7
    loser leaders, always trying to make changes in Ethiopia and Eritrea by their remote controls from
    their safe and comfortable Western places. They are having fun and good time at the expenses of the poor people.

  • eritrean tigers group June 10, 2016

    bIRHANU NEGA SHORTLY WILL TEST THE MUSCLE OF ERITREAN TIGERS GROUP!

  • sidiabdu June 10, 2016

    Hi Issias,

    make sure to book cell room next to your friend AL Bashir. You have a lot of stories to share.

  • yohannes June 10, 2016

    Kkkkkkkkk…..ab mewdata hawuka eyu hawka !!!! Seb nab sebu zbie nab gerebu ! Mesla eritrawyan !!!!!!

POST A COMMENT