Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ”?

“እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ”? ታሕሳስ 08/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ? ክሳብ ሕጂ ምንቕ ዘይብል ዘገልግል ምስላ ቀዳሞት እዩ። ገለ ካብ ምስላታት ኲነታት ክቕየር ከሎ ምስ ምዕባለ ይበሊ ኢዩ። ንኣብነት ጓል ዝወለደን ጨው ዝነገደን

“እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ”?

ታሕሳስ 08/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ? ክሳብ ሕጂ ምንቕ ዘይብል ዘገልግል ምስላ ቀዳሞት እዩ። ገለ ካብ ምስላታት ኲነታት ክቕየር ከሎ ምስ ምዕባለ ይበሊ ኢዩ። ንኣብነት ጓል ዝወለደን ጨው ዝነገደን ሓደ ዝብሃል ምስላ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ምንታይ ተእትዎ። ወረ ሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ ዋላ ብዓንተብኡ’ውን ኣእምሮ ዝጐደሎ ኣተሓሳስባ ኢዩ ነይሩ።

ካብ መን ትውለድ? ካብ ኣዴኻ። መን ተመርዒዩዋ? ኣቦኻ። ጓልከ ኣላትኩምዶ? እወ። እንታይ ኢያ ንዓኻ? ሓብትኻ። እንታይ ድኣ ኣዴኻን ሓብትኻን ሰበይትኻን ተዋርድ? ኣየውርድ። ከመይ ኢሉ ድኣ እዚ ምስላ ገኒኑ? ከም ዘበኑ። ደይትቝነንዮ ከም ዘበኑዶ ኢልክዮ ዝበሃል ደርፊ’ኮ ነይሩ’ዩ።

ርግጽ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃሳይ ምስላታት ንኽምሰል ኣብ ዘበኑ ምኽንያት ኣይነበሮን ማለት ኣይኰነን። እብቲ ዘበን እቲ ዕዉር ጭቆና ደቀ ኣንስትዮ ስለ ዝነበረ ጓል ካብ ገዝኣ እንድሕሪ ወጺኣ ኣብ ትሕቲ ሰብኣይ ትርገጽ ስለ ዝነበረት ዘራይ ናይ ኣቡኣን ኣዲኣን ኣሕዋታን ክትከውን ዓቕሚ ስለዘይነበራ ኢዩ።

ወዲ ተባዕታይ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስድርኡ ዘለውዎ ዓዲ ይነብር ሰለዝነበረ ኣብ ሰበይቱን ደቁን ወለዱን ክበጽሕ ከሎ ይመውት እምበር ጽንጽያ ዓይኖም ዘንፍረሎም የለን። በዚ ምኽንያት እዚ ኢዮም ሓገዝ ምስ ስኣኑ ከምስልዎ ተገዲዶም። እምበር ዋላ ነታ ጨው’ውን እኮ ስኣን ምዕባለ ኣብ ክሻ ኣእትዮም ኣብ ኣድጊ ጽዒኖም ምፍቶ ክረምቲ ኰይና ትሓቆም ስለ ዝነበረት’ያ ምስታ ኲነታቶም ኣዛሚዶም መሲሎማ።

ብዓይኒ እምነት ክንርእዮ እነተደሊና’ውን ወዲ ጥራይ ዘድሊ ነይሩ እንተዝኸውን ፈጣሪ ንኣዳም ጥራይ ፈጢሩ ስቕ ምበለ ነይሩ። ንኣዳም ጸሚዩዎ ምስ ረኣዮ ግን ከመይ ዝመሰለት ሂዋን ትብሃል ሰበይቲ ኣብ ጎኑ ኲድም ኣቢሉሉ። ኪዱ ፍረዩን ተፋረዩን ነዛ ዓለም ክኣ ምልኡዋ፡ ካብ ሕጂ ንንየው ኩሉ ናባኹም’ዩ ኢሉ ክኣ ምዒዱዎም። እንተ ተሰማሚዕኩም፡ እንተ ተላዚብኩም፡ ንሓድሕድኩም እንተ ተፋቒርኩም፡ ዘርብሕ እንድሕሪ ጌርኩም፡ ሰናይ ሓሳባት እንተ ሓሲብኩም ክትርእዩኒ ኢኹም፡ እንተዘየሎ ኣነ ጥራይ ኢየ ዝርእየኩም ኢሉዎም ተሰዊሩ። ዘየድሊ ሰብ የለን፡ ዘየድሊ ሓሳብ ግን ኣሎ። ሰብ ይደላለ ኢዩ፡ ዘየድሊ ሓሳብ እንተድኣ ኣማዕቢሉ ግን ምትሕግጋዝ ይስኣን። ድኽነትን ምዝምማትን ሞትን ክኣ ይውለድ። ዓስቢ ሓጥያት ሞት’ዩ ዝበሃል ክኣ ንሱ’ዩ።

ነዛ ክሳዕ ሎሚ ቅሳነት ዘይረኸበት ኤርትራ ሃገርና ክንጋደል ምስ ወፈርና ቅድሚ 40 ዓመት (1978-1979) ኣቢሉ ይኸውንሲ ተጋደልቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ደቀ ኣንስትዮ ንሸሞንተ መጋቢት ዓለም ለኻዊ ብዓል ደቀ ኣንሰትዮ ተዋስኦ ግበረልና ኢለናኒ። ኣብ ወሽጢ ሓጺር ገዜ ዳርጋ ክልተ ቕነ ክተርፎ ኸሎ ስለዝነበረ ተሸጊረ። ኣይ ሕራይ ኣይ እምቢ ተቐርቂረ። ኩሉ ወዮ ኰይኑኒ። እምቢ እንተበልኩ ከይቅየማኒ፡ ሕራይ እንተበልኩ ክኣ ድብሎ ጠፊኡኒ። “ድዉይ ተጣባቢ” ሓንቲ ሓጻር ሓሳብ ተጣቢበ።

እሞ ንዓይ ኣብ ሽግር ካብ ኣእተዋኒ፡ ኣነስ ንዕኣተን ኣብ ሽግር ዘየእትወን ኢለ ሕነይ ክፈዲ ምስ ሰብኡተን ተባእስ ሓጻር ተዋስኦ ደሪሰ ኣብታ ግዚኣ ከም ተርክበለን ጌረ። ሰብ ሓዳር ኢየን ንኣሽቱ ህጻውንቲ ቆልዑ ክኣ ኣለዉወን። ኣንስትን ሰብኡትን ሓውን ሓሰርን ከምዝኣትዎም ኰይኑ፡ ሓዳር ኩሉ ተበቲኑ፡ ቆልዑ ተማቒልካ ዓዓድኻ ምፍላይ ተበጺሑ። ርእይ ተበልካ ናብራ ምኽኣል ተሳኢኑ፡ ኣይ ስራሕ ኣይ ቆልዑ ምእላይ፡ ብሕማምን ጥምየትን ሞትን ሓዘን ኰይኑ ትርፉ። እዚ ኹሉ ሓደጋ ብኽልቲኦም ወገን ኢዩ ተረኺቡ።

ብድሕሪ’ዚ ኣንስቲ ከምዚ ኢልካ ዝኸውን ኣይኰነን ናብ ሰብኡትና ንመለስ ኢለን ተላዚበን። እቶም ሰብኡት’ውን መሃነኖም ምስ ጠፍኦም ልክዕ ከምኣ ተላዚቦም ናብ ኣንስትና ንኺድ ነለምነን ኢሎም ወዲኦሞ። ኣንስቲ ዝተረፉወን ቆልዑ ሓዚለን፡ ሰብኡት ክኣ ከምኡ ዝተረፉዎም ቆልዑ ሓንጊሮም ንሶም ክኸዱወን ንሳተን ክመጽኦም ኣብ ማእከል መንገዲ ተራኺቦም። ኣብ ጽቡቕ ግዜ ዝወለዱዎም ህጻውንቲ ስኣን ልቦና ሕማቕ ምዓልቲ ኰይኑ ኣጥፊኦሞም ክሓዝኑ ተገዲዶም። ኣብ ሓዘን ስለዘይንበር ግን፡ ተደባቢሶም።

ስብኡት “ባህላዊ ድሕረት ኣጋግዩና ተመሊስናክን ተረዲኡና” ኣንስቲ ክኣ ከምኡ “ባህላዊ ድሕረት ኣጋግዩና ተመሊስናኩም ተቐበሉና” ብማለት ነቲ ሓዘን ናብ ጓይላ ቀይሮሞ ናብርኦም ብምትሕግጋዝን ብምልዛብን ቀጺሎሞ። ስለዚ ኣነ ኣገባጊቡለይ ሰሊጡኒ ተገላጊለ፡ ንሳትን ክኣ ነታ ሕቶ ማዕርነት ኣብታ ምዓልታ መልእኽተን ከተሓላልፋ ክኢለን። ኣነ’ውን ተጣቢበ ምስጋና ረኺበ። ሳላ ምልዛብ ኩሉ ሰናይ ኰይኑ። ሕቶ ማዕርነት እንድሕሪ ተረዲእካዮ ውሕስነት ናይ ሂወት ኢዩ። ስኣን ኣፍልጦና ኣብ ድንቍርና ተኣሲርና’ምበር ብማዕርነት ዝነባበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቀ-ንስትዮን እንተዝህልዉ፡ ቃልሲ በቲ ኻልእ ናይ ጥቕሚ ምኽንያታት ድኣ ኣይምተረፈን እምበር፡ ክሳዕ ክንድ’ዝስ ኣይምመረረን።

እቲ ቍምነገር ምልዛብ ዝመስልዎ የለን ንምባል ዝኣክል ኢየ። ኣብ ሂወት እንካን ሃባን ኢዩ ዘነባብር። እንካ ጥራይ ወይ ሃባ ጥራይ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ህውከት ኢዩ ዘእትወካ። ዋላ ካብ ምጽወታ ዝጽበዩ ሰባት’ውን፡ እቲ ኣብ ምልማን ሰሊጡዎ ዝወዓለ ነቲ ዘይሰለጦ ዓርኩ ይረድኦ፡ ግን ክኣ ኣብ ደይሰለጦ ምዓልቲ ካብቲ ሓደ ዝሰለጦ ይጽበ። እንካን ሃባን እንተጠፊኣ ግን ነታ ዝርካባ ናይ ድኽነት ዕላሎም ንጽምዋ የረክቡዋ። ናይ ድኽነት ዕላል ንስእነት ከም ዝርሳዕ ስለዝገብር እንካን ሃባን ኣዚዩ ኣገዳሲ  ምስላ ኢዩ። ናይ ፖለቲካ ድኽነት’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኰነን።

እዚ ኣገዳስነት ናይ እንካን ሃባን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወትና ምዝታይ ምፍላጥ ማለት ኢዩ። ኣብ ምዝታይ ክኣ እንካን ሃባን ክትፈልጥ ኣለካ። ክትዝቲ እንተወሲንካ ግን ጥራይ ኢድካ ኣይተመጽእን ኢኻ። ተዛተይቲ ሓያላት ኰይኖም ክቐርቡ የድሊ። ሓያል ምዃን ክኣ ነቕ ዘይብል ውሽጣዊ ሓድነት፡ ዝእመንን ግሉጽን ኣጀንዳ፡ ህዝባዊ ተኣማንነት ዘለዎ ምቅርራብ ማለት’ዩ። ሓደ ካብኡ፡ ንዕስራ ሳላሳ ኣርብዓ ዓመታት ዘይሰለጠካ እንታይ ብምግባርካ ኢዩ ንህዝቢ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ  ካብ ተመኲሮኻ ሰጋእ እንዳበለን እንዳጠርጠረን ብወርቃዊ ጽሑፋትካን ብዓውታዊ ጭርሖኻን ክዓግብ ኣይክእልን ኢዩ።

ህንጸተ ምትእምማን ዘተ ታሪኻዊ ጠለብ ኣለዎ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ነዚ ክንምልስ እንተድኣ ክኢልና፡ እቲ እንካን ሃባን ክሰርሓልና’ዩ። ሕማምና ብድብድቡ ክንዝቲ፡ ናብ ኣኼባ ዘብዘብ ንብል እንተድኣ ኰንና ግን ምድብዳብ እምበር ምውድዳብ ኣይትርከብን’ያ። ተተኣማምን ምውድዳብ እነተ ዘይተረኺባ ኽኣ ምዕዋት ትንፋስ የብላን።

መለኽቲ እታ ዝለዓለት ዓቕሞም ምውዳብ’ያ። እታ ካብ ኩሉ ዝፈርህዋ ድማ ንሳ ኢያ። ንሰላማዊ ሰልፊ ኣይፈትውዋን’ዮም። እታ ቀንዲ ፈጥፈጥ ተብሎም ግን ናብ ውደባ ምእንቲ ከይትሰጋገር ስለዝዀነት ዝኸፈሉ ኸፊሎም ዝተጣበቡ ተጣቢቦም ደድሕሪኣ እንዳሰዓቡ ይፍንጥሕዋ። ምሳና ዘሎ ፖለቲካዊ ዕሽነት ሓደ-ሓደ ግዜ ክንርእዮ ከለና፡ ነቲ ኣንጻር ጸላእትና ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ነጸልሞን ነነኣእሶን። ብኡ ጌራ ክኣ እታ ዘተ ትብሃል እንካን ሃባን ዝመበቆላ ህልም ከም እትብል ትኸውን።

ስለዚ ክቡራት ኤርትራውያን ነታ ሰራውር ደም መለኽቲ ትበታትኽ ውደባ መታን ክንበጽሓ፡ ነቲ ኹሉ ኣብ ላዕሊ ዘቐመጥኩዎ ጠለብ ከነማልኦ ይብኣና። ብዝተረፈ ኣካይዳና ክሳብ ሕጂ ብዘይ ቀለዓለም፡ ብንጽህና ክንፍትሽ ድልዋት እንተ ዀንና፡ ንህዝቢ ዘየርብሕ ብዂናትል ጒርሒ ብጨርሒ መብጽዓታት ዓባቢጥና ኢና ንዘተ ክንሕምሳ ጸኒሕናን ዘለናን።

እምብኣር ነዚ ንመረዳእታ ክትሕግዘኒ ኢለ ኢየ ነዛ ዘይትኣርግ ምስላ ቀዳሞት ኤርትራውያን፡ “እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ” መሪጸያ። ብሓቂ ድማ እዋናዊት ስለዝዀነት ደስ ኢላትኒ። ነዛ ጥበብ እዚኣ ንሕና እዞም ቀዳሞት ከምዚ ኸማይ ኣይክኣልናያን ጥራይ ዘይኰነስ ተረባሪብና ኣብ ኣፍ ደገ ሞት በጺሕና’ለና። ኣነ ቅድሚ ሓያለይ ዓመታት ፍሕት-ሕት ክጅምር ከሎ ነዚ መንእሰይና፡ እንቋዕ ተቐልቀልካ ተመንየካ እንድየ ኢለ ደሪሰሉ ኢየ። ሎሚ ዘይኰነ ካልእ ምዓልቲ ክንደግሞ ንኽእል ኢና።

ትጽቢተይ ክኣ ነዚ ኣብ ሽግር ዝተወልደን ዝዓበየን ከማና ዘይተበከለ ብዓል ንጹህ ኣእምሮ ሓቅታት አንተ ኣስኒቕናዮ ክትርጒማ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ስለዘለኒ ኣጆኻ ነዚ ዓቐብ ክትድይቦ ኢኻ ካብ ምባል ዓዲ ክንውዕል የብልናን ብሃላይ ኢየ። ኣብዚኣ ንተሓጋገዝ። ብዝተረፈ ዝቖርጽ መጋዝ’ምበር ዝድግፍ ጒዝጓዝ ትርከብ ኣይመስለንን። እንተተረኺባ “ኣብ ግብሪ” ይብሉ መለኽቲ፡ ንሕና ንመንእሰያትና ነታ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኣውዕላ ንበሎ።

ምኽንያቱ ናትና ነገር፡ ዋላ ነዚ ናይ ቀረባ ግዜ ንርኣዮ’ሞ ግህዶ ስለዝዀነ ካብ ልብና ብንጽህና ንመስክር። እንሀልኩም በሉ፡ ዋላ ንመለሳ ክዀነና ብመልክዕ ግጥሚ ከነቕርቦ፦

“እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ”?

ኤርትራና ተሰካሚት ጋዶ

ዋላ በሪኽ ይኹን ልዕሊ እምባ

ዋላ ዓሚቝ ይኹን ትሕቲ ሩባ

ንተጋዳላይ ክልቲኡ ቀረባ

    ብጽሓይ ዝምርሽ ብመዓልቲ

    ዝተረፈ ብወርሒ ብለይቲ

    ዳንጋ ኤርትራውያን ተጋደልቲ

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

እንታይ’ሞ ይግበር ዝወረዶ!

እዚ ኹሉ ሂወቱ መኒኑ

ተበዲሉ ከብከብቲ ስኢኑ

ስኣን ዘተ ክሳዱ ደኒኑ

    ንጸልማት ክቕይር ናብ ብርሃን

    ንጸላእቱ ኣቢሉዎም ኣማን

    ስኣን ዘተ ኣትዩ ናብ ምልማን

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ኣዳራሽ ገዲፍካስ ፈራስ ኣጒዶ

ይሐው ዘይብል ኲሹዂ ተኸዲኑ

ኣይዞ ጎበዝ ጥዕምቲ ልሳኑ

ክፉት እዝኑ ምኒኰሎ ዓይኑ

    እዚ ኹሉ ተዂሲ ናይ ወረርቲ

    ብመሬት ታንክታት ብላዕሊ ነፈርቲ

    ወይከ ዕጅብ ናይ ጥይት ክረምቲ

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ስኣን ዘተ እሰሮ ቀይዶ

ኤርትራዊት ኣደ ኣንቲ ኳዕናን

ንላዕሊ’ምበር ዘይትፈልጥ ምድናን

ይወልዳ’ሞ ከማኽስ ኣይኰናን

    ነዚ ሰይጣን ካበይ ኣምጽእክዮ

    ዘተ ከይለመድና ወሊድክዮ

    ካብ ማህጸንክስ ነዚ ሕማም ንፍዮ!

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ንዓይ ጥራይ መስኪን ዝእወዶ

ውደባ ናይ ሰይጣን ዝምቅሮ

ውደባ ናይ መልኣኽ ዘባህርሮ

ካበይ ኣምጺእክዮ ነዚ ዜሮ

    እቶም ብዙሓት’ውን ኣይነፋዕናን

    ዝመጸና ሰበብ ኣይፈለጥናን

    ተፈጊእካ ርእስኻ ምጅናን

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ኣውሎ ከይተባህለስ ሰዶ-ሰዶ

ንሕና እንታይ ንኽእል? ዘረባ

እንታይከ ’ጠፍኣና ውደባ

ኣይ ብኣ’ንድያ ሽግር ተረኺባ

    መለኽቲ እንታይ ዓቕሞም ውደባ

    እንታይከ ተፍርሆም ውደባ

    ስኣን ዘተ ቅዋምና ዓሪባ

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ብምስጢር ሓሚምና ክንዲ ግህዶ

ብድልየትና ሰማይ ተሰቒልና

ብተግባር ግን ጒድጓድ ተቐቢርና

ስኣን ልዝብ ፈኸራ ድራርና

    ተላዘቡ ክትብሊ ረብሪብኪ

    ኤርትራ ሃገረና አንቢናዕኪ

    ስኣን ዘተ ስሓቕ ርሒቑኪ

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ንሰከም እንተ እንተበልካስ ነውርዶ

ንስመር ኢልና ንጒሆ ንሰማማዕ

አጋ ምሸት ትኸውን ገማዕማዕ

ፋሕ ብትን ኣትዩዋ ትባራዕ

    ተመኲሮ ናይ ስምረት ንዘክር

    ካብ ወለዶ ንወለዶ ዝሰግር

    ነብስኻ ዘጽልእ ዕግርግር

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ንድቕ ተወዓልካስ ጒድጒዶ

ንርኣዮ ተመኲሮና ካብ ስሳታት

ኣብ ዘይረብሕ ነገር ምህውታት

ንዓይ ጥራይ ዘይናትካ ምጥማት

    ክወስድ’የ ጥራይ ሕማሙ

    ምሕንፋጥ ይለምድ ከም ድሙ

    ሕማም ናይ መለኽቲ ጸገሙ

አንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ጠባይ ናይ ኢሳያስ በጋሚንዶ

ክንቃለስ ኬድና ናብ ኢትዮጲያ

ኮፍ ትሓይሽ ኢልና ካብ ጒያ

ሕጂ እታ ሓፍ ምባል ስኢንናያ

    እስከ ኣብዚ ናይ ሕጂ ንመለስ

    ክትእከብ ከለኻ ትሕጐስ

    ክትምለስ ከለኻ ትናኸስ

እንካ ዘይበል ሃባ መን ኣልመዶ

አንታይ ይግበር ምዓት ዝወረዶ

ኮሎራዶ እንተኸድካ ናብ ደንቨር

ዳርጋ ተቐይራ ናብ ጐንደር

ሰብ ይጠሚ ካሜራ ትድረር

    ለጠቕ እንተበልካ ንኣትላንታ

    ተዓዊትና ትብል ጥዑም ሽታ

    ኣልቦ ነገር ክኣ ንምሸታ

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ጒዱ ጠፊኡና መን ይፍረዶ?

ትሽዓተ ውድባት ዝፈረማ

እንታይ ተረኽበ ናበይከ ሃጠማ

ብዓወት ተዛዚሙ ከም ቀደማ

    ናብ ደንቨር ክምለስ ከይነውሓኒ

    እቲ ቐዳማይ ሰሊጡኒ ’ብለኒ

    እቲ ካልኣይ ቆጸራ ሃቡኒ

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ካበይ’ሞ ‘ርከብ ሓድሽ ምዕዶ

ሕማሞም ዘይፈልጡ ትኣኪብና

ከመይ’ላ ክትርከብ መድሃኒትና

ሞት ትመጽእ ትሃድም ጥዕና

    ዋላ ናብ ሓካይም እንተኸድካ

    እንድሕሪ ሓቂ ዘይትዛርብ ኰንካ

    ብቖጸራ ልብኻ ’ጠፍኣካ

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ሓደ ይጽሕፍ ካልኣይ ይቐዶ

መዋእሉ ሓቂ ዘይዛረብ

በረኻ ምሕዳሩ ትሕቲ ገረብ

ሰብ ስኢኑ ምስ እንስሳ ’ዛረብ

    ጀብሃ ንተኣከብ እንተበልና

    ኣድቂቕና ኣፍሪና እንተጸሓፍና

    ሃቡ ጥራይ ኰይና ’ታ ኣመልና

አንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ሓደ ይብትን ካልኣይ ይለምዶ

ህዝባዊ ግንባርና ክኣ ንዘክሮ

ተር ነብሎ ሽምና ንዘርዝሮ

ሂር ነብሎ ናይ ቀደም ኰበሮ

    መሬት ትኹን ከም ዝነበረታ

    ጒዳም ዓራት ፍርናሽ ዝጠፍኣታ

    ኲርዃሕ ጥራይ ድቃስ ተዘሚታ

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ግደፍ ’ተልካስ ዕጸዶ-ዕጸዶ

 

በይነ’የ ዝስኣል ኣነ ግንባር

ኔው በሉለይ ኣይደልን ናይ ሓባር

ካልኣይተይ ኣላትኒ ክራር

    ንሳ’ያ ሽግርና ናይ ብኣምሆይ

    ኣብ ላዕሊ ደይብና ንብል ሆይ-ሆይ

    ንጉሰ ነገስት ከም ጃንሆይ

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ተዋሪድና ካላእ ትዋረዶ

ኣስመራ ኣቲና ናብታ ኸርሳ

ተጋዳላይ ሒዝና ወደ’ምበሳ

ወዲ ሓራስ ነብሪ ጥሓሒሳ

    ንሕና ብዓወትና ንፍክር

    እዚ ሰይጣን ኣብ ኣዋሳ ’መክር

    ክእትወና ናብ ጸልማት ዕግርግር

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ስኣን ልዝብ ተሳኢና እንዶ

ብዝኣረገ ሕማም ረብሪብና

ንመንእሰያትና ለኪምና

ክንዲ ንኸሰብ ከሲርና

    ምስጢር ናይ ምዝታይ ጠፊኡዋ

    እምብለይ’ላ ‘ታ ስምረት ዝብሉዋ

    ጫውጫው ጥራይ ቆጸራ እንዳ ስዋ

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ኣብ ክሳራ ኰንካስ ነጋዶ

 

ኣንታ መንእሰይ ተበገስ

ኒዮው በሎ ምሳና ሓንከስከስ

ዝጠፍአ ይጥፋእ ዝተመልሰ ’መለስ

    ኣነ’ሞ ከምታ ትመስለኒ

    ዋላ ትትረር ምሳኻ ’ሕሸኒ

    ደዋጽእ ነገርዶ ጠፊኡኒ

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ዝሰልጠካ ምስላ ውሰዶ

 

ምጭማት ከም ናይ ተጋዳላይ

ካብ ልብኻ ኽኣ ምዝታይ

ምእንቲ ክዓግብ ሓታታይ

    ኣለኹ በል ባዕልኻ ሕለፎ

    ዓውዲ ቀውዒ ይኹን ዓውዲ ሔፎ

    ዛዝሞ’ምበር ኤርትራዊ ቆፎ

እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ

ምለሰልና ሌባ ዝወሰዶ።

መንእሰይ! መክት ጸላእትኻ ከትክት

ተኲስ’ሞ ሓንቲ ከይትስሕት

ብድሕሪኡ እንታይ ዝዓብስ ዝናር

ሕግና ተኺልና ምንብባር።

ሕጂ’ውን ኣጀኹም ተስፋ’ለና

ሰብ ቀላጽም ተሲኦም ደቅና

ርሑስ ኣውደ-ኣመት ንኹልና!!!

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Danilo December 9, 2018

    Thank you ባሻይ,ንዝመሃር ዓቢ ኣስተምህሮ እዩ።እንተ ንገለ’ሞ ” ጥዑም በሊዕካ ትምባኾ” ናይ እንካን ሃባን ዘይኮነ ናይ በሎ ድሃኮ ፡ሕልና ወይ ሕጊ ኣልቦነት ዘሳሲዩ ኣሕዋት ከምዘለዉ ርግጽ እዩ።

POST A COMMENT