Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ኣስመራ

እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ኣስመራ ብምኽያት ጸጥታ ዝውሰዱ ዘሎዉ ስጉምታት፡ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝተጠቕሰ፡ ካብ ጎዳይፍ ክሳብ መእለይ ማይ ነፍሒ ዘሎ ቀንዲ ጽርግያ ኣስመራ - መንደፈራ ነቲ ብፍርሒ ተዋሒጡ ዘሎ ኢሰያስ ድሕነት ተባሂሉ መኪና ደው ምባል ተኸልኪሉ ብምህላዉ፡

እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ኣስመራ

  1. ብምኽያት ጸጥታ ዝውሰዱ ዘሎዉ ስጉምታት፡

ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝተጠቕሰ፡ ካብ ጎዳይፍ ክሳብ መእለይ ማይ ነፍሒ ዘሎ ቀንዲ ጽርግያ ኣስመራ – መንደፈራ ነቲ ብፍርሒ ተዋሒጡ ዘሎ ኢሰያስ ድሕነት ተባሂሉ መኪና ደው ምባል ተኸልኪሉ ብምህላዉ፡ በቲ መንገዲ ዝመላለስ ሰብ ኣብ ከቢድ ስግእት ወዲቑ ይርከብ ኣሎ

ብተወሳኺ ካብ ፍርሒ ዝብገስ፡ ኣብ መንገዲ መናሃሪያ ዘሎ መዕደል ነዳዲ ሼል ናይ ማሪዮ ብኣቀማምጣኡ ስትራተጂካዊ ብምዃኑ ኢሰያስ ክሓልፍ ከሎ ከይጥቃዕ ስግኣትዩ ተባሂሉ ተዓጽዩ`ሎ።

  1. ህግደፍ ምእሳርን ምዕጻው ድኳናትን ምድኻም ነጋዶን ኣበርቲዑ ይሰርሓሉ ኣሎ።

ህግደፍ ብቑጠባዊ ትካላቱ ኣቢሉ ቁጠባ ሃገር ንምብሓትን ብሕታዊ ጽላት ንምድኻምን ንምጥፋእን ክሰርሓሉ ዝጸንሔ ፖሊሲኡ`ዩ። ቑጠባዊ ትካላት ህግደፍ ብጀካ ንህግደፍን ሓለፍተንን መህጠር ጁባ እንተዘይኮይነን ካልእ ዕላማ ከምዘይብለን ኩሉ ዝርዱኦ ሓቂ እዩ።

  1. ማእሰርቲ ኤርትራውያን

እብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኣስሩ ፍሉጣት ሰባት

– ሃብቶም ገብረኪዳን ዋና አንዳ ነዳዲ ባር ቶሪኖ

– ለማ ሃይለማርያም ነዊሕ ጊዜ ደስኪሉ ዝጸንሐ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ተኣሲሩ ኣሎ።

  1. ምድኻም ቑጠባን ንግድን ነጋዶን

ቑጠባ ሃገር ንምድኻም ዝተወስዱን ብቀጻሊ ኣብ ምውሳድ ዝርከቡን እሞ ድማ ብዙሕ ዘይዝረበሎም ሓደገኛ ሜላታትን ስጉምትታትን ንምጥቃስ

1ይ – ህንጻን ህንጻዊ ስርሓትን፥

ኣብ ዝኾነ ሃገር ህንጻን ህንጻዊ ስርሓትን እንተዘይሃልዩ ምልክት ልምሰት ቁጠባ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ቑጠባ ሃገር ንምልማስ ካብ ዝወሰዶም ቀዳሞት ስጉምታት ካብ 2005 ጀሚሩ ኩሉ ስርሓት ህንጻ ደው ኣቢሉዎ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ኣብ ልዕሊ ቑጠባ ሃገር ናይ ሞት ስጉምቲ ዳርጋ ምውሳድ እዩ።

ህንጻ ደው እንተኢሉ ቁጠባ ደው ኢሉ ማለት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብመደብ ብመንበሪ ገዛ ሽግር ክሳቐ ዝተፈርደ ህዝቢ ኮይኑ `ሎ። ዉሑድ ህዝቢ እኹል መሬት ጸገም ናይ ዝኾነ ትሕተ ቕርጻዊ ስርሓት ክህሉዎ ዘይግባእ ዝነበረ ኣርቲፊሻል ብሰብ ሰርሖ ሕጽረት ከምዝህሉ ተጌሩ ከም ሳዕቤኑ ጸጊሙዎ ገዛውቲ ንዝሰርሐ ምፍራስን ሓዲሽ ዘይምህናጽን ከም ፖሊሲ ተታሓሒዙዎ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብመደብ ካብተን ሰለስተ ንሂወት ወዲ ሰብ መሰረታውያን ኣድለይቲ ነገራት ማለት መግቢ፣ጽሩይ ዝስተ ማይን መጽለሊ ገዛን ንኽሽገር ዝተፈረደ ህዝቢ`ዩ።

ንገለ ሰበ ስልጣናትን ሓለፍትን ዘይሽየጥ ዘይልወጥ ናብ ዉሉድ ዘይሓልፍ ገዛውቲ ከም ጉኑዖ ብሑሱር ዋጋ ከም መጠበርን ኣማዉቱናን ተዋሂቡዎም ኣሎ። እንተኾነ ንዝተሰዉኡ መቓልስቶምን ብጾቶምን ዕሽሽ ብምባል በዚ ዘይጠቅም ንብረት ዝዕሸዉ ብዙሓት ኣሎዉ ኣይንብልን። በዚ ኮይኑ በቲ ግን፡ እዚ ንብረት እዚ ሕጂ ይኹን ድሕሪ ለውጢ ንብረቶም ከምዘይኮነ ተረዲኦም ከም ጊዝያዊ መንበሪኦም ድኣምበር ናቶም ከምዘይኮነ ጥራሕ ክሓስቡዎ ይግባእ።

2ይ – ስርዓት ህግደፍ ካብ 2014 ጀሚሩ ኢምፖርት አክስፖርት ፐርሚት (ፍቓድ) ደው ኣቢሉዎ። ምንጪ ወጻኢ ሽርፊ ዝኾነ ኩሉ ዓይነት ቖርበት ሃገር ንዓመታት ከም ዝጎሓፍ ጌሩዎን ይገብሮን ኣሎ።

ኣብ ባጽዕ ዝነበረ ናይ ኤርትራውያን ነጋዶ ልዕሊ 1000 ኮንተይነራት መብዛሕቱኡ ናይ መግቢን ካሎኦትን ንብረትን ንዓመታት ኣብ ጸሓይ ከውቆዖ ድሕሪ ምጽናሕ ኤክስፓየር ዝገበረ ተጓሒፉ እቲ መዓልቲ ዘያኸለ ድማ ተወሪሱ፡ ኣይ ነጋዶ ገንዘቦም ክረኽቡ፡ ኣይ ህዝቢ ክጥቀመሉ ብመደብ ኣጎላጉል ባኺኑ ተሪፉ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ስርዓት ቅንጣብ ሓልዮት ህዝቢ ዘይምህላው ዘረድእ እዩ።

3ይ- ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ባንክ ጅሆ ሒዝካ ህዝብን ነጋዶን ብገዛእ ንዋዩ ለማኒ ምግባርን በበይኖም መመኽነይታታት እናመሃዝካ ገንዘብ ምርሳይን

አዚኣቶምን ካሎኦት ስጉምትታትን ብመደብ ደይ መደይ ኢልካ ሃገር ንምድካይ ክውሰዱ ዝጸንሑ ስጉምታት አዮም። ከም ሳዕቤኑ ህዝብና ካብ ዓዲ ግራት ፊኖ፣ ባኒ፣ ጉድጉዶ ከይተረፈ ብመሸማዕ ክጓረት ጸኒሑ ክሳብ ዶብ ዝዕጾ። ሃገርና ዘለዋ ኣዝዩ ብዙሕ ጸጋታት ድማ ብሰሪ ግዕዙይ ምሕደራ ብግቡእ ብዘይምምዝማዙን ምምሕዳሩን፡ ህግደፍ ህዝብና ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ከምዝኸይድ ብምግባር ናብ ድቕድቕ ድኽነት ኣእቲዎ ኣሎ።

ካብ ግዱስ ኤርትራዊ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT