Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝሓለፈ ሳምንታት ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘቕረቦ ንኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ: ኤርትራ ንኢትዮጵያን ጂቡቲን ምህዋኽ ከምዝቐጸለቶ ገሊጹ:: ንሱ ኤርትራ ካብ’ዚ ተግባራት እንተዘይተቖጢባ መንግስቱ ንህዝቢን ዓለምን ኣፍሊጡ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደዱ ኣጠንቂቑ:: ቀዳማይ ሚኒስተር

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝሓለፈ ሳምንታት ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘቕረቦ ንኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ: ኤርትራ ንኢትዮጵያን ጂቡቲን ምህዋኽ ከምዝቐጸለቶ ገሊጹ:: ንሱ ኤርትራ ካብ’ዚ ተግባራት እንተዘይተቖጢባ መንግስቱ ንህዝቢን ዓለምን ኣፍሊጡ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደዱ ኣጠንቂቑ::

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ማዕረ ናብ ኣስመራ ከይዱ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዛተ ቅሩብ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ:: ኣብ ማይዕዳጋን ቢሻን ድሕሪ ዝተኻየድ መጥቃዕቲ ሚሳይል: ኢትዮጵያ ፈጺማቶ ዶ ንዝብል ሕቶ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ” ዝኸስስ እንተዘይልቦ መልሲ ክንህብ ኣይንኽእልን” ክብል መሊሱ። እቲ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ዝበሃል ፖሊሲ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዝሓንጸጾ ንኤርትራ ዝምልከት ፖሊሲ ዝተፈልየ የብሉን:: ሓዲሽ ነገር ንዘይብሉ ስለምንታይ ንህዝቢ ኣፍሊጥና ስጉምቲ ክንወስድ ይብል ዘይተመለሰ ሕቶ ኢዩ ::

ሒደት መዓልታት ቅድሚ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም: ግንቦት ሸውዓተ ኣርበኞች ግንባር ዝተባህለ ምንቅስቓስ ኣብ ከባቢ ሑመራ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ልዕሊ 50 ወተሃደራት ከምዝቐተለን ብዙሓት ከምዘቑሰለን ገሊጹ:: ደምህት( ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ) እውን ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወ ሓቢሩ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዘውረዶ ክሳራ ግን ኣይገለጸን;; ክልቲኡ እዚ ምንቅስቓሳት ደጀኑ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ወተሃደራዊ ስልጠናን ሎጂስቲካዊ ሓገዝን ብህግደፍ ከምዝወሃቦ ካብ’ቲ ምንቅስቓስ ዝሃደሙ ኢትዮጵያውያን ክገልጽዎ ጸኒሖም::

ዝሓለፈ ሰሙን ኮሚሽነር ፖሊስ ኢትዮጵያ 30 ካብ ኤርትራ ሰሊኾም ኣትዮም ዝበሎም ዕጡቓት ከምዝቐተሉ ምሕባሩ እቲ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብተቓወምቲ ዝግበር ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ሓሓሊፉ ከምዝኽሰት የመልክት::እዚ ብትሑት ደረጃ ዝካየድ ረጽሚ ናብ ኣጠቓላሊ ኩናት ክትኮስ ይኽእል ዶ::

ኢትዮጵያ- ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ግንቦት ብዘካየደቶ ሓዲሽ ምርጫ እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኢህወደግ ዝዓብለሎ መንግስቲ ተዓዊቱ::እቲ መንግስቲ  ኣብ ዲፕሎማሲ ምስ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ዝምድናኡ ተጠናኺሩ::ኢትዮጵያ ብ13-16 ሓምለ ዝተኻየደ ዋዕላ ፋይናንስ ንልምዓት አአንጊዳ:: ኣብ’ቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዝተሳተፍዎ 5 ሽሕ ዕዱማት ተረኺቦም::

ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ፕረዚደንት ኦባማ ናብ ኢትዮጵያ: ኬንያን ናይጀርያን ዝገብሮ ዑደት ብዛዕባ ምውጋድ ብልሽውና: ምህናጽ ዲሞክራሲ: ምምዕባል ቁጠባን ምምካት ግብረ ሽበራን  ከምዘተኩር ገሊጹ::ምስ ዑደት ኦባማ  ዝተኣሳሰር’ዩ ዝበሃል ኢትዮጵያ ኣብ’ታ ሃገር ተኣሲሮም ዝጸንሑ ጋዜጠኛታት  ምፍትሓ ነቲ ጋዜጠኛታት ብምእሳራ ክቐርባ ዝጸንሐ ክሲ ብመጠኑ ከህድኦ ይኽእል’ዩ::ብዘይካ’ዚ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኦባማ ናብ ኢትዮጵያ: እታ ሃገር ኣብ ቅድመ ግንባር ናይ’ተን  ኣንጻር ግብረሽበራ ዝቃለሳ መሓዙት ኣሜሪካ ተሰሪዓ ከምዘላ ዘመልክት’ዩ ይብሉ ተዓዘብቲ::

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ’ቲ ንፓርላማ ዝሃቦ መደረ : ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተጻዕነ እገዳ ክቕጽል ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ከምዝገብሩ ጠቒሱ ወተሃደራት ዝርከብዎም ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምእትዓቑቡ ገሊጹ:: እዚ ድማ ኤርትራ ብዓይኒ ኢትዮጵያ ምህምንቲ ሃገር ከምዝኾነት ዘመልክት’ዩ:: ስለ’ዚ ነቲ ኣብ 2001 ብክልቲአን ሃገራት ዝተፈረመ ይግባይ ዘይበሃሎ ቀያዲ ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ:ተፈጻምነት ዝህልዎ ብዘተ’ዩ ዝብል መርገጺ ኢትዮጵያ ዝቕየር ኣይመስልን::

ብወተሃደራዊ መዳይ እውን እቶም ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጦም ፍልልያት ከምዘለዎምን ህግደፍ ጸቕጢ ከምዝገብረሎምን ነቲ ምንቅስቓስ ዝገደፍዎ ይገልጹ::ብዘይካ’ዚ ህግደፍ ነቲ ብተጋሩ ዝቖመ ብዝሒ ወተሃደራት ኣለውዎ ዝበሃል (20-30 ሽሕ) ደምህት ብዝገብሮ ሓለፋ ኣብ’ቲ ምንቅስቓስ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ ጸብጻባት የመልክቱ::እዚኣቶም ካብ ማእከል ሃገር ርሒቖም ኣብ ዶባት ትግራይ ዘካይድዎ ምንቅስቓስ ኣብ መላኣ ኢትዮጵያ ኣብ ሓጺር ጊዜ ጽልዋን ጸቕጥን ክፈጥሩ ዘለዎም ዕድል ዝተወሰነ’ዩ::

 ኤርትራ– ኤርትራ: ዘይሰርሕ መሳርዕ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር’ያ::ህግደፍ ብዘስረጾ ብልሽውና ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ:: ሰበስልጣን ኣብ ኮንትሮባንድን ምስግጋር ሰባት ናብ ወጻእን ተጸሚዶም ሃገር ብዘይ ሕጊ ትኸይድ ኣላ:: ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ድማ መንእሰያት ኤርትራ ተበቲኖም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ተዓቑቦም:: ኣብ ባሕሪን ምድረበዳን ሂወቶም ብከንቱ ጠፊኡ::ኣብ ምስሪ ብበደዊን: ኣብ ሱዳን ብራሻይዳ : ኣብ ሊብያ ብዳዕሽ (እስላማዊ ጥሩፍ) ኣብ’ዚ ዘበን’ዚ ተራእዩ ዘይበሃል ኣሰቃቒ ግፍዕታት ወሪድዎምን ይወርዶምን ኣሎ::

ኣብ ኣሜሪካን ሃገራት ምዕራብን ዝተፈጥረ ጻዕቂ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ:: መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ቆይሙ ኤርትራውያን ዘሕልፍዎ ጸበባ ሰኒዱ::

ሰበስልጣን ህግደፍን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክሕተቱ ከም ዝኽእሉ ደወል ተወቒዑ:: መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ፍሉይ ኮሚሽንን ንዝመጽእ ሓደ ዓመት ነቲ ዝጀመርዎ መርመራ ብምቕጻል መደምደምታ ክገብሩሉ መዝነት ተዋሂቦም:: ልኡኻት ህግደፍ ነቲ ጸብጻብ ክሒዶም: ልኡላውነት ኤርትራ ክኽበር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ብዘይምግባሩ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከሲሶም:: ብዘይካ’ዚ ህግደፍ ብላዕሊ ላዕሊ: ጠንቂ ፍልሰት ኤርትራውያን ንኣሜሪካ ከሲሱ :ብታሕቲ ታሕቲ ግን ምስ ኣሜሪካ ክተዓረቕን እገዳ ክለዓለሉን ንሀርማን ኮሀን ከማልዶ ከምዝፈተነ ልኡኾም ብዝዘረቖ ጸብጻብ ተቓሊዑ::

ሩስያ ነቲ ንህግደፍ እትሸጦ ኣጽዋር ቀዳምነት ብምሃብ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምምዕባል ክመሓየሽ ዝኽእል’ዩ: ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዝታይ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ኣለዋ:: እንተኾነ ርእይቶ ሩስያን ከምኡ’ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘሎዋ ቺናን ተቐባልነት ኣይረኸበን::

ወተሃደራዊ –  ወተሃደራዊ ዓቕሚ ምምዛን ቀሊል ኣይኮነን:: ስነኣእምሮኣዊ ምቅርራብ: ኣካላዊ ብቕዓት: ቁጠባዊ ዓቕሚን ኣቀማምጣ መሬት ኣጽዋርን ካልኦትን ብደቂቕን ብስነፍልጠትን ተኣሳሲሮም ዝርኣዩ ኢዮም:: ኤርትራ በዚ መንጽር ምስ እንመዝና ብዘይካ’ቲ ንፕሮፖጋንድ ዝፍኖ ጽቡቕ ስእሊ የብላን:: ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ2000 ዓም ደው ካብ ዝብል ዓቕሚ ምክልኻል ኤርትራ ከንቆልቁል ተራእዩ::እዚ ድማ ነብሳ ትከላኸለሉ ብቕዓት ከምዘይብላ ኣብ’ቲ ኢትዮጵያ ብግንቦት 2012 ዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ተጋሂዱ::ኣብ’ቲ  ሓጺር ግጥም 40-50 ተማሪኾም ዝሞቱ እዝጊሀር ዋንኦም:: ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ድማ ኣብ ናይ 21ጥሪ 2013 ስርሒት ፎርቶ ዝተሳተፉን ካልኦት ንምልኪ ዝተቓወሙ ምኩራት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ተቐቲሎምን ተኣሲሮምን:: ኢሳያስ ኣብ 2000 ካብ መጥቃዕቲ ኢትዮጵያ ክሕባእ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ በዓቲ ሻባይ መንደር ከባቢ ኣፍዓበት መድሚዱ :: ድሕሪ 15 ዓመት ምሕልቃም ሰራዊት ኤርትራ: መጥቃዕቲ ኢትዮጵያ እንተተላዒሉ መሕብኢኡ ኣበይ ክኸውን ከምዝኽእል ምግማት ኣየጸግምን::በዚ ኾይኑ በቲ ህግደፍ ኣይምውት ኣይስሩር ኮይኑ ባህርያዊ ሞት ዝጽበ ዘሎ ጉጅለ’ዩ::

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኸ :- ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲን ፍትሕን ንምስፋን ብደረጃ ውድብ: ማሕበርን ውልቀሰብን:ከቢድ ቃልሲን ውረድ ደይብን ተራእዩ:: ብዙሓት ሞይቶም: ተኣሲሮም:ተሰዲዶም:: ፍረ እቲ ቃልሲን መስዋእትን ህዝቢ ኣብ ትሕቲ  ”ኢሳያስ ይኺድ” ” ፍትሒ ይንገስ ”ዝብል መትከል ተጠርኒፉ::  ህዝቢ ኣብ ሓደ ንጹር ዕላማ እንተኣቕኒዑ ኣብ ሓጺር ጊዜ እውን እንተኾነ ተወዲቡ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ: እስራኤልን ኢትዮጵያን ኣረጋጊጽዎ:: ነዚ ታሪኻዊ ሰልፊታት ከም መበገሲ ወሲዱ ደላይ ፍትሒ : ነታ ዝፈትዋን ህያብ ስውኣትን ኤርትራ ከድሕን ተጸዊዑ’ሎ::ማዕረ’ዚ ከባብያዊን ዓለማውን ኩነታት ፖለቲካን ቁጠባን ዘርእዮ ቅልጡፍ ምዕባለ : ንድሕነትን ትንሳኤን ሃገር ምጉያይ የድሊ:: ስለዚ ድማ ደላይ ሰናይ ኤርትራ

  1. ንፍትሒን ዲሞክራሲን ዕላማ ክገብር
  2. ዕላማኡ ንምውቃዕ ስትራተጂ ክሕንጽጽ
  3. ካብ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት: ሲቪካዊ ማሕበራት : ውልቀሰባት ነቲ ስትራተጂ ዘተግብርን ዘወሃህድን ኮሚተ ከቕውም
  4. መርበብ ሓበሬታታት ተወሃሃሂደን ነቲ ዕላማ ንምውቃዕ ዝሕግዝ መደባት ከውጽኣ ይድለ:: – ——————————   ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Zeray July 18, 2015

    ባድመ ክብሉ ሀገር ባዲማ

    • ኣማንኤል March 3, 2016

      ኣቶ ሃይለማርያም ደስለኝ ለምን ካለፈው ኣይማሩም ጦርነት እኮ የሞኝ መፍትሄ ነው ሰውና ኣገር የሚበላ እኮ ነው ለምን ባድመ በሰላም ኣይለቁም ያው ጦርነት ከሆነ ምርጫዎን የከተለው ለታሪክ መጠየቅ ያስፈልጋል የኤርትር ህዝብ መንጉስቱና ቡችላ ወያኔ ስያሸንፍ የት ነበሩ፡፡

  • Yohan Frezghi July 19, 2015

    The governments of DIA and the EPRDF (Ethiopian) are into so many years of predicaments leaving Eritrea and Ethiopia totally disconnected. Eritreans and Ethiopians together have to analyze the situation of both countries and exchange their concerns to bring peace.
    The main potential factors are to recognize and facilitate for bilateral needs and subsequent integration.

    • Eritrean Citizen July 19, 2015

      There will be no integration forever. In fact “Emama Ethiopia” will disintegrate into independent Somalia(Ogaden), Oromo, Southern Peoples, Gambela, Gumuz and Benshangul, Tigray, and Afar, leaving the Amharas with the name “Emama Ethiopia”.

      • Alemgena Taye July 24, 2015

        First of all, let us see if you survive Isayas Afeworki’s rule, let alone seeing Ethiopia’s disintegration.

  • Asgedet July 19, 2015

    Our isolation from the rest of Africa, and specifically Ethiopia, is really worrisome.

    • Eritrean Citizen July 19, 2015

      Ethiopia is the cause of 100% of the problems of Eritrea. You are one of the remnants of the Derg.

  • A.Berhane July 19, 2015

    Drar good Job.

  • berie haqi July 19, 2015

    ኣየወ እንታይ እሞ ክትገብሩ እታ ከብድኹም እንድያ ብድሕሪት ኮይና ናብ ገደል ሐሒዛትኩም ትሸመኩም ዘላ : እምበር ኤርትራስ ከምቲ ጸላእታ ዝሓልምዎ ዘይኮነትስ : ከምቲ ናይ በሕእቂ ደቃ ዝሓልዩላን ዝፅዕሩላን ዘለዉ ናብ ዝበረኸ እያ ትድይብ ዘላ : ወይልኡ ጠባይ ዘኽፍአ :

  • Hailu July 19, 2015

    Is Authoritarian Isayas’s inviting Ethiopia to ignite war under a pretext of self-defence?

    History has shown us several authoritarian leaders, however I have never seen like Eritrean authoritarian leader who is such extreme stubborn who exposes his weak agendas freely to the world.
    While UN is accusing the government of its involvement as destabilizing force in the horn of Africa, it keeps doing same again and again. Ethiopia accuses Eritrea of destabilising its sovereignty but the authoritarian stubborn leader openly advocates and supports the losers like Ginbot-7 or DMHIT or others. To make matter works, there are several news accompanied by video footages from Eritrea showing several activities inside Eritrea and also inauguration ceremonies of new trained soldiers.
    Is not this enough evidence for Ethiopia to declare war on Eritrea and even conquer deep enough in pretext of removing the opposition fighters who stationed in there ?

  • Truly Truly i say to you July 19, 2015

    ናይ ጠቅላይ ሚንስትር ኃይለማርያም ደሳለኝ ንእቀት ዝመለኦ መጠንቀቅታ ጣቁኡ እንታይ ከምድኾነ ንዘይበረሃልኩም፣ ኢትዮጵያ ናይ ብዙሕ ሃገራት መራሕቲ ዝሳተፍዎ ፋይናንስ ንልምዓት ኣቢ ዋእላ ከተእንግድ ዝለትሸባሸብ ዘላን ኣብዚ ሂዝናዮ ዘለን ወርሒ መወዳእታ መራሒ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝኣትው ስለዝፈለጥ፣ ሕግደፍ ዝኾነ ናይ ሽበራ ፈተና ክገብር ድሕር ከምዘይብል ስለዝጠርጠሩ፣ በዚ ምኽንያት ዝተፈነወ ናይ ንዕቀት መጠንቀቅታ እንበር ካልእ ጣቛ የብሉን። ይኹን እንበር ኢትዮጵያ ካብዘለዋ ናይ ሓላፊነት ኣንጻር ነቲ ዘቅረበቶ መግለጺ፣ ሕግደፍ ከምልማዱ ነቲ ሃሲብናዮ ዝነበርና ናይ ቅዋም ምትግባርን፣ ሓገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ንከይንገብር ወያኔ ስለዝኣንቀፈትና በዚ ምኽንያት ክንገብር ኣይከኣልናን ኢሉ ነቶም ደናቁር ደገፍቱ ከታልል ዕድል ስለዝከፈተሉ ቢቲ ዝተወሃበ መጠንቀቅታ ዝያዳ ኢሳያስ ኣዝዩ ከምዝተሃጎሰ ንኩላሕና ክበርሃልና ኣለዎ። እቲ ሕቶ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ክካየድ ኣብዝተሓቀነሉ እዋን ከምዚ ኣይነት ናይ መጠንቀቅታ መልዕክቲ ኩልግዜ ክቀርብ ስለዝክእል፣ ካን ኢትዮጵያ ክትወረና ስለትሓስብ ዘላ፤ ቅዋም፣ ምርጫ ኮነ ገደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካልእ ኣገዳሲ ሰብዓዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ክትግበር ይክእል እዩ ኢልኩም ኣይትሓስቡ እናተባኸልና ንዘለዓለም ሕዝብና እናጸነተን ሃገርና እናኣነወትን ትም ኢልና ክንእዘብ ኣለና ማለት ድዩ?
    ነቲ ዝተዋሃበ መጠንቀቅታ፣ መንግስትና ነቲ ዝሓቀኖ መሰላት ንከየተግብር ተኣንቂፊፉ ኢላ ሶፍያ ተስፋማርያም ድሮ ምምኽናይ ጀሚራ ከምዘላ ኣብቲ Madote com ንዝጸሓፈቶ ጽሑፍ ነቢብኩም ብቀሊሉ ክትርድእዎ ነቲ ትኽእልዎ ሓቂ እኮ´ዬ ዝነግረኩም ዘለኹ።
    ኢሳያስ ንዶክተር ብርሃኑ ነጋ ናይ ግንቦት 7 ሃርበኞች ጉዳይ መራሒ ምዕዳሙስ ነቲ ዘለዎ ሃደገኝነትን፣ ክጥቀመሉ ንዝደለዮ ዕላማስ ከመይ ገርኩም ትስሕትዎ?

    • A.Kibraeb July 19, 2015

      Truly Truly, if your story about that useless pig so called Dr Birhanu Nega is true then Isaias Afewerki would hand him over to the Ethiopian authorities and just like his buddy “Andy” (Andarkachow Tsegie) will rot in Ethiopian prison. Your breaking news would then be a begging news of Ginbot 7 and ESAT’s.

      Are you by any chance a member or agent of their corrupt organization as you seem to be proud and excited with their seber/breaking news all the time? No one at Assenna is interested in their opportunist activities.

      • human life July 22, 2015

        A.Kibraeb,
        On top of what you said ,Ethiopia could be killing (saving) two birds at the same time. It is unpredictable and worse for Isaias to be removed from power. So, while warnning Isaias on the other hand that gives him(Isaias) also a breathing space to continue with his Ethiopia is trying to invade our country mantra.
        Truly Truly has blind hatred towards EThiopia ,maybe weyane took away his trailer (N3) or house in Addis Abeba, while the rest of us want Isaias to be toppled and have a good relations with Ethiopia…

  • negash July 19, 2015

    Please don’t deceive your self our problem is our own making. Believe it or not, so far, Ethiopia specially the ruling party and hewahat are doing their level best to do the right thing. You may blame Ethiopia without real evidence but that will result to nothing. I don’t mean all Ethiopians are good wishers. Be vigilant and wait but don’t blame Ethiopian government these will only weaken their positive stand regarding Eritrea.

POST A COMMENT