Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኩሉ ዕድመ ኣለዎ፥ ዓድታት ኤርትራኸ?

ኩሉ ዕድመ ኣለዎ ዓድታት ኤርትራኸ? ሕዳር 03/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) “ቦ ግዜ ለ ኩሉ” ካህናት ከምዝብልዎ ማለት ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ንጉስ ሰለሙን ንኹሉ ግዜ ኣለዎ ዝብል ኢዩ ዝኸውን፡ ትኽክል ዝዀነ ጥቕሲ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንኹሉ ዕድመ ኣለዎ’ውን ክንብል ንኽእል ኢና

ኩሉ ዕድመ ኣለዎ

ዓድታት ኤርትራኸ?

ሕዳር 03/2018

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

“ቦ ግዜ ለ ኩሉ” ካህናት ከምዝብልዎ ማለት ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ንጉስ ሰለሙን ንኹሉ ግዜ ኣለዎ ዝብል ኢዩ ዝኸውን፡ ትኽክል ዝዀነ ጥቕሲ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንኹሉ ዕድመ ኣለዎ’ውን ክንብል ንኽእል ኢና ማለት’ዩ።

ቀሊል መረዳእታ እኽሊ ግዜኡ ከይኣኸለ ዝዝራእ ዝበቍል ዝስውት ብጺሑ ዝዕጸድ ከምኡ ድማ ኣብ ዓውዲ ወዲቑ ተሓፊሱ ናብ ቆፎ ዝኣቱ የለን። ኩሉ ኻልእ ነገራት’ውን ነዚ ሕጊ’ዚ ስለዝኽተል ነዚ ሕጊ’ዚ ሰጊርካ ወይ ዓምጺጽካ ዝዀነ ይኹን ስጒምቲ ክትወስድ እንተ ድኣ ፈቲንካ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኣይንብረትካ ኣይንስኻ ኰንካ ኢኻ ትተርፍ።

ኣብ ዓለም ሓያላን መንግስታት ከም ሃጸይነት ሮማ፡ ከምኡ ድማ ሃጸይነት ቱርኪ ኣብ ዘበኑ ኣዚዩ ግዙፍ ሓይሊ ከምኡ’ውን ኣብ 1ይ ይኹን 2ይ ውግኣት ዓለም ናይ ቀረባ መረዳእታ ዕድሚኤን ኣእኪለን ናብ ካልእ ሓድሽ ሂወት ተመሐላሊፈን ኢየን።

ከም ዝርድኣኒ ናተይ ኣተረጓጒማ ክኸውን ይኽእል፡ ትርጒም ናይ ዕድመ ካብዝን ናብትን ወይ ክኣ ርሕቀት ናይ ሓደ ጒዕዞ ተጀሚሩ ዝውድኣሉ ኢለ ክምስሎ እኽእል። ንባዕሉ ብረታዊ ገድልና እቲ ዝወሰዶ ዓመታት ሓደ ዕድመ ኢዩ። ስለ’ዚ ዓድታት ኤርትራ’ውን ካብዚ መሰረታዊ ናይ ምዕባለ ሕጊ ከምልጣ ስለ ዘይክእላ ተገዛእቲ ናይ ሕብረተሰብኣዊ ሕጊ ኰይነን ሓለፍቲ ምዃነን ኢዩ ዘረድኣና።

ደቂ ሰባት በብግዜኡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክጒዓዙ ከለዉ ካብ ተፎጥራዊ ሓደጋታት ክድሕኑ ወይ ድማ ዝሓሸ ናይ መነባብሮ ኲነታት ከናድዩ ክብሉ ኢዮም። እቲ መጀመርያ ዘሰፈሩዎ መሬት ዘይናቶም ናይ ተፈጥሮ ህያብ እንዳሃለወ ከሎ ብስም ቀዳሞት ሰፈርቲ ከም ናቶም ጌሮም ይቆጻጸሩዎ። ኣብኡ ቀዋሚ ናብራ ብምጅማር ክኣ ዝመረጽዎ ስም ሂቦም ዓዲ ይምስርቱ።

ዝቃጸጾም ስለዘይደልዩ ክኣ ነታ ዓዶም ካብ ዝዀነ ግዳማዊ ማለት ካልእ መጓሰ ናይ ደቂ ሰባት ብዘለዎም ዓቕሚ ይከላኸሉላ። ልዕሊ ዓቕሞም ብዝዀነ ወይ ድማ ብኻልእ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ካልኦት ክሕወስዎም ይኽእሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ክኣ እታ ዓዲ ገዛ ዓዲ እገሌ-ገዛ ዓዲ እገሌ እንዳተባህለት ትከፋፈል እሞ ነናቶም ኣመጻጽኣን ታሪኽን ይዝንቶ።

እንዳተራብሑ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ክኣ ታሪኽ ብዘምጽኦ ምኽንያታት ናብ ወረዳን ኣውራጃን ሃገርን ይሰጋገሩ። ናይ ኤርትራ ዓድታት ብኸምዚ ዘተጠቕሰ ዝመስል ጒዕዞ ኢየን ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለውኦ ደረጃ ምዕባለ ናይ ሃገር ክበጽሓ ክኢለን።

ዓድታት ተመስሪተን ንዘልኣለም ዝነብራ ኣሃዱታት ኣይኰናን። ክጽገናን ክህደሳን ድሕሪ ምጽናሕ  ምስፍሕፋሕ ናይ ከተማታት ኣብ ዝመጻሉ እዋን ደረጃ ብደረጃ ኩሉ ምሉ ከም ዝሃጥማ ይዀና። እዚ ህጥመት’ዚ ናብ ከተማታት እንዳተቐየራ ይኸዳ ከም ማለት ከስምዕ ኣለዎ።

ኣነ ብዝፈልጦ ናይ ከተማ ኣስመራ ክወስድ እንድሕሪ ኰይነ ሓያለይ ዓድታት ብኸተማ ኣስመራ ተዋሒጠን ተቐይረን ኢየን። ምናልባት ስም ጥራይ ሒዘን ተሪፈን ክዀና ይኽእላ። ኣነን ከምዚ ኸማይን ዘርከብናሉ ብግዜ ከንቲባ ሓረጎት ዳሕራይ መጥፊኢቱ ደጊያት ዘተሸመ መንግሰተ ሰማይ ንዕኡን ንመዛንኡን የዋርሶም፡ ነቶም ከባቢ ከም ብዓል ዓዲ ሰጒዶ መሬትኩም ተማስሕዎ ክብሎም ይዝከረኒ።

ከንቲባ ሓረጎት ተማስሕዎ ክብሎም ከሎ መሬቶም ብገለ ምኽንያት ኣብ ዘመተ ከይኣቱ ኢሉ ስለዝገመተ ኢዩ። እቶም ለባማት ፍርቁ ሸይጦም በቲ ሽያጥ ጌሮም ነቲ ዝተረፈ ገዛውቲ ክሰርሕሉ ከለዉ፡ እቶም ብዓል ነግዲ ኣምሩ ክኣ መለሊኽ ዓቲሮምሉ ተወዲኡ።

ብዝዀነ ኣበሃህላይ ንምንጻር ከተማታት ክሰፍሓ ከለዋ እቲ ኣገባብ ማእቶት ናይታ ሃገር እንዳተቐየረ ይኸይድ እሞ እተን ዓድታት ሓድሽ መልክዕን ትሕዝቶን ይህልወን ንምባል ዝኣክል ኢየ። ህድሞታት ኣጒዶታት ናብ መረብዓታት፡ ናብ ዓበይቲ ህንጻታት፡ ሕርሻታት ናብ ምዕቡል ናይ ሕርሻ ትካላት፡ ሃገር ናብ ፋብሪካታታትን ዝተፈላለዩ ቤት ዕዮታትን ተሰጋገር።

ኣብያተ ትምህርትታት ኣብያተ ሕክምናታት ኩሉ ዓይነት ዘመናዊ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ ትካላት ከም መተካእታ ናይቲ ዝነበረ ኣረጊት ኣነባባር ከም ዘንጸባርቕ ይኸውን። ካብ ከምዚ ዝኣመለ ወድዓዊ ኲነታት ክኣ እቲ ዝዓበየን ኣገዳስን ዝዀነ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ናይ ደቂ ሰባት ይህሉ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባሌ ዘይኰላለፍ ዕድል እንተድኣ ረኺቡ፡ ኣብቲ ሃገር ዘለዋ ዓድታት ዕድሚኤን ኣብቂዑ ኣብ ሰኪዐት ናይ ከተማታት ኣትየን ከምዘይነበራ ይዀና። ኩሎም መዘናግዒታት ወይ ሰፖርትታት ኣብ ዓዲ ዝነበሩ ክኣ ብናይ ከተማታት ምዕቡላት መዘናግዒታትን ሰፖርትታትን ተተኪኦም ብሓጺሩ ክኣ ሓድሽ ባህሊ ከም ዝውለድ ይኸውን።

ብመሬት ዓድታቶም ዝምክሑን ብርቡኦም ዝፍክሩን ዝነበሩ ክኣ ብኸተማታቶምን ብጋንታታቶምን ብሃገሮምን ከከም ኲነታቱ ኣብ ውድድር ኣትዮም ተፈላጥነቶም የርእዩ። ወዲ ዓደይ ወይ ጓል ዓደይ ዝበሃል ኣዘራርባ ናብ መሳርሕተይ ወዲ/ጓል ጋንታይ ወዲ/ጓል ከተማይ (city)፡ ወዲ ኣውራጃይ (state or province) ወይ ናብ ወዲ/ጓል ሃገረይ (ኔሽን) ይቕየር።

ዓዲ ክትቅየር ከላ ኩሉ ወይ ዳርጋ ብምልኡ እቲ ዝነበረ ሕግታትን ቅጥዕታትን ናብ ሓድሽ ቅዋማትን ፖሊሲታትን ናይ ነብሲ ወከፍ ደረጃታት ናይታ ሃገር ይቕየር። ሰባት ማእቶቶም ዝበዝሕን ዝውሕድን ብደረጃ መሃዚ ኣመንጫዊ ቍጠባዊ ብቕዓቶምን ትምህርታዊ ደረጂኦምን ይኸውን።

ትምክሕቲ ዘየድሊ’ኳ እንተዀነ ካብ’ቲ ጸቢብ ናይ ሩባን ኲርባን ናይ ዓድን ዝነበረ ናብ ናይ ሃገርን ኣብ ቲሕቲኣ ዘለዋ ትካላትን ይሰጋገር። ሓበንን ኲርዓትን ግን ኣገዳስን እንታይ ጌርካን እንታይ ትገብር ከም ዘለኻን ዝሕብርን ስለዝዀነ፡ ብቝጠባ ይኹን ብፖለቲካ ወይ ብስነ-ኪነታዊ ምዕባለ ኣነ ኢየ ስዒረ ኣነ ኢየ ቀዳማይ እንተበልካ ዝቐንኡልካ እምበር ዝጸልኡኻ ብቑዕ ምኽንያት ኣይህልዎምን።

እዚ ኹሉ ዝብሎ ዘለኹ ኤርትራውያን ብዓድናን ርስትናን ጒልትናን ክንሕበንን ክንኰርዕን ክንፍክርን ኣገዳስን ኣድላይን እኳ እንተዀነ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ምግናን ኣትዩ እምብዛ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ፈሲሱ ንሃገራዊ ሓድነትና ክትንክፎን ከህስሶን ከሎ ከነስተብህለሉ ብዘይ ምኽኣልና ኢየ።

ኣበሃህላይ ናይ ኤርትራ ህዝባዊ ትሕዝቶ ወይ ደቂ ኤርትራ እቶም ዓድታት ዘለዎም ጌርና ጥራይ ብምውሳድ ምስቶም ኣብ ከተማታት ኤርትራ ንመዋእላት ዝነበሩን ዝነብሩ ዘለዉን ኣብ ሃገራዊ እጃም ብጺሒትን ተሓላቕነትን ዘይንፈላለ ምዃንና ካብ ዘይምርዳእ እንገብሮ ሃገራዊ ዕንወት ንምሕባር ዝኣክል ኢየ።

እዚ ኣረኣእያ’ዚ ኣዚዩ ጸቢብ ስለዝዀነ ንህዝባዊ ውህላለ ናይ ኤርትራ ብምልኣት ዘይገለጽ ኢዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቶም ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝፈለሱ’ሞ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ሰፊሮም ሂወቶም ክመርሑ መዋእላት ዝገበሩ ኣብ ምትፍናን ኣእትዩ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነት ኣሻሕኪሩ ካብ ሃገራዊ ፍቕሪ ከምዝዛዝዉ ገይሩ ጒድኣቱ ብዘየገድስ ናብ ዘየድሊ ኣወዳድባ ከም ዝግዕዙ ዝገብር ኢዩ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሓደ ዓቢ ሽግር ኣብ ሕብረ-ብሄርነታዊ ሃገራት ዘጋጥምን መለኽቲ ዝምዝምዝዎን ኣፍራሲ ዝዀነ ማህጸን ናይ ምፍንጫል፡ ኣብ ግሁድ መጽናዕቲ ስለዘይኣተወ ክሳብ ሕጂ ንዕኡ ዝኸውን ንቕሓት ገና ኣየጥረናናን ክብል እኽእል።

እንግድዓና ዘይንፍትሽ እንዳዀንና እምበር፡ ኣብ ታሪኽ ሰውራና ምልስ ኢልና እንተድኣ ርኢና ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግር ኣጋጢሙና ንዋያ ወይ ንበላዒ ከም ብዓል ኢሳያስ ኰንና ኢና። ብዙሓት ኣብ ኤርትራ ተወለድትን ዕባያትን እንፈልጦም ኣዕሩዂትናን ከይተረፉ ብግርህና ብሓባር ተሰሊፍና ብዓይኒ ጥርጠራ ስለዝተጠመቱን ዝተዋሰኑን፡ ወይለይ ኣብ ዘይቦታና እባ ኢና መጺእና ዘለና ብማለት ቀስ ብቐስ ኣተሓሳስባ ቀይሮም ገዲፎሙና ከይዶም መሳርሒ ብዓል ኢሳያስ ዀይኖም ኢዮም። ክላብ ሕጂ እንተዀነ’ወን ካብዚ ሓደገኛ ሕማም’ዚ ሓራ ክወጹ ዘይክኣሉ ውሑዳት ኣይኰኑን።

ንብዓል ኢሳያስ ክኣ ሽሻዮም ሰሪዑሎም ነዚ ኸምዚ ዝበለ  ኣጋጣሚ ንህዝብና ክብትኑ ዓቢ መሳርሒ ኰይኑዎም ኢዩ።

ስለዚ ዓድታት ኤርትራ ብመንጽር ሃገር ክንርእየን ከለና መጻኢ ዕድለን ማለት ነበርቲ ከምዘይኰናን ኣብ ግምት ብዘእተወ መንገዲ ተረዲእና ሃገራዊ ትሕዝቶና እንታይን-እንታዎትን ከም ዘጠቓልል እንድሕሪ ተረዲእና ጥራይ ኢና ምፍቶ መለኽትን ወረርትን ክንከውን ዘይኽእል።

ውድባት ባይቶታት ሃገራት ምልኣተ ውክልና ነባሮ ወይ ሰብ እጃም ኣብ ግምት ዘየእትዋ እንተድኣ ኰይነን ብዘይምትእምማን እትሳቐ ነቕ-ነቕ እትብል ሃገር ኢያ ትህልወን። እዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣባላት ናይታ ሃገር ንሃገሮም ክንዲ ዝከላኸሉ ግዙኣት ናይ ውልቀ-ሰባት ኰይኖም ከይተፈለጦም ጽግዕተኛታት ናይ ጓኖት ዝዀኑሉ ኲነታት ይፍጠር። ሃገራት ስሉስ ዓለም ካብ’ዚ ሕማም’ዚ ክገላገላ ብዘይምኽኣለን ፍሕት ከይበላ መጻወቲ ዘይናቶም ዝግብቱ ስሱዓትን ግደማውያን ወረርትን ከምኡ ድማ ውሽጣውያን መለኽትን ኰይነን ኣብ ዕድመ ጥራይ ምቝጻር ካብ ምዕባሌ ተዓጊተን ኣደዳ ሕሰም ኰይነን ጎተት ይብላ ኣለዋ። እዚ ምእንቲ ከይከውን ኣተሓሳስባና ብዛዕባ ዓድታት ክሰፍሕ ኣለዎ።

 

ገዛእቲ ሓይልታት ዝብላዕ ዝስተ ስኢኖም፡ ዘይብሎም ኰይኖም ኣይኰኑን ናይ እንዳማቶም ዝጥምቱ። መብዛሕትኦም ልዕሊ ህዝቦም ዝብላዕን ዝስተን እንዳሃለዎም ከሎ ናቶም ከዚኖም ናይ እንዳማቶም ዘማዕድው ፍቕሪ ዝረሓቖም ኣይኣኽለንን ዝለመዱ ስሱዓትን ጨካናትን ካብ ድኹም ዝምንጥሉ ብምዃኖም ኢዩ።

እዞም ምዕራባውያን ይኹኑ ምብራቓውያን ገበትቲ መንግስታት ዓለም፡ ዋላ ብድንግልና መሬቶምን ብትምህርታዊ ዓቕሚ ህዝቦምን ልዕሊ ኹሉ እንዳዀኑ ከለዉ፡ ብሰንኪ ስስዐን ዘይናትካ ምድላይን ግን ንዓለም ቅሳነት ከሊኦማ ይርከቡ።

ዋላ ኣብዛ ወግሐ-ጸብሐ ተኸኽ ተብለና ዘላ ጎረቤትና ኢትዮጲያ እንተርኢና፡ ንስለ ሓቂ ክንዛረብ እንተዀንና፡ እስከ ንሕተት ኤርትራዶ ትልምልም ኢትዮጲያ? ወዮ ኣመል ምስ መግነዝ ዝብሃል ምስላ ድኣ ብጥራዩ ኣይተመሰለን እምበር፡ ብምልምላማን ተፎጥራዊ ሃብታንሲ ዝጥቀመላ እንተረኺባ ምናልባት ኢትዮጲያ ካብተን ኣብ ቍጽሪ ሓደ ዝስርዓ ኣብ ኣፍሪቃ ከይኰነት ኣይትተርፍን። ብመሬትን ቀላያትን ድንግልነትን ኢትዮጲያ ኣዚያ እተቕንእ ሃገር ኢያ። ኣዒንቲ ስሱዓት ግን ኣብ ቅድሚአን ደሎ ምኣዲ ኣይርኣየንን ኢዩ።

ነናትካን ታሪኽ ዘረከበካን ዝበጻሕካዮ ታሪኻዊ ምትእስሳራት ባህልኻን ድኣ ወሳንን ተፈታውን ኣብ ለውጢ ከተእትዎ ክኣ ዘይክኣል ኰይኑ’ምበር፡ ከምቲ ናቶም ገዲፎም ንኤርትራ ተመንዮም በከንቱ ደም ውጹዕ ዘፍስሱ ዘለዉ፡ በሉ እዛ ኤርትራ ክንህበኩም እታ ኢትዮጲያኹም ሃቡና እንተንብሎም እኮ ፌጺሞም ሕራይ ኣይምበሉን። ወዮ ስስዕቲ ዘይናትካ ምጥማትከ ኣበይ ካእትዉዋ። ደይናቱ ለኪሙ ንኽልተ ዝደሊ ስሱዕ ግን ነታ ሓንቲ ናቱ ክስእናን ሰላም ክርሕቆን ኣብ ዕግርግር ክነብርን ምዃኑ ኣይርድኦን ኢዩ።

ብዝዀነ ኤርትራውያን መፍቶ ስሱዓትን ገበትን መለኽትን ከይንኸውን እንድሕሪ ደሊና በዘይካ ሃገራዊ ሓድነትናን ሓባራዊ ጽንዓትናን እንተዘይኰይኑ ካልእ ዋልታ የብልናን። ሓድነት ክህልወካ ግን ነቶም ህዝባዊ መትንታት ኣብ ሃገርካ ዘለዉ ብምሉኣቶም ከተተኣሳስሮም ክትበቅዕ ኣለካ። እዚ ማለት እቶም ኣባላት ናይታ ሃገር እቶም ዓዲ ዘለዎም ጥራይ ከምዘይኰኑ እኹል መጽናዕቲ ወሲድካ፡ ሓንቲ ሃገር ናይ ደቂ ዓዲ ንብረት ጥራይ  ዘይኰነትስ ናይ ኩሎም ኣባላታ ኣብ ዝተቐመጡ ይቀመጡ ብዘየገድስ ክትኣምነሉ ይግባእ።

ሓባራዊ ዋንነት እንድሕሪ ተረጋጊጹ ጥራይ ኢዩ ምትእምማን ፈጢሩ ሃገራዊ ሓድነት ክወልድ ዝኽእል። ኣብዚ እዋን’ዚ ክኣ’የን ስስዐን ምልክን ጸቢብ ዕድል ዝህልወን።

 

ሎሚ ዓድታትና ብኸተማታት ክንዲ ዝጽለዋ’ሞ ናብ ምዕባሌ ክንዲ ዝሰጋገራ፡ ከተማዊ ትሕዝቶና መኺኑ፡ ዘለዉና መንእሰያት ዳርጋ ኹሎም ካብ ደቂ ገጠር ዘይፍለዩ ኰይኖም፡ እታ ዝማዕበለት ከተማና ክኣ ሳዋ ኰይና፡ ምንእሰያት ዝምዕብሉላ ዘይኰነትስ ዝስደዱላ ዝለዓለ ትሕዝቶኣ መደበር ግዱድ ዕስክርናን ጓይላን ኰይና ዘላ ኢያ። ብኻልእ ኣዘራርባ ምዃን ኣብዩና ተዀሊፍና’ምበር ዕላማና ካብ ዓድታት ናብ ከተማታት ክንሰጋገር ኢዩ ነይሩ።

ብዝዀነ ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ኣዘማማት ኲነታት ካብ ዘመተ ክንድሕን እንድሕሪ ኰንና ዝነበረ ናይ ህልኽን ንጽባሕ ካብ ዘይጥምት ኣተሓሳስባን ሓራ ክንከውን ኣለና። ኣብ ቃልሲ በበይንኻ ምጅማር ወይ በበይንኻ ምውፋር ዘገርም ኣይኰነን፡ መብዛሕትኡ ሰውራታት ከምኡ ኢዩ ነይሩ። ምሉእ ሃገር ተሰማሚዕካ ገድሊ ኣይትጅምሮን ኢኻ። ከምኡ እንተዝኸውን ምግዳል’ውን ኣድላይነት ኣይምነበሮን።

በበይንኻ ናይ ሃገር ዋናታት ክትከውን ምፍታንን ግን ህዝባዊ ውሕስነት ስለዘይብሉ ተደፋሪ ዝገብር ዓቢ ጌጋ ስለዝዀነ ምእራሙ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ንገድሊ ብዝበዝሐ ሚእታዊ በቲ ዘለዎም ንቕሓት ደቂ ከተማ ኢዮም ዝጅምርዎ፡ ከምዚ እንዳዀነ ከሎ ግን ደቂ ዓዲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ከተማ ኣነ ኢየ ዋና ክብሉ ዘዋጽእ ኣዘራርባ ኣይኰነን። ንእግረ-መንገድይ’ውን እዚ ዝስዕብ ተማሊአ ክኸይድ ኣፍቅዱለይ፦

“እቲ ትሰርሖ ዘለኻስ ትውዕሉ ዲዩ ዋላስ ትምዕብለሉ” ዝብል ኣብ ሓደ ጋዜጣ ኣምቢበስ ኣገዳሲ ኰይኑ ረኺበዮ። እዚ ኹሉ ንቃወሞ ዘለና ብዝተፈላለየ መንገድስ ንስለ ምቅዋም ንውዕለሉን ንሓድረሉን ዲዩ ዋላ ገለ ለውጢ ነምጽኣሉ ኢልና እንተ ንሓስበሉ’ውን ምጠቐመ፡ ምኽንያቱ ካብ ሓደ ደረጃ ናብ ካልእ ደረጃ ንሰጋገር ምህላውናን ዘይምህላውናን ክንግምግም ምኽኣልና። ኣካያይዳና ኣብ ሓደ ዓይነት ዘመቻ ጥራይ ዘለና ኢና ንመስል። ብግምተይ ገለ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ክንገብር የድልየና ኣሎ ብሃላይ ኢየ። ዳርጋ ኩላትና ምሁር ዘይምሁር ምኩር ዘይምኩር ዓቢ ንእሽቶ ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ናብ ሓደ ዓይነት ሰማዒ ኢና ከነመሓላልፍ ንውዕልን ንሓድርን ዘለና።

ብፍላይ ተፈላጥነት ዘለዎም ምሁራት ሎሚ ንኤርትራዊ ፈቖዶ ከተማታት ኣኪቦም ሰብ ዝረብረበሉ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ብብዙሕ መንገዲ መኽሰብ ዘለዎ ኰይኑ ኣይስምዓንን። ኣብዚ እዋን’ዚ ንኤርትራዊ ኣብ ነንሓድሕዱ ንዘሎ ኲነታት ዝሕብሩ መሊኦም ኣለዉ። ንህዝቢ ዓለምን መንግስታቶምን ንኲነታትና ብዘይ ዕረፍቲ ዘቃልሑን ድቃስ ዝኸልኡን በላሕቲ ሰባት ኢዮም ተሳኢኖም ዘለዉ።

ሊቃውንትናን ምሁራአትናን ሎሚ ዓቕምታቶም ክዕቆር የብሉን። “እንታይ ኢልክዮ ኢኺ ንሎሚ ዘይኰነ ሰኲዕዮ ኣብ ዕነ” ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ንሓድነት ኣፍሪቃ፡ ንዓበይቲ ትካላት ረድዮ ቲቭን ማዕከናት ከም (ቢቢሲ)፡ ሲኤንኤን፡ ኣል ጀዚራ፡ ኣርቲ፡ ወዘተ…ክነቓንቕዎ ኣለዎም።

ደረፍቲ ሓረስቶት ሃገርና “ኣነ ክሓርስ ንስኺ ጎልጒሊ፡ ዳጒሳ ኢዩ ልዕል መበሊ ኢሎም ይደርፉ ነይሮም።እዚ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ማለት ኢዩ። ናይ ስራሕ ምክፍፋልን በብደረጃኻ ክብደት ዘለዎ ስራሕ ምትግባርን ናብ ለውጢ ስለ ዘሰጋግረካ መን ተዛሪቡ ዘይኰነስ እቲ ቀንዲ ቍምነገር ኣበይን ንመንን እንታይን ተዛሪቡ ኢዩ ዓቢ ግምት ዝወሃቦ። እዚ ተግባር’ዚ ንምትግባር ናይ ግድን ስምረት ዝጠልብ ስለዘይኰነ ተባዓት ክኢላታት ምሁራት ብቑዓት ሰብ ሓልዮት ውልቀ-ሰባት ኣብ ግብሪ ክትርጒምዎ ይኽእሉ ኢዮም። ናይ ሓደ ተራ ሰብን ናይ ሓደ ምሁርን ክብደት ናይ መልእኽቲ ወንጮ እንተገምጠልካዮ ወንጮ ክኸውን የብሉን። ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ኣርእስተይ ከይርሓቕኩ ክድምድም፦

1) ዓድታት ኤርትራ ነበርቲ ከምዘይኰና ምርዳእን እንታይነተን ንኸተማታት ከረክባ ምዃነንን ምርዳእ

2) ዓድታት ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ዋናታት’ኳ እንተሃለዉወን ደቂ ዓዲ ኣብ ሃገር መሻርኽቲ ከም ዘለዉዎም ዘይምዝንጋዕ

3) ደቂ ከተማን ደቂ ዓድን ኤርትራውያን ደቂ ሓንቲ ሃገር ስለዝዀንና ንሃገርና ብሓባር ስለ እንውንና ብሓባር ብምትእምማን ክንቃለሰላ ከምዝግብኣና ምፍላጥ።

4) መለኽቲ ከም ብዓል ኢሳያስ ንሰንኮፍ ኣረዳድኣ ህዝብና ተጠቒሞም ገዛዚዖም ናብ ጊልያታት ከምዝልውጡና ምግንዛብ

5) ኣብዚ ዘለናዮ ደረጃ ምዕባሌ፡ ደቂ ዓዲ ብመሬቶም ደቂ ከተማ ክኣ ብንበረቶም ዝትንክፎም ዘይብሎም ሰብ ምሉእ እጃም ናይ ሓንቲ ሃገር ምዃኖም ምርዳእ

6) ይትረፍዶ እቶም ብኢሳያስ ዝታለሉስ ዋላ እቶም ዘይንጠቕሶም ከም ብዓል ሶማላውያን ቶዃሪር ኣዕራብ ባይናን ወዘተ… ብሕጊ እንተድኣ ኤርትራውነት ሓቲቶም ዴሞክራሲያዊ ሕጊ ኤርትራ ብሕጊ ክምልሰሎም ምዃኑ ምልላይ

7) ዓድታትን ከተማታትን ኣውራጃታትን ኣብ ትሕቲ ሓደ ናይ ሓባር ገዛኢ ቅዋም ዝነባበራ ዓለማት (satellites) ናይ ሓንቲ ሃገር ስለዝዀና ብማዕርነት ዝጥመታ ምዃነን ምፍላጥ።

8) እቲ ዝዓበየ ግዙፍ ጠማሪ ዕላማና ስተራተጂ ሃገር እምበር ሰትራተጂ ዓዲ ከምዘይኰነ ንሃገራዊ ትሕዝቶና ኣዳቒቕና ብምጽናዕ ናይ ሓባርን ነባርን ቃልሲ ከነካይድ ከምዝግብኣና ብምግንዛብ ዓወትና ቀረባ ከምዝኸውን ምግባር።

ኤርትራ ሃገርና ኣፍ ኣውጺኣ ትዛረብ ነይራ እንተትኸውን፡ ብዓል መን ’ዮም ዋናታትኪ? ደቂ ከተማ ዲዮም ደቂ ዓዲ እንተንብላ፦ ንመንኩም እሞ ክብል ኢየ፡ ኩሉኻትኩም ለይትን ምዓልትን ካብ ትረግጹኒ መዋእላት ሓሊፉ ምበለትና ነይራ እንዳበልኩ፡ ከም ቀደምና ሰናይ ቅነ።

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Danilo November 7, 2018

    እቅረታ ኩቡር ኣፈልፋሊ ሓሳባት ወይ’ውን ኮኾብ ገጣማይ ባሻይ,እዚ ኹሉ ኣስተምህሮ ብዘስቆርቈር ርእይቶ ዘይምቅባልና ዘሕዝን እዩ።ከመይ’ሲ ኣብ “ኣንጭዋ ጸደፈት ዱሙ ተዓንቀፈት” ብምድሃብና እዩ።ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ወርቃዊ ቃላትናን ሙሩጽ ሕግታትናን ብዘይ ምኽባርና ጥራሕ ጉዕዞና “ቃራና መገዲ፡መዓልቦና እንዲዒ” የሰውረና ካብ ሰሩ መዓቱ!!!።

POST A COMMENT