Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሊጡ ሱዳን ዝኣተወ፣ ብሰንኪ ምቑሕ ጨካን ስርዓት ኢሳይያስ ኢዱ ሓሊቓ ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ ዝወደቐ ወዲ 19 መንእሰይ ኣብ ሕክምና ከሰላ ብዝተገብረሉ መጥባሕቲ ኢዱ ከምዝተቖርጸ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ጽባሕ ጽምብል ናጽነት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና፣ ኣሰና ዳት ኮም፣ “ ናይ ምቝራጽ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎ ኣሎ “ ክንብል ጠቒስናዮ ዝነበርና፣ ካብ ማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሊጡ ሱዳን ዝኣተወ፣ ቢንያም ገብራይ ናይዝጊ ዝተብህለ ወዲ 19

ኣብ ጽባሕ ጽምብል ናጽነት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና፣ ኣሰና ዳት ኮም፣ “ ናይ ምቝራጽ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎ ኣሎ “ ክንብል ጠቒስናዮ ዝነበርና፣ ካብ ማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሊጡ ሱዳን ዝኣተወ፣ ቢንያም ገብራይ ናይዝጊ ዝተብህለ ወዲ 19 መንእሰይ ብሰንኪ’ቲ ‘ቅጥዒ ዘይብሉ ምቑሕ ጨካን ስርዓት ኢሳይያስ ኢዱ ብምሕላቓ ኣብ ሕክምና ከሰላ ብዝተገብረሉ መጥባሕቲ ኢዱ ከምዝተቖርጸ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እቲ መንእሰይ፣ ካብ ተሰነይ ንጎልጅ ክኸይድ ከሎ፣ ናብ ሱዳን ክትሃድም ሓሲብካ ተባሂሉ ቅድሚ 13 መዓልታት ድሕሪ ምእሳሩ፣ በቲ ዝወረዶ ጽኑዕ ማእሰርትን ምቕጥቃጥን እዱ ስለዝሓለቐት፣ ህይወቱ ንምድሓን ተባሂሉ ናይ መቝረጽቲ መጥባሕቲ ከምዝተኻየደሉ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

እዚ ኣብ ንእስነቱ ኢዱ ስኢኑ ዘሎ ምስኪናይ መንእሰይን ካልኦት ድምጾም ዘይተሰምዐ ብዙሓት ግዳያትን ከምዚ ብዝኣመሰለ ጭካኔ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክሳቐዩ ከለዉ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብስም ናጽነት ኣብ ዝተኸሎ ዳሳት ናይ ረኣዩለይ ስምዑለይ ዳንኬራ ክገብር ምቕናዩ፣ ነቲ ብሰንኪ ኣጉል ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ተጋራጫዊ ክዉንነት ዘንጸባርቕ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • berie haqi May 31, 2015

    ምጒዱራት ካብዚ ሓሊፍኩም ድኣ እንታይ ክትዋጥዩ : ኣደይ ኢታይ ደሪፈን : ፈላሲ ሳዕሲዑ እናበልኩም እቲ ምዕራብ ኣብዩኩም ዘሎ ሃየ ደግፈኒ : ካብ ስራሕ ብኹራት : ካብ ሓሳብ ምኹናት : ኣብ ዝሰርሑልኩም ኣደራሽ ሽነን : ብሰሪሖም ዝሃብኹም መቕነን : ተረፍ መዳሕንቲ : ዘይህሉዋት ኣለና ድኣ በሉ : ካብ ትሕቲ ባይታ ዝወጻእኩም ክትመስሉ : እምበር ኤርትራስ ክሕእልፈላ እዩ : ንክሕእልፈላ ክኣ እዩ ህዝባ ብጽናዓት ንናይ ጽባሕ ውሑስ ልምዕእት እጅጊኡ ሰብሲቡ ኣብ ስራሕ ዝተማተም ዘሎ : እቕረ ዘመድ ኣይለመድ እዩ ነገሩ :

  • Genet-orginal June 2, 2015

    This is the worst thing to happen to any young man or woman.
    Like any other Justice seeker, I feel very sad for this young man. But how do we tell this kind of crime to the diaspora Eritrean, who are lying every day to protect and support the cruel system in Eritrea. Around the western world, diaspora Eritreans are attending their children’s high school graduation and happy. Yet they support a system who is cutting a 19 years old young man’s hand, who is precious to his family, as their children are to them. How do we tell them, what they are supporting is wrong? When they are able to keep their children safe outside of Eritrea, other Eritrean families in Eritrea are not able to keep their children safe under the current system in Eritrea.
    How do we go about to make it right? what is wrong with US Eritreans?
    God bless this young man and others like him.
    Genet-O

POST A COMMENT