Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ምዝዋር መኪና ሕሩማት ዝነበራ ደቀንስትዮ ስዑዲ ዓረብ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊአን ጸኒሑ ዝጸንሐ እገዳ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ፍርቂ ለይቲ ድሕሪ ምብቅዑ ኣብ ጽርግያታት `ታ ሃገር መካይን ክዝውራ ጀሚረን።

ካብ ምዝዋር መኪና ሕሩማት ዝነበራ ደቀንስትዮ ስዑዲ ዓረብ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊአን ጸኒሑ ዝጸንሐ እገዳ ናብ ሎሚ ካብ ዘውግሐ ፍርቂ ለይቲ ድሕሪ ምብቅዑ ኣብ ጽርግያታት `ታ ሃገር መካይን ክዝውራ ከምዝጀመራ ስካይ ኒውስ ሓቢሩ። ሓንቲ

ካብ ምዝዋር መኪና ሕሩማት ዝነበራ ደቀንስትዮ ስዑዲ ዓረብ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊአን ጸኒሑ ዝጸንሐ እገዳ ናብ ሎሚ ካብ ዘውግሐ ፍርቂ ለይቲ ድሕሪ ምብቅዑ ኣብ ጽርግያታት `ታ ሃገር መካይን ክዝውራ ከምዝጀመራ ስካይ ኒውስ ሓቢሩ።

ሓንቲ ሰዓት ቅድሚ ምእካሉ ብበዓል ቤታ ኣብ ዝመርሓ መኪና ከተማ ወሪዳ፡ እገዳ ዘብቅዓሉ ሰዓት ምስ ኣኸለ ብኡንብኡ መኪና ምምራሕ ዝተተሓሓዘቶ ተሃኒ ደስማኒ ዝተባህለት ኣደ 5 ቆልዑ፡ ምዝዋር መኪና ንደቀንስትዮ ስዑዲ ኣዝዩ ዓቢ ጉዳይ ምዃኑ፡ ናጽነት ከምዝህበን ብምጥቃስ ሓጎሳ ከምዝገለጸት ስካይ ኒውስ ይገልጽ።

ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ዝሓለፈ መስከረም እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ ምምራሕ መኪና ዝእግድ መምርሒ ከብቅዕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ደቀንስትዮ ልቸንሳ ምዝዋር መኪና ክሕዛ ከምዝጀመራ ይፍለጥ።

Subscribe to ASSENNA NEWS CHANNEL 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • zeregabir Teaghes June 24, 2018

    Great ya Salman, haya wo afia alek.
    Do the Arab world back to development. Religion is secondary….Education is primary.

  • Godaif June 25, 2018

    ዘገረም እዩ። ኣንታ እዞም ዓረብ እባ ኣመና ስልጡናትን ምዕቡላትን እባ እዮም። መበል ዕስራን-ሓደን ክፍለ ዘመን ፤ ኣብ ካለኣይ መዋዕል ፣ ዓሰርተው-ሸሞንተ ዓመት ሓሊፉዎ እንከሎስ ፣ ንኹልና ቀዲሞምና ? ሕጂ ድማ ነተን ኣዋልድን ደቀንስትዮን ዓረብ ገመል ምጉታት ጥራይ ዘይኮነስ ፣ መኪና ተወጢሔን ክዝውራ ፈቒዶምለን ፧
    መቸም ከምዚ ዝበለ ምዕቡል ስጉሚ ኣብ ታሪኽ ዓለም ተራእዩ ኣይፈልጥን። እዞም ዓረብ ኣባ ሓቖም እዮም ፤ ነዚ ከምዚ ከማና ዝኣመሰለ ቋንቋታቱ ዝፈንፈነ ፤ ፊደላቱ ብሓዊ ዘንደደ ፤ መንነቱን ታሪኹን ጠሊሙ በቲ ናይ ባዕዲ ሽምድን ቋንቋን መንነትን ወደኽደኽ ዝብል ኣመና ንዕቕ ዘብልዎ ። እንታይከ ይብልዎ … ? ደሓን ንግደፎ።
    ኣንቱም ሰባት ኣባሓጎታትኩም ዓባያትኩም ሕጊ እንዳባኹም ፤ ስልጣነን ማእከልን ኣኽሱም መጠራ : ቆሓይቶ ድባርዋን ሚናበዘርኣይን ፣ ኣዱሊስ ይሓን ኣገውን : እስካብ ክንደይ ምዕቡል ከምዝኾነስ መዓስ እዩ ዝስቆረኩም? !

POST A COMMENT