Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያ ዝተበገሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምውዳቓ ኣብኣ ተሳፊሮም ዝነበሩ 157 ተጓዓዝትን ኣብረርትን ብምሉኦም ከምዝሞቱ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያ ዝተበገሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ንጉሆ 10 መጋቢት 2019፡ ሰዓት 8፡44 ንጉሆ ብናይ ኢትዮጵያ ኣቆጻጽራ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ (ደብረዘይት) ድሕሪ ምውዳቓ ኣብኣ ተሳፊሮም ዝነበሩ 157 ተጓዓዝትን ኣብረርትን ብምሉኦም

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያ ዝተበገሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ንጉሆ 10 መጋቢት 2019፡ ሰዓት 8፡44 ንጉሆ ብናይ ኢትዮጵያ ኣቆጻጽራ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ (ደብረዘይት) ድሕሪ ምውዳቓ ኣብኣ ተሳፊሮም ዝነበሩ 157 ተጓዓዝትን ኣብረርትን ብምሉኦም ከምዝሞቱ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

ኣብታ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁጽሪ በረራ ET302 ተሳፊሮም ዝነበሩ ሓደጋ ሞት ዝበጽሖም ገያሾ ዛጊት፡ 32 ኬንያውያን፡ 18 ካናዳውያን፡ 9 ኢትዮጵያውያን፡ 8 ቻይናውያን፡ 8 ኣመሪካውያን፡ 8 ኢጣልያውያን፡ 7 እንግሊዛውያን 7 ፈረንሳውያን፡ 6 ግብጻውያን፡ 5 ሆላንዳውያን፡ 4 ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፓስፖርት ዝሓዙ ዜጋታት ከምዝነበሩዎም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣገንዚበን ።

 

ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ መራሒ ናይታ ነፋሪት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ምስ ግራውንድ ቴክኒሻንስ መልእኽቲ ተለዋዊጡ ከምዝነበረ እቲ ዜና የረድእ።

 

1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንቤተሰብን ሃገራትን ናይተን ካብ 33 ሃገራት ከምዝመጹ ዝተነግረሎም ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ዝኾኑ ዜጋታት ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • sami March 11, 2019

    Rest in peace to all the unfortunate passengers who lost their precious lives and condolences to all their families and friends. Accidents do happen all the time and all over the world in all shapes and sizes. RIP.

POST A COMMENT