Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ መንፈሳዊ መንነታን ተልእኮኣን

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ መንፈሳዊ መንነታን ተልእኮኣን መባእታ፡ መንነትን ተልእኮን: ነንሓድሕዱ ይገላለጽ እዩ። ግን፡ ኣብ ልዕሊ ጉዳይ ካቶሊካዊት ቤተክርድትያን ኤርትራን ናይ ጥዕና ትካላታን ሕሙማትን ዝተፈጸመ ግፍዒ ከይኣክል፡ ዘደናግር ኣበህላን ሓሶትን’ውን ኪውስኸሉ ንዕዘብ ኣሎና። ክልተ ነገር ግን ኣሎ፤

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ መንፈሳዊ መንነታን ተልእኮኣን

መባእታ፡

መንነትን ተልእኮን: ነንሓድሕዱ ይገላለጽ እዩ። ግን፡ ኣብ ልዕሊ ጉዳይ ካቶሊካዊት ቤተክርድትያን ኤርትራን ናይ ጥዕና ትካላታን ሕሙማትን ዝተፈጸመ ግፍዒ ከይኣክል፡ ዘደናግር ኣበህላን ሓሶትን’ውን ኪውስኸሉ ንዕዘብ ኣሎና። ክልተ ነገር ግን ኣሎ፤ ሓደሰብ፡ ናይ ሓደ ጉዳይ ኣፍልጦን ሓበሬታን ስለዝጎደሎ፡ ክጋገ፡ ሰብኣዊ እዩ። እንተ እቲ ንዕግርግርን ምድንጋርን፡ ተዓጢቁ ዝግዕር ግን፡ ክሳብ መዓልቱ ኣብዘለዎ እንተኹደደ’ውን ዘሰክፍ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ እቲ ከም ናይ ዓመታት መቐጸልታ ኮይኑ፡ ብ 12 ሰነ 2019 ዓ/ም/ፈ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕዝቢ ኣገልግሎት ዘበርክታ ዝነበራ፡ ትካላት ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ኤርትራን ተኣለይቲ ሕሙማትን ዝተፈጸመ፡ ድርብ ገበንን ጥሕሰት ሕግን፡ መሰረት ብምግባር፡ ብዛዕባ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ መንነትን ተልእኮን፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ብሰብኣዊ ምዕብልና (integral human development) ዝግለጽ ተልእኮ፡ ገለ ሓጋዚ መብርሂ ከቕርብ ጽቡቕ እመስለኒ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ በዓልሥልጣን፡ “መንግስቲ” ኢልካ ክትጽውዖ መሰረትን ብቕዓትን ዘይብሉ’ኳ እንተኾነ፡ ስለቲ ክብረስም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ግን፡ “መንግስቲ ኤርትራ” ክብል እየ።

  1. መንነት ካቶሊካውዊት ቤተክርስትያን፡

ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን፡ 4ተ ሰበኻታት ወይ ኤጳርቅና ዘለዋ ቤተክርስትያን እያ፤ ንሳተን ከኣ፡ ሰበኻ ኣስመራ፡ ሰበኻ ከረን፡ ሰበኻ ባረንቱ፡ ሰበኻ ሰገነይቲ እያተን። ካብ 2015 ድማ፡ እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ፡ ምልኣተ ጉባኤ ጳጳሳት ረኺባ፡ ደረጃኣ ኣበሪኻ፡ ብናይ ገዛእ-ርእሳ ጉባኤ ጳጳሳት ትምራሕ፡ ቤተ-ክርስትያን ኮነት። ግባኤ ጳጳሳት ኤርትራ፡ ብመሪሕነት ሊቀ ጳጳስ ሰበኻ ኣስመራ ይምራሕ። በዚ መሰረት’ዚ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ከም ምሥራቓዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ምሉእ ሕጋዊ ስማ፡ ‘ናይ ገዛእ ርእሳ (መንነታ) ሕጋዊ ኣቃውማ ዘለዋ፡ ቤተክርስትያን ኤርትራ (Metropolitan Church sui iuris Eritrean)[1] ተባሂላ ትጽዋዕ፤ ብመሪሕነት ካቶሊካውያን ኣቡናታን ሕገ-ቆነናኣን፡ እትምራሕ ቤተክርስትያን (autonomous Church)፡ ናጻን ዘይፖለቲካዊትን መንፈሳዊትን ማሕበር እያ፤ ከም ኤርትራውያን ዜጋታት ከኣ፡ ንሃገራዊ ሕግን ፖሊቲዊ ሥልጣንን፡ ንሃገራዊ መሰልን ግቡእን መንነትን እትእዘዝን እትሕሉን እተኽብርን፡ ከም ኩለን ሃይማኖታት፡ ኤርትራዊት እያ።

ካልእ ተወሳኺ ገላጺ ባህሪ’ውን ኣለዋ። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ናይተን ኣብ ዓለም ካብዘለዋ፡ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናት፡ ብሕብረት ዝቖመት፡ ሓንቲ ቤተክርስትያን’ውን እያ። እዛ ናይ ገዛእ-ርእሳ ምልኣተ ምሕደራ ወኒና ትርከብ፡ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ካብተን ነናተን ስምን ታሪኽን፡ ሓደ ሓባራዊ ሕገ-ቆነናን ተመሳሳሊ ሥርዓተ-ኣምልኾን ዘለወን፡ 23 ፍሉያት ምስራቓውያን ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስትያናት (Particular Oriental Catholic Churches) ተባሂለን ዝጽውዓ፡ ሓንቲ እያ። ምስታ ሓንትን ዝዓበየትን ምዕራባዊት (ላቲናዊት) ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን (Latin Catholic Church) ተጠቓሊለን ከኣ፡ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን የቑማ። እዚ ማለት፡ እዘን ዝተፈላለያ ታሪኽን ስምን፡ ሕገ-ቆነናን ሥርዓተ-ኣምልኾን ዘለወን፡ 24 ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርትስትያናት፡ ናይ እምነት ወይ ሃይማኖት ምሉእ ሕብረት (full communion) ኣለወን፤ ብሥልጣን ቅድስቲ መንበር ሮማ ወይ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾነ ጳጳስ ሮማን፡ ብ7ተ ምስጢራትን፡ ካልእ ምስዚኣተን ዝተተሓሓዘ ጉዳያትን፡ ኩላተን ይኣምና። ብዝተረፈ፡ ብኻልእ ጉዳያት፡ ነናተን ታሪኽን ባህልን ሥርዓተ-ኣምልኾን፡ ትምህርተ-መለኮታውን መንፈሳውን መንነት ወይ ልምድታትን ዓቂበን፡ ብናይ ገዛእ ርእሰን ጳጳሳት እናተመሓደራ፤ ከም ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ብሕብረተን፡ ማለት፡ ሕብረት ምስቲ ዘለካ ፍሉይ መንነትን ስርዓትን (unity in diversity) ብዝብል ትርጉም ይግለጻ።

ሃይማኖት፡ ብዛዕባ እምነትን መንፈሳዊ ሕይወትን እዩ ዝግደስ። ብዕላማኡን ኣቃውማኡን ድማ፡ ካብ  መንግስቲ ወይ ፖሊቲካዊ ማኅበር ይፍለ። እቲ ዕላማ ከምዚ ዝበልክዎ ኮይኑ፡ ንኣቃውማ ዝምልከት ግን፡ ቅድስቲ መንበር (እቲ ናይ ዓለም ለኻዊ ካቶሊካዊት ቤተክርስያን መንፈሳዊ በዓልሥልጣን)፡ ሓደ ካብተን ናይ ዓለምና ሃይማኖታት ወይ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ፍልይ ዝበለ ባህሪ ኣለዋ። እዚ ማለት፡ እቲ ሕጋዊ ኣቃውማን ናይ ቅድስቲ መንበር (Holy See)፡ ኣብ ማኅበረሰብ-ዓለም፡ ሃገር ዘይክነሳ፡ ከም ሃገር (sovereign state) ትፍለጠሉ፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ (international law) ፍሉይ መሰልን ግቡኣትን ኣለዋ፤ በዚ መሰረት እዚ፡ ዓለም-ለካዊ ውዑላት ትፍጽም፤ በቲ መንፈሳዊ ግራታ ምስ ፖሊቲካዊ ዓለም ንምስራሕ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ትተክል፤ ኣብ ገለ ትካላት ሕቡራት ሃገራት’ውን፡ ብኣባልነት ትስራዕ። ብርግጽ፡ እዚ ፍሉይ ሕጋዊ ባህሪ ናይ ምውናን መሰል፡ ብመሰረቱ ካብቲ ዝነበራ ሕሉፍ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኣ ናይ ማእከላይ ዘመን፡ ዝመነጨ እዩ። ግን ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ዝነበራ ምስልን ፖሊቲካን ሃይማኖትን ዘጠቓልል ቅርጽን፡ እቲ ካብ 20 ክ.ዘ. ንነጀው፡ ዘለዋ ኣቃውማን፡ በበይኑ እዩ። ንኣብነት፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንኣማኢት ዘመናት ዝነበረን፡ ናይቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ፡ ሕብረት ዘለዎም፡ ናይ ኣማንያን ማኅበር እዃ እንተኾነት፡ ቫቲካን (ወይ ሃገር-ቫቲካን) እትብሃል ግን፡ ብ1929፡ ብውዕሊ “ላተራን” ዝፍለጥ ዝተፈጥረት፤ ቦታ ወይ ከተማ ናይ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርትስያት (ቅ. መንበር) እያ። እቲ አገዳሲ መንፈሳዊ ስርሓት ከኣ፡ በዛ ኣብ ከተማ-ቫቲካን ዘላ፡ ብቅድስቲ መንበር ይፍጸም። ከመይ፡ እቲ ንቅድስቲ መንበር፡ ከም ሃገር ንክትፍለጥ ዘለዋ ፍሉይ ዓለም-ለኻዊ ሕጋዊ ባህሪ ወይ መሰል፡ ካብቲ ዘለዋ ዓለም-ለኻዊ ‘መንፈሳዊ’ ሥልጣን ዝምንጩ ናይ ርእሰ-ኣቃውማ (International legal and moral person) ሕጋዊ መንነት እዩ። ብቋንቋ እንግሊዝ፡ “a sui generis non-State international legal person which borrows its personality from its ‘spiritual sovereignty’ as the center of the Catholic Church” ተባሂላ ትግለጽ።

እምበአር፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ናይ ኤርትራዉያን ካቶሊካውያን መንፈሳዊት ማኅበር’ያ፤ ኩሉ ዕላማታታን ተልእኮኣን ከኣ፡ ንናይ ወዲሰብ መንፈሳውን ሞራላውን (ማኅበራዊን) ምልኣተ ሕይወት ድሕነትን፡ ብሓላፍነት ንምጉሳይ ትሰርሕን ትህሉን። በዚ መንፈሳዊ ባህሪ’ዚ ድማ፡ ብማእከልነት ሥልጣን ቅድሲ መንበር፡ ምስቶም ኣብ ዓለም ምሉእ ዘለዉ ካቶሊካውያን፡  ሃይማኖታዊ (መንፈሳዊ) ሕብረት ይህልዋ። ሕብረታ ከኣ ብተሳትፎ ኤርትራውያን ኣቡናት (ጳጳሳት) ይትግበር።

  1. ተልእኮ ቤተክርስትያን፡

ቤተክርስትያን፡ ከምቲ ስማ፡ ናይ ተኸተልቲ ክርስቶስ ማሕበር ማለት ስለዝኾነ፡ መንፈሳዊት ማሕኅበር እያ። እቲ ተልእኮኣ ከኣ ብመሰረቱ መለኮታዊ ተልእኮ ስለዝኾነ፡ ንመንሳዊ ወይ ወንጌላዊ ዕላማ ዝቖመ፡ ግን ንመንፈሳውን ምድራውን (መንፈሳዉን ሥጋውን) ሕይወት ወዲ ሰብ፡ ብምልኣት ንምግልጋል ትሰርሕ። እዚ ሓደ መንፈሳዊ ተልእኮ’ዚ፡ ብ3ተ ክፍልታት ይግለጽ፡-

ሀ) ወንጌእል ወይ ቃል ኣምላኽ ምስባኽ (proclaiming the word of God);

ለ) ምስጢራት ምዕዳል (Celebrating the Sacraments);

ሐ) ናይ ፍቅሪ ስራሕን ሕንጸተ-ሰብን ምትግባር (Exercising charity & faith in action = integral human development);

 

ቤተክርስትያን፡ ነዘን 3ተ ክፍሊ ስርሓት ወይ ሓላፍነት፡ ከም መለኮታዊ ወንጌላዊ ትእዛዝ፡ ኣጣሚራ ንምትግባር ትጽዕር። እዘን ኣብ ዝሓለፈ 12 ሰነ 2019፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዓሸጋ፡ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ እምበኣር፡ ኣብታ 3ይቲ ክፍሊ ተልእኮ ቤተክርስትያን፡ ማለት፡ ኣብ “ናይ ፍቅሪ ስራሕን ሕንጸተ-ሰብን ምትግባር” (Exercising the ministry of charity, justice, love = integral human development) ዝስርዓ፡ ሐደ ካብ ወንጌላዊ ተልእኮን፡ ብግብረ ገብነታዊ ሚዛን ዝሰርሓ እያተን። ምኽንያቱ፡ እምነት ብቃል፡ ብጥዑም መልሓስ፡ ጥራይ ዝስበኽ ኣይኮነን፡ ብዝበለጸ’ዃ ድኣ፡ እምነት ብግብሪ፡ ብፍቕሪ (faith in action) እዩ ዝፍጸም ወይ ዝስበኽ (ማቴ. 25 ርአ)። መሰረት’ዚ 3ይ ክፍሊ ተልእኮ ቤተክርስትያን (ሰብኣዊ ምዕባለ)፡ ከኣ እቲ፡ “ንኽብሪ ሰብን ሰብኣውነትን፡ ምክንኻንን ምሕናጽን” ዝብል፡ ብቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ መርሕ ወይ መትከል ማሕበራዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እዩ። እዚ ማለት፡ “እቲ ኣምሳል እግዚኣብሔር ዝኾነ ክቡር ሰብ፡ ብሕማም ኮነ ብድኽነት ወይ ብድንቁርና፡ ክሳቐ ኣይግባእን፡ ካብዚ ክድሕን፡ ሓራ ኪኸውን ኣለዎ” ቢላ ስለትኣምን፡ ዓሌትን ሃይማኖትን ጾታን ከይፈለየት እትህቦ ኣገልግሎት ወዲ ሰብ እዩ። እዚ ሰብኣዊ መንፈሳዊ ስራሕ’ዚ፡ ካብ ሙዓለ-ሕጻናት ጀሚሩ፡ ክሳብ ላዕላዋይ ዓውደ ትምህርትን (ዩኒቨርሲቲ) ከምኡ ት/ተ ተግባረ-እድን ኣገልግሎት ኣብያተ-ሕክምናን የጠቓልል። እንተ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ኣይኮነን ነዘን ዝወረሰን ከመሓድርስ፡ እተን ኣብ ኣብ ኢዱ ዘለዋ’ዃ፡ ኣብ ከመይ መዲቐን ከምዘለዋ፡ ንርእየን ኣሎና። ‘ስለምንታይ ድኣ ከምዚ ተገብረ?’ እንተ ኢልካ፡ መልሱ ንምርካብ ዘጸግም ኣይኮነን።

  1. ኣቕዋም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊ መንግሥታዊ ኣዋጅ ቁ. 73/1995

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 1995 ዓ/ም/ፈ፡ “ንጥፈታት ሃይማኖታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ብሕጊ ንምንጻርን ንምሥራዕን ዝወጸ ኣዋጅ፡ ቁጽሪ 73/1995” ዝብል ኣዋጅ፡ ኣውጺኡ ነበረ። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንትሕዝቶ’ቲ መንግሥቲ ዘውጽኦ ኣዋጅ፡ ኣብ 6ተ ነጥብታት ኣጠቓሊላ፡ ኣቅዋማ ገሊጻን ንመብርሂ ንዘድልዮ፡ መብርሂ፡ ንገሊኡ’ውን፡ ብዘየወላውን ቃል፡ ብጽሑፍ መልሲ ሂባትሉን እያ።[2] እቶም ነቕዋም ቤተክርስትያን ንምግላጽ ዝተጻ ሕፉ፡ ኣጠቃለለቲ ኣርእስታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  1. ናይ ሃይማኖትን ፖሊቲካን ምፍልላይ፤
  2. መንግሥትን ሃይማኖትን፡ ብወገን ሞራል ክተሓጋገዙ ከምዝግባእ፤
  3. ምስዳዕ ክልኩል ከምዝኾነ፤
  4. ሰብኣዊ ምዕብልና፤
  5. ሃይማኖታት፡ ካብ ናይ ወጻኢ ተቕዋማት ጸግዒ ወጺአን፡ ብርእሰን ክመሓደራ
  6. ብኤኮኖሚ ዝመጽእ፡ ርእስኻ ምኽ ኣል።

 

ካብቲካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንትሕዝቶ ኣዋጅ መንግሥቲ ኤርትራ ኣመልኪታ ዝሃበቶ መልሲ፡ ገለ ክፋሉ እንሆ። ናይ ሃይማኖትን ፖሊቲካን ምፍልላይ፡ ቤተርስትያን፡ ካብ 20 ክ.ዘ. ንደሓር፡ ብግልጺ እንትሰርሓሉ መትከል ከምዝኾነን፤ መንነታን ዕላማኣን ድማ፡ መለኮታዊ መሰረት ዘለዎ፡ ናይ ባዕላ ሕጋዊ ኣቃውማ ሒዛ ትኸይድ፡ ዘይፖሊቲካዊት ማኅበር ከምዝኾነት ገሊጻ። ብዝያዳ ድማ፡ መንግሥትን ሃይማኖትን (ቤትክርስትያንን) ገግራተን ድኣ ይሃልወን እምበር፡ ክልቲኣተን ንሓደ ሕዝቢ (ዜጋ ወይ ሰብ) ኣገልግሎት ፈጸምቲ ስለዝኾና፡ ሰብ ብምድራውን ሰማያውን (መንፈሳውን) ሕይወቱ ምልኣት ንኽረክብ፡ ተደጋጊፍካ ምስራሕ ሠናይ ከምዝኾነ፡ ቤተክ/ያን ኣብሪሃ። ብተወሳኺ፡ ቤተክርስትያን፡ እቲ ማኅበራዊ ስራሓን ዕላማኣን፡ ኣካል ናይቲ ወንጌላዊ ወይ መንፈሳዊ ጉስነት ስለዝኾነ፡ መንግስቲ ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘሰክፍን ዘስግእን ምኽንያት ከምዘይብሉ፡ አብሪሃ። ምስዳዕ’ውን ፍጹም ቅቡል ከምዘይኮነን፡ ብመትከል ከምትነጽጎን፤ ኣብ ኣሰራርሓ ዝርከብ ናይ ሰባት ድኽመት ወይ ጉድለት ምስ ዘጋጥም ድማ፡ ንምእራሙን ንዘተን ቅርብቲ ከምዝኾነትን ሓቢራ።  ዕላማ፡ ሰብኣዊ ምዕብልና እውን፡ ሓደ ኣካል እቲ ሓዋርያዊ ተልኮኣ ከምዝኾነን፡ እዚ ድማ ብቐንዱ ኣምላኻዊ ትእዛዝን (ማቴ፡ 25) ከምዝኾነን፡ ብሰፊሕ ኣብሪሃ።

ኣብቲ፡ ‘ካብ ናይ ወጻኢ ተቕዋማት ጸግዒ ወጺእካ፡ ብርእስኻ ምምሕዳር’ ዝብል ክፍሊ ኣዋጅ’ውን፡ ነቲ መንግስቲ ብገርህነት ይኹን ብጉርሒ ዘቕረቦ፡ ንካቶሊካዊ ምንቕስቓስ ዝሓላልኽ ኣበሃህላ፡ ቤተክርስትያን ንዘለዋ ኣቕዋም፡ ብኸምዚ ገሊጻቶ፡ “ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንዝኾነ ይኹን መንግስታዊ ወይ ድማ ፖሊቲካዊ ምንቅስቓስ ከምዘይትውክል፣ ከምዘይትተኣሳሰር፣ ናጽነትን ገለልትነትን ዝኣተንኡ መገዲ ሒዛ ከምትኸይድን፣ ንኸምዚ ዝበለ ኣገባባት፡ ቦታ ከምዘይትህቦን፡” ኣድቂቓ ገሊጻ። በቲ ኻልእ ድማ፡ ከምቲ ልዒሉ ዝተገልጸ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብባህራን ብመንነታን፡ ዓለም-ለኻዊት (international) ብምዃና፡ እዛ ኣብ ኤርትራ ዘላ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድማ፡ ምስታ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ርክብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓድነት’ውን ኣለዋ። እዚ ርክብ እዚ ግን፡ ብሓባራዊ ምትሕግጋዝን ብሓልዮ-ሓድሕድን ዝግለጽ፡ ገሊኡ’ውን ከም ምጽወታ ዘይኮነስ ከም ናይ ኩላ ቤተክርስትያን ንብረት ካብ ዝኾነ፡ ሓባራዊ ማዕከን ወጺኡ፡ ከከም ኣድላይነቱን ግድነቱን፡ ንኹሉ ካቶሊክ ዝዕደል፤ ናይ ግቡእን መሰልን ብጽሒት እዩ። እዚ ርክብን ምትሕግጋዝን እዚ ግን፡ ብኹልንትናኡ መንፈሳዊ መልክዕ እምበር፡ ፖሊቲካዊ ባህሪ ዘለዎ ኣይኮነን። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንናይ ሕዝብታት ሃገራዊ መንነት ኮነ ፖሊቲካዊ ናጽነትን መሰልን ትሕሉን ተኽብርን። ነቲ ‘ብኤሮኖሚ፡ ርእስኻ ምኽኣል’ ዝብል ክፍሊ ኣዋጅ ድማ፡ ብመትከል፡ ከም ትኣምነሉን እትደልዮን ድኣ ይኹን እምበር፡ ብግሪስ፡ ምስቲ ዘሎ፡ ኤኮኖሚያዊ ዓቕሚ ሃገርናን ቁጽሪ ኣመንትን፡ ጽንኩር ምዃኑ፡ ኣብሪሃ።

መደምደምታ፡

ኣብ ኤርትራ፡ ነዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት እንተመርሚርናየን፡ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ዕለተ ድኽነት ዕለተ ስደት፡ ዕለተ ሞት ዝዓዘዘንን፤ ጨና ምዕባለን ሰላምን ዝበኾረንን ዕለታት ምንባረን፡ ግሁድ እዩ። እቲ መሠረታዊ ምኽንያት ናይ እዚ ድማ፡ ገዛእ ርእስኻን ኣካይዳኻን ምስሓት ወይ ዘይምፍላጥ፤ ንመሪሕነታዊ ሃገራዊ ኣከያይዳናን ፕሮግራምናን፡ በተን ንሕንጸት ጥዑይ ሰብን ሕ/ሰብን ቅኑዕ ምዕብልናን መሰረት ዝኾና፡ ሓቅን ፍትሕን ናጽነትን ምትሕልላይን (ፍቕርን)፡ ብቀንዱ ድማ ምኽባር መሰረታዊ መሰል ሰብን (ዜጋን)፡ ዓንዲ ማእከል ሃገርን ሕዝብን ጌርና፡ ነንህድ ሕድና ጽን እናተባሃልናን ቅኑዕ ገምጋም እናገበርናን፡ ክንነብርን ክንጉዓዝን ከነመሓድርን ስለ ዘይበቓዕና ጥራይ እዩ፡ ክብል እኽእል። እቲ ኣገዳስን ኣብ ምዕራይ ወይ ምድሓን’ዚ ሃገራዊ ዕንወት’ዚ ዝበኾረ ግደ፡ ሕጂ’ውን ጌና በኺሩ ዘሎ ግን፡ ተራ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ምሁራትን ዓበይቲ ዓድን ኤርትራውያን እዩ። ብኣንጻሩ እዃድኣ ብዙሓት ምሁራትን መራሕቲ ሃይማኖታትን፡ ነዚ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናተጋህደ ዝመጸ ሕዝባዊ ሃገራዊ ዕንወት፡ ብስቅታን ብኣሉታዊ ተግባርን፡ ብዙሕ ሓገዝ ለጊስናን ጌና ንልግስ ኣሎናን እንተበልኩ፡ ታሪኽ እዩ ፈራድየይ።

ኣብ ሃገር ንበይንኻ ኣይንበርን፤ በበይንኻ ዝግበር’ውን፡ ዓወቱ ኣዕጋቢ ኣይከውንን። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ከም ሃይማኖታዊ ተቕዋም፡ ብዘይ ምግናን፡ ጊደኣ ካብ ምግባር ኣይዓረፈትን። “ኣቦ ምኽርኹም ሃቡና” ዝብል ውሉዳት ድኣ ኣይተረኽበን’ምበር፡ ካቶሊካዊት ቤተክ/ያን፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ሃገርና ጀሚራ፡ ሃገራዊ ግቡኣግ ፍቕራን ገሊጻ እያ። ኤርትራውያን ካቶሊካውያን ጳጳሳት፡ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ስነፍልጠትን እተሰነየ፡ ነናይእዋኡ ኩነታት ሕዝብና ዘንበበን፡ ብቑዕ ግንዛቤን ኣገዳስነትን ዘለዎ (by reading the sign of our time through prayer, meditation, deep study and consultation) ዝተሰነየ፡ ንህሉው ሃገራዊ ሕይወትና ኣዝዩ ቅርበት ዘለዎ፡ ኣገዳሲ ኣባታውን ሞራላውን ሃገራውን ምኽሮም፡ በብእዋኑ፡ ብመልክዕ ሓዋርያዊ መልእክታት ብምጽሓፍ፡ ለጊሶም እያቶም፡፡ ብፍላይ እታ ኣብ ፈለማ እዋን ናጽነት ኤርትራ ዘውጽእዋ፡ “ ሰላምን ምዕብልናን፡ ብዝተሓደሰ መንፈስ፡ ንሓዳስ ኤርትራ” እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ፡ ብግቡእ ተረዲእና እንተ ንትግብራን ኣጀማምራና እንተነጸብቕን፡ ብርግጽ ሎሚ ኣብዚ አይምወደቕናን። እዛ መልእክቲ’ዚኣ፡ ካብ ታሪኽ ገድልን ኩናት-ሓድሕድን፡ ናይ ሰውራ ጨካን ባህልን መጻኢ ዕድል ዲሞክራስን፡ ኣገናዚባ፡  ከም ስምዕታ ወይ ምሕጽንታ፡ “… ካብ ታሪኽ ተማሂርና፡ ንዘይተዛዘመ ጉዕዞና ብግቡእ ክንዛዝም እንድሕሪ ኮይና፣ እቲ ናይግድን ዘድልየና ሃገራዊ ዕርቂ ክንፍጽም እንድሕሪኮይና፣ ቅኑዕን ብቑዕን ምዕብልና ክንሃንጽ እንድሕሪ ንደሊ ኮይና፣ … ቅድሚ ኩሉ፡ ሃገር ብሥነ-ምግባራውን ሞራላውን መንፈሳውን ኣገባብ፡ ከምብሓዲሽ ክትሕነጽን ፈጺማ ክትሕደስን ከምዘድልያ ግልጺ እዩ” ኢላ ነበረት። ዝተገብረ ፍረ ኣይተረኣየለን፤ ብኣንጻሩ እኳድኣ፡ ሓደ ካብቲ ንመንግስቲ፡ ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘለዎ፡ ብዙሕ ግሁድን ዘይግሁድን ምትህልላኽ፡ ከምኡ እዚ ናይ ትማሊ፡ ሕዝቢ ዝናበየሉ፡ ካቶሊካውያን ኣብያተ ሕክምናታት ምውራስ፡ ካብዚታት ዝነቐለ ኪኸውን ይኽእል።

27 ሰነ 2019  –  ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን)

 

[1] እዚ ብላቲን sui iuris ዝብል ሕጋዊ ቃል ቛንቛ ኮይኑ፡ ትርጉሙ “of its own right – መሰል ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕጋዊ ኣቃውማ ምውናን” ማለት እዩ።

[2] ንምሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለጺ፡ “ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ: ‘መንገድታቱ ኣቕንዑ’ (Making God’s Ways Straight)፡ ሓዋርያዊ መልእኽታትን ሰነዳትን (1991-2007), EMI, 2008፡ ገጽ 53፤ ወይ መጽሔት ብርሃን፡ ሓምለ 1993 ዓ/ም/ግ፡ ቁ. 9(605) ተመልከት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde July 4, 2019

    Great and profound content.Historically,when society goes rogue, anarchy and absence of rule of law presides, people of faith took over and set the course and led the way,some paid the ultimate price but their blood emancipated and freed people of color from the shackles of slavery,racism,bigotry and social inequality of every shape and form and most of all restored human dignity which is completely absent in today’s Eritrea,isn’t that ironic! when people of the same shade do it to one another……..after all who are the winners and the losers in this social calamity?

    • Danilo July 4, 2019

      Most welcome brother k. Tewolde, you showed up on the moment felt not to comment because got fed up! There are new excellent commentators .but I am not familiar so far. This is my personal bitter pill when I miss you guys to say old compatriots Ahmed, Simon G, meretse. Apart, you said it all. Sincerely, I have no more to add. Thanks

  • Haben July 4, 2019

    Asmerom
    Is that your real name? I doubt it. Suffering from identity crisis or getting paid by HGDEF or mind out of order I mean not functioning properly to be able to identify right from wrong……..

POST A COMMENT