Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክላዓልዬ መንእሰይ ኖርወይ: ስቕ ኣይብልን ናተ.ሓርደ ሓወይ

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 31/01/2012 Norway ኣብ ኖርወይ ተመስሪታ ሓዳሰ ማሕበረ ሰብ ካብ ፖለቲካ ነጻ ዝኾነት ንኹሉ ትስብስብ ባህልናን ንድሕነት መንእሰያትናን ክትሓስብ 28/01/2012 ፈስቲቫል ጸዊዓ ደቃ ክትእክብ ምስ ኣሕዋቶም ኣሓቶም ኣቐዲሞም ክላለዩ ሓቢሮም ክመያየጡ ምእንተ ህዝቦም ክዓዩ ህግደፍ መሰኽላባቶም ዘባላሸውዎ ከዐርዩ ይኣኽለካ ወጊሑዩ ደርሆ ጽባሕና ኖቍዩ ሕጅስ

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

31/01/2012 Norway

ኣብ ኖርወይ ተመስሪታ ሓዳሰ ማሕበረ ሰብ

ካብ ፖለቲካ ነጻ ዝኾነት ንኹሉ ትስብስብ

ባህልናን ንድሕነት መንእሰያትናን ክትሓስብ

28/01/2012 ፈስቲቫል ጸዊዓ ደቃ ክትእክብ

ምስ ኣሕዋቶም ኣሓቶም ኣቐዲሞም ክላለዩ

ሓቢሮም ክመያየጡ ምእንተ ህዝቦም ክዓዩ

ህግደፍ መሰኽላባቶም ዘባላሸውዎ ከዐርዩ

ይኣኽለካ ወጊሑዩ ደርሆ ጽባሕና ኖቍዩ

ሕጅስ ንዓደይ የብለኒሎ ክብሉዮም ዘምሰዩ

ኳይላ ተጀመረ መመረቕታ ሓዳስ ማሕበርና

መግለጫ ተሳኢንዎ ሕለሚ ድዩ ጋህዲ ጠፊኡና

ዓሰለ መንእሰይ ብየማነ ጸጋም ሻሕሉ ከቢቡና

ከምዝስ የለን ፍስሃ ወሰላምዩ ዝተሰማዓና

ነዚኦም ምስ ራአናስ ተበራቢሩ ፍናንና

ካብ ትሮንድሃይም ዋሓዙ ዑቑራት ሓይሊ

ሕጂዩ እዋኑ መን ምኳኑ ጸላኢኡ ከለሊ

ዋሓዙ ድማ ካብ ከባቢ ኦስሎ ብዕሊ

ካብ ሽወደንውን ነይረሙና ሓደ ሓይሊ

ነጻ ማሕበረሰብ ኤሪትራውያን ኣብ ኦስሎ

ዝኣክል መሪቕና ሓሊፍና ታይና ክንብሎ

ጡርኑፋት ሓይሊ ኮርዒዳ ሽማግለ ኦስሎ

ቀዳም ምሸት ኣምሲልኩማ ንህቢ ዝዓሰሎ

ንህግደፍ ርእሱ ኣሕቢጥኩሞ ክሳብ ዝኣኽሎ

ኣስደሚሙና ምስ ረአና መንእሰይ ክዕጠቑ

ደጊም ዓወትና ኣኺሉዩ ጸሓይና በሪቑ

ተሪፍኩም ዘለኹም ቅሮቡና ካባና ኣይትርሓቑ

ምስ ህግደፍ ኣይትመራስሑ ሞያኹም ኣጸብቑ

ኣይሰማዕካን ዲኻ መቕዘፍቲ ናይ ሲናይ

ኮላሊቱ ተጠቢሑ ዝሽየጥ ዘሎ ከም ብዕራይ

ዕድሉ ከፊኡ ድሕረኻ ዝኾነ ሕሰም ግዳይ

እዚውን ይሓልፍ እናለ ሂወቱ ዘጥፍኣ ኣብሲናይ

ሕጂእውየሉ ከይትሓፍር ከይትጣዓስ ዳሕራይ

ካራን ሴፍን ስሒሎም ኣብ ሲናይ ዝዓረዱ

መሻርኽቲ ህግደፍ ጨካናት ሰብ ዝሓርዱ

ኮላሊት ሰብ ሸይጦም ገንዘብ ዘዋልዱ

ደም ሰብ እንተዘየፍሰሱ ዝሓሙ ዝዓብዱ

ከምዚኦምዮም የዕሩኽ ህግደፋይ ኣይግዱ

ነጻ ማሕበረ ሰብ ኤሪትራውያን ተተኺሉ

ብቆራጻት ኣባላታ ካብ ሓቂ ነቕ ዘይብሉ

ብትባዓት ዝተንስኡ ንህግደፍ ከፈሽሉ

ኣፍ ልቦም ገቲሮም ሸለብገልብ ዘይበሉ

ደቂ ሓራስ ነብሪ ዕድመ ሃብኩም ደውበሉ

ንቕድሚት ነጻ ማሕበረ ሰብ ኦስሎ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • hggum brhan February 1, 2012

    kemou elkum de aa htsanat aresasnu.wekaru. lbe msgeberu gn adme msdefou nabakum kglbetu eyom.ezi gn kem meraa trri gerkum wsedwo.ente atom mbegagesti gn ba elom gulbabom slezqel ou ati srah baelu ykalel alo ember tsegem ayamtsen.amhara kmslu kelewu (WEDQEH MFERAGET MELALAT NEW) slezi kulu kontu mkanu akedimka mflat yedli. awet nehafash!!!!!!

  • nehna February 1, 2012

    demo.archive.assenna.com nemebaley wey ne alitenat ne hekat ne hemat ne basen qaiqan tesareh zela? ane hadey tekatatale assnna ey kesab hji ne menanat eritrea hezba eritrea zenad tarekna zegalixen xuhaf ay anbabkun kesab hji . gen kam zetrdan qalwlaw menanet zelakum kem bal isias(wedi filans) yae seb konkum se menisyat norway kelalu tedmu se ageb

POST A COMMENT