Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወምድርኒ ትገብር ፋሲካ : ተሓጺባ በደመ-ክርስቶስ !! ብካህን ተኽለማርያም መርካጽዮን

ወምድርኒ ትገብር ፋሲካ ተሓጺባ በደመ-ክርስቶስ !! ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና በዓል-ትንሣኤ ብዝመጸ ቁጽሪ፥ “-ወምድርኒ ትገብር ፋሲካ፡ ተሓጺባ በደመ-ክርስቶስ-“ ብምባል’ያ ክተኽብሮ እትርከብ።  እዚ ማለት ድማ እቲ ኣብ ገነት ዝተፈጸመ  ምፍራስ-ሕጊ፥ ኣብ ዓለም ኃጢኣት ንኽኣቱ ምኽንያት ኮይኑ ስለ-ዝተረኽበ፥ ዓለም ብባሕሪ-ኃጢኣት ክትወሓጥ

ወምድርኒ ትገብር ፋሲካ

ተሓጺባ በደመ-ክርስቶስ !!

ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና በዓል-ትንሣኤ ብዝመጸ ቁጽሪ፥ “-ወምድርኒ ትገብር ፋሲካ፡ ተሓጺባ በደመ-ክርስቶስ-“ ብምባል’ያ ክተኽብሮ እትርከብ።  እዚ ማለት ድማ እቲ ኣብ ገነት ዝተፈጸመ  ምፍራስ-ሕጊ፥ ኣብ ዓለም ኃጢኣት ንኽኣቱ ምኽንያት ኮይኑ ስለ-ዝተረኽበ፥ ዓለም ብባሕሪ-ኃጢኣት ክትወሓጥ ዘይተርፈላ ዕዳ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ’ያ “-ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን፥.…. እሾኽን ተኾርባን ድማ ተብቍለልካ-“ ተባሂላ ክትርገም ዝኸኣለት። በዚ ድማ እቶም ኩሎም ብድሕሪ ኣዳም ስዒቦም ዝመጹ ወሎዶታት፥ ናይ’ዚ ብውርሻ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ኃጢኣት’ዚ ተማቐልቲ ብምዃን፥ ክሳቐዩ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።(ዘፍ. 3/17-18)

ነዚ ብውርሻ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ኃጢኣት’ዚ ክገልጽ ከሎ ድማ’ዩ፥ ቅዱስ-ጳውሎስ’ውን “-ለእለሂ ኣበሱ ወለ-እለሂ ኢኣበሱ፥ ቀነዮሙ ሞት እም-ኣዳም እስከ ሙሴ-“ ብምባል ዝገልጾ። እዚ ብትርጉም ክርአ ከሎ …..ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ሙሴ፥ ኣብቶ’ም ከም ናይ ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ፥ ኃጢኣት ዘይገበሩ’ውን ነጊሡ ነበረ… ዝብል ትርጉም’ዩ ዘስምዕ። እቲ  ምእንቲ ድኅነት ደቂ-ሰብ ኣብ ቀራንዮ ዝፈሰሰ ደም-ክርስቶስ ግና፥ ነታ ብርስሓት-ኃጢኣት ተበላሽያ ዝነበረት ዓለም፥ ጸርያ ክም-እትነጽሕ ገይሩዋ እዩ። ስለዚ ከኣ’ያ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና፥ “-እታ ምድሪ ድማ ብደም-ክርስቶስ ተሓጺባ፥ ፋሲካ ትገብር-” ብምባል ብይባቤ ማኅሌት፥  ንእግዚኣብሔር ክብሪ ክትህብ ትርከብ ዘላ።(ሮሜ .5/14)

ይኹን እምበር እዚ ኣዳማዊ-ኃጢኣት’ዚ፥ ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ሕያው-ኣምላኽ፥ ንደቂ-ሰብ ካብ ምፍቃሩ ዝተላዕለ፥ ሕይወቱ በጃ ብዙሓት ኣሕሊፉ ክህብ ቅዱስ-ፍቓዱ ኮይኑ ተረኽበ። ስለዚ’ውን ስሬተ-ኃጢኣት ተረኺቡ፥ ምስ እግዚኣብሔር ዕርቂ ምእንቲ ክግበር፥ እቲ ኣምላኽን መድኅንን ዝኾነ ክርስቶስ፥ ኣብ ክንዲ በደልናን ኃጢኣትናን ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ ብምፍሳስ፥ ዕርቅን ሰላምን ገበረልና። ነዚ ንምጥቃስ’ዩ ቅዱስ-ጳውሎስ’ውን “-ግናኸ ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና፥ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ’ሞ፥ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ-“ ብምባል ዝገልጾ። (ሮሜ. 5/8)

ብዝተረፈ ከምቲ ኣብ ትንቢተ-ኢሳይያስ ”-ብሰሪ ገበንና ቘሰለ-! ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ-! ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ ድማ፥ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ-! ንሕና’ውን ብስምብራቱ ሓዌና-! -“ ተባሂሉ ዘሎ። እቲ ኩሉ ጎይታና ካብ ኣደባባይ-ጲላጦስ ጀሚሩ፥ ክሳብ ቀራንዮ ዝተቐበሎ መከራ-መስቀል፥ ምእንታናን ስሌናን እምበር ኣብኡ ዘብጽሕ ካልእ ምኽንያት ነይሩዎ ኣይኮነን። እቲ ኣባና ኣብ ደቂ-ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ስለ-ዘገደዶ ግና፥ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሕይወቱ በጃ ብዙሓት፥ ንመሥዋዕቲ ኣሕሊፉ ክህብ ቅዱስ-ፍቓዱ ኮይኑ። ብለውጢ’ዚ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ’ዚ ከኣ ኢና፥ እቶም ዘርኢ-ኣዳም ዝኾንና ኩልና፥ ተኻፈልቲ ክብሪ መንግሥተ-ሰማያት ንምዃን ዘኽእለና፥ ድኅነት ክንረክብ ዝኸኣልና። (ኢሳ. 53/5)

ስለዚ ከኣ’ያ ቤተ-ክርስቲያን’ውን፥ ትንሣኤ-ክርስቶስ ብዝመጸ ቁጽሪ “- ትንሣኤከ ለእለ ኣመነ፥ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ-“ እናበለት፥ ብዓቢይ ናይ ተመስጦ መንፈስ ከተኽብሮ ትርከብ ዘላ። ብዝተረፈ እቲ ብመንገዲ-መስቀል ኣቢሉ ዝተረኽበ ዓወት እንተ-ዘይርከብ ነይሩ፥ ብመሠረቱ እቲ ክርስትና’ውን ንርእሱ፥ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ክርከብ ኣይምኸኣለን። “- ፍቅር ሰሃቦ ለወልድ ኃያል እመንበሩ፥ ወኣብጽሖ እስከ ለሞት-“ ተባሂሉ ከምዘሎ ግና፥ እቲ ጎይታ ጎይቶትን ንጉሠ-ነገሥትን ዝኾነ ክርስቶስ፥  ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ዓዚዙ ስለ-ዝተረኽበ፥ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፥ መከራ-መስቀል ብምቕባል ብደሙ ከንጽሓና፥ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ተረኺቡ።

ይኹን እምበር በዓላትና፥ ንብዓት እና-ኮማሳዕካ ከም-ዝብላዕ እንጌራ-ሓዘን፥ ዝቘሰለ ልብን ዝነብዕ ዓይንን ሒዝና፥ ካብ እነብዕሎም ዓመታት ኮይኑና’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ከመይሲ ሕዝብና ሕይወት መሪሩዎን፥ ምንባር ኣጽሊኡዎን፥ ካብ ዘእዊ ዓመታት ኮይኑዎ’ዩ። እንተኾነ ሰብ ዝዘርኦ’ዩ ዝዓጽድ ብምባል ሓዋርያ-ጳውሎስ ተዛሪቡ ኣሎ። ንሕና’ውን እንተኾነ ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፥ ህልዊ ኩነታትና ክግምገም ከሎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቐርብ ዝኽእል ሠናይ ግብሪ ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፥ ካብቲ ተበላሽዩ ዝርአ ዘሎ ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ንላዕሊ፥ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ስለዚ’ውን በዓላትና ኣብዚ ግዜ’ዚ፥ ትርጉም ዘለዎም  በዓላት ኮኾኑልና  ይኽእሉ’ዮም ብምባል፥ ነፍስና እነተዓሻሹ ኮንና ክንርከብ ኣይጸብቐልናን’ዩ። ከመይሲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቐርብ ዝኽእል ገጽ ከም-ዘይብልና፥ ካብቲ ተበላሽዩ ዝርከብ ዘሎ ሥነ-ምግባር ሕዝብና ንላዕሊ፥ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር፥ እሙናት ሕዝቢ ኮይንና ክንርከብ ዘይምኽኣልና ዘሎ ጸገም እዩ። ስለ’ዚ እዚ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎና፥ ዝተበላሸወ ርክብ ከነዐሪ ከይከኣልና፥ ብትምኒት ጥራይ ክመጽእ ዝኽእል ምሕረትን ሕድገትን ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ከመይሲ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ኩሉ። ኣብዚ ኣብ ሃገርና፥ ንእግዚኣብሔር ክብሪ ዘይህቡ ናይ ትዕቢት ቃላት፥ ብምድግጋም ክቃልሑ ዝተሰምዓሉ ግዜ ውሑድ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።  ኣብቲ “-ብቅልጽምናን ብኻላሺናን-” ክበሃል ዝነበረሉ ዓመታት እንተኾነ’ውን። ንሕና ከም ሕዝቢ ከነጣቕዕ ጸኒሕና ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ። ነቲ ሕያው ኣምላኽ እሙናት ኮንና ተረኺብና ኢና ክንብል ኣይንኽእልን። ኣብዚ እግዚብሔር ዘይከብረሉ ናይ ጥፍኣት ጓይላ ኣቲና ድማ፥ ክሳብ ሕጂ ከነጣቕዕን ክንስዕስዕን ንርከብ ኣሎና። ስለዚ ከኣ’ዩ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ “-ኣቱም ሰማያት ስምዑ -! ኣቲ ምድሪ’ውን ጽን በሊ -! ኣነ ንውሉድ ኣዕበኹዎምን ተኸናኸንኩዎምን፥ ንሳቶም ግና ካባይ ዓለዉ-” ተባሂሉ ዘሎ። (ኢሳ.1/2)

ብዝተረፈ ልብና እናሓዘነን ዓይንና እናነብዐን እነብዕሎም በዓላት፥ ትርጉም ዘለዎም በዓላት ክኾኑልና ከም-ዘይክእሉ፥ ክንርድኦ ዘይንኽእል ኣይኮናን። እዚ ማለት ድማ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ፖለቲካ ኣርዑት ተቘሪና ትርከብ እና-ሃለወት፥ ተሓጕስናን ቀሲንናን እነብዕሎም በዓላት፥ ኣለዉና ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ’ውን ብብኽያትን ቁዝማን ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ክንኩሕኩሕ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ንፍሥሓን, ሓጎስን, ደስታን, ዝኸውን ግዜ፥ ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፥ ካብቲ ንምግላጹ ብዘሸግር ኣዚዩ ተበላሽዩ ዝርአ ዘሎ፥ ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ኣይንብልን።

 ከመይሲ እቶም ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና ንርከቦ ዘሎና፥ ካብ እግዚኣብሔር ርሒቖምን መንገዲ ጠፊኡዎምን ዝርከቡ ዝነበሩ እስራኤላውያን። ኃጢኣቶም ተኣሚኖም ኣብ ቅድሚ’ቲ ሕያው ኣምላኽ ቀሪቦም ከእውዩ ከለዉ። ኣብቲ ዝበሉዎ ንልቢ ሰማዕቲ ክዅሕኵሕ ዝኽእል፥ እህህታን ሓዘንን, ቃንዛን ስቓይን፥ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ከም-ዘእወዩ ንርኢ  ናውቲ ሙዚቃና ድምፁ ኣጥፊኡ-!! መዛሙራትና መቓልሑ ኣጥፊኡ-!! ሓጎስና ተወዲኡ-!! መብራህቲ ቅዱስ-ቀንዴልና ጠፊኡ-!! ታቦት ኪዳን-ኣምላኽና ተጨውዩ-!! ኣቕሑ ቤት-መቕደስና ረኺሱ-!! ስም-ኣምላኽና ተጸሪፉ-!! መንፈሳውያን መራሕትና ተዋሪዶም-!! ….. ደናግል-ደቅና ተዓሚጸን-!! ኣንስትና ተደፊረን-!! ቦታትና ተጨውዮም-!! መንእሰያት-ደቅና ድማ ባረዩ ኮይኖም…..!! ብምባል ዝቘዘሙዎ ቁዝማ፥ ንዘመነ-ብሉይ ተመሊስና ብዓይኒ ሕልና ክንርእዮ ከሎና። ከምቲ ታሪኽ ይድገም’ዩ ዝበሃል። እዚ ኹሉ’ዚ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ኣብ ልዕሌና እናተፈጸመ ይርከብ ምህላዉ ፥ከቶ ክንክሕዶ ንኽእል ኣይኮናን።(2/ዕዝራ. 10/22)

ብርግጽ’ውን ንሕና ከም ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን መጠን፥ ኣዋጢሩ ሒዙና ዝርከብ ዘሎ ፈተና ቀሊል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ማለት ብዓባያ እታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር-ፖለቲካ ተታሒዛ ትርከብ እናሃለወት። እቶም ብቅድስና ዝፍለጥ መዓርግ ዘለዎም፥ ኣቦ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾኑ ፓትርያርክ’ውን፥ ካብዚ ዝሓለፈ 12-ዓመት ኣትሒዞም፥ ኣብ ማሕዩር’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። እቶም ሠለስተ ናይ መካነ-ሕይወት ብሉጻትን ምሩጻትን ካህናትና’ውን፥ ምእንቲ ክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ፥ ንልዕሊ 13-ዓመት ኣብ መቝሕ’ዮም ዝበልዩ ዘለዉ። ከምኡ’ውን ሓደ ካብቶም ብደረጃ ቤተ-ክርስቲያን ምሁራን ተባሂሎም ዝፍለጡ፥ መሪጌታ ይትባረክ በርሀ’ውን፥ ካብ ዝሓለፈ 13-ዓመት ኣትሒዞም፥ ኣብ መቑሕ ኣትዮም’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ስለዚ’ውን እታ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና። ከም ሓንቲ ትካል-መንግሥቲ ስለ-ዝተቘጽረት፥ እንሆ እቲ ሥርዓት ብዝመዘዞም ሰባት ክትመሓደር ካብ እትጅምር፥ ዓመታት ኮይኑዋ ይርከብ ኣሎ።። ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ’ዚ ድማ፥ መነኮሳትናን, ካህናትናን, ዲያቆናትን ተሰከምቲ-ጠበንጃ ክኾኑ ተገዲዶም፥ ኣብ ኣገልግሎት-ዕስክርና ይርከቡ ኣለዉ። እሞ እዚ ኩሉ ኣደራዕ’ዚ ተሰኪማ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ሒዝናኸ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማሕፀና ዝወጻእና ደቃ፥ ልብና ወዲቑልና ደቂስና ክንሓድርሲ፥ ከመይ ኢሉ’ዩ ክኾነልና ዝኽእል-? እግዚኣብሔር ክሕጎሰልናኸ ይኽእልዶ-?!

እምበኣር ስለ’ዚ ኢና ሕጂ ንሕና፥ ንዓለም እነገርም ሕዝቢ ኮንና ንርከብ ዘሎና። ብርግጽ’ውን ደረጃና ካብ እንስሳ ንታሕቲ ወሪዱ። ተናዒቕናን ሰብኣዊ-ክብርናን’ውን ተዋሪዱ እናሃለወ፥ ገለ ክንብል’ኳ ዘይምኽኣልና፥ ካብዚ ንላዕሊ ንሕዝቢ ዓለም ከገርሞ ዝኽእል፥ ፍጻሜ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ተግባር ከኣ፥ ካብቲ እግዚኣብሔር ክንከውን ዝደልየና መሥመር፥ ኣዚና ሪሕቕና ንርከብ እናሃሎና፥ ነቲ ኃጢኣት ለሚድናዮ ንርከብ ብምህላውና፥ ኣብ ባሕሪ-ኃጢኣት ኣቲና ንሕንብስ ምህላውና ክፍለጠና ዘይምኽኣሉ ክንደይ’ኳ ዘሕዝን እዩ። ከመይሲ እቲ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዝመለለይኡ ነባር ባህልና። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምሳና ኣሎ ክበሃል ከም-ዘይከኣል፥ እቲ ሕጂ ተበላሽዩ ዝርአ ዘሎ ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና፥ ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል እዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ኣቱም በደል ዝመልኣኩም፥ ደቂ ጥፍኣት ዝኾንኩም ሕዝቢ ወይለኹም-! ንዓይ ንእግዚኣብሔር ሓደግኩሙኒ። ንዓይ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ’ውን ነዓቕኩምኒ-” ብምባል ከጠንቅቕ ዝርከብ ዘሎ። (ኢሳ. 1. 4)

እሞ እዚ ኣብዚ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ኃይለ-ቃል። ንዓና ኣይምልከተናን’ዩ ክንብል ከኺደና’ዶ ይኽእል እዩ-?! ብግልጺ ክንርእዮ ከም-እንኽእል፥ ኣብቲ ተጠቒሱ ዝርአ ዘሎ ኃይለ-ቃል “-ንዒቕኩምንን ሓዲግኩሙንን-” እዩ ተባሂሉ ዘሎ። እሞ ንሕናኸ ከም ሕዝቢ፥ ብርግጽዶ ንእግዚኣብሔር ኣይሓደግናዮን ወይ ኣይነዓቕናዮን ክንብል ንኽእል ኢና-? ንዝብል ሕቶ።መልስና ኣይኮነን ክኸውን ከም-ዘይክእል፥ ኣረጋጊጽና እንፈልጦ ሓቂ’ዩ። መንገድናን መንገዲ እግዚኣብሔርን ከም-ዝተፈላለየ ድማ፥ እቲ ዕለታዊ ተግባርና ባዕሉ’ዩ እናረጋገጾ ዝርከብ ዘሎ።

ብዝተረፈ እቲ ንእግዚኣብሔር ክብሪ ንዘይምሃብ “-ብቕልጽምናን ብካላሺናን-” ክበሃል ዝነበረሉ ዓመታት። እንኳንዶ እቲ ሕዝቢ እተን ኣብያተ-ክርስቲያናት’ውን፥ ዓገብ ክብላ ተሰሚዐን ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። ብምቕጻል ድማ፥ ኣብ “-ሰማያት ሳዋ ህዝባዊ-ግምባር እምበር፥ እግዚኣብሔር ዝበሃል ነገር የሎን-” ዝብል ህልውና ኣምላኽ ዝኽሕድ ድምፂ፥ ነቶም ተዓለምቲ ሳዋ ዝኾኑ ደቅና ክንገሮም ጸኒሑ’ዩ። ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን ግና፥ ዘስማዕናዮ ድምፂ ተቓውሞ ከም-ዘየሎ’ዩ ዝፍለጥ። ሕጂ ድማ እንሆ “-ማዕተብኩም ብተኹን መስቀልኩም ደርብዩን-” ዝብል ፀረ-መስቀል ዝኾነ ጎስጓስ ይካየድ ምህላዉ ይስማዕ ኣሎ። ንሕና እቶም ብፍርሂ ተዋሒጥና እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ግና፥ ሕጂ’ውን ሱቕ ኢልና ንርእን ንሰምዕን ኢና ዘሎና።

እሞ ኸደኣ እዚ ኩሉ፥ ንክብሪ እግዚኣብሔር ዝጻረር ተግባራት ኣብ ሃገርና እናተፈጸመ ከሎ፥ ድምፂ ተቓውሞ ከነስምዕ ዓቕምን ትብዓትን ዝሰኣንና ሕዝቢ። በየናይ መዐቀኒ ደኣ ኢና፥ ክርስቲያን ኮንና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክንቀርብን፥ በዓል-ፋሲካ ከነብዕልን እንኽእል ሕዝቢ ኮንና ክንርከብ እንኽእል-?! እምበኣር በዚ መንገዲ ኣቢልና ኣብ ዝኾነ ክንበጽሕ እንኽእል ሕዝቢ ኣይኮናን። ከመይሲ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ከብጽሓና ዝኽእል ዝነበረ መስመር። ንገዛእቲ እዛ ዓለም’ዚኣ ከነገልግል ክንብል፥ ኣበላሺናዮ ኢና። ስለ’ዚ ምስ እግዚኣብሔር ዕርቂ ጌርና፥ ሰማያዊ ረድኤት ክወርደልና ንደሊ እንተደኣ ኮንና፥ ከምቲ ኢያሱ ወዲ-ነዌ “-ንመን ከም-እተገልግሉ ኅረዩ። ኣነን ቤተይን ግና፥ ንእግዚኣብሔር ኢና እነገልግል-” ዝበሎ። እዚ ሕቶ’ዚ ድማ’ዩ ሕጂ ንዓና ዝቐርበልና ዘሎ። (ኢያ.24/15)

እምበኣር እቲ ናብ እግዚኣብሔር ከብጽሓና ዝኽእል መንገዲ። ሓደን ትኽ ዝበለን ደኣምበር፥ ክልተ ኣይኮነን፥ ማንታ መንገዲ’ውን ኣይኮነን። ስለዚ ከም ኢያሱ ወልደ-ነዌ “-ንሕና ንእግዚኣብሔር ኢና እነገልግል-” ኢልና፥ ንገዛእቲ እዛ ዓለም’ዚኣ ሕቖና ብምሃብ፥ ወገን እግዚኣብሔር ምዃንና ከነረጋግጽ ክንክእል ኣሎና። ነዚ ውሳኔ’ዚ ክንወስድ ትብዓት ክህልወና ዘይክእል እንተደኣ ኮይኑ ግና፥ እቲ ተጻዒኑና ዘሎ ጸልማት ለይቲ ክወግሕ’ዩ ኢልካ፥ ትጽቢት ኮነ ተስፋ ክግበረሉ ይከኣል’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ብዝተረፈ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት፥ ባዕሉ ክመጽእ ዝኽእል መዓት የልቦን። ንመዓት ዝዕድሞስ ኃጢኣት-ሕዝቢ’ዩ። ስለዚ ንሕና’ውን በደልና ተኣሚንና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንንስሓ ክንቀርብ፥ የድልየና ከምዘሎ ዘይርድኣና ክኸውን ኣይግባእን። ከመይሲ ብዙሕ ከንክሰሰሉን ከንውቀሰሉን ዘኽእለና ማኅበራዊ-ጸገማት ከምዘሎና፥ ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣየኺደናን እዩ። ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን ማኅበራዊ-ሕይወትና ተበላሽዩ ስለ ዘሎ’ውን፥ ኣብቲ እግዚኣብሔር ዘቐመጠና ቦታ፥ ንርከብ ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፥  ኣረጋጊጽና እንፈልጦ ሓቂ’ዩ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እሙናት ኮንና ዘይምርካብና ድማ፥ ከምቲ እቲ ጸሓፊ-ዕዝራ ዝብሎ “- መዛሙራትና መቓልሑ ኣጥፊኡ-!! ሓጎስና ተወዲኡ-!! መብራህቲ ቅዱስ-ቀንዴልና ጠፊኡ-!! ታቦት ኪዳን-ኣምላኽና ተጨውዩ-!! ኣቕሑ ቤት-መቕደስና ረኺሱ-!! ስም-ኣምላኽና ከኣ ተጸሪፉ-!! ይርከብ ምህላዉ፥ ንሕና ጥራይ ዘይኮንና ማኅበረ-ሰብ ዓለም’ውን፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና፥ ብቐጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ፖለቲካዊ-ጸቕጢ ኣተሓሳሲቡዎስ፥ ደጋጊሙ ዓገብ ክብል ዝተሰምዓሉ ግዜ ዉሑድ ኣይኮነን። ንሕና እቶም ንዓለም እነገርም ኮንና ንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ግና፥ እግዚኣብሔር ደኣ ምሕረቱ የውርደልና ንበል እምበር። “-ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ-” ካብ ምባል ሓሊፍና፥ ክንዘረቦ ንኽእል ነገር ዘሎ ኣይመስለናን።

ብዝተረፈ “-ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ-” ከም-ዝበሃል። ኩነታትና ኣዚዩ ከፊኡ፥ ኣብቲ ጥቓ ገምገም-ጸድፊ ዘሎ፥ መወዳእታ ጫፍ ንርከብ ከም-ምህላውና መጠን። ምንም ክንፈልጥ ዘይንኽእል  ድቁሳት ኮንና ክንርከብ ኣየጸብቐልናን እዩ። የግዳስ ከምቲ ነህምያ “-ንሕና ከም-ዝበደልናካ እእመን ኣሎኹ። ኣነን ኣቦታተይን ንዓኻ በዲልና ኢና-” ብምባል’ዩ ኃጢኣቱ ተኣሚኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንንስሓ ዝወደቐ። ንሕና’ውን ካልእ ኣማራጺ ኣሎና ክንብል ንኽእል ኣይኮናን። እዚ ማለት ድማ፥ ከምቲ እቲ ነቢይ ማለት ነህምያ ካብ ኃጢኣቱ ክሕባእ ዘይከኣለ። ንሕና’ውን ሕጂ ካብ እግዚኣብሔር ተሓቢእና፥ ክንሕብኣሉ ንኽእል በዓቲ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና።

ስለዚ’ውን ቅድሚ ኩሉ ንሕና ከም ሕዝቢ፥ ምስቲ ሕያው-ኣምላኽ ዕርቂ ምግባር፥ የድልየና ከም-ዘሎ ምፍላጡ ዋናን ኣገዳስን ነገር’ዩ። ንመለኮታዊ ክብሩ ቅንኣት ዘሎና ኮይንና ብምርካብ ድማ፥ ኣንጻር’ቲ ዝካየድ ዘሎ ጸረ-መስቀል ዝኾነ ጎስጓስ፥ ተቢዕና ደው ምባል ክንክእል ኣሎና።ነዚ ንምግባር ከኣ እቲ ፍርሃትና ተቐንጢጡ ናይ ትብዓት መንፈስ ይዓድለና። ብዝተረፈ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ንንስሓ ዝተዳለወ ልቢ ይዓድለና። ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓል-ትንሣኤ ክርስቶስ ከኣ ይግበረልና ኣሜን።

ክርስቶስ ተንሥ ኣ እሙታን

በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን

ኣሰሮ ለሰይጣን

ኣግዓዞ ለኣዳም

ሰላም እም-ይእዜሰ   

ኮነ ፍሥሓ ወሰላም

 

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

 

 

 ።   

 

 

              

          

       

  

        

 

   

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde April 5, 2018

    “ከምቲ ኢያሱ ወዲ-ነዌ “-ንመን ከም-እተገልግሉ ኅረዩ። ኣነን ቤተይን ግና፥ ንእግዚኣብሔር ኢና እነገልግል-” Happy Easter Father Tecle, the Lord will never abandon our nation to Loath,this is not new,history is a perpetual cycle,humans are just forgetful,He will be coming back soon to sort things out,or if He is already paving the way .Thank you Father T…………………ABUNE ZEBESEMAYAT KIBRKA YISFAH,MENGSTKA TIBAREK… AMEN.

  • iyasu April 5, 2018

    kulu zitexahfe ayenbebkwon mknzatu aristun thytun semayn mdrn koynu kahnn ab polotika kolel kibl sile zeymhrelu nisikum xelot tetigebru sile hager amlak semay keaa mihret migeber niskum gin higdef,tekawemti,degefti kitiblu meas nay giye xelot terkibilu yehzin eu libi nigus zetrirn zefikusin egziabher zeykonen eti zigerm gena arbi siklet keybelna bzaba tinsae jemirkum kitzarebu ab kalie ekum zelekum wela eti gize eu tefikum zelo

POST A COMMENT