Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወይ ሃገረይ ክንብል፡ ወይ ምስ ዶ/ር ዓብይ ክንድመር፥ – ዳግማይ ረፈረደም ቀሪቡልና ኣሎ

ወይ ሃገረይ ክንብል፡ ወይ ምስ ዶ/ር ዓብይ ክንድመር፥ ዳግማይ ረፈረደም ቀሪቡልና ኣሎ   ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብሓበራ፥ ሎምዘመን ሓድሽ ታሪኻዊ ግድል ኣንጠጥዩና ኣሎ። ጉዳይ ሕዝብናን፡ ፖሊቲካዊ ኩነታት ሃገርናን፡ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍኤ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ንሕና ኮሚቴ

ወይ ሃገረይ ክንብል፡ ወይ ምስ / ዓብይ ክንድመር፥

ዳግማይ ረፈረደም ቀሪቡልና ኣሎ

 

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብሓበራ፥ ሎምዘመን ሓድሽ ታሪኻዊ ግድል ኣንጠጥዩና ኣሎ። ጉዳይ ሕዝብናን፡ ፖሊቲካዊ ኩነታት ሃገርናን፡ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍኤ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ንሕና ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ፥ ኣዕሚቕና መርሚርና ምስ ገምገምናዮ፥ ሃገርና ኣብ ዘመን ኣፈርክቡ ከምዘላ ክንገልጽ ነዊሕ ጌርና ኢና። ከምኡ ዘበለና ምኽንያት ድማ፡ ሕዝቢ ኤርትራ ብጃምላ ይጸንት ስለዘሎ ኢዩ።

ንቡር ተነፊጉና ኣሎ። ትካላትና ፈሪሶም፣ ክብርታትና ተደምሲሶም፡ ሥርዓት ትምህርቲ ኣንቆልቊሉ፡ ቁጠባ ሃገር ሃጒጉ፡ ሕዝቢ ተስፋ ስኢኑ። ቅዋም የብልና፡ ባይቶ የብልና፡ ሕጊ የብልና። ን27 ዓመታት፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝሓዝኡዎ ግዝያዊ መንግሥቲ ተሸኺልና፡ ፍሒት ክንብል ኣይከኣልናን። ብሰንኮም ድማ፡ እናሓደርና ንድሕሪት ንምለስ ኣለና።

ሕጊ ኣብ ዘይብላ ሃገር፡ ደቂ ሃገር ከም ኣቕሓ ሓሲሮም ኣለዉ። ገሊኣቶም ኣብ ግዱድ ዕስክርና፡ ገሊኣቶም ኣብ ቤት ማሕዩር በልዮም፡ ገሊኣቶም ከኣ ሞይቶም። ኣዝዮም ብዙሓት ዜጋታት ካብ ሃገሮም ጠፊኦም። ኣብ መገዲ ስደት ድማ፥ ገሊኣቶም ኣብ ሰሃራ ሞይቶም፡ ገሊኣቶም ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ኢድ መሸብራን ወዲቖም፡ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን ኢዩ። ገሊኣቶም ድማ፡ ኮላሊቶም ተመዝሒቖም ሞይቶም! ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ፡ ዝሓልን ዝሕለቕን መንግሥቲ ኣይረኸቡን።

 

ጉጅለ ኣቶ ኢሳይያስ ንሕዝቢ ኤርትራ ዝሓልዩሉ እንተ ዝኾኑ፥

 

  • ቤት ማእሰርቲ ዘይኮነስ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲቲ ምሰርሑ ኔሮም።
  • ፍትሓውያን እንተ ዝኾኑ፡ ንዜጋታቶም ብዘይ ክስን ብዘይፍርድን፡ ብዓመጽ ኣብ ቤት ማሕዩር ኣይመብለዩዎምን ኔሮም።
  • ጽባሕ-ጽባሕ ኩናት እንዳ ጻሕተሩ፡ ደቂ ሕዝቢ ኣይመጥፍኡን ኔሮም።
  • ኤርትራዊ ዜጋ ተጓሕጒሑ ክጠፍእ ኣይምደፋፍኡዎን ነይሮም።
  • መንእሰይ ሃገር ኣብ ዕርድታት ኣይምሃገሩዎን።
  • ኮላሊት ኤርትራውያን ክሽየጥ ከሎ፡ ነቶም ግዳያት ምረድኡዎ ኔሮም።
  • ኤርትራውያን ክጭወዩ ከልዉ፡ ክቕተሉ ከለዉ፡ ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉ ከለዉ፡ ምረድኡዎም ኔሮም።
  • ሬሳታት ደቂ ሃገር ብኽብሪ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ፡ ብኽብሪ ከምዝቕበር ምገበሩ ኔሮም። ንሓዘንተኛታት ከኣ መጸናንዑዎም ኔሮም።
  • ኣብ ሞንጎና ኣትዮም፡ ናይ ተንኮል ጽውጽዋይ እናመሃዙ፡ ኣይምበተኑናን ኒሮም።
  • ባይቶናን ቅዋምናን ተኺልና፡ ብሓባር ዘቲና፥ ምስ ጎረባብትና፡ ብሕንባብን ብሰላምን ክንነብር ምሓገዙና ኔሮም።
  • ጉዳይ ሃገርና፡ ምስ ደቂ ጓና ኮይኖም ኣይምመኸሩሉን፡ ኣይምወድኡዎን ነይሮም።

ኩሉ ተግባራቶም እንተ ተዓዘብካዮ፥ እዞም ጉጅለ፡ ብሥጋ ደኣሎም ኣሕዋትና እምበር፡ ብግብሪን ብዕላማን ንዓና ከምዘይመስሉ ርጉጽ ነገር ኢዩ። እቲ ኣናፍራ ቆቛሕ ዝፈልጥ ሕዝቢ ከኣ ፈሊጡዎ ኣሎ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ቁንጭል ኣቢልና ዝርኤናዮ፥ ሃገርና ኣብ ኣፈርክቡ ከምዘላ ዝኣክል መርኣያ ኢዩ።

ሕጂ ድማ ተወሳኺ ጸገም ተቐልቂሉና ኣሎ። ኣብ ርእሲ ወሓደኒስ ተቖርመመኒ። እዚ ሓድሽ ግድል እዚ፡ ንኹላትና ኤርትራውያን፡ ክልተ ምርጫታት ቀሪቡልና ኣሎ። ወይ ርእስና ክኢልና ከም ሃገር ክንቅጽል፡ ወይ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ክንጽንበር።

ኣብዚ ሓድሽ “ዘመነ-መደመር” ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ሓላፍነቶም ንመራሕ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ሂቦምዎም ኢዮም። ኣቶ ኢሳይያስ ሥልጣኖም ኬረክቡ እንከለዉ፡ ከም ሓንቲ ውራያ ዝጸበቐላ ሰበይቲ፡ ኣፍልቦም ናጠብጠቡ፡ ብዝለዓለ ታሕጓስ ኢዩ ዝነበረ።

ዶ/ር ዓብዪ፥ ሓደ ሽፉን ከም ዕፉን ዝኾነ፥ “መደምር” እናበሉ ዝደጋድሙዎ ዘረባ ኣለዎም። ሓንሳእ ንኢትዮጵያውያን ነንሓድሕዶም ከተዓርቑ ይጥቀሙሉ። ሓንሳእ ከኣ፥ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክተሓዋወሳ ኢየን ዝብል ቃና ኣለዎም። ዓይኖም ናብ ባጽዕን ናብ ዓሰብን ከመዓድዉ፡ ንሕዝቢ ኤርትራ ዝረስዑዎ፡ ወይውን ሸለል ዝበሉዎ ይመስሉ።

ነዚ ትርጉሙ ዘይርድኣካ፡ ጃላ ዝኾነ “መደመር” ዝበሉዎ ሓሳብ ሰሚዖምን፡ በቲ ናይ ኣቶ ኢሳይያስ ጠገለ ዘይብሉ ኣካዪዳ ተደናጊሮምን፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፡ ሓንቲ ሃገር ኴንና ኢና ይብሉ ኣለዉ። ገለ ካብቶም ተማሪኾም ንዓዶም ዝኣተዉ ኣባላት ሠራዊት ደርጊ ከይተረፈ፥ “ኣይተሰዓርናን፡ ኣይትሓዙና” ይብሉ ኣለዉ። ሕሉፍ ሓሊፎም ድማ፡ ኤርትራ ከም ናቶም ጊሮም ይስእሉዋ ኣለዉ።

ነዚ ኩሉ ሕንፍሽፍሽ ዘምጽኡልና ድማ፡ ኣቶ ኢሳይያስን ተኸተልቶምን እዮም። ማእለያ ዘይብሉ ኤርትራዊ ዜጋ ጠፊኡ፡ ሃገርና ናብ ገሃነብ ተቐዪራ ከላስ፥ “ኣይከሰርናን” ክብሉና እንከለዉ፡ ክሳዕ ክንደይ ብጭካኔ ከም ዝርእዩናን፡ ከምዝንዕቁናን፡ ብጋህዲ ነጊሮምና ኢዮም። ኣስዒቦም ከኣ፡ ሕዝቢ ኢትዮጵያን ሕዝቢ ኤርትራን ክልተ ሕዝቢ ኢዩ ዝብል፡ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ ኢዩ፡ ዝበሉናኸ ብምንታይ ኢዩ? እንታይ ወሪዱዎም ደኣ ዘይውዳእ ኲናት ከፊቶም፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣህሊቖምዎ? ስለምንታይ ደኣ ሕዝብና ዘጽንቱልና። ሕዝቢ ኢትዮጵያን ሕዝቢ ኤርትራን ሓደ እንተ ኾይኑ ደኣሞ፡ ንምንታይ ንነዊሕ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ቅጽላትን ጸርፍታትን ክትድርብዩሉ ጸኒሕኩም? ምስ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ኬራኽበና ዝኽእል ታሪኻዊ ምትእስሳራት ክትድምስሱ ከም ዘይጸናሕኩምስ ሕጂ ብሃንደበት ሓደ ኢና ክትብሉና?

ሚኒስተር ወጻኢ ኣቶ ሳልሕ ዑስማን፡ ንመራሕ መንግሥቲ ኢትዮጵያ፥ “ንፉዕ መራሒ ኣለዉና” ክብሉ ከለዉ፥ እቲ ጉዳይ ብንግሆኡ ዝተበላሸወ ምዃኑ ኢዩ ዜረድእ። ኣቶ የማነ ገብርኣብ ከኣ፥ ኣብ ሃገርና መርዝን ጽልእን እናዘርኡ፡ ዜጋታትና ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናኣብለዩ ከለዉ፥ “ፍቅር ያሸንፋል” እናበሉ ክሽሕጡና ምፍታኖም ዝገርም ኢዩ።

ብተደጋጋሚ ከም ዝበልናዮ፥ ንሕና ደለይቲ ሰላም ኢና። ሰላም ግን ብሕጊ ዝተሰነየት ክትከውን ኣለዋ። ኣብ ሃገርና ግዝኣተ ሕጊ የልቦን። እቲ ምስ ኢትዮጵያ ኾነ ምስ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ውዕላት ድማ፥ ንኣቶ ኢሳያስ ቃሕ ከምዝበሎም ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ኩሉ ሥልጣን ሕዝቢ ገቢቶም፡ ንኤርትራውያን ድማ ብሽርሒ፡ ኣብ ነንሓድሕድና ፈላልዮምና፣ ካብ ሃገርና ከም እንጠፍእ ጌሮምና። ንሶም ዓቕሚ ኣዳም ካብ ዝኣኽሉ ክሳዕ ትማሊ፡ ካብ ኢትዮጵያ ክንፍለ ኣለና ብዝብል ምኽንያት መንእሰይ ኤርትራ ኣጥፊኦምስ፥ ሕጂ ግልብጥ ኢሎም ሓደ ኢና ክብሉና ከለዉ ዝገርም ኢዩ። ካብኡ ዝገደደ ከኣ፡ “ኣይከሰርና!” ኢሎም ተጠሊዖም ኣዊጆምልና ኣለዉ።

ኩሉ ኣካዪዳ ኣቶ ኢሳይያስን ሰዓብቶምን፡ እንተ ረኤኻዮ፡ ናብቲ ናይ ዶ/ር ዓብይ ናይ “መደምር” ከረጢት ኣእትዩ ልዑላውነትና ኬድፍረና ዝደለየ ኢዩ ይመስል። ንኢትዮጵያውያን፥ ኣብ ባሕርና ኃይሊ ባሕሪ ክተኽሉ፡ ኣብ ሠራዊትና ሠራዊቶም ክሕውሱ፡ ኤምባሲታት እውን ክንጓራበት ኢና፡ ይብሉና ኣለዉ። ኣብ ሓንቲ 100 ሚልዮን ሕዝቢ ዘለዋ ሃገር፡ ሠራዊትና ሓዊስናስ ክንደይ ዓመት ኢና ክንጸንሕ እንኻእል!?

ሕዝቢ ኤርትራ በዚ ዘለዎ ናህሪ ካብ ሃገሩ እንተ ተሰዲዱ፣ እንተ ዘይተማሂሩ፣ እንተ ዘይወሊዱን እንተ ዘይተተኻኺኡን፡ ብሕሱም ጨቋኒ ድማ እንተ ተገዚኡን፡ ነዊሕ ክንቅጽል ኣይክንክእልን ኢና። ኣብዚ ናይ ዶ/ር ዓብይ እንተ ተደሚርና፡ እሞኸኣ ጽባሕ ንግሆ ክንወሓጥ ኢና።

ኣብዚ ተሃዋሲ እዋን እዚ፥ ኣባላት ሕግደፍ ዝኾንኩም ኣሓትናን ኣሕዋትናን፡ መሰል ሕዝብኹምን ሃገርኩም ክትሓቱ ደጊምና ንምሕጸነኩም።

ኣብ መደምደምታ፥ ኩላትና ኤርትራውያን ብዘይ ኣፋላላይ፡ ተጠንቂቕና ሓሲብና፡ ካብዘን ክልተ ምርጫታት ሓዲኤን፡ ማለት እታ ናትና፡ ክነልዕል ኣለና። እተን ምርጫታት ከኣ፥

  1. ልዑላውነትና ዓቂብና፡ ከም ሃገር ከቢርና ክንነብር። ወይ ድማ
  2. ኣብቲ ናይ ዶ/ር ዓብይ ናይ “መደምር” ከርጢት ክንኣቱ።

ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ምርጫ፥ ልዑላውነት ሃገርና ክኸውን ኣለዎ። ባሕርና ብሓይሊ ባሕርና፡ ምድርና ብሠራዊትና ይተሓሎ። ኤምባሲና ድማ ብኣምባሳደራትና ይመሓደር። ዶብና ብግቡእ፡ ንኽልቲኡ ሕዝብታት ብዝሓዪሽ፡ ናብ ዳግማይ ባእሲ ብዘይዕድም ኣገባብ፡ ይተሓንጸጸልና።

ኣብ ውሽጥና ድማ፥ ብሕገ-መንግሥቲ ንመሓደር። ስለዚ ምሁር ይምሃረና፡ ለባም የመሓድረና፡ ሕጊ ይግዝኣና ኢልና፡ መራሕትና መሪጽና ሃገርና ክንሃንጽ ክንበራበር ኣለና። ኩልኣትና ኤርትራውያን ብሓድነት እንተ ሠሪሕና፡ ዘይብጻሕ ነገር የልቦን። ፋሕ እንተ ኢልና ግን፡ ክንጠፍእ ኢና።

 

ኣሕዋትኩም፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

 

02 የካቲት 2019 ዓ.ም.ፈ.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT