Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወይ ሰብ ደቀይ ትብል ራድዮ – ካብ ኣስመራ

ወይ ሰብ ደቀይ ትብል ራድዮ “ተዓመተለይ ክብለጸልካ ኣይትሕሰቡ፡ ደንቊርኩም ንበሩ” ክትብሉ ልኡኻት ዕሱብ ኢሰያስ ኣፍወርቂ በዓል ብርሃነ ገብርሂወት ኣብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትርከቡ ማሓዮታት፡ ወዳጀ ዘረባ! ጸኒሕናስ ዘይንሰምዖ የብልናን። ወዳጀ ሊቅነት! ልቢ ምዕባይ ምስ ድንቁርና

ወይ ሰብ ደቀይ ትብል ራድዮ

“ተዓመተለይ ክብለጸልካ ኣይትሕሰቡ፡ ደንቊርኩም ንበሩ” ክትብሉ ልኡኻት ዕሱብ ኢሰያስ ኣፍወርቂ በዓል ብርሃነ ገብርሂወት ኣብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትርከቡ ማሓዮታት፡ ወዳጀ ዘረባ! ጸኒሕናስ ዘይንሰምዖ የብልናን። ወዳጀ ሊቅነት! ልቢ ምዕባይ ምስ ድንቁርና ወሲድካዮ?

ኣረጊት ፈሊጥ፡ ንወዲ ሰብ ክትገዝእኦ፡ ቸቸ ክትብለሉ፡ ከምድሌትካ ከተጋልቦ፡ ኣደንቅሮ፡ ሓበሬታ ክልኣዮ። ኣብ ቀዳማይ ገጽ መባእታ ረሳሕ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ትርከብ ኢያ። ያኢ ተወርጺጹለይ ሲ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት ነዚኣ የንብበልና ኣሎ፡ ኣብቲ ደገፍቲ ህግደፍ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብዛዕባ ግሉጽነት ዝጎደሎ ኢሰያስ ብስም ስምምዕ ሰላም ዘካይዶ ዘሎ ንሉእላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳ ዘእቱ ተግባር ክፍጽም ሕቶታት ስለዝሓተቱ መልሲ ንምሃብ ኣብ ዝወደቦ ሰሚናር። ከይሓነኸ፡ “ኣምሳለ ነብያት ሓለፍትኹም ኣለዉ፡ ንዕኦም ግደፉሎም፡ ብሃገርኩም ኣይትሕሰቡ” ይብለና ኣሎ።

ሓቁ’ዩ ነብይ ኢሰያስ ኣብ ናይ ሰይጣን ማይጨሎት ዓዲሃሎ ሕሙማት ከሐዊ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ጌሩ ኣሎ። እዚ ኣብ ቴለቪዥን ናይ ሃገር ቴለቪዥን ኤሪቲቪ ዝተቓለሐ መስደመም ሃይለስላሰ ኢዩ ዘዘክረካ። ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት ግን ከም ትማሊ ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን ዝብል ምስላ ኣበው ዘክሮ። ንስኻ ተታልሎ ሰብ የሎን፡ ሕጂ ክቡር ሓው። ሰብ ልቢ የዕብዩ እምበር ልዕሊ ዘንበብካዮ የንብብን ይርዳእን ምዃኑ ምፍላጥ የድልየካ ኣሎ። ኣይኮነን ዶ እዚ ጥበብ ዝጎደሎ ፕሮፓጋንዳኻ ሰብ ካልእ ይፈልጥ። ብዝኾነ ናይ ጆርጅ ኦርዌል መጽሓፍ ሕርሻ እንስሳ ኣዘኻኺርካኒ። ንምንታይ ንበለጽ ሓሰማ ምስ ተቓውሙ እቶም እንስሳታት፡ ነፈኸ፡ “ሓሰማ ሓሰብትን በላሕትን ዝበለጹ ካባኹም ኢዮም። ብዘይ ንሶም እንታይ ክትኮኑ፡ ኢሉ ክምልሰሎም።

ንምንጻር ዝኣክል፡ ኣብ ክንዳና ኮይኑ ዝሰርሕ፡ ን27 ዓመት ብዘይምርጫን ብዘይፍቓድናን ኣብ ዝፋን ስልጣን ዝተኾየጠን ትካላትና ዘዕነወን ዘይኮነ፡ ብቕዋም ዝምርሑ ዝመረጽናዮም ዘገልግሉና መራሕቲ ጥራይ ኢዮም።

እስከ ክሓተካ፡ ኣቶ ብርሃነ ገብርሄወት፡ ኣብ ኣመሪካ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፡ ወያነ ካብ ዝጎበጦ መሬትና ከይወጸ ናብ ዘተ ኣይንኣቱን ክብል ትዝክሮ ዶ ትኸውን? ሕጂ ድኣ እቶም ኣብ ክንዳና ዝሓስቡ መራሕትና፡ ገና መሬትና ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ከሎ፡ ብኸመይ ዳንኬራታት ይገብሩን ኣፍ ልቦም ይዘብጡን ኣለዉ? ነቶም ዝወደቑ ሓርበኛታት እኳ ዘየምስገንክሞም! መራሒ ናይታ ጎቢጣ መሬትና ሒዛ ትብሉዋ ኢትዮጵያ ዶ ኣይሕሹን ንሰማእታት ክልቲአን ሃገራት ዘመስግኑ። ኩሉ ተመሊስልና ኢሉ ፕረዚደንት ኢሰያስ፡ እሞ ንዕኡ ወኪልካ ክትዛረብ ስልጣን እንተሃልይካ፡ ንዕኡ ክንሓትት ስለዘይንኽእል፡ ንዓኻ ክንሓተካ ዕድል ረኺብና ከለና፡ እንታይ ኮን ተመሊስና ይኸውን?

ትዝክሮ ዶ ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ መትከላት ቅዋም ነተግብር ኣሎና፡ ተሪፉ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኢዩ፡ ንሱ ድማ ከነተግብሮ ኢና ክብል ኣብ ጎንኻ ኮፍ ኢሉን፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ቅዋም ሞይቱ ክብልን? እንታይ ድኣ ዘይመለስካሎም ንሓዲኦም እዞም ሓለይትና? ንመነኦም ከ ኣመንካ? ባይቶ ኤርትራ ድሓንዶ ይህሉ ትብሎ ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት? ዶስ እዞም ሓለይትና ንባይቶና ዘጥፍኡዎ ስለዘይጠቕመና ኢዩ ዲኻ ክትብለና? ወዲ ፕረዚደንት ምስ ልኡኽ ኤርትራ ክዛተ ኣብ ስዑድያ ርኢናዮ ኔርና። ንምንታይ ተሳቲፉ ተንብለካስ ንሱ ኳ ውሒዱዎ ዶ ምበልካና ትኸውን?

ወዲ ሰብ ብሕልንኡ ኢዩ ዝግዛእ፡ ንሕልናኻ ተገዛእ። ፖለቲከኛ ንዘጋጥሞ ጸገማት ንኽፈትሕን ዕድላት ክዕብን እምበር ብመትከላት ኣይቋመርን ኢዩ። ሕማቕ ታሪኽ ኣይትግደፍ። ኩሉ ደረት ኣለዎ። ብቓላትካ ዝጥበር’ውን የለን። ከምቲ ዝርኣኻዮ እቲ ተቓውሞ ኣስፋሕፊሑ ኢዩ፡ ኣብቶም ናትና ትብሎም ስለዝበጽሐ ተሰናቢድካ ትገብሮ ዘለኻ ሸበድበድ ናይ ዓቕሊ ጽበት ኢዩ። ስለዚ ይኣክል! ሕጂ ንስምዓሉ እምበር ንሰምዓሉ ግዜ ኣይኮነን።

ፍናን ተኽለ

ካብ ኣስመራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT