Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ – መበል 13 ክፋል- ኣለና

ሰላም ተኸታተልቲ ጽሑፋት ዋዜማ ዘመነ ቅብጸት ኢሳይያስ! ቁሩብ ስራሕ ስለዝጸዓቐኒ ዝግ ኢለ ቀንየ’ሞ እነሆ ተኸታታሊ ጽሑፍ ደምበ ኣለና። ቅድም ቀዳድም ነቶም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሙሉእ ዓለም “ስመር” ብዝብል ቴማ ብሰላማዊ ሰልፊታት ዝምክቱ ዘለዉ ኤርትራውያን

ሰላም ተኸታተልቲ ጽሑፋት ዋዜማ ዘመነ ቅብጸት ኢሳይያስ! ቁሩብ ስራሕ ስለዝጸዓቐኒ ዝግ ኢለ ቀንየ’ሞ እነሆ ተኸታታሊ ጽሑፍ ደምበ ኣለና። ቅድም ቀዳድም ነቶም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሙሉእ ዓለም “ስመር” ብዝብል ቴማ ብሰላማዊ ሰልፊታት ዝምክቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ኤርትራውያን መንእሰያት ድማ ብፍላይ ክብሪ ይወሃቦም። ንህዝቢ ኤርትራ ጸባ ኣስቲኹሞ ኢኹም’ሞ ጸባ ስተዩ!! ህዝቢ ኤርትራ ‘ለካ እዛ ሃገር መራግእቲ ተሪፉዋ እባ’ዩ’ ናብ ምባል ኢዩ በጺሑ ዘሎ’ሞ ብከምቲ ተተሓሒዝኩሞ ዘለኹም ኣገባብ ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝና ንኺድ! “…ሆይ ስመሪ፣ ተኾመሪ.. ማዕጺድ ስበሪ!” ናይ ቀደም ናይ ኣቦታት ግርምቲ ብሂል ኢያ’ሞ ሰናይ ንቕሎ ኢዩ። እዛ ተወሊዓ ዘላ ሽግ መንእሰያት መደናገርቲን ሃሱሳትን ከይኣትዉዋ ግን ጥንቃቐ የድሊ ኣሎ።

ኣብ ናይ ሓርጎጽጎጽ እዋን ኢና ዘሎና! ኩሉ ዓይነት ኣእካል ብሓደ እንተተጣሒኑ እንታይ ስም ኢዩ ክወጾ? እነሆ’ምበኣር ኣብዚ ዘለናዮ ተሃዋሲ ግዜ፣ ዝተፈላለዩ ዓይነት ፖለቲካታት ናብ ሓንቲ ጠሓኒት መኪና ተሰቒሎም ነናቶም ህላውነትን እንታይነትን ንምርግጋጽ ይፋሓፍሑ ኣለዉ። ሓደ ካብዚ ፖለቲካዊ ድራማ ከኣ እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ዶክተር በረኸት ሃብተስላሰ ዘቐልቀሎ ፖለቲካዊ በጨቕታ ኢዩ። ዶክተር በረኸት ምስ ሃጸይ ሃይለስላሴን መንግስቱ ሃይለማርያምን ዝሰርሐ፣ ናይ ጀነራል ኣማን  ዓንዶም ፍሉይ ኣማኻሪ ነይሩ ዝበሉና፤ ኣብ ዳግመ ህንጸት ኤርትራ እውን እጃሙ ንከበርክት እጅገኡ ዝሰብሰበ ኤርትራዊ ምሁር ኢዩ ዝነበረ።

ሎሚ  “…ኣብ ኣጋ ዱሮ ሞተይ” ዝበሎ ካብ መቓብር ጀጋኑ ኤርትራውያን ሰማእታት ንዘቃልሕ ዘሎ ሕድሪ ክሒዱ፤ ካብ መቓብር ሃይለ ስላሰ ዝገንፈለ ጥንታዊ ለበዋ ኣስሚዑና ኣሎ። ናብ ግዜ ስሳታት ተመሊሱ ከምቲ ማሕበር ኣንድነት ዝብልዎ ዝነበሩ፣ “…ከይሞትኩ ከለኹ ክልቲአን ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓደ ኮይነን ክርእየን እደሊ” ኢሉና ኣሎ። እታ ንዘዝተወልደ ወዳን ጓላን ንሉኣላውነት ኤርትራ ዘወፈየት፣ ንሓዋሩ ድማ ወላድ መኻን ዝኾነት ኤርትራዊት ማህጸን’ከ እንታይ ኢያ’ኾን ክትብል? ኢለ ሕልፍ ክብሎ’ሞ ኣብ ድሕሪት ክቕጽሎ እየ።

ንጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ብዝምልከት፣ ኣብ ኣተሓሳስባ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እዚ ዶክተር ዝተዛረቦ ሕቡእ ኣጀንዳ ኢዩ ዘሎ። መሪሕነት ህግደፍ ብሂወቶም ክሳብ ዘለዉ ድማ ኣብ ዕላምኦም ለውጢ ዝበሃል ነገር የለን። እዞም ኣብ ሓንቲ ዕቁብ ዝሰመሩን ብሓንቲ ማህሌት ዚዝምሩን ጠላማት ሰማእታት ሕብረሰብና፣ ግሁዳትን ስዉራትን ማሕበር ኣንድነት ብሓንቲ እምኒ ወንጭፍ ክህረሙ ይግባእ። ኣጆኻ ኤርትራዊ ስመር ጥራይ’ምበር ዘይከኣል ነገር የለ! ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ የማነ ገብረኣብ፣ ሓጎስ ገብረሂወትን /ክሻ/ ዓብደላ ጃብርን ፈላሊኻ ምርኣይ ከይህሉ ሓደራ! እዞም ሰባት ትርግታ ልቢ ገበነኛ ኢሳይያስ ክሳብ ደው ዘይበለት፣ ካብ ናቱ ኣንጊሁ ዝተበገሰሉ ኤርትራውን ናይ ምጽናትን ንዕላማ ‘ትግራይ ትግርኚ’፤ ንዕላማ ሓንቲ ኢትዮጵያን ድሌት ዝፍለ ርእይቶ የብሎምን። ሎሚ ልዕሊ ኤርትራዊ ሚኒስተር፣ ልዕሊ ኤርትራዊ ጀነራል፣ ልዕሊ ኤርትራዊ በዓል መዚን ብጠቕላላ ልዕሊ ኤርትራዊ ወደባትን ዜጋን ኣብ እንግድዓ ህዝብና ካራሩ ዝስሕሉ ዘለዉ እዞም ሰባት እዚኣቶምን ውሑዳት መጫፍርቶምን ጥራይ ኢዮም።

ከምቲ ‘ብድሕሪ ህበይ ኣይትቐውዕ ንጸማም ኣይትጸውዕ’ ዝበሃል፤ ትንፋሶም ዝልቅቡሉ ቀውዒን ጸዊዖም ዝሰምዖም ዓለምን ከም ዘየለ ኣስተውዒሎሙሉ ኣለዉ። ናብ ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸቱ ዝተሸርበ ኢሳይያስ እምበኣር ብናትና ነንበይኑ ድምጺታት ግዜ ተሓሪጡ ክጸንሕ’ምበር ብድሕሪ ስዕረት ትኽ ትንፋሱ ሙዓመር ቃዛፊ ትንፋስ ከም ዝሓጸሮስ ኣይሰሓቶን። ሞት ንውልቀ-ምልካውያን ከም ዝገርገረት፣ ተራ መን ተረፈ ኢላ ድማ ናብ ድርኩኺት ገዝኡ ትመጾ ከም ዘላ ፈጺሙ ኣይሰሓቶን።

ንሕና ኤርትራውያን ንነብስና ተቓለስቲ ኢና እንብላ ድማ፣ ሰብ ከነለልየሉ ዝግበኣና መድረኽ እነሆ ደበኽ ኢሉ ኣሎ’ሞ ካብ ውሑዳት ከም ጻድቕ መሰል ወኻርያ ዝዋውዕ ዝኣሰሩ ተቓለስቲ ኢና በሃልቲ ውድባትን ሰልፊታትን ክንጥንቀቕ የድሊ ኣሎ። ናብቲ ዝድለ ዓወት ንምብጻሕ ከኣ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ውዳቤ መንእሰያት ወሳኒ ኢዩ። ኩሉ ግዜ ዘይተወደበ ሓይሊ ናብ ዝተበገሰሉ ሸቶ ክበጽሕ ስለዘይክእል፣ እዚ ምንቅስቓስ መንእሰያት’ዚ ካብ ኣዒንቲ ዝጠፈሹ ወነንቲ ናይ ፖለቲካ ድኳናት፣ ካብ ጉሒላታት ናይ ፖለቲካ ተቛመርቲን ቁንጣሮ ሰብ ዳቪስታ ምሁራት ስቃጥላታት ህግደፍን ርሒቑ ክውደብን ብሓያል ኤርትራዊ ስነ-ምግባርን ኒሕን ክምራሕ የድሊ ኣሎ። ዶክተር በረኸት ትማሊ በጨቕ ዘበሎ ዘረባ፣ ናይ ብዙሓት ምሁራት ትንቢት እምበር ናይ ገዛእ ርእሱ ሕልሚ ጥራይ ኣይኮነን። ‘ሕሞር ካብ መዓር ክምቅር ኢሉ መጺጹ ተረፈ’ ከም ዝበሃል፣ ዶክተር በረኸትን ተኸተልቱ ምሁራትን ድማ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክትልብሙ ክትብሉስ ኣከጃህ! ረኺብኩም። ኣዒንቲ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ፣ ጨረርታ ራዕዲ ውልቀ-ምልኪ ኣቕባሕቢሑወን እምበር ኣይዓወራን።

ህዝቢ ሓደ መንገዱ ሃሚሙ እንተተዓጽወ፣ ካልእ ጽርግያ ይሰርሕ’ምበር ንሞት ኮፍ ኢሉ ኣይጽበያን ኢዩ። እነሆ ድማ ሎሚ  ኤርትራውያን መንእሰያት ሓድሽ መንገዲ ከፊቶም ናብ ዓወት ይምርሹ ኣለዉ። ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ህግደፍ ብዘይካ ናብ ኤክስፖ ኣስመራ ናብ ሙሉእ ዓለም ኣብ ዘዝኣጎዱዎ ሓዊ እናኸድኩም ደብሉ! እቲ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ዝተወልዐ ሽግ፣ ሃልሃልትኡ  ካብ ከተማታት ኤውሮጳ ናብ ሙሉእ ዓለም ክሰጋገር ኣለዎ። ብድሕሪ ቶግ ምንሽር፣ እዚኣ ኢያ እታ ኢሳይያስ ዘይፈትዋ ተግባር! ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሖ ተርባጽ ፖለቲካዊ ሂወቱን መንቀራቕሮ ኣነባብራን፣ ህዝባዊ ናዕቢ ከተማ ኒው ዮርክን ከተማታት ኤውሮጳን ምስ ተደመሮ ከቢድ ሕማም መርዘን ኣስዒቡሉ ኣሎ።

ኢሳይያስ ንድጉል ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ሓባል መስትያት ኢዩ ክርኢ ጸኒሑ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ተቓውሞ ናህሪ ከምኡ ክኸውን ፈጺሙ ኣይተጸበዮን ነይሩ። እዚ ነጎዳ እዚ ዘሰንበዶ ውልቀ-መላኺ ነቲ ኣብ ሃገር ጀርመን ከካይዶ ወጢንዎ ዝነበረ ህዝባዊ ኣኼባታት ጠንጢኑ ኢዩ ብህድማ ናብ ኣስመራ ዝኣተወ።

መንግስቲ ጀርመን ናብ ከተማ ጊሰን ንምኻድ ከልኪሉዎ ዝብል ወረታት እኳ ክስማዕ እንተጸንሐ፣ ንሱ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ነቲ ኣብ ጀርመን ዝጋባእ ሰሚናር ኢሳይያስ ብቀረባ ንምክትታን ኣብ ከባቢ እቲ ኣዳራሽ ካሜራታት ንምድላውን ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም /መቐለ/ ምስ ኮሎኔል ጋይም ተስፋኣሚካኤል ናብ ከተማታት ጀርመን ዘወርወር ክብሉ ጸኒሖም ኢዮም።

ሎሚ ግዜ ብቕልጡፍ ይቀያየር ኣሎ፣ እዚ መበል 13 ክፋል  ኣብ ዝጽሕፈሉ ዘለኹሉ ግዜ፣ ብደረጃ ሃገርናን ከባቢናን ከምኡ’ውን ብደረጃ ዓለም ብዙሓት እዋናውያን ተርእዮታትን መድረኻትን ይቀላቐሉ ኣለዉ። ንሕና ደኣ ኢና ሓደ ንምዃን ዕጭ ኢልና’ምበር ስርዓት ህግደፍ ኣይኮነን ሓይሉ ዘሎ። ገበነኛ ኢሳይያስ ነታ ንዘለኣለም ሸለውለው ኣቢላ እተጽድፎ መንደልህጾ ይርእያ ኢዩ ዘሎ። ሃገራዊ ምንቅስቓስ ደምበ ኣለና ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ቁልቁሎት ረጊጹሉ ዘሎ ወሳኒ ግዜ፤ ብዝከኣል ሓይሊ ንምምካት ከም ወትሩ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ኢልና ክሳብ ፍጹም ሓርነት ክንቃለስ ኢና።

ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ብዓንደ-ርእሱ፣ ንኤርትራውያን ጥራይ ኢዩ ዝምልከት። መሰረታዊ፣ ህዝባዊን ማዕርነታዊን ለውጢ ንህዝቢ ኤርትራ ዝመጽእ ከም ኣቕሓ መሸጣ ብደገ ዝኣቱ ዘይኮነስ፤ ብውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ምዃኑ ስለእንኣምን ድማ፣  ዕለታዊ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ምክትታል ንርከብ ኣሎና። ንሕና ብህግደፍ መሰልና ዝተረግጸን ሃንቀውታና ዝተጨውየን ዜጋታት፤ ኣብ ኤርትራ ሰላማዊ መንግስቲ ንክትከል ተራ ጎረባብቲ ሃገራት ድጋፍ’ምበር ተጽዕኖ ክህልዎ ከም ዘይግባእ ንኣምን።

ናይ ታሪኽ ጉዳይ ኮይኑ፣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዛጊት በቲ ካብ ቅድሚ 10-20 ዓመታት ኪካየድ ዝጸንጸ ናይ ገለ ውድባትን ሰልፊታትን ቃልሲ እንኮ ስጉምቲ እውን ትኹን ንቕድሚት ክኸይድ ኣይከኣለን። እቲ ብውሑዳት ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ኣሎና ዝበሃል ፖለቲካዊ ጭርጭር ውድባትን ሰልፊታትን ነናይ ገዛእ ርእሰን ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ዝገብርኦ ዝነበራን ዘለዋን ሓሸውየ ምንባሩ፤ ስርዓት ህግደፍ ንዘዝረግአ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ዚዘርጉ ተቓወምቲ መሰል መራሕቲ ስለዘዋፈረ ከኣ፤ ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ናይዚ ጽሑፍ እውን ተገሊጹ ነይሩ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብትግሃት  ዝቃለሳ ውድባት፣ ሰልፊታን ግንባራትን ኣለዋ።  እንተኾነ ግን እቲ ብዝተፈላለዩ መራሕቲ  ውድባት ኪግበር ዝጸንሐን ሕጂ እውን ኣብ ዱሮ ሃገራዊ ጉባአ ዝግበር ዘሎን እዝኒ-እዝነይ ሓረረት ዝዓይነቱ ናይ ነጣንቆም ተግባራት ህዝቢ ኤርትራ ኣነጺሩ ይርእዮ ኣሎ።

እነሆ ከኣ ሎሚ ኣብ መዲና ኢትዮጵያ ተጠቓሊሎም ብስም ኪዳን ኣብ ፖለቲካዊ ኮረሻ ኤርትራ ንምኹያጥ ላዕሊን ታሕቲን ክብሉ ርኢናዮም። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዓሚትካን ረሲዕካን ዝግበር ዝነበረን ዘሎን ጉያ-ጉያ ንፖለቲካዊ ስልጣን ሕልሚ ምዃኑ ኣቐዲሞም እንተዝርድኡ ምጸበቐ። ሎሚ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ‘ገለ’ዶ’ኾን’ እናበለ ተስፋ ኣንቢሩሉ ዝጸንሐ ካብ ዕለት 22-31 ጥቅምቲ 2011 ንክግበር ዝተወጠነ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕንቃፍ ንሓደ ወርሒ ከም ዝናዋሕ ገይሮሞ ኣለዉ። ንሱ ጥራይ ከይኣክል ድማ ብዝተፈላለዩ ወገናት እቲ ጉባኤ ንሓደ ዓመት ንክናዋሕ ይጽሕፉን ይጉስጉሱን ኣለዉ። ሎሚ ነናትካ ዕላማ ንምዕዋት ናይ ሸበድበድ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።

ህግደፍ ዕምሩ ንምንዋሕ ብቀዳድ ኮቦሮ ዲፕሎማስያዊ ኩዳ ይገብር፣ ገለ መራሕቲ ውድባትን ሰልፊታትን ድማ “ከደ ህግደፍ…ከደ ወደቐ” እናበሉ ጉያ ናብ ኮረሻ ስልጣን ይቀዳደሙ፣ እቶም ህዝቢ ኤርትራ ቀቢጽዎም ዝጸንሐ ገለ ካብ ምሁራት ደቁ  ከም ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ ድማ ነቲ ስለ ናጽነት ኤርትራ ዝተኸፍለ ልዕሊ 65,000 ሂወት ደቂ ሔማ ኤርትራ ክሒዶም ንህዝቢ ኤርትራ፦

“I have been part of Ethiopia. There is a larger sense of which we are all Ethiopians: historically, culturally as I tried to explain today, and my wish, my hope before I die is that we will comeback together, in a larger unity transcending all these divisions”  “…ቅድሚ ሙማተይ ክልቲአን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ኮይነን ክርኢ እየ ዝደሊ ዘለኹ” ዝብል መስደምም ተደጒሉ ዝነበረ መደረ ኣስሚዖሞ። እቲ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ ዝነበረን ኣብ ከብሒ ገበነኛ ኢሳይያስ ንዝተቐመጠ ቅዋም ዝነደፈን ዶክተር በረኸት ሃብተስላሰ፣ ኣብ ደገ ከኣ ከም ኤርትራዊ ተቓላሳይን ኣቦ ለውጢን ዝፍለጥ ዝነበረ፣ እሞ ህዝቢ ኤርትራ “ሓደ ካብቶም ኣለዉና ኢልና እንሕበነሎም ምሁራትና” ኢሉ ዝምጉሶ ዝነበረ ዶክተር፤ ሎሚ ከምዚ ዓይነት መስደምም ክዛረብ ድማ ናይ ታሪኽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ጥራይ ኢዩ።

እንተ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ጽንኩር እዋን፦ “ሓምለ ብሓምሊ፣ ነሓሰ ብኹሕሊ! ንመስከረም ሰጊርካስ ጥቅምቲ ናብ እኽሊ፤ ኣካሒዳ ምሉቕ ኢላ ከይዳ!” ዝብሎ ዝነበረ ናይ መኸተ ግዜ፤ ሎሚ እውን ኣብ እዋን ክሕደት ናይ ጽንዓት ጋማ ኣሲሩ ደኣ መኸትኡ ኣንጻር ህግደፍ የሐይል’ምበር ናብቲ ዝጥጃእ ዘሎ እከይ ውዲት ኣይምብርከኽን ኢዩ። ታሪኽ ይድገም ኣሎ! እቲ ንድሌት ሃጸይ ሃይለ ስላሴን ርእሰ-ሓያላን ሃገራትን ክብል ኣብ ልዕሊ ደቂ ኤርትራ ዝተበየነ ግዱድ ኢልሓቕ ስሳታት፤ ኣብ ዘመነ- ሚለንየም ኣይክሰርሕን ኢዩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናተን ሉኣላውነት ዘለወን ሃገራት ደኣ’ምበር ሓደ ወይ ተመሳሳሊ ባህሊን ቋንቋን ስለዘለወን ብሓደ ክሰምራ ኣለወን ዝብል ናይ እሾኽ ዓጋምን ቆልቋልን ሓሸውየ ኣይከውንን ኢዩ። ብስም ሓደ ዓይነት ባህሊን ቋንቋን ክልተ ነናተን ሉኣላውነት ዘለወን ሃገራት ክሰምራ ኣይረኣናን። ከምኡ እንተዝኸውን ጉዳይ ኩርዳውያን ምተተግበረ። ኣብ ናትና ኣቀዋውማ እውን፣ ብሄረ ዓፋር ኣብ ኤርትራ፣ ጂቡቲን ኢትዮጵያን፤ ብሄረ ሕዳረብ ኣብ ኤርትራን ሱዳንን፣ ብሄረ ሶማል ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ወ.ዘ.ተ… ኣለዉ። ስለዚ ዶክተር በረኸትን ሰዓብቱን ሕልሚ ኣይትሕለሙ ክንብሎም ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ስለ ሉኣላውነቱ ክብል ምሩጻት ደቁ ንመስዋእቲ ዝወፈየ ህዝቢ ኤርትራ ግን ብዘይካ ናጻን ሉኣላዊትን ኤርትራ ካልእ ምርጫ የብሉን።

ብዙሓት ኤርትራውያኣን ዘይረኣይዎ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ሰባት ዝሕመ ዝነበረን፣ ባዕሉ እውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ 1995 ዓ.ም. ዝበሎም ጉዳም መደረ “…ምስ ኢትዮጵያ ፈደረሽን ንበሎ ኮም-ፈደረሽን ንበሎ ናብ ዝለዓለ ምውህሃድ ገጽና ንኸይድ ኣሎና” ዝበሎ፤ ካብቲ ሕቱም ሳርማ ኢዩ ናይ ዶክተር በረኸት በጨቕታ ዝሰማዕናዮ። እዚ ካብ ኮብራ ዝንጸግ መርዚ ኢዩ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ወቕቲ እምበኣር ስርናይን ክርዳድን ክንፈላልየሉ ዝግባኣና ፍርዲ ኣብ ቅድሜና ኣሎ። ጽባሕ ንግሆ ዝመጽእ ወለዶ ኤርትራ “…ዕላማ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊን ወልደኣብ ወልደማርያም እንታይ ኢዩ ነይሩ? ተራ ኣቦና ዓብደል ቃድር ከቢረን ራእሲ ተሰማን ከመይ ነበረ? ስለምንታይ ብረታዊ ቃልሲ ብሓምድ እድሪስ ዓዋተ ተጀመረ? ስለምንታይ’ከ መስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት? ስለምንታይ ስንክልና ዜጋታት? ስለምንታይ ብርሰት ወለዶታት…” ኢሉ እንተሓተተ መን ኢዩ ክምልሶ? ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ዜጋታት ክግለጽ ጸኒሑ ኢዩ። ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝውስኖ’ምበር ድሌትን ቅቡር ጥሙሕን ሰብ ዳቪስታ ዝውስኖ ኣይኮነን።

ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፣ ገለ ውድባትን ሰልፊታትን ከምኡ’ውን ዝተፈላለያ ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ይምስረታን ይቀላቐላን ኣለዋ። ከምቲ ተቐማጦ ኦምሓጀር “ዝሓረሰን ዘይሓረሰን ኣብ ጥቅምቲ ይፍለጥ’ ዝብልዎ፤ ሎሚ ድማ ዝቃለስን ዝሽቅጥን ኣብ ዋዜማ ውድቀት ኢሳይያስን መስተርሆት ህዝቢ ኤርትራን ክፍለጥ ኢዩ። ናጻ ፖለቲካዊ ውሳኔ ዘይብሉ ውድብ፣ ሰልፊ፣ ምንቅስቓስ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ትርግታ ልቢ ክሰምዕ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ስመር ወዲ ኤርትራ!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ኣብ መበል 14 ክፋል ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰላም ቅንያት።

alenakoena@gmail.com

ኣለና ብደገ፣  ኣለና ብውሽጢ!
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

ይቕጽል…

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Tedros October 16, 2011

    Alena you made a big mistake in attacking the renouned Dr. Bereket. He is an intelectual and a man of honor. What ever he says.. first he is free to express his opinion as long he sees it beneficial to the Eritrean people and the people of the region at large, who are cursed to fight and kill each other…especially we can’t deny the fact that..despite the terrible history.. Ethiopia is the only country which is so close to us..in linguistic and cultural terms….When he talked about unity with Ethiopia… when this gap is narrowed definitely the people of both countries will prosper…look what the European Union is doing…

  • justice October 16, 2011

    @ Alena
    Alena,
    your tricks to make Dr. Bereket isolated will never work. These game will end with the fall of PFDj and Alena groups.
    Alena, you will be “yelenan” soon.

  • truly, Truly i say to you October 16, 2011

    Part 1
    I can´t understand your anger why you 85% of the comment writers started blowing dust only because Ato Bereket criticized for his unacceptable expression. Well if most of you meant and have a feeling Dr. Bereket´s speech manipulated, like Haile´s ( Drue) word “ ATELAKIYOMENA” and Haile Menkerio´s speech, it might be possible and your anger also could be understandable and acceptable, if really Dr. Berket not means Eritrea should be part of the Provence of Ethiopia like before, but if the talk was about the necessity of both nations cultural,economical and political mutual cooperations and understanding unity for both nations progress and for strengthening good brotherly neighbourhood . But before any judgement i share Mike´s view, I kindly REQUEST too our brother Amanuel Iyassu(ASSENA)/ to invite Dr Bereket for an interview, inorder to elaborate us what he really meant. If in case he will say us that we false understood him, I will be the first to ask him to apologize me.

  • truly, Truly i say to you October 16, 2011

    part 2
    However it is must additionally to know, not only Ato Bereket´s mother´s and fathers´s origin, but others public leaders figure too. It is really stupidity and ignorance if we not know the origin background of anyone, late alone who likes to lead us as public figure ,even if we not know anyone ordinary person who writing and commenting here. Why is in Eritrea to speak about family origin taboo?When i all say this, you may consider me as radical nationalist who not like relation with Ethiopia ,or who not like tolerate DEKI ARBAS or half side Eritreans. No! No! No! In the contrary! Not in a sense of that but in a sense of for nation security, like in all over the world functioning, it is must and necessary clarity, honesty, loyalty etc This should not to be taboo. Because it is Isayas´s old tactic, and we have bad experience from his cruel administration. Sorry!

  • truly, Truly i say to you October 16, 2011

    I wonder how some people like Dawit understands about democracy , freedom of speech or to be an opposition party. My friend in the name of opposition party if anyone tries to threat or manipulate the nation, unity, and sovereignty it is not more an opposition party or freedom of speech to be tolerated, but it is a direct threat and it is to be an enemy of nation, which even by all all over highly civilized democratic world to not be tolerated but to be fought. Democracy is the way to help to develop nation economy and to keep people basical right, not to disintegrate the nation or to keep other nations interest in the name of freedom of speech like you corruptly tried to defined it.

  • truly, Truly i say to you October 16, 2011

    Another surprising comment was wrote socalled “ Haki Tezareb”, he said; “ there is nothing Dr Bereket or his family can get from Eritrea…Many people such as Dr Bereket can get a good job, liberty and good life anywhere outside of these cursed nations.”
    My friend the matter is not about single person Dr. Bereket or alikes what job he has or haw much he earns, but it is about whole people and Eritrea .If anyone as long as he not stand for nation sovereignty,unity and interest, what ever doctor you name him, made for me, he can go to hell if he will, because no one will interest or affect about personal decision . Really instead of very foxy dangerous terrible intellectuals, I prefer 10 times to see un educated but very nationalist courageous General like Gerezgher Andemariam ( Wuchu )if you will, as far as he stands to defend the country.

POST A COMMENT