Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሶማልያ ይበጽሕ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ሓሙስ 13 ታሕሳስ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሶማልያ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣፈኛ ናይቲ ስርዓት ሓቢሩ። ኣፈኛ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) እቲ ምብጻሕ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝካየድ ዘሎ

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ሓሙስ 13 ታሕሳስ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሶማልያ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣፈኛ ናይቲ ስርዓት ሓቢሩ።

ኣፈኛ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) እቲ ምብጻሕ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝካየድ ዘሎ ስሉሳዊ ምሕዝነት ይካየድ ከምዘሎ ኣብ ትዊተር ገሊጹ።

ይኹን`ምበር፡ ክሳብ 92 ኣባላት ፓርላማ ሶማል፡ ኣብዚ ሳልስቲ ፕረዚደንት ሶማል ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጢራዊ ስምምዕ ፈሪሙ ብዝብል ክሲ ካብ ስልጣን ክወርድ ምሕጽንታ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን እዩ ዝበጽሕ ዘሎ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ሶማል ኣብ ዝኣተወለ ኣዝዩ ጽኑዕ ሓለዋ ጸጥታ ከምዝነበረ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ኣሸባሪ ዕጡቕ ጉጅለ ሶማል ኣሽባብ ምትሕብባር ብምግባሩ ኣብ ልዕሊኡ ካብ 2009 ኣትሒዙ ጸኒዑ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ እገዳ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከምእተላዕለ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Danilo December 13, 2018

    Unconfirmed report, doctor Debretesion wants to visit Eritrea. The red carpet as planned lay down in mereb river and likely be received by mysterious Eritrean top official but not isayas according Agiazian source in mekele. Isayas is making ” finta di niente ” while giving green light Eritrea be invaded once more again no matter who. The peace process between Abie and he is just a bluff. ህግደፍን ወያኒየን —ክናናን ምናናን ገና ዘይተኸፍተ ፓንዶራ ( pandora ) ከምዘለዎም ዘይምዝንጋዕ።እንተ’ቲ ዶክቶር ዓቢይ ግን ብጥጦ ዝድቅስ ቆልዓ ንዲኡ ኢትዮጲያ እሩሩ እንተበለ ምጉያይ መን ከይከልኦ ግን ” በየናይ ኣግኣር-ከመይ ኣሰጋጋር ? ግዝየ ዝምልሳ ፡ንእሰያስ ትምንጥል ጥይት made in Eritrea ክትህሉ እያ።

  • Thomas December 17, 2018

    The dictator is dragging our country in to poverty and dusintgration.. Yet, he is visiting East African countries and tryjng tp preach for regional peace and jntgrity..The people in all those countries know very well how dangerous this dictator is to humanity. They know very well that the dictatir is simply the wolf under the sheep’s skin.

POST A COMMENT