Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለምለካዊ ተበጉሶ ቁኑዕ መርሓ ምስ ቁኑዕ ስትራተጂ

ነዛ ሓጻር መልእቲ ክጽሕፍ ዝቐሰበኒ ምክንያት ብዕለት 06/11/2016  ኣብ  ዕላል-የዕሩኽ (paltalk) ሕድሪ ጀጋኑናን ስመር-I  (Smerrr1 - and  Hidi Jeganuna )  ኣሳለጥቲ ዓለምለካዊ  ተበጉሶ  ሓይሊ ዕማም ዘቕረቡዎ ኣስተምህሮን ሓበሬታን ዝሃብዎ ብትሕዝትኡን ኣቀራርቡኡን ›ኣዝዩ ልብካ ዝመስጥ፣ ተስፍ ዝህብ

ነዛ ሓጻር መልእቲ ክጽሕፍ ዝቐሰበኒ ምክንያት ብዕለት 06/11/2016  ኣብ  ዕላል-የዕሩኽ (paltalk) ሕድሪ ጀጋኑናን ስመር-I  (Smerrr1 – and  Hidi Jeganuna )  ኣሳለጥቲ ዓለምለካዊ  ተበጉሶ  ሓይሊ ዕማም ዘቕረቡዎ ኣስተምህሮን ሓበሬታን ዝሃብዎ ብትሕዝትኡን ኣቀራርቡኡን ›ኣዝዩ ልብካ ዝመስጥ፣ ተስፍ ዝህብ እዩ እሞ ኔሩ ክንስዕቦን ክንድግፎም ሎሚ ጽባሕ ዘይባሃሎ ጉዳይ ኾይኑ ረኺበዮ። ነዚ ዓቢ ዕምም ዘበገሲ ድማ ኣሳልጣን ዓወትን ይምነየሎምን የሞጉሶም።

ኣነ ከም ውልቐ ዜጋ ካብ ሃገራዊ ኣበርኽቶ ንነዊሕ ዓመታት ቦኺረ እየ ጸኒሔ እቲ ምክንያታት ድማ ቡዙሕ እዩ ሓዳ ካብኡ ድሕሪ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ EMDHR ብተማሃሮ ዝተበገሰ ቓልሲ  ኣብቲ ውዑይ ብናህሪ ዝሕንበበሉ ዝነበረ ድገፍ ሓፍሽ ከምቲ ዝድለይ ብዘይምርካቡ፣ ፖሎቲካውያን ውደባት እውን ሓቢለን ኣባላት ብምውሳዳን ኣይቐጸለን። እዚ ድማ ካብቲ ተስፋ ኣቑሪጹ ሉኡም ክከውን ዝገበረኒ ጉዳይ እዩ። ነዛም ቡጻት ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ  paltalk  ተረኪበ ምስ ተካታተልኽዎ ግን  በቲ ኣዝዩ ውሑሉል ኣቐራርባ መሳጢ  ክከታተል ድሕሪ ምምሳየይ፣ ገለ ካብቲ  ረዚን መልእክቲ  እዚ ዝስዕብ እዩ  ኔሩ።

እዚ ኩሉ ኣደራዕ ዘጋጥመና ዘሎ ሃገርና ንምድሓን ዝግበር ቃስሊ ዘውሃህድ፣ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ሕጋዊ መሪሕነት ዘይምህላዉ ምዃኑ ስለዝኣመና ዓቕምን  ጸጋና ኣብ ወጻኢ ሃገራት  እንርከብ   ኤርትራውያን ኣብ ድሕነት ሃገርና ኽውዕል ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ስለዘለና ተበጊስና ክቡሉ እዩም ገሊጸሞ።

ነዚ ንምግባር ድማ ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ  መሪሕነት፣  ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ (grass-root) ምንቅስቓስ ተጠርኒፍና ክንመርጾ ከምንኽእል ምሉእ እምነት ኣለና። ኣብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሙሉእ  ውክልና ዘለዎ ኣህጉራዊ መሪሕነት ንምምራጽ፣  ኩሉ ኤርትራዊ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ከባቢ፡ ጾታን ባህልን ከይፈለየ ከምዝሳተፍ ምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።  እዚ መስርሕ እዚ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዝርከብሉ ከተማታት፡ ሃገራትን ክፍለ-ዓለማትን ብግቡእ  ክካየድ ኣለዎ ይቡሉ።

እቲ ንዓይ ከም ኤርትራዊ ዜግነታዊ ሓላፍነተይ ክገብር ልበይ ዝተንከፈኒ  እዚ ምንቅስቓስ ድማ ቑኑዕ ኣንፈት ጉዑዞ ዲሞክራሲ ሙኾኑ እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ዘጠቓለ እዩ ኔሩ።

  1. ኣቐዲሙ ናብ ህዝቢ ዝተዘርገሔ ሰለስተ ሰነዳት (1) ህጹጹ ጻዊዒት, (2) መደብ ትግባረ ንድፊ (3) ጻዊዒት ደገፍ ንመራሕቲ ሰልፈታት። እዚ ንባዕሉ እምነ-ኩርናዕ ዓወት ኾይኑ ይስማዓኒ
  2. ኣብ ኣወዳዱቡ ድማ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ሙኾኒ በተን  ኣቑሞመን ዘለው ጋንታት የረጋግጸልካ ኣብ ኣወዳድባ ጋንታት ዓለምላኻዊ ተበግሶ (Functional Teams)። ሓይሊ ዕማም ስራሓቱ ተማቓቒሉ ክዓሞ ከምዝክእል   ጋንታት እዩ ኣቑሙ። (1) ጋንታ ጽሓፍቲ –  (2) ጋንታ ጎስጓስን ውደባን  (3) ጋንታ ዜናን ሓበሬታን  (4) ጋንታ ገንዘብን  ስንቅን – (5) ጋንታ ህዝባዊ ርክባት – (6) ጋንታ  መጽናዕቲ – (7) ጋንታ ሕጋዊ ጉዳያት  ከምኡ እውን (8) ጋንታ ሓበሬታን ቴክኖሎጂ፣ እዚ ድማ ትካላዊ ኣሰራራሓ ከተኣታትው ምህቓኑ ተስፍ ዝህብ ጉዕዞ ዓወት ኾይኑ ረኪበዮ።

እዚ ንባዕሉ ድማ ኣብጉዕዞ መራሕቲ ከተፍሪ ትካላዊ ኣሳራራሓ ኽትሃንጽ ይሕግዝ ኾይኑ ይስማዓኒ፣ ምክንያቱ ጉዑዞ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ክንዲ ብትካል ብውልቒ ዝግበር ዕማምታት የዓቢ እዚ ድማ ኣብ ጉዑዞ ውልቐ ሳባት ዓብዮም ትካል ይንእስ ሓደገኛ ሳዕቤን ይህልዎ። ኣብ ክንዲ ውልቐ ሳባት ትካል ከተመስግን ወይ ክትነቅፍ ዝሕግዝ ቅርጺ ኾይኑ ረኺበዮ። እቲ ካልእ ጹቡቅ ጉኒ ድማ ኣብ ክንዲ ባዓል መን እዮም ትብል እንታይ እዮም ክዓሙ ዝብል ድማ ብመንገዲ ጋንታቶም መሊሶም ኣለው። ኣገናዕ ዘብሎም እዮ ድማ።

  1. ቐጻሊ ጽምዶ ምስ በርገሳዊ ምሕበራት ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ተጸሚዶም ምህላዎም እውን ኣሳታፊ፣ ሓፍሽ ደላይ ፍትሒ ክዓስሎ ዘለውም ሃበንቐውታ እውን ጎሊሑ ኣብ እቲ ኣስተምህሮኦም ቐሪቡ እዩ።
  2. ጌዛዊ ትካል ንስልጣን ዘይወዳድር ሙኾኑ ድማ እዚ እውን እምነት ክህልወካ ዝገብር ናይ ሰብ ሕልና ሙኾኑ እውን የብርህ።
  3. እቲ ዝያዳ ስራሕን ሃልክን ዝሓትት ከም ዓቢ ቡዶሆ ተታሓሒዘሞ ዘለው ድማ ቓልሲ ምቕያር ኣተሓሳስባ ዜጋታት እዩ።
  • እቲ ሃብታም ውርሻ ኤርትራዊ ኣፍታትሓ ፍልልያት ብባይቶ ዓዲ ኣቢሉ ዝኮየድ ዝነበረ ምስ መግዛእቲ  እንተላይ ብረታዊ ቓልሲ ንሓርነት ዘበርኾቶ  ፍልልያት ሓሳባት ኣብ ክንዲ ብልዝብ ጎነጻዊ ኣፍታትሓ ፍልልያት ሳዕሪሩ እነሆ ድማ።ብምስሉይነት ተጎቢጥና፤ ባህላዊ ተሓድሶ የድሊ ኣሎ ይብሉ ኣለው እዞም ቡጻት።
    • ክፉእ እናረአኻ ስቕታ፡
    • ንጉጉይ – ጌጋ፡ ንቕኑዕ – ቅኑዕ ዘይምባል፣
    • ንዘይትኣምነሉ ምምእዛዝ፣
    • በደልን ተንኮልን ኣብ ከባቢኻ እናተፈጸሙ ዘይምቁጣዕ። ንዝኾነ – ምቕባል .. ምጽዋር… ሞራላዊ ደረት ዘይምህላው .. .. ጥፍኣት መንእስያትና ከም፡  ጥፍኣት ህዝቢ፡ ጥፍኣት ሃገር.. .. ጥፍኣት`ቲ ውልቀ-ሰብ  ዘይምርኣይ
  • ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ተረዲኦሞ ጎስጋስን ኣስተምህሮ ተታሓሒዞሞ ምህላዎም ባህ ዘብል ትምህርታዊ ኣቓሪርቦኦም ፈትዮ።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ውዱዓውነት ተበጊሰ ኣባል እዚ ምንቅስቓስ ኾይነ ደገፈይ ክህብ ዓይነይ ኣይሓሰኩን፣ ተጽግበኒ ቅጫ ኣብ ሞቑላኣ ካላ ይፍልጣ ይብሉ መሳሎ። ስለዚ ድማ  ኣካል እዚ ናብ ዓወት ዘምራሓና ማኣዲ ሙኾን ሓልል እዩ ሃየ ተጸንበሩ።

ዳሓር ድማ:  ሞትና ፡ ስቓይና ፡ ማእሰርትና ፡ ስደትና ፡ መከራና ሳዕሪሩ ፤ ኩሉ ነገር ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ኣሎ ፤ እነሆ ክብርና ተቐንጢጡ ፡ መሰልና ተጋሂሱ ፡ንብዓት አደ  ንውላዳ ኮይኑ ዘመኑ። ቁጠባዊ ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ሰብኣዊን መሰልና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጅሆ ተታሒዙ። ሕድሪ ስዉኣት ተጠሊሙ : ወርቃዊ ዕድል መንእሰያትና ባኺኑ ፡ ገጠራት ኤርትራ ባዲሙ ፡ ወላዲት ወላድ መኻን ኮይና ፡ ቤተሰባት ጸኒተን:: እንዳረኣኤኩ ስቕ ምባል ዓገብ እዩ።  ኣነ ንጉዳይ ሃገረይ ዘይተበገስኩ መን እዩ እሞ ክብገስ፣ ሎሚ እንተዘይ ኾይኑ ማዓስ ድኣ  ክኸውን።

ስለ’ዚ ደቓ ሃገረይ ደልይቲ ፍትሒ ሃየ ከማይ ተጸንበሩ ናብዚ ቁድስ ሓሳብ፣ ስቓይና ከብቕዕ

 

ካብ ሓውኩም ሞጎስ ያቆብ

ደቡብ ኣፍሪቃ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde November 19, 2016

    Haw mogos ,that is the right prescription for our dilemma,unfortunately majority of us act like a non compliant patient who doesn’t follow through with his/her treatment and the disease persists,in order to solve this problem,we need to acknowledge and get rid of the obstacles that is holding us back from taking the prescription.

POST A COMMENT