Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕንደራ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን።

ዕንደራ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን። እቲ ብዑሱብ ኣምባሳደር የውሃንስ ተክለሚካኤል ዝምራሕ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጁባ፡ ኤርትራውያን ካብ ምዝራፍን ምስላይን ሓሊፉ፡ ዉልቃዊ ሃብቲ ዘኻዕብተሉ መንገዲታት ሃሰው ናይ ምባል መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝተራእየ ሓሸውየ

ዕንደራ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን።

እቲ ብዑሱብ ኣምባሳደር የውሃንስ ተክለሚካኤል ዝምራሕ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጁባ፡ ኤርትራውያን ካብ ምዝራፍን ምስላይን ሓሊፉ፡ ዉልቃዊ ሃብቲ ዘኻዕብተሉ መንገዲታት ሃሰው ናይ ምባል መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝተራእየ ሓሸውየ ናይ ምዕዳግ ሰለስተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ከባቢ ሃይ መለካል (Hai Melakal ) ዝበሃል ሰፈር ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

እቲ ህንጻ ብ ኣቶ ኣበበ ታደሰ ዝበሃል ኢትዮጵያዊ ዝውነን ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ካብ ስራሕ ደው ብምባሉ ንመሸጣ ከም ዝቐረበ ይፍለጥ። ስለዚ ድማ፡ ደላሎ ብምውፋር ሃሰው ክብሉሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣቶ ኣስመሮም ዝበሃል ኤርትራዊ ኣብ ዱባይ ምቕማጡ ንኽገዝኦ ብምትሕብባር ደላሎ፡ ዳግም ዘድንግልን ( ኤርትራዊ ዝመበቆሉ ኢትዮጲያዊ ) ተኪኤ ወልዳይ ዝበሃል ኤርትራውን ናይ ምርኻብ ስራሓት ይጅመር። እንተኾነ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ኤርትራ ዝኾነ ኣቶ ፍሃድ ኢዱ ብምእታው፡ እቲ ኤምባሲ ክገዝኦ ምዃኑ ብምጒባዕ ነቲ መሸጣ ደው ከብሎ ፈተነታቱ ቐጸለ። በቲ ዝተኸሰተ ምጒብባዕ ዘይተሓጎሰ ወናኒ ህንጻ ኣቶ ኣበበ ታደሰ ነቲ መሸጣ ናብ ኤምባሲ ከምዘይፍጽሞ ደጋጊሙ ቅሬቱኡ ብምግላጽ ብመሰረት ዝተሰማሞዖ መስርሕ ምሻጥ ናብ ኣቶ ኣስመሮም ብ 170000.00 ኣሜሪካ ዶላር መሸጣ ይፍጸም።

ኣብ መጋቢት 04/2019 ፡ ኣምባሳደር ዮውሃንስ ንጎይትኡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣቢይን ኣሰኒዩ ንጁባ ድሕሪ ምምጻእ፡ ን ኣቶ ኣስመሮም ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ብምጽዋዕ ኣብ ምጉቡባዕን ምፍርራሕን ቃላት ኣተወ። እንተኾነ ኣቶ ኣስመሮም እቲ ህንጻ ከም ዘድልዮን ንውልካዊ ስርሓቱ ክትቀመሉ ምዃኑን ሓበሮ።
ይኹን`ምበር፡ ዕሱብ ኣምባሳደር ዮውሃንስ ንካልኣይ ግዜ ንኣቶ ኣስመሮም ናብ ኤንባሲ ብምጽዋዕ፡ ነቲ ህንጻ ናብ ኤሪትራ ኮሚኒቲ ከመሓላልፎ ሃገራዊ ትእዛዝ ምዃኑን እዚ ምስዘይፍጽም ድማ መሰላቱ ከምዝግሃስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ስድራቤቱ `ውን ኣብ ሓደጋ ከምዘኣትዉን ሓበሮ። እቶ ኣስመሮም ድማ ብዝተዋህቦ ምፍርራሓት ምብስጋእ ነቲ ህንጻ ክገድፎ ተሰማምዐ። እንተኾነ ኣቶ ኣስመሮም ዝኸፈሎ ክፍሊት ኣብዚ ግዜ እቲ ኮሚኒኒ እኹል ገንዘብ ስለዘይብሉ ገንዘቡ ከሕውይዎ ከም ዘይክእሉን እቲ ዕሱብ ኣምባሳደር ካብ ተቐማቶ ጁባ ሓገዝ ብምሕታት ነቲ ገንዘብ ከሕውዮ ምዃኑ ተመጻቢዑ ነቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ከተግብሮ ኣዘዞ።
ከም ዝፍለጥ እዚ ዕሱብ ኣምባሳደር ኣብ ዱባይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ገንዘብ ኣዋጽኡ ናይ ምባል ተመኩሮ ዘለዎ ኾይኑ ኣብ ኣብ ቀረባ እዋን  `ውን ንሰብ ማል ኤሪትራውያን ኣብ ጁባ ብምእካብ ነብሲ ወከፍ በዓል ማል 5000 ኣመሪካ ዶላር ከዋጽእ ሓቲቱ ምንባሩ ይፍለጥ።
ሕጂ ውን ብዘውጾኦ መሰረት ነዚ ዝስዕብ ገንዘብ ክዋጻእ ብሰንበት ዕለት 31/03/2019 ኣብ ስታር ሆቴል ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣዚዙ።

ኣብቲ ኣኼባ ሓፈሻዊ መግለጺ ኩነታት ኤርትራን ተበጺሑ ዘሎ ናይ ሰላም ኩነታት ምስ ኢትዮጲያን ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ስርዓት ወያነ ኣብ ናይ 1998 መርገጺ ብምህላዉን ፡ ስለዚ ድማ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እምቢታት ወያነ ይሕግዞም ከም ዘሎን ከም ኣድላይነቱ ድማ ወያነ ብሓይሊ ብረት ውን ክእለ ከም ዝኽእል ኣብሪሁ። ከምኡ ውን በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምቅይያራት ሓይሊ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ነዚ ዞባ ብኢደ ዙር ከም ዝመለኾ ኣረዲኡ።

ብምቕጻል ኣብ ቀንዲ ጉዳዩ ብምእታው ነቲ ናይ ዕድጊ መስርሕ ብኤርትራ ኮሚኒቲ ከምዝተፈጸመን እንተኾነ እቲ ኮሚኒቲ እኹል ዓቕሚ ስለዘይብሉ ኩሉ ኤርትራዊ ገንዘብ ከዋጽእ ኣዚዙ።

በዚ መሰረት ዘድልዮ ገንዘብ ድማ ፡
መዐደጊ ህንጻ 170000.00 ዶላር ኣመሪካ
ክፍሊት ናይ ደላሎ 20000.00 ዶላር ኣመሪካ
ዓመታዊ ናይ ክራይ መሬት 12000.00 ዶላር ኣመሪካ (land lease fee ) ፡
ን መተዓራረይ እቲ ህንጻ ድማ ልዕሊ 1000000.00 ደቡብ ሱዳን ፓውንድ፡ ብድምር፡ ልዕሊ 230000.00 ኣመሪካ ዶላር ክዋጻእ ኣዚዙ ምህልዉ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ እዚ ዕሱብ ኣምባሳደር ንምስሉይ ዕንደርኡ ንኸእምን እዚ ዝተጠቐስ ህንጻ ኣገልግሎቱ ንኤርትራ ኢምባሲን፡  ከምኡ ዉን ንኣብ ጁባ ዝነጥፋ ማሕበራት ከም ብዓል ፡ ማሕበር ሽቃሎ፡ ማሕበር ናይ ወሃብቲ ማይ ቦታትን ፡ ማሕበር  ዕሹግ ማይ ናይ ምፍራይ ፋብሪካታት ከገልግል ምዃኑ ገሊጹ።

ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ

ጁባ፡ ደቡብ ሱዳን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde April 7, 2019

    You don’t have to raise all those funds to buy those killer aviators.What kind of times are we living?

POST A COMMENT