Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሽረ

ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ካብ 09-12 ጥሪ 2012 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳ  ስላሴ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር ኢዩ፡፡እዚ እዋናውን ኣገዳስን ዘተ መናእሰያት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጲያ ብምሉእ ዓወት ከም ዝተዛዘመ ውን፡ ኣብ ግዚኡ ብመራኸቢ ብዙሓን ተገሊጹ

ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ካብ 09-12 ጥሪ 2012 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳ  ስላሴ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር ኢዩ፡፡እዚ እዋናውን ኣገዳስን ዘተ መናእሰያት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጲያ ብምሉእ ዓወት ከም ዝተዛዘመ ውን፡ ኣብ ግዚኡ ብመራኸቢ ብዙሓን ተገሊጹ ኢዩ፡፡ዘተ ኤርትርውያን መናእሰያት ስደተኛታት ዝወደበ ወይ ዝጸወዐ ኣካል ግን መን’ዩ?ስለምንታይ’ከ ኣብ ከተማ ሽረ ክኸውን ተመሪጹ?ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ ምንታይ ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ተዛትዮም?ኣብቲ ዝነበረ ናይ ዘተ መኣዲ ኢድ መንግስቲ ኢትዮጲያ ወይ ጸቕጢ ነይርዎ’ዶ?መናእሰያት ሰደተኛታት ዘሕለፍዎ ትብዓት ተሳታፍነቶም ዘጉለሐ ውሳነን ለበዋን ኢድ ካልኦት ኣካላት ነይርዎ’ዶ? ኣቦ ወንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ኣብ ዘተ መናእሰያት ስደተኛታት እንታይ ግደ ነይርዎ???እዝን ካልእን  አገደስቲ ሓበሬታ ነቲ ብሃንቀውታ ዝጽበ ደላይ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ ምግላጽ ነቲ ኣብ ጥርዚ ዝርከብ ተሰፋታቱ ብዝያዳ ምብራኽ ኢዩ፡፡እቲ ምንታይ ካብ ዝቐበረስ ዘላቐሰ ዝዓይነቱ በቶም ንዑሙር ዳስ ደምበ ተቓውሞ ክዘርጉ ድርዕቶ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተጎምጊሞም ኣምሰሉ ሓሶት ዘጋውሑ ተበለጽቲ ከለልዮም ስለ ዝግባእ፡፡ቅድሚ ናብቲ መበገሲ ጽሑፈይ ምስጋረይ ሓደ ከዘኻኽሮ ዝደሊ ነገር ኣሎ፡፡ደምበ ተቓውሞ ብኹሉ መዳያቱ ደልዲሉ ድመጺ ህዘቢ ብዓውታ እምቢ ንምልኪ እናቓለሐ ኣብ  ዜናን ፕሮፖጋንዳን ስራሓቱ ኣዝዩ ኣዝዩ ደኺሙ የለን ክትበሎ ውን ዘድፍር ኢዩ፡፡ነዚ ፍጹም  የለን ከትብሎ ዘድፍር ጉዳይ ዜናን ፕሮፖጋንዳን ደምበ ተቓውሞ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዓቢ ኣቓልቦ ሂቡ ክሰርሓሉን ከበራብሮን ከዘኻኽሮ እደሊ፡፡

ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ብዓንደርእሱ ካብ መን ብኸመይ ነቒሉ?እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ ተወኪሎም ዝተሳተፉ መንእሰያት ብዓውታ ክምልስዎ ዝኽሉ ሕቶ ኢዩ፡፡ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ ኣብ መንጎ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ተደጋገምቲ ርክባት መናእሰያት ብውልቀ ተበግሶ እካየድ ነይሩ ኢዩ፡፡ሓደ ንመናእሰያት ዝውክል ኮንፈረንስ እንተዝካየድ ዝብል ዛዕባ ከም ሓሳብ ውን ቀሪቡ ነይሩ ኢዩ፡፡ገለ ካብቶም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጲያ ብህዝቢ ተወኪሎም ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ ዝተሳተፉ ኣብዚ መርሓ ሓሳብ’ዚ ጽኑዕ መርገጺ ዝነበሮም ኢዮም፡፡ሕመረት ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ካባና’ዩ ክብገስ ዘለዎ ብምባል ድማ ከም ሓደ ዘይትርፍ ዕዮ ገዛ ወሲዶሞ፡፡እቲ ምንታይ ብዝወሓደ ወጻኢ ኣብ ዝሓጸር ግዜ ብርክት ዝበሉ ኣብ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዝርከቡ መንእሰያት ከተሳትፈሉ ትኽእለሉ ምቹእ ቦታ፡ኣብ ኢትዮጲያ ጥራይ ብምዃኑ ኢዩ፡፡ካብዚ ብምብጋስ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝረከቡ መናእሰያት ስደተኛታት ምስ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሕዋትና ተራኺብና ከንዛተ ብምባል ሓሳብ ኣቕሪቦም፡፡እዚ ሓሳብ’ዚ ብመገዲ ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ARRA ሽረ ናብ  ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉዳይ ስደተኛታት መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣዲስኣበባ ተሰጋጊሩ፡፡ብመሰረት ሕቶ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት እቲ ጉዳያ ተጸኒዑ ባጀት ተሰሊዕዎ ክካየድ ተፈቒዱ፡፡ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝኾነ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝግበር ኤርትራዊ ቃልሲ ብኹሉ መዳያቱ ክሕግዙ ቁሩባት ምዃኖም ብዘይ ዘኾነ ምክውዋል ብእዉጅ ገሊጾም ኢዮም፡፡በዚ መሰረት ሕቶ ዘተ ኤርትራውያ መናእሰያት ስደተኛታት ንኽካየድ መንግስቲ ኢትዮጲያ እቲ ዝድለ ሓገዝ ሂቡን ገይሩን ኢዩ፡፡ንሰለስቲኡ መዓስከራት ማለት ነቲ ዝበዘሐ ቁጽሪ ስደተኛታት ሒዙ ዝርከብ ንመዓስከር ስደተኛታት ሸመልባ፡ማይዓይኒ፡ዓደሓሩሽ ኣብ ግምት ብምእታው ዝቐረበ ቦታ ኣብ ከተማ ሽረ ክኸውን ተመሪጹ፡፡ቅድሚ ናብ ከተማ ሽረ ምብጋስና እቲ ዛዕባ እንታይ መዃኑ እንታይ ምድላዋት ክንገብር ከምዘለናን ብፍላይ እቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳተፍና ብሓባር ተመያይጥናሉን ተረዳዲእናሉን ኢና፡፡ካብዚ ወጻኢ ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ዝተሰወረ ውዳበ ይኹን ጻውዒት ኣይነበሮን፡፡ስምረትን ሓድነትን ኤርትራውያን ሓደ ለይቲ ውን ከሕድሮ ከምዘይክእል ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጥ ቶታሊተርያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. በተን ጸላም ከደኖ ተጎለቢቡ ዝምውለን ልኡማት ዌብ-ሳይታት ተኸዊሉ፡ ነውጺ ቅልውላው ዓቕሊ ጽበቱ ከም ብዕራይ ግንቦተ ሰነ ፉፍ…..ፍ እንተበለ ዝገርም ኣይኮነን፡፡እዘን ብጸጋማይ ኢደን ውድቀት ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እናጨራሐ ብየማን ይንበር ዘቃልሐ ዌብ-ሳይታት፡ኣብ ክንዲ ኣብ በረድ ዝተጸሕፈ ዘየለን ዘይነበረን ጽሑፍ ከንብባ ዝህቅና፡ነቲ ንህላወ ኤርትራን ኤርተራውያንን ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ስርዓት እጃመን እንተዘበርክታ፡ኣብ በረኻታት ሲናይ ዝፍጸም ዘሎ ኣስካሕካሒ ቅተለትን ጭውያን መናእሰያት ኤርትራ ንማሕበረሰብ ዓለም እንተ ዘፍልጣን እንተዘቃልሓን መምሓረለን፡፡ካብ እኽሊ ንላዕሊ ሰብ ከምዝስፈር ውን ከስተባህላ ይግበእ፡፡ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ‹‹ደጊም ዓፍራ አይንረግጽን!!››ብዓውታ ዘቃልሕ ዘሎ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ህዝቢ እዞም ሰባት መን’ዮም? ከም ኣጻብዕቲ ኢዱ ፈሊጥዎምን ኣለልይዎምን ብምህላዉ ግን ዘሻቕል ኣይኮነን፡፡

ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዘተንባህኩዎ ካብ ሓሙሽተ መዓስከራት ስደተኛታት ሸመልባ፡ ማይዓይኒ፡ዓዲሓሩሽ፡አሳይታ፡በራሕለን ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ኢትዮጲያን ዝተዋጻእና ኣስታት 160 ስደተኛታት ኢና ኣብ ከተማ ሽረ ተኣኪብና፡፡ቀንዲ ዕላማ መዛረቢ ዛዕባና ድማ ህሉው ሃዋህው ኩነታት ሃገርና እንታይ ይመስል? ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ዲፕሎማስያዊ መዳያት ሃገርና ከመይ ኣሎ?ተራ መናእሰያት ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብኸመይ ይግምገም? ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምስ መላእ ህዝቢ ተባቲኹ ኣብ ኣፋፌት መቓብር በጺሑ እናተሳሕገ በኸመይ ኢዩ ህላውነቱ ዓቂቡ ዝቕጽል ዘሎ? እዚ ቶታሊተርያን ስርዓት ኣበየናይ በዐቲ ’ዩ ተዓቝቡ ወይ ተሓቢኡ ዝርከብ ዘሎ?እዚ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ጨፍጫፍን በታታንን ስርዓት ብቕልጡፍ ንኽእለ እንታይ ክግበር ኣለዎ? ወዘተ…………….ዝብሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት ኣልዒሉ ኢዩ ብዕምቀት ተዛትዩን ተመያይጡን፡፡እቲ ዝግበር ዘተ ንኹሉ ኣሳታፊ ንኽኸውን ድማ ተሳተፍቲ መናእሰያት ካብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣትሒዞም ኣብ ሓሙሽተ ጉጅለታት ከም ዝከፋፈሉ ተገይሩ፡፡ካብ ውሽጠና ብዝተመርጹ መናእሰያት ድማ እቲ ዘተ ንሰለስተ መዓልታት ቀጺሉ፡፡ሓሙሽቲኤን ጉጅለታት ንኹሉ መዛረቢ ዛዕባታት ብሱል ብዝኾነ ሃናጺ ሓሳባት እናሀብተማ ብርሱን ከትዕ ኢየን ዛዚመነኦ፡፡ከም መርኣያ ውሁድ ምርድደአን ከኣ ሓደ ኣረኣእያን መርገጽን ሒዘን ብምሉእ ዓወት ንኽወጻ ኪኢለን ኢየን፡፡ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊስን ዓማጺ ስርዓተ ምሕደራን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኩነታት ሃገርና ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ መዓሙቕ ተሸሚሙ ከም ዝርከብ ተገምጊሙ ኢዩ፡፡ከም መፍቲሒ ሓሳብ ድማ እቲ ስርዓት ብዝቐልጠፈ ክእለ ኩሉ መዳያዊ ጻዕሪ ክግበር ተሰማሚዑን ወሲኑን፡፡እቲ ጉዳይ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ግብራዊ ስራሓት ብዝቐልጠፈ ክሰጋገር እጃምን ኣበርከቶን ኤርትራዊ መንእሰይ እቲ ቀንዲ ሓይሊ ምዃኑ ኣነጺሩ ኢዩ፡፡ካብ ዘኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ሓድነት ኤርትራውያን መናእሰያት ዝተንጸባረቐሉ ኣጋጣሚ ብምንባሩ ድማ ኣብ ርእሲ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከቢድ ስግኣት ከንጸላሉ ባህርያዊ ኢዩ፡፡ኮይኑ ግን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ቅንጣብ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ውን ትኹን ኢድ መንግስቲ ኢትዮጲያ ወይ ጸቕጢ ኣይነበሮን፡፡ኣብ ሽረ ተኣኪቡ ዝተዛተየ  ኤርትራዊ መንእሰይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብኤርትራዊ ቃልሲ ጥራይ ክእለ ከምዘለዎ ናይ ከልእ ኢድ ምትእትታው ግን ነቲ ሽግር ከምዘይፈትሖ፡ብመንጽሩ እኳ ድኣ ከምዝሓላልኾ ብግሉጽ ኣቐሚጡ ኢዩ፡፡

ብዜካ’ዚ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት መንግስቲ ኢትዮጲያ እንታይ ይመስል?ኣብ ከመይ ዝበለ ጽኑዕ መትከላትን ዕላማን ዝተሰረተ ኢዩ?ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ እንታይ ይመስል?ካልእን ብላዕለዎት ሰበስለጣን ክፍሊ ኢሚግረሽንን ስደተኛታትን መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘዕግብ እኹል መግለጽን መረዳእታን ረኺቡ ኢዩ፡፡ኣብዚ ግሉጽን ክፉትን መኣዲ ዘተ እቶም ኣከራኸርቲ ዝመስሉ ኣጀንዳታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዕሙቀት ኢሂን ሚሂን ተባሂሉሎም ኢዩ፡፡ ጠንቂ ምውላዕ ኲናት ግንቦት 1998 ዓ/ም እንታይ ኢዩ? ኲናት ዝጀመረ ወገን ብርግጽ መን’ዩ? ስለምንታይ ኮምሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ ክልቲኡ ሃገራት ዘይተተግበረ? መንግስቲ ኢትዮጲያ ዳግማይ ንኤርትራ  ምውራር ዕላማ ኣለዎ? ወደብ ዓሰብ ከሕዘዋ እደለዩ ኢዮም? ዝበሉን ካልኦት ሕቶታትን ውን ተላዒሎም ኢዮም፡፡ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ሰፊሕ ዝርዝራዊ መልሲ ተዋሂቡ ኢዩ፡፡ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጲያ  ውን ተነጺሩ ኢዩ፡፡መንግስቲ ኢትዮጲያ ንናጽነት ኤርትራ  ዝደገፈን ቀዲሙ ዝፈለጠን ኢዩ፡፡ቀዲምካ ኣፍለጦ ምሃብ ንባዕሉ ናገዛእ ርእሱ ሚዛንን ረቛሒታትን ኣለዎ ኢዩ፡፡ እዚ እዋናዊ ዘተ ዝጸናሓና ስክፍታታት ዝኣሊ እምበር ካልእ ሕቡእ ውዲት ወይ ኣጀንዳ ኣይነበሮን፡፡

መትከላዊ እምነት መንግስቲ ኢትዮጲያ ብኸምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ንተሳተፍቲ መንእሰያት ተገሊጹን በሪሁን ኢዩ፡፡ ናብ ወለዶታት ዝሰግር ቂምታን ጽልእን ክንገድፍ የብልናን፡፡ህዝቢ ኤርትራ ከም ማንም ጎረቤት ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ሓው ህዝቢ ኢትዮጲያ ውን ኢዩ፡፡ብሰንኪ ዘይምርድዳእ  መንግስታት ዝተገብረ ኣዕናውን ኣህላቕን ኲናት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ከም ነባሪ ቅርሕንቲ ክስርትን ከሰጋገርን የብሉን፡፡እቕረ እቕረ ምብህሃል ትብዓት ዘድለዮ ልቦና ኢዩ፡፡ዳግማይ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት ኲናት ክውላዕ ኣይንደልን፡፡ቀዳማይ ጸላኢና ድኽነት ኢዩ፡፡ድኽነት ንምስዓር ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ተደጋገፍቲ ክኾና ምጽዓር ይግባአ፡፡ነዚ ቅዱስ ራእይ ኣብ ተግባር ንምውዓሉ ድማ፡ ብኹሉ መዳያቱ ዝተረጋግአ ሰላም ዝሰፈኖ ሕብረተ-ሰብ ምፍጣር የድሊ፡፡ ናብዚ ናይ ልምዓት ጎደና ንኸይ ንሰጋገር ኣብ ገዛእ ህዝቡን ጎረባብቲ ሃገራትን ኲናት ዝኣወጀ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢዩ፡፡ብሰሪ ኣዕናውን በታታንን ሓደገኛ ፖሊስኡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ይኹን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተነጺሉ ንህዝቢ ኤርትራ ብኣፈሙዝ ብረት ጅሆ ሒዝዎ ይርከብ ኣሎ፡፡ከብዚ ብምብጋስ  ንፍትሓውን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ጎድኒ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ውድባትን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ደው ብምባል ኩሉ መዳያዊ ሓገዝ ከምዝገብር ደጊሙ ኣረጋጊጹ ኢዩ፡፡

ብዜካ’ዚ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ንዝተወሰነ ሰዓታት ምስተዛተይቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ተራኺቡ ኢዩ፡፡ ዶ/ር ዮሱፍ ብስም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መልእኽቲ ንመንእሰያት ኣቕሪቡ፡፡ ነቲ ዝቐረበ መልኽትን ለበዋን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ  ተሳተፍቲ መንእሰያት ብኽፉት ልቢ ተቐቢሎሞ ኢዮም፡፡ ብተወሳኺ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ደ/ር ዮሱፍ ጉባኤ ኣዋሳ ከመይ ከምዝነበረ ሒዝዎም ዝወጸ ዓወታትን  ንመጻኢ ክስሩሑ መደብ ዝተታሕዘሎም ዛዕባታትን ንተሳተፍቲ መብርሂ ሂቡ ኢዩ፡፡ካብ ተሳተፍቲ ዝወሓዙ በዳህቲ ሕቶታት ውን መልሲ ሂብሉ ኢዩ፡፡ ካብዚ ወጻኢ ዘተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሽረ ዝተሰወረ ዛዕባ ኣይነበሮን፡፡ ሕመረት ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ዕምሪ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዝቐልጠፈ ንምሕጻር ምስ  ኩሎም ፖለቲካውያን ውድባት ብምውህሃድ  ብኸመይ ንሰርሕ ዘዓለመ ኢዩ ነይሩ፡፡ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ግደ ፖለቲካውያን ውድባት ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተሳተፍቲ መንእሰያት ብሰፊሕ ተማያይጦምሉ ኢዮም፡፡ሓርበኛታት ኣቦታትናን ኣያታትናን ናቶም ክረምቲ ኣሕሊፎም ኣብናትና ከረምቲ ውን ዳግማይ ናይ ቃልሲ እጃሞም የበርከቱ ብምህላዎም ክብሪ ዝግቦኦም ኢዩ፡፡ ሎሚ መንእሰይ፡ ዓቢ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ውድባት፡ንቓልሲ ዘየሰጉም ማሕለኻታት እናደረደርካ ንፈላለየሉ ግዜ ኣይኮነን፡፡ዘለናዮ ሃዋሁ ናይ ህላወ ሕቶ ኢዩ፡፡ዘዝዐቕምና ጸጸር ንድርብየሉ ግዜ ምዃኑ ምዝካር የድሊ፡፡ሓይሊ መንእሰይ ሓይሊ ሃገር ምዃኑ ኣሚና ኤርትራውያን መንእሰያት መሪሕ ተራና ከንጻወት ስቅያት ወገናትና ብዓው ዝበለ ድምጺ የድህየና ኣሎ፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሚኪኤል እምባየ(ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Dawit Tsehaye January 25, 2012

    nezi kitxhf weyane kindey kefilomkha

  • Semhar January 26, 2012

    Gaddafi is dead Isayas is next!
    – His boss (Mubarak of Egypt) is thrown out of power.
    – The international community’s talking peace and carrying big stick [sanctions] is having an effect.
    – The Eritrean people are beginning to realize that there is no point in waiting for the regime to reform itself — that it needs to be overthrow.
    This is the moment we must come together to save our land and our people.

    Let freedom ring in Akeleguzay!
    Let freedom ring in Barka!
    Let freedom ring in Denkel!
    Let freedom ring in Hamasien!
    Let freedom ring in Sahil!
    Let freedom ring in Semhar!
    Let freedom ring in Senhit!
    Let freedom ring in Seraye!

    Let freedom ring in ERITREA!

    Let freedom ring allover Eritrea!
    Let’s LIVE FREE OR DIE with dignity.
    Our martyrs did not die to crown the tyrant.
    We must reclaim our flag, our constitution, Highi Indaba, our land (our original provinces), our people,

  • robel January 26, 2012

    SEMAHRRRRRRRRRRR
    well you seem you propagating you Awrajawi atahasasiba every where.
    I am on your side when you seek for change in Eritrea!
    But when you talk about freedom in one hand and talk about awrajanet !
    please open your mind we don’t need such narrow minded people !
    we will fight for our rights ! but these awrajatat that you try to highlight doesnt exist in Eritrea any more incase you didn’t know !

POST A COMMENT