Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዜና ዕረፍቲ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉን ኢሰብኣዊ ተግባራት ኢሳያስ ኣፈወርቅን

ከምቲ ኣብ ናይ ኤርትራውያን ተቃወምቲ ማዕከናት ዜና ዝግለጽ ዘሎ ኣነውን ንናይ ሞት ዕረፍቲ ናይዝጊ ክፍሉ እታ ዝዓረፈላ ምዓልቲ ብሰኑይ 6 ለካቲት ሰሚዔ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ናይ ሓላፊ ፓለቲካዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንት

ከምቲ ኣብ ናይ ኤርትራውያን ተቃወምቲ ማዕከናት ዜና ዝግለጽ ዘሎ ኣነውን ንናይ ሞት ዕረፍቲ ናይዝጊ ክፍሉ እታ ዝዓረፈላ ምዓልቲ ብሰኑይ 6 ለካቲት ሰሚዔ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ናይ ሓላፊ ፓለቲካዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣቶ የማነ ገብረኣብን ምስ መንግስቲ እንግሊዝ ንክራኸቡ ኢሎም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ስለዝነበሩ፣ ብኣንባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣየርላንድን ኣቶ ተስፍሚካኤል ገራህቱ ተዓጂቦም ንብጻዮም ነበር ኣቶ ናይዝጊ ክበጽሑ ንገዝኡ ምስከዱ በጋጣሚ ሽዑ ዓሪፍ ጸኒሑዎም፣ ከምቲ ንቡር ነቢዖም ሓዚኖም ከዱ። ብድሕሪኡ ዋላ እኳ ኣብ ከተማ ለንደን እንተጸንሑ፣ ናብ እንዳ ሓዘን ገጾም ከይተቐልቀሉ ንኤርትራ ተመልሱ።

ብሓሙስ ዕለት 9 ለካቲት ኣብ እንዳምኪኤል ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣብ ዝተገብረ ናይ ፍትሓት ስነስርዓት፣ ካብ ኤንባሲ ኤርትራ ንመንግስቲ ኤርትራ ወኪሉ ዝተረኽበ ሰብ ኣይነበረን። እቶም ቀንዲ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ኣይተረኽቡን። ህይወት ታሪኽ ናይ ምውት’ውን ኣይተነበበን። እቲ ናይ ስርዓተ ቐብሪ ፍትሓት ዝገበረ ካህን ቀሺ ዮሃንስ ስብሃቱ’ውን ቀንዲ ደጋፊ መንግስቲ ኤርትራ ስለዝኾነ በቲ ዝተዓዘቦ ከይገረሞ ኣይተርፍን ኢለ ይኣምን።

ሬሳ ምውት ብቀዳም ዕለት 11 ለካቲት ንኤርትራ ከምዝኸይድ ተሓቢሩ። ድሕሪ እቲ ፍትሓት ግን ኣብ ስድራቤት ምውት ሻቕሎት ክረእይ ጀሚሩ። እቶም ናይ ምውት ሬሳ ንኤርትራ ንክኸይድ ሓላፍነት ወሲዶም ዝነበሩ ናይ ሬሳን ቀብርን ዘሳልጡ ትካል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንናይ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ሬሳ ብካርጎ ንክኸይድ ዘድልዮም ፍቓድ ካብ ኤንባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ክረኽቡ ኣይክኣሉን።

ብዓልቲ ቤት ናይዝጊ ክፍሉ ወ/ሮ ሓረጉ ንኣንባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ብተደጋጋሚ ክትረኽቦ እኳ እንተፈተነት የለኹን ክምዘበለ ይንገር። ካብኡ ሓሊፋ’ውን ንኤርትራ ናብ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናትን ናብ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከይተረፈ ንኽትረክቦምን ንክሕግዙዋ ኢላ ደዊላ እኳ እንተነበረት ከምዘይተዓወተት ግን ተፈሊጡ። ጓሉ ንናይዝጊ ክፍሉ ማርታ ናይዝጊ ንኤንባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ብኣካል ከይዳ ሬሳ ናይ ኣቡኣ ንምንታይ ንኤርትራ ከይዱ ንክቕበር ተኽልኪሉ? መንከ እዩ እቲ ከልካሊ? ኢላ ኣብ ዝሓተትሉ፣ ኣቶ ሚኪኤል ተስፋይ መምርሒ ካብ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ይጽበዩ ከምዘለው ምስነገራ፣ መንዩ እቲ ወጻኢ ጉዳያት ትብሎ ዘለኻ፣ ሚንስተር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ገዛና መጺኡ ሓዘን በጺሑ ከይዱ እንድዩ። እሱ ደይኮነን ሓላፊ ናይ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢላ ከምዝመለሰትሉ ይሕበር። ብድሕሪኡ እቲ ጉዳይ ኣብ ለንደን ክፍታሕ ክምዘይክእል ምስተረድእት ‘ንባባኣ ኢሳያስ’ ባዕላ ክትረኽቦ ኢላ ንኣስመራ ከምዝኽደትን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብኡ ከምትርከብ ተረጋጊጹ።

ናይዝጊ ክፍሉ ኣብዝሓለፈ ዓመት ኣዝዩ ሓሚሙን ዋላ’ውን ክዛረበሉ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ እኳ እንተነበረ፣ ቀቅድሚ ህይወቱ ምሕላፋ ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ ልሳኑ ከፊቱ “ኣይትደንጉያኒ ንዓደይ ውሰዳኒ” ኢሉ ተላብዩ እዩ ዓሪፍ።ብኡኡ ድማ እየን ሰበይቱን ደቁን ናይ መዋቲ ሬሳ ንዓዱ ክንወስዶ ኣለና ኢለን ኩሉ ዝከኣለን ዝገብራ ዘለዋ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ መዋቲ ሬሳ፣ ኣብ መቐመጢ ሬሳታት ኣብ ከተማ ለንደን እዩ ዝርከብ ዘሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ነንባቢ ክገልጾ ዝደሊ፡ ኣነ ከም ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት መጠን ንናይዝጊ ክፍሉ ካብ 2005 ጀሚረ በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘውረዶ ግፍዕታት፣ ማእሰርቲ፣ቅትለትን ስቅያትን ገለ ካብ ግዳያቱ ወኪለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ፍርዲ ንክቐርብ ክሰርሕ ጸኒሔ። እቲ ንዑዑ ኣብ ፍርዲ ንምቕራብ ዝግበር ዝነበረ መስርሕ ከደናጎይ ምስ ጀመረን ናይ ጥዕንኡ ጉዳይ’ውን ኣሻቓሊ እንዳኾነ ምስመጸን ብዕለት 2 ግንቦት 2008፣ ነቲ እሱ ዝገበሮ ግፍዕታትን ክስታትን ዘቓልዕን እቲ ጉዳይ ብፓሊስ ዓዲ እንግሊዝ ይጽናዕ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ህዝቢ ዘርጊሔ። ኣብቲ እዋን’ቲ ናይዝጊ መበል 17 ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓቢሩ ከውዕል ብዕለት 10 ግንቦት 2008 ናብ ኤርትራ ንክኸይድ ምድላዋቱ ወዲኡ ነይሩ።

እንተኾነ ውልቀመላኺ ኢሳያስ እቲ ብዕለት 2 ግንቦት ብኣይ ዝተዘርግኸ ጽሑፍ ስለዘሰንበዶን ኣብቲ ተጌሩ ኢለ ዝገለጽኩዎ ግፍዕታት ኢድ ከምዘይብሉ ንምምሳል ንናይዝጊ ናብ ኤርትራ ገጹ ከይመጽእ፣ ብዳሬክተር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣቶ ኣብርሃ ካሳ ብዕለት 3 ግንቦት 2008 ኣደዊሉ “ኣብኡ ጽናሕ ከይትመጽእ” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላለፈ።

ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዙ ናይዝጊ ዘይተጸበዮን ዘይሓሰቦን ጥልመት ብጎይትኡ ኢሳይስ ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ስለዝረኣየ፣ ብጭንቀትን ብሕርቃንን ኣብ ቅድሚ እቶም ዝቐርቦም ከስተንትን ይስማዕ ኔሩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ በዚ ከይተደረተ እቲ ናይዝጊ ክፍሉ ከም የማናይ ኢዱ ኮይኑ ኣብ ናይ ጥፍኣት ወፍሪ ንልዕሊ 32 ዓመት ዘገልገሎ ከም መልክዕ ሞሳን ምስጋናን እቲ ናይ ደጊያት ሓረጎት ዝቕመጡሉ ዝነበሩ ቪላ ሂብዎ ዝነበረ ኣብቲ እዋን ንብርቱ ኣብደገ ከምዝድረበይ ጌሩ ነቲ ቤት ብሓይሉ ወሰዶ። እዚ ተግባር ንናይዝጊ ክፍሉ ይኹን ንስድሩኡ ኣዝዩ ዘሕረቀ ጉዳይ ከምዝነበረን ከምዘሎን’ውን ይፍለጥ እዩ።

 

ናይዝጊ ክፍሉ ልክዕ ከም ህጻን ንኢሳያስ ናፊቐ ኢሉ ይበክን ይንኽነኽን ከምዘይነበረ ርክቡ ምስ ኢሳያስ ብከምዚ ዝዓይነቱ ክድዓት ምዝዛሙ ንናይዝጊ ኣዝዩ ስለዝደንጸዎን ስለዘሕረቆን ድማ እዩ ናይዝጊ ኢሳያስ ትብል ሽም ኣጥፊኡ “ፈርዖን” ዝብል ሽም ኣጠሚቑዎ ዝነበረን ከምኡ’ውን “ፈርዖን ደርብይኒ” ኢሉ ዘንጸርጽር ዝነበረ። እዚ ጭንቀት እዚ ዝፈጠሮ’ውን ክኸውን ይኽእል ጉዳይ ጥዕንኡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ከንቆልቁል ድሕሪ ምጽናሕ ንሞቱ ጠንቂ ዝኾነ።

ናይዝጊ ክፍሉ ቅድሚ ግንቦት 2008 ክብሩ ኣብ ኤንባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን፣ ምስ ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ዓዲ እንግሊዝ ይኹን ኣብቶም ላዕለዎት ሰበስልጣናት ህግደፍ ሰማይ ዝዓረገ እዩ ነይሩ። ክስታት ናይዝጊ ቃልዕ ክኸውን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ግና እቲ ከም ፈጣሪኡ ዝሰግደሉ ዝነበረ ኣንባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ’ውን ከይተረፈ እዩ ካብቲ ኤንባሲ ዘርሓቖን ንናይዝጊ ኣመልኪቱ ካብ ሓደ ጋዤጠኛ ወዲ ዓዲ እንግሊዝ ንዝቐረበሉ ሕቶታት’ ውን ከይሓፈረ “ናይዝጊ ዝኾነ ይኹን ርክብ ምሳና የብሉን ብዛዕባ’ዚ ውልቀሰብ’ውን ንፈልጦ ዝኾነ ነገር የልቦን ዝበለ”።

ፓሊስ ዓዲ እንግሊዝ እቲ ዝገብሩዎ ዝነበሩ መጽናዕቲ ኣጠናቒቆም ብዕለት 8 ሰነ 2009 ን16 ሰዓታት ገዝኡ ፈተሽዎ። ዝኣክል ሓበሬታ’ውን ኣከቡ። እቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ስጉምቲ ምእሳር ናይዝጊ ክፍሉ እዩ ነይሩ። ግና ኣብተን 16 ሰዓታት ንገዝኡ ክፍትሹ ከለው ዝተዓዘቡዎ፣ ጥዕንኡ ኣብ ዝኸፍእ ኹነታት ወዲቑ ከምዘሎን እቲ ኣብልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዘውረዶ በደል ይኹን እቲ መስርዕ ናይ ክሲ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ክርድኦ ከምዘይክል ገሚቶም ካብ ሰለስተ ሓካይም ነጻ ዝኾነ ጸብጻብ ብዛዕባ ኩነታቱ ሓቲቶም፣ ጉዳይ ጥዕንኡ እንዳገደደ እንበር ክመሓየሽ ከምዘይክእል ኣረጋገጹ። ብድሕሪኡ ንዓይን ንምሳይ ኮይኑ ብቐረባ ዝሰርሕ ዝነበረ ጠበቓ ናይ ሪድሬስ ዝበሃል ማሕበር ሓበሩና። ከም መዕጸዊ እቲ ጉዳይ’ውን ንዓናን ነቶም ኣነ ዝወከልኩዎም ግዳያት ናይዝጊ ነቲ ውሳነኦም ብጽሑፍ ተዋሂብና።

ናይዝጊ ኣብ 2005 ንዓዲ እንግሊዝ ክመጽእ ከሎ ብሽም ሰበይቱ ካሽ ከፊሉ ዝገዝኦ ገዛ ኣለዎ። ብዙሕ ገንዘብ ከምዝነበሮ’ውን በቲ ዘካይዶ ዝነበርኩ መጽናዕቲ ኣረጋጊጸ። ኣብ ለንደን ሀሮድስ (Harrods) ኣብ ዝበሃል ኣዝዩ ክቡር ዱካን እዩ ንብረት ንዑዑኡን ንስድራቤቱን ዝዕድግ ዝነበረ። ብዓልቲ ቤቱ ብሽማ ክልተ ገዛ ኣብ ለንደን ጥራይ ኣለዋ። በቲ ትሰርሖ ስራሕ ክልተ ቆልዑት እንዳዕበየት ክልተ ገዛውቲ ከተጥርይ ከምዘይትኽእል ምግማቱ ቀሊል እዩ።

ስለዚ ድማ ነቶም ኣነ ዝወከልኩዎም ካብቶም ግዳያቱ ገለ ውሑዳት በቲ ኣብ ልዕሊኦም  ዘውረዶ ስቅያት፣ማእሰርትን ግፍዕን ካሕሳ ክኸፍሎም ኣለዎ ከምኡ’ውን ብሰንኪ ጥዕንኡ ኣብቲ ናይ ገበን ቤት ፍርዲ (Criminal Court) ክቐርብ እኳ እንተዘይከኣለ፡ ኣብ ናይ ሲቪላዊ መጋባእያ (Civil case) ናይ ዝወረዶም ግፍዒ ካሕሳ ዝሕተተሉ ንክቐርብ ብሓገዝ ኣርባዕተ ንሕልንኦም ዝሰርሑ ጠበቓታት እቲ ጉዳይ ስጋዕ ዕለት ሞት ናይዝጊ ክስርሓሉ ጸኒሑ።ኣብቲ ናይ Civil Case ናይዝጊ ብጠበቕዑ ተወኪሉ ንጉዳዩ ክሟገት ዘኽእል ዕድል ኔሩ እዩ።

ብዝኾነ እሱ እታ ዘይትተርፍ ሞት ኣርኪባቶ፡ ኣነ’ውን ንናይዝጊ በቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝገበሮ ግፍዕን በደልን ኣብ ፍርዲ ንምቕራብ ክብገስ ከለኹ እቲ ጉዳይ ከቢድ ከኸውን ምዃኑ ኣይስሓትኩዎን። ግና ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ ዓለም ዘርከበቶም ሃገራዊ ሃዘን ተጌሩሎም ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ወጻኢ ናይ ሓዘን ዝብጽሓሉ ኣዳራሻት ተኻርዮም ምስረኣኹ፣ እዛ ዕድል እዚ ናይዝጊ ንከይረኽቦ፣ ገበን ናይዝጊ ንህዝቢ ንክነግርን እሱ’ውን ገበኑ ፈሊጡ ከመውት ከምዘለዎ ኣሚን ክቓለስ ጸኒሔ።

ናይዝጊ እቲ ብኣይ ዝተጻሕፈ ብዛዕባ ገበኑ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣምጽኡለይ ኢሉ ከምዘንበቦ ሽዑ ፈሊጠ። ብመጀመሪያ ሓንቲ ሓፍትና ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ዓዲ ዃላ ምስቶም ዘእሰሮምን ዝፈረዶምን 381 ሰባት፣ ሰብኣያ ዘእሰረላ ኤርትራዊት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ስለዝነበረት እሳ ናብ ፖሊስ ከይዳ ዝጠርዕት መሲልዎ፣ ናብኣ ደዊሉ ናብ ፓሊስ ኬድኪ ሓቢርኪ እንበኣር ኢሉ ብቴሌፎን ከጓጥጠላ ጀመረ። እታ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝግበር ዝነበረ ናይ ፓሊስ ምርመራ ይኹን ብዛዕባ እቲ ኣነ ዘውጻእኩዎ ጽሑፍ ኣፍልጦ ስለዘይነበራ ከምዝተደናገራ ምስፈለጠ እሳ ከምዘይኮነት ተረዲእዎ።

ብዙሓት እሱ ዘእሰሮም ንጹሃት ኤርትራውያን ስድርኦም ከይርኣዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞቱ፣ እቲ እሱ ዝረኸቦ ናይ ሕክምና ዕድል ይኹን ናይ ፍትሓት ክብሪ ዘይረኸቡ ኣለው። ክንደይ ቆልዑት ብሰንኪ እቲ ባርባርያዊ ስጉምትኡ ኣቦታቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጉኑ ኣቦ ዘስኣኖም ገዝኦም ይቑጸሮም።

ክንደይ ደቂኣንስትዮ የሕዋትና ሰብኡተን ‘ብሕድሪ’ ኣብ መደበራት ፓሊስ ደርብዩ እሰን እንዳተሳቐያ ናብራ ከቢድወን በይነን ቆልዑት ክዕብያን ስድራቤት ክኣልያን ከምዝገበረን ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፣ ከምቲ ዝሓሰብኩዎ ናይዝጊ ብሰንኪ ጥዕንኡ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ እኳ እንተዘይክኣለ፣ እዚ ለንቕነ ብድሕሪ ሞቱ ተረኺቡ ዘሎ ግን መምሃርን መለበምን ነቶም ምስ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኮይኖም ህዝቦም ዘሳቕዩ፣ዝቐትሉ፣ዝኣስሩን ዘጽንቱን ዘለው ክኸውን ድሌተይ ኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ሬስኡ ዝቕበረሉ መሬት ንኽኽላእ ግን ኣይምነን። እዚ ኢሰብኣዊ ተግባራት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ውን ክኹነን ይግባእ።

ንስድራቤት መዋቲ ጽንዓት ይሃቦም

ፍትሕን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ

ኤልሳ/ኤልሳቤጥ ጭሩም

ኣካያዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ

ለንደን፣ ዓዲ እንግሊዝ

27 ለካቲት 2012

 

እቲ ብዕለት 2 ግንቦት 2008 ብእንግሊዝ ብዛዕባ ናይዝጊ ዝወጸ ጽሑፍ ናብ ትግርኛ ተተርጉሙ ብሬድዮ ድምጺ መሰልና ዝተዘርግሐ፣ ነቶም ሽዑዑ ክሰምዑዎ ወይ ከንብብዎ ዕድል ዘይረኸቡ ምእንታን ከንብቡዎ ምስዛ ጽሕፍቲ ደጊመ የቕርብ።

ምምላስ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ካብ ለንዶን ናብ ኤርትራ

 

ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ብትእዛዝ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኤርትራ ከምዝምለስ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቕ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት- ኤርትራ ዝበሃል ማሕበር ገሊጹ። ምንጭታት ከምዝሓበርዎ ኣቶ ናይዝጊ ብምክንያት ኩነታት ጥዕንኡ ናብ ኤርትራ ክምለስ መደብ ከምዘይነበሮን፡ እዚ ናይ ሕጂ  ናይ ምምላስ ትእዛዝ ድማ ሃንደበት ሙዃኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

 

ኤልሳቤት ጭሩም፡ ሓላፊት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ፡ ንምግሃስ ሰብአዊ መሰላት ኣብ ኤርትረ ዝምልከት መጽናዕቲ ኣብ ተካይደሉ ዝነበረት እዋን ብኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ዝተፈጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክትፈልጥ ኪኢላ። ምስ ሓደ ካብቶም ግዳያትን ነቲ ብኣቶ ናይዝጊ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ዝፈልጡ መሰኻኽርን ድሕሪ ምምይያጥ፡ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ብሪድረስ ዝፍለጥ ንግዳያት መግረፍትን ስቕያትን ዝተሓጋገዝ ትካል ኣብ ሕዳር 2005  እንታይ ክግበር ከምዝካኣል ተመያየጠት።

 

እቲ ሪድረስ ዝተባህል ኢንግሊዛዊ ትካል ነቲ ጉዳይ ድሕሪ ምምርማር ንኤልሳቤት ጭሩም ናብ ሜትሮፓሊታን ፖሊስ ብምኻድ ብመሰረት ዓንቀጽ 134 ገበናዊ ሕጊ

 

ናይ 1988 መሰረት ክሲ ንክትምስርት ዘክእል መርትዖ  ከም ዘሎን ዘየለን ንምምርማር ተሓባበርዋ።

 

ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ጥርዓን ሜትሮፖሊታን ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ብኣቶ ናይዝጊ ተፈጺሙ ዝብሃል ገበን ከጻርዮ ጀመረ። ነቶም ሰለስተ መሰኻክር ድሕሪ ምዝርራብ ኣብ 2007 እቲ ጉዳይ ናብ ኣኽባር ሕጊ ተመሪሑ። እቶም ነቲ ጉዳይ ዘጻርዩ ዝነበሩ፡ እኹል መርትዖ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ንኣቶ ናይዝጊ ክኸስዎ ከምዘይካኣሉን እቲ ጉዳይ ግን ክፉት ከምዘሎን ንኤልሳቤትን ሪድረስን ብቓሎም ከምዝነገርዎም ይፍለጥ።

ወይዘሮ ኤልሳቤት፡ ንኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ግዳያት ኣቶ ናይዝጊ ዝኾኑ ዜጋታት ክትረክብ ከምዝኸኣለት እንተኾነ ግን እቶም መሰካክር ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብቲ ጉዳይ ከም መሰኻኽር ንኽቐርቡ ፍቓደኛታት ክኾኑ ኣይካኣሉን። እቲ ጉዳይ በዚ ምኽንያት ጠልጠል ከምዝብል ኮይኑ ክስጉም ኣይክኣለን።

ኤልሳቤጥን ሪድረስን፡  እቲ ጉዳይ ኣብ ከመይ ከምዘሎ ዝሕብር ጽሑፍ ካብ ፖሊስ ንክዋሃቦም ሓቲቶም ክሳብ ሎሚ ዝረከብዎ ናይ ጽሑፍ መልሲ ከምዘየለ ይፍለጥ።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ፡  ዋላ ሓደ ካብ ግዳያት ናይ ኣቶ ናይዝጊ ዝኾነ ውልቐ-ሰብን መሰካኽርን ጥራይ’ውን ንኣቶ ናይዝጊ ብናይ ግፍዒ ገበን ከኽስሶ ይክእል እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ዋላ’ኳ ፍትሒ ክረኽቡ ንነዊሕ ዝተጸበዩ ግዳያት እንተኾኑ፡ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ከም ነጻ ሰብ ብዘይገለ ጸገም ክንቀሳቐስ ክርእይዎ ግን ኣዝዮም ሕዙናት ምዃኖም ይገልጹ።

ጠንቂ ናይዚ ሃንደበታዊ ምምላስ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ናብ ኤርትራ፤ እቲ ብሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት-ኤርትራን ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ነቶም ግዳያት ብምውካል ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ፈጺምዎም ዝብሃሉ ገበናት ናብ ህዝቢ ዓባይ ብርጣንያን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምቕልሑ ኣብ ዝቃራረብሉ ዘለው እዋን እዩ።  ንክልቲኦም መንግስታት ካብቲ ዝስዕብ  ሕንከት ንምድሓን ተባሂሉ  ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ካብታ ሃገር ብቁልጡፍ ምውጽኡ ከምዝሓይሽ  ንመንግስቲ ኤርትራን ኣቶ ናይዝግን  ብዝሃቦም ሓበሬታ መሰረት እዩ ዝብል ግምታት ኣሎ። እቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ብጋዜጠኛታት ብዘይዶብ  ምስ ምሉእ ጸብጻብ ክወጽእ ሙኳኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ብየካቲት 2005 ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ንምዃን ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ እኳ መጺኡ እንተነበረ፡ እቲ ዘቕረቦ ናይ ስራሕ ደብዳቤ ስለዝተነጽገ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ናብ ኤርትራ ተመልሰ።

ዳግማይ ምስ ቤተሰብካ ንምትሕቁቛፍ ብዝብል ጉዳይ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘእቱ ቪዛ ንምርካብ ነቲ ዝነበሮ ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ናብ ንቡር ፓስፖርት ብምቕያር ቪዛ ንክወሃቦ ንኤምባሲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ኣመልከተ። ኣብ ሓጺር ግዜ ንዘይተወሰን ግዜ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከንብር ዘኽእል ቪዛ ብምርካብ ኣብ ግንቦት 2005 ምስቶም ቅድሚ 15 ዓመት ናብ ሎንደን ዝመጹ በዓልቲ ቤቱን 2 ደቁን ተጸምበረ።

እቲ ዘገርም ግን ኣቶ ናይዝጊ ናብ ሎንደን ካብ ዝመጸሉ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ እቲ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበሮ ስልጣን ማለት ኣማኻሪ ፕረሲደንት አብ ጉዳያት ዞባዊ ምምሕዳር ከምዘለዎ ምህላዉ እዩ። እቲ ሓቂ ከምዚ ዝተገልጸ ኮይኑ ከብቅዕ ህላወ ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ሎንዶን ግን ‘ብሕክምና፡ ኩሊት ንምቅያር’ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንኽትረኽቡ ኣብዚኣ ጠውቑ፡ http://en.wikipedia.org/wiki/Naizghi_Kiflu

ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ብሓላፍነት ዝተዋሳኣሎም ጽፍሕታት መንግስቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

 

  • ኣብ ሰብዓታት ወኪል ህግሓኤ ኣብ ኣልጀርያ ንምዃን ካብ ሜዳ  ናብ ኣልጀርያ ተላእኸ።

 

  • ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ናብ ሜዳ ድሕሪ ምምላሱ፡ ምክትል ኣማሓዳሪ ናይቲ ብሓለዋ ሰውራ ዝፍለጥ ዝነበረ ቤት ማሕቡስ ኮነ። ሓለዋ ሰውራ ሓደ ኣካል ናይ ህግሓኤ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን መድረኽን ዝተኸፍለ ይከፈል ብዘየገድስ ነቲ ምንቅስቓስ ንምሕላው ዝተፈጥረ ኣካል እዩ። ከምዝፍለጥ ብሰንኪ እቲ ኣካል (ሓለዋ ሰውራ) ኣብ ውሽጢ ተጋደልቲ ዘዋፍሮም ዝነበረ ቡዙሓት ናይ ስለያ መሓውራቱ ማእለያ ዘይብሎም ተጋደልቲ ተሓይሮም፡ ተቀጥቒጦም፡ ሃለዋቶም ጠፊኦምን ተቐንጺሎምን እዮም።

 

  • ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ምኽትል ሓላፊ ውሽጣዊ ጉዳያት፤ ጉዳያት ጸጥታ፡ኢሚግሬሽንን ሃይማኖትን ኮይኑ ሰሪሑ።

 

  • ኣብ ግዜ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን (1998-2000) ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሩስያ ኮይኑ ተመዘዘ።

 

  • ኣብ 2001 ሚኒስተር እንዳ ዜና ኮይኑ ሰሪሑ።

 

  • ብምቅጻል ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ሓላፊ ጉዳያት ሃይማኖት ብምዃን ሰሪሑ።

 

  • ኣብ መወዳእታ ኣማኻሪ ፕረስደንት ኣብ ጉዳያት ዞባዊ ምምሕዳር ብምዃን ይርኸብ።

ኩነታት ጥዕና ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡

ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ናይ ሕማም ሽኮርን ኩሊትን ጥቁዕ እዩ። ብመገዲ ሃገራዊ ኣገልግሎታት ጥዕና ኣቢሉ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ኣብ ለንደን-ሃምስቴድ ኣብ ዝርከብ ሮያል ፍሪ ዝበሃል ሆስፒታል ክሕከም ጸኒሑ። ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ለንደን መጽንሒኡ’ውን ከፋሎ ግብሪ ኣብ ዝገበርዎ ወጻኢታት ተደሪኹ ነጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ንምርካብ ዝዓለመ’ዩ።

ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ናብ ፓኪስታን ብምኻድ፡ ብምትሕብባር ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ናይ ሓደ ወዲ 30 ዓመት ኩሊት ከምዝትካኣሉ ተገብረ። ኣብ ፓኪስታን ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ነዚ ሕክምናዊ ምትካእ ኩሊት ናይ £18.000.00 ፓውንድ ወጻኢታት ከምዝገበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እዚ’ውን ብወጻኢታት ከፈልቲ ግብሪ ኤርትራውያን ዜጋታት እዩ ተሸፊኑ። ሕጂውን እንተኾነ ኣቶ ናይዝጊ ልዑል ናይ ሕክምና ክንክን ከምዘድልዩ’ዩ ዝንገር።

 

ኣቶ ናይዝጊ ፈጺምዎም ዝበሃሉ ገበናት

ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ንብዙሓት የዋሃት ዜጋታት ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝዳጎነን መሪር ስቓይን መግረፍትን ዘስዓበ ዕሉል ገበነኛ እዩ። ኣብ ደገ ኮንካ ገበናቱ ንምርግጋጽ ክብድ እኳ እንተበለ፡ ንጭካንኡን፡ ካብኡ ንዝወረዶም ማህሰይትን ኣመልኪቶም፡ ብዉሑዱ 3 ሰባት ዝኾኑ ንሜትሮፓሊታን ፓሊስ፡ ካልኦት ብርክት ዝበሉ’ውን ንኤልሳ ጭሩም፡ ጭብጥታቶም ኣቕሪቦም እዮም።

ገለ ካብ ገበናቱ ንምጥቃስ

1.  ን 2 እሱራት ነበር ምርኩሰ ብምግባር ዝተረኽበ ሓበሬታ

ወርሒ ጥሪ 1996፡ ኣቶ ናይዝጊ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ-ዃላ ብምኻድ 148 እሱራት ካብ ካሜራታቶም ኣውጺኡ ኣብቲ ቀጽሪ እስርቤት ብከቢድ ሓለዋ ኣከቦም። ኣስዒቡ’ውን ነቶም 148 እሱራት ናይ ዕድመ-ልክዕ ዝተበየነሎም ፍርዲ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንዝርዝር ኣስማቶም ረቑሖ።

ሽዑ መዓልቲ ኣቶ ናይዝጊ ናይ 85 እሱራት ስም ብምዝርዛር’ውን፡ ኣቀዲሞም ተኣሲሮም ዋላ’ኳ እንተነበሩ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 1995 ዝሕሰብ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ዝተዋህቦም ብይን ኣንቢቡሎም።

ቀጺሉ’ውን፡ ካብ ዝተዳጎንሉ ዕለት ኣትሒዙ ዝጽብጸብ፡ ንናይ 135 እሱራት ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ዝተዋህቦም ብይን ኣስማቶም ብምጥቃስ ኣንበበ።

ገለ ካበቶም እሱራት፡ ብሰሪ ኣሰቃቂ ኩነታት ናይ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ሂወቶም ሓሊፋ እያ።

2. ኣብ 2001፡ ኩለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክዕጸዋን 12 ወይ’ውን ልዕሊኡ ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ክእሰሩ ከለው ኣቶ ናይዝጊ ሚኒስተር ዜና እዩ ነይሩ። እተን ጋዜጣታት ተዓጽየን፡ እቶም ጋዜጠኛታት ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማሕዩር ይርከቡ። ናይ’ዚ ጉዳይ ማእሰርቶምን ምዕጻው ጋዜጣታትን ኣቶ ናይዝጊ ተሓታቲ ከምዝኾነ’ዩ ዝንገር።

3. 15 ግንቦት 2002 ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ሚኒስተር ዜና ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንኹሎም ሓለፍቲ ወንጌላውያን ቤተ-ክርስቲያን ብምጽዋዕ፡ ኣብያተ ክርስትያናቶም ንክዓጽዉ ኣዚዙዎም። ኣብቲ ርክብ፡ ነቲ ትእዛዝ ክፍጽምዎን ተቛውኦም ክምላእ ምዃኑን ኣብ ዝዀነ እዋን ኣንጻሮም ከም መርትዖ ክጥቀመሉ ሙዃኑ ነጊርዎም። ፓስተር ሃይለ ናይዝጊ፡ ዶክተር ክፍሉ ገብረመስቀልን ፓስተር ተስፋጽዮን ሓጎስን ተሪሮም ተቛውሞኦም ከምዘስምዑን ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ እዞም ሰባት ኣብ ቀይዲ ንክኣትዉ ከምዝኣዘዘ ተረጋጊጹ።

4. ብተወሳኺ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ሰለስተ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣብ ሕዳር 2004 ንክእሰሩ ኣዚዙ። ንሳቶም ድማ፡ ቀሺ ዶክተር ፍጹም ገብረንጉስ (እንኮ ኤርትራዊ ናይ ስነ-ኣእምሮ ዶክተር)፡ ቀሺ ዶክተር ተኽለኣብ መንግስተኣብ (ሓኪም ጥዕና)፡ ቀሺ ገብረመድህን ገብረገርግሽ (ናይ ስነ-ሃይማኖት ምሁር) እዮም።

5. ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ኣብ 2004 ከምዝእሰርውን ገይሩ እዩ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ግዳያት ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ትሕቲ  ባህግን ዊንታን ኣቶ ናይዝጊ ዝውሰን ንውሓት ግዜ ኣብ ቤት ማሕቡስ ብኣሰቃቒ ኩነታት እንዳ በለዩ ከለዉ፤ ደቖም ዘኽቲሞምን ኪዳኖም ዝጥውረንን ዝሕግዘንን ስኢነን ኣብ እህህታን ሕልናኻ ዝትንክፍ መነባብሮ እንዳተሳቀዩ ከለው፡  ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ካኣ ምስ ደቁን ምስ በዓልቲ ቤቱን ኣብቲ £300,000 ፓውንድ ዝግመት መንበሪ ገዝኡ እንዳተቐመጠ ናብራ ምቾት የስተማቕር ኣሎ።

ብኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ዝተፈጸሙ ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ዘርዚርካ ዝውድኡ ኣይኮኑን። እቶም ብሰሪ ክወርዶም ዝኽእል ሳዕቤን ብምስጋእ ዋላ እኳ ንግዚኡ ብቅሉዕ ክዛረቡ እንተዘይክኣሉ፡ ምስ ግዜ ግን እቲ ብሰንኪ እዚ ጨካንን፡ ኣረሜን ዝኾነ ኣቶ ናይዝጊ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ግፍዒ ብግልጺ ወጺኦም ክትርኽዎ እዮም።

ኣቶ ናይዝጊ ከምቲ ዝሕሰብ ዘሎ ናብ ኤርትራ እንተ ተመሊሱ እቲ ግፍዒ ብዘይተሓታትነት ክቕጽሎ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ብመሰረት ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰኣን እኹል ጭብጥታት ናይዝጊ ኣብ ሕጊ ክቐርብ ዘይምኽኣሉ ኣግሁይና እዩ። ብዝያዳ ግን ናይቶም ገበናቱ ዝራኣዩን ግዳያት ናይ’ ዚ ኣረሜነ ሰብ ዝኾኑን ግና ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ንኽዛረቡ ዘይመረጹ፡ ንኣቶ ናይዝጊ ናብ ፍርዲ ንኸይቐርብ ስቕትኦም ዓቢ ግደ ተጻዊቱ እዩ።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት- ኤርትራ

2 ግንቦት 2008

ሎንዶን፡ ዓባይ ብሪጣንያ

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • tegadalay February 28, 2012

    WHEN DID THIS IDIOT OPPOSITION LIKE NAYZGI KIFLU THEY WHRE TALKING BAD ABAUOT HIM WHEN HE WAS ALIVE THEY EVEN CALL HIM CHEMICAL ALI FOR WHAT HE DID IN HALOWA SEWRA NOW ALL OF THE SUDEN THEY TRING TO USE HIS DETH FOR THEIR POLOTICAL AJENDA

  • Abnet Tesfai February 28, 2012

    tegadalay
    go back to school
    hasawi mushmush!

  • mekonen February 28, 2012

    Proud of you Elsa Chirum.

  • Helen February 28, 2012

    Great piece. Should translate to english.

  • Freeprisoners by force February 28, 2012

    Thanks Elsa Chrum, you brave we the justice and freedom seekers appreciate your stuggle.
    weldone. However there are many like Nizgi KufuAlu, It could be very pleasant to bring them in the justice court and we want to see how they are killing many innocent people in our land.
    carry on!

  • Freeprisoners by force February 28, 2012

    I am quit disappointment about Assenna website which deleted all my submission.
    I can not access my private computer because it have been suspend by Assenna website.
    I am quite disappoint, i am not like these puppet HgDFs at all, but the website have made this very wrong or someone is responsible for this distruction. otherwise my options are all in the interest of our people in particular.

  • delay fithi February 28, 2012

    we are so proud for you Elsa keep up we are with mam Eritrea

  • Zigeremo Eritrawi February 28, 2012

    Why now!! after his death the Dictator disclose his case, he had a visitors from a very high ranking officials just before he stops to breath…….”he is just dead”…..Is the evil Issayas trying to get some political advantage or diverting crime?…….ultimately “Issayas is behind the bars of this all crimes”. he was just a puppet!

  • Baraee February 28, 2012

    Elsa Chirum- our Hero,

    I normally am not in owe for human beings but just can not tell you the admiration I have for this sister that we Eritreans need to honor and treasure….Elsa Chirum.Her steadfast stand for truth and justice always running to help the Eirtrean youth is one thing…..But when I watched a video you interviewed one of the Era Ero Security escapee…the tone of your voice and the demeanour of your emotions ,……your VOICE that lays those lovely tigrinia words with deep geniune sorrow gave me tears …..but it cheered me that we have such honorable people like you left in this trying period of our time where people are so dreaded even living in the West….
    Keep going forward Elsa Chirum….You will continue to inspire many…and you will have a chapter in the history of Human struggle for justice not to mention the monumnet you have placed in all our hearts. Stay strong and safe….We will need for a long time to come.

    With utmost respect.

    Baraee.

  • tegadalay February 29, 2012

    can some one tell me somthing way is people like ELSA SHIRUM talk on behalf of NAYZGI KIFLU she is the one & ather opposition party calld him criminal kill alot of eritreans yada yada now what change this flop flap

POST A COMMENT