Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ ዝሞቱን ዘይሞትናን “ – 5ይ – ክፋል

ኩሉ ውልድ ክብል ከሎ (ደቂ ሰባት ማለተይ’ዩ) ዳርጋ ሐደ ዓይነት ኣመል ኢዩ ዘለዎ። እዚ ከአ ካብ ማሕጸን ኣድኦም ውጽእ ክብሉን ክበኽዩን ዳርጋ ሐደ’ዩ። ውሑዳት ናይ ተፈጥሮን ኩነታትን ውጹዓት ናይ ጥዕና ሽግር ዘለዎም ብዘይ ድምጺ ምስማዕ

ኩሉ ውልድ ክብል ከሎ (ደቂ ሰባት ማለተይ’ዩ) ዳርጋ ሐደ ዓይነት ኣመል ኢዩ ዘለዎ። እዚ ከአ ካብ ማሕጸን ኣድኦም ውጽእ ክብሉን ክበኽዩን ዳርጋ ሐደ’ዩ። ውሑዳት ናይ ተፈጥሮን ኩነታትን ውጹዓት ናይ ጥዕና ሽግር ዘለዎም ብዘይ ድምጺ ምስማዕ ክወጽኡ ዝግደዱ’ውን አለዉ። ገሊኦም ከአ ገና ከይተወልዱ ኣብ ማሕጸን አደኦም ከለዉ ዝነቕሑ በላሓት እንተነይሮም ኣይብኽዩን እዮም። ንዓታቶም ምብካይ ማለት ናይ ቃልዑት፣ ናይ ፈራሃት፣ ናይ ደቂንስትዮ፣… ወዘተ፣ ኮታ በቲ ዝንዕቕዎ ምኽንያት ገይሮም ከቆናጽብዎ ኣይፍትኑን። እንታይ ደአ ይገብሩ እቶም ዘይበኽዩ ንቑሓት ቃልዑት እንተበልኩም? የእውዩ።

ሕጂም ንምታይ እንተበልኩም ኩሉ ነናቱ ምኽንያት አለዎ። እቲ ምኽንያት ግን ዝተረጋገጸ ስነ – ፍልጠታዊ መረዳእታ ኣይኮነን። እቶም ዘእውዩ ግን ይፈልጥዎ። ዝኾነ ኮይኑ ፍርቆም ህሩፋት ስለዝኾኑ፤ ገና ኣብ ኢድ ኣዋላዲት ጡብ ከይበሉ ብታህዋኽ ጡብ ኣደኦም ክዓትሩሞ ጸባ ክምዕጉ፤ ዝመጣጠሩን ክዘሉ ዝፍትኑ ህሩፋን ናይ ሓዙኑን ፈኑይንን ዝገብርዎ ዋጭ ዋጭ ዘስምዕዎ ኣውያት ኣይትሓዙኒ ኢዩ። ካልኦት ከአ ብስስዐ ዝተልዓለ ገና ከይተወልዱ ጡብ ኣደኦም ኣበይ ከምዝርከብ ኣጽኒዖም ዝመጹ ብምኻኖም፣ ኣብ ኢድ እታ ኣዋላዲት ክሳብ ዝጸራረጉ ምጽናሕ ጊዜ ምጥፋእ ምኻኑ ዝፈለጡን ዝቖጽርዎን፤ ካልኦት  ከይቅድምዎም ዝፈርሁ ስሱዓት ብምኻኖም፣ ንሳቶም ጥራይ ንበይኖም ንኹሉ ክቆጻጸርዎ ዝቀዳደሙን ዝሓረቑን ዘስምዕዎ ኣውያት ኣይተግድዕኒ ይመስል።

ንዓይ ግን ፍልልይ ህሩፋንን ስሱዓትን ምስ ዓበኹ፣ ልቢ ምስ ገበርኩ ኢዩ ተረዲኡኒን ፈሊጠዮ። ህሩፍ ኩሉ ገፊጡ ገፋፊጡ ክበልዕን ከሎ፣ ስሱዕ ከአ ንዕኡ ጥራይ እምበር ቁሩብ ዝተረፈቶ እንኳን ንኻልኦት ከማቕል ኣይደልን ኢዩ። እቲ ህሩፍስ እንዳዕሮምሮመ ቁሩብ ይስንድወልካ፤ እቲ ስሱዕ ግን ወላዲት ኣድኡ እንዳተሳቕየት ክንዲ ዝሕግዝ ካብኣ’ውን ክምንዝዕ ድሕር ዘይብል ጨካን ከም … ኩስቶ/ወዲ ኩስቶ ተባሂሎም ይጽውዑን ይፍለጡ።

ካልኦት ከአ ገና ካብ ማሕጸን ኣደኦም ቅልቅል ክብሉ ከለዉ ጫጭ ኢሎም ይበኽዩ። እንታይ ኢዩ ጉዱ እንተበልካ? በጃኹም ናብዛ ተካል ዓለም ኣይተውጹኡኒ፣ ኣይተሃውኹኒ፣ ግደፉኒ፣ ኣይትጎታቱኒን፣ ዘህውኽ ጉዳይ የብለይን፣ ዓለምኩም ብዙሕ ዘሕጉስ ጽቡቕ ዝሰማዕኩላ ነገር የለን፣ ይትረፈኒ በሃልቲ ኢዮም። አደን ኣዋላዲትን ብዛዕባ ዓለምና ብዙሕ ጽቡቕ ከምዘሎን፣ ወላዲት ውልዳ ክትርእይ ትሃርፍ ዘላ ክትሕጎስ ምእንቲ ንዓ/ዒ በጃኹም በጃ ወላዲትኩም ኢልኩም ውጽኡ ተባሂሎም ወላ ብጽኑዕ እንተተለመኑ፣ ኣፍ ደገ ማዕጾ የማን ጸጋም ግጥም ኣቢሎም ብምሓዝ ኣይትተንክፉኒ ዝዓይነቱ ዋጭጮም የግድዱ።

ብዙሕ ምቅብጣርን ልመናን ተገይርሎም ምስ ኣረብረቡ፣ መወዳእታ ልቦናኦም ወቒስዎም ምውጻስ ክንወጽ ኢና፣ ግና ኣቦይ ኢሳያስ ኣብ ሃገርና ክሳብ ዘሎ አደ ኾይንኪ ኣዋላዲት፣ ከምኡ’ውን ደገ ኮይኑ ውላዱ ብሰላም ክውለደሉ ዝሕቆን ኣቦ ወላዲ ኩሉኹም ቀሲንኩም ክትሕጎሱ ከምዘይኮነ ክበርሃልኩም ከምዘለዎ ክትፈልጡ ኣለኩም በሉዎም። ንወለድም እዚ ሓሳብ እዚ ንምንታይ ኩልሳዕ የስግኦምን የጨንቖምን ዝነበረ ብምኻኑ፣ ብዘይካ ኣጀኹም ውጽኡ እምበር ናይ ጽባሕስ ኣምላኽ ብዓይብኡ አሎ ካብ ምባል ምርጫ ኣይነበሮምን። እቶም ቅድሚኦም ውልድ ዘዝበሉን፣ ገና ፍርዝን ከይበሉን፣ ስድርኦም ንዓይኖም ርእዮም ከይመነውዎም ገና ቃልዑት ዕሸላት ከለዉ ፣ ካብ ሕቕፎ ማሙቕ ቤቶም ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎት እንዳተመንዝዑ፣ ናይ ኣቦይ ኢሳያስን ጭፍርኡን ናይ ስልጣን መናዊሒ ውግእ እንዳተወሰዱ ከምዝጠብስዎም ዘለዉ ይፈልጥዎ ነይሮም።

ዝገደደ ከአ ውግእ እንኳን እንተዘየለ ናይ ውግእ ሕልሚ ኩልሳዕ ኣብ ናይ “ህግደፍ” ርእሲ ሸኾርተት ምባሉ ስለዘይተርፎ፣ ብፍርሂ ውግእ ከይመጽእ ኣብ በረኻታትን፣ መደብር ወተሃደራታትን ህይወቶም ምዝሕታሉ ዝተመርጸ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ፣ ናብ ኩሉ ማዕዘናት ይብትንዎም። ካልእ ስነ ኣእምራዊ ሕማም ፈጢርካ መንእሰያት ምስቓይን ምግፋዕን ባዕሉ ካብ ናይ ደገ ውግእ ዝገደደ ኣብ ህዝቡ ከፊቱ ዘሎ ስርዓት “ህግደፍ” ምኻኑ ዘጠራጥር የብሉን።

“ ሕልሚ ፈሪህኻ ከይደቀስካ ከም ዘይሕደር ” ምውግሑ ኣይተርፍን’ሞ ድሐን ውጽኡ፤ መሬት ከም ብሓድሽ ክውግሓላ’ዩ፤ “ እዚው’ን ይሓልፍ ” ኢሎም ኣብ ምድረበዳ ሰንኣ ዝተሓርዱ ኣሕዋትኩም ብሰንኪ ቀንዲ ተሓታትነት እዚይ ግዕዙይ ስርዓት ዝተለከሙ ውጹዓት ስለዘለዉ ፣ ደሞም ደም ከልቢ ኮይኑ ከይተርፍ፣ ሒነ ዝፈድዩሎም ኣሕዋት የድሊዮም ኢዩ’ሞ፣ ንዑ ደአ ውጽኡ፣ ስራሕ ይጽበየኩም አሎ በሉዎም። ድሕሪኡ ግን መሰስ ኢሎም ንዓለም ምስ ኩሉ ጸበባኣን ጸጋኣን ክማቐሉ ካብ ምምራጽ ካልእ ዕድል ኣይነብሮምን።

ውሑዳት ከአ ብናይ ታህዋኽ ኣውያት ተሰንዮም ዝወጽኡ እንዳዕገርገሩን እንዳጨደሩን ኢዩ። ያላ ያላ ቀልጥፉ ስሓቡ፣ እንታይ ደአ ደኺምኩም፣ ንዓለም ካብዚ ኩሉ ዘለቶ እከይ ከናግፋ እንዳመጻእኹስ ትድቅሱ እንዳበሉ ክመርሑ ዝውለዱ ኢዮም። ፍርቆም ዓለም ብኣውያትን ብዕግርግርን ውጽእ ክብሉ ከለዉ ትቕበሎም ከምዘላ ዝተረደኦምን ዝኣመኑን፣ ብጊደኦም ኣውያት ክውስኹላን ፣ ሽግርን ሕልኽልኽን ከራብሑላ ተዳልዮም ዝመጹ ይመስሉ። እዚኦም ሰብ ዕግርግር ይበሃሉ። ንኹሉ ተመሳሲሎም ረብሕኦም ጥራይ ዝቃመቱ ተበለጽቲ ይኾኑ።

እቲ ኣመል ምብካይ ወይ ምእዋይ ዳርጋ ሐደ’ዩ። እቲ ባህርይ ግን ይፈላለ። ፀዋግን ብሩህን ገጽ፣ ስሓቕን ኮራይን፣ ስስዑን ለጋሰን ፀባይ፣ ጎራሕን ዓሻን፣ ድንዝዙን ንቕሑን፣ ሰነፈን ጻዕረኛን፣ ሓሳውን ቅንዑን፣ ጠላምን ተኣማንን… ዘኣምሳሰሉ ፀባይ ደቂ ሰባት ቀስ ብቐስ ከአ ጊዜ እንዳወሰደ ባዕሉ ይምዕብል። እቲ ሓቀኛ ባህርይ ናይ ወዲ ሰብ ከአ ዝፍለጥ ድሕሪ ነዊሕ ትዕዝብትን ምቅርራብ ብዝግበር ሌላ ኢዩ። ንኣብነት ድሕሪ ናጽነት ኣብቲ ፈለማን መጀመርያ ምስትምቓሩ፣ ህይወት ኤርትራውያን ብታሕጋስን ብመጻኢ ተስፋ ምዕባለ ሃገሮም ዘይፈንድቐን ዘይተሃንጠየን ኣይነበረን። ንኢሳያስውን ከም ቅኑዕ መራሒ ብዘይካ ውሑዳት መብዛሕቲኡ ህዝብና ተቐቢልዎን ኣሚንዎን ነይሩ።

ሕጂኸ፤ ጠላሚን ስስዑን፣ ኣረመኔን ጨካን፤ ንህዝቡን ንዓዱን ዘይሓልይ ብዘይካ ስልጣኑ ምኻኑ ምስ ተዓዘበ፣ ፈንፊንዎ ከምቶም ብህዝቦም ዝተፈንፈኑ ኣዕሩኽቱ ንዓል ጋዳፊ ዝኸድሉ መወዳእታ መንገዲ ክስዕበሎም ዕለታዊ ጸለቶም ኮይኑ አሎ።

እቲ ካልእ ሽም ዘይረኸብኩሉ ሳልሳይ ቀንዲ ወሳናይ ግና ብተፈጥሮ ዝመጽእ ኣይመስለንን። ስለምንታይ እንተበልናሲ ነቲ ብተፈጥሮ ዝረኸብናዮ ፀጋታት ኣበርቲዑ ኮነ ኣዳኺሙ፣ ንዓና ሓዲሽ መልክዕ ዘለዎ ህይወት ምስ ኣካባቢና ክመሳሰል ዝገብር እዩ። ምስ ለባማትን ቅንዓትን እንተዊዒልና ናቶም ጽልዋ ክህልወና ናይ ግድን ኢዩ። ሓሶውትን፣ ጠለምትን፣ ሰረቕትን፣ ዕዋላታትን እንተኾይኖም መዋዕልትና ወይ ዝቐርቡና፣ ንዓታቶም ክንመስል ወይ ክመስሉና ናይ ግድን ኢዩ። እንተዘይኮነ ናይ ምንጻልን ምርሓቕን ኩነታት ከገድድ ስለዝኾነ፣ መብዛሕቲኡ ዘይመርጾ መገዲ ይኾውን። ከይፈተኻ ምስራቕን ምሕሳውን፣ ምጥላምን ምዕማጽን፣ ሓሊፍካውን ምቕታል ትጅምር። ድሕሪኡ ግና ንዲሕሪት ክትምለስ ስለ ዘሸግር ብእኡ ፈቲኻ ከይፈተኻ ትቕጽለሉ። እቶም መራሕቲ ቅትለትን ኩሉ ግዕዙይ ስራሕ ግን ናይ ውሕስና ሓጹሮም መከላኽእሊ መስረት በቶም ከይፈለጡን ከይሓሰብሉን ንምምስሳል ኢሎም ዝተጽንበርዎም ወይ መሪጾም ዝመልመልዎም ገራሃት ህይወት የኽብቡ። እዚ ትምህርቲ ኸአ ቀንዲ ካብቲ ከባቢና ወይድማ ኣብ ርሑቕ ኮይኑ ብስሚዒት ዝጸልወና ሓይሊ ይፈጥር።

እንታይ ክብል ደልየ? ብሓጺሩሲ፣ ንጥዕና ዘለዎ ሰብ፣ ኩሉ ተፈጥሮ ዝሃቦን ዘማዕበሎን ጥዑይ ኣእምሮን ሕልናን፣ ቁሩባት ተንኮለኛታት ብሕማቕ መንፈስ ተበጊሶም ንብዙሓት የዋሃት ገርህነቶም መዝሚዞም በቲ ዝደልዮ ስሚዒት ብምጽላው፣ ነቲ ንጽቡቕ ዝሓስብን ዝደልን ብሕማቕ ምዕብላሎም ዘሕዝን ኢዩ። እዞም ተበለጽትን ተንኮለኛታት፣ ንስድርኦምን ብጾቶምን ከይተረፈ ክውጽዑን ክጥቀምሎምን ንድሕሪት ዘይብሉ ዘሕዝኑ ፍጡራት ኢዮም።

እዚን ከምዝን ከአ እዩ ናይ ሃገርና ሽግር ኮይኑ ዘሎ። ኢሳያስን ሰዓብቱ፣ መራሕቲ “ህግደፍ” ንብዙሓት ቁንዓትን ይዋሃትን ዝነበሩ ዜጋታትና ብሽም ደሕንነት ሃገርን ህዝብን እንዳማኻነዩሙሉ መስሎምን ሓርነቶምን ገፊፎም፣ ከም እንስሳ ብዘይ ሕግን ስርዓትን፣ ኣብዘድለዮም እዋንን ወኒን ይሕይርዎምን የጥፍእዎምን አለው። ነዚ ዝድግፉ ከአ ካብቶም ወሰንቱን ገበርቱን ፈሊኻ ዘይራእዩ ገበኛታት ኢዮም። ደድሕሪ እከይ ዕላማን፣ ክፉእ ግብርን ሰዓብቱ ገይሩ ትርጉም ሃገርን ህዝብን ካብ ህይወቶም ኣጥፊሎም።

ንብርሃን ጸልማት፣ ክንዲ ብሓባር ንበይንና፣ ክንዲ ስርዓት ሕጊን ፍትሕን፣ ስርዓት ኣልቦ ክኣምኑ ስለዝገበሮም፣ ከም ሰብ ኮነ ከም ኣሕዋት ብዛዕባ ዝኾነ ጉዳይ ንምምዝርራብ ኣብ ዘይካኣለሉ ደረጃ በጺሑ። “ህግደፍ” ኣብ ገዘኦምን ስድራ ቤቶምን ኣትዩ ክጨዊ ከሎ ናበይ ይውስዱዎም፣ ንምንታይ ይውሰዱ ከምዘለዉ ክሓቱ ዘይክእሉ ኣጣቓዕቲ ኮይኖም ክሰግዱ ጥራይ ናብ ዝጋየዩ ተበለጽቲ ቀይርዎም። ኩነታቶም ሪኢኻ ከአ ብጣዕሚ ትሓዝን።

እዞም ኣብዚ እዋን ንህግደፍ ዝድግፉ ኤርትራውያን መሰረት ሃገርን ህዝብን ዝኾነት ሓፍቶም ክትግፋዕን፣ ክትዕመጽን ብሓለፍቲ ናይቱይ ስርዓት እንዳራእዩ ዓገብ ዘይብሉ፣ ብኣሽሓት ዝቑጾሩ ዝተኣስሩ ወገኖም ኣበይ ይርከቡ፣ ኣበይ ኣትዮም፣ ንምታይከ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ይሕይሩ፣ መሰል ዜጋታት ምኣስ’ዩ ዝኽበር ዝኣምሳሰለ ሕቶታት ክሓቱ ዘይኽሉ፣ ብዛዕባ ሃገር ተገደስቲ ኮይኖም ክቐርቡ ኣይኽእሉን። ንዓታቶም ሃገርን ህዝቢ ‘ህግደፍ” ዝወነኖ ንብረትን ሰዓብቱን ክሳብ ዝኾነ፣ እቲ ብሓሶትን ብተንኮልን ዝተማህዘ መደረ “ ሐደ ህዝቢ፤ ሐደ ልቢ” ንኹለንታ ተፈጥራዊ ተውህቦኦም ዝደፈነን ዘደንቆረን ናይ ሽጣራታትን ግፍዐኛታትን ድሌት ናይ ተበለጽቲ ቃላት ጥራይ ክደግሙን ክደጋግሙን ምልሓሶም ኣይርብርቡን።

ብግብሪ ግን ክኽውን ዘይክእል ጥራይ ከይኮነስ፣ ዘይሕሰብን ዘይሰርሕን መደረ ብምኻኑ፣ ነቶም ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝተጋደሉ ብጾቶም ኣብ ጎዳጉድ ጸልማት ክድርብይዎም እማይከእሉን። ግና ቀንዲ ትርጉም “ሐደ ህዝቢ፤ ሐደ ልቢ” ማለት “ሓደ ኢሳያስ፣ ንሱ ንኹሉ” ስለዝኾነ፣ ነቲ ካብኡ ዝተፈልየ ርእይቶ ንዘለዎ ዜጋ ኩሉ ከጥፍእ ዝወሰዶ መርገጽ ኣግሂዱ ዝኣወጆ ናይ ጥፍኣት መደረ ኢዩ። ሐደ ህዝቢ ሐደ ልቢ እንዳበልካ ነጻነት ህዝቢ መንዚዕኻ መስሉ ትረግጸሉ ክኸውን የብሉን። አነ ንስኻ፣ ንሳን ኩላህና ብውልቂ ኾነ ብጥማር መሰል አለና። ንሕና ኢና ኸአ ህዝብን ዓድን።

መወዳእታ እዞም ከም እንስሳ ኣጽቂጦም ዝርገጹን ዘጣቕዑንሲ እንታይ እንዳበሉ ካብ ማሕጸን አደኦም ከምዝወጽኡ ኣይርደኣንን። ብኽያቶም ኮነ ኣውያቶም ተረገጽትን ኣጣቓዕትን፣ ዝበሉናን ዝሃቡናን ተቐቢልና ኣፍና ሓተምቲ ክንከውን ዶኾን ነይሩ ይኸውን።

 

“ ከም ኣመለይ ”

ኣነ ድለተይ ክነፍር

ነፃ ከም ጭሩ

ንሱ ብሓይሊ ክደፍር       “ ብዛዕባይን ከማይን ”

መናፍረይ ኣሕሪሩ

ንሰላም ከይዝምር ብቛንቋይ

ብሕርቃን ተቖልየ መዓንጣይ።

 

ንሱ ግን የዕገርግር የሸግር

ብዛዕባ ሃጠው ቀጠው ይቐባጥር

ብዛዕባ ኹሉ ይፈልጥ ምስጢር

በብሕደ ሰሪዒዎም ክምህር      “ መራሒ ኢሳያስን/ ተመራሕቲ ምኒስተራቱ ”

ሰማዕቱ ግን ዘይሰምዑ

ከይሞቱ ኣትዮም መቓብር

ንሱ ግን ተሪፉ አሎ ከእዊ

ሐመድ ድበ ክፍሕር።

 

ኣውያቱ ሰሚዖም መሲልዎ

ዝመጽኡ ተጋዮም ዝስዕብዎ

ዝመተ ሰብ ግን ኣኺልዎ

“ ሰዓብቱን/ ኣመንትን ”       ተዓኹሊሉ ምስ ኣተዋ

ሰዓመስኮት የለን ማዕጾ

ኣእምሮ ሕልና ከተንፍሳ

ድሕሪ በድን ኮይኑ ሬሳ

ስኣን ምሕሳብ ስኣን ጣዕሳ።

 

ልቢ ይግዕር ክወቅዕ

ሳንቡእ ይጽዕር ክደፍእ

ዓይኒ ግን ነቒጹ ከይነብዕ

ከብዲ ብጥርሑ ይዘልል የግራርዕ

ዒባራ ኣፍልቢ ተነፊሑ ዘይጉስዕ           “ ተስፋ ዘይቆረጹ ሓፋሽ ተሰሓብቲ ”

እዝኒ ተለኩቱ ብቕርሕንታ ከይሰምዕ

ሓልቃም እግሪ ብሓቦ ይስሕብ ክስስዕ

ምልሓስ ከእዊ ኣፍ ሎጉሙ ከየስምዕ

ናብራ ህግደፍ ኮይኑ ፈጺሙ ዘይጥዕም

ብውሽጢ ዝሓቁን ብደገ ዝምንዝዕ ዝመንዕ።

 

ንኣረሜነ ዘይመስሎ ግፍዒ

ንጠላም ዘይመስሎ ስስዐ

ኣዋሪዱ እንተፈንጨለ እንተገልዐ

መሰል ህዝቢ ቀንጢጡ ከይወግሐ

“ ኣመንጎ ዝተቛቐሩ ”     ሃንቀውታ ምዕባለ ምስ ሸንደሐ

   ሃገራውያንን ”        ዓንቃሪረ የእዊ ይሰግድ ኣጎንቢሐ

ኣምላኽ ክሕዎሶ ህዝቢ እንተሰምዐ

ጭቆና ተራጊፉ መርገጽቲ እንተብቅዐ።

ብዙሕ ተሓቲተ ንንእሽቶ ድለተይ

ክበጽሕ መቓብር ወለዲ ስድራቤተይ

ወላ ይርሓቕ ይሕሰም ኣብ ዓደይ             “ ኣንጻር ግፍዕን

ከይሓጸረ እግረይ ኢደይ                     ውልቀ መላኽን

ክሰግድ ደሌይሞ ሕቖይ                      ዝኽፈል ዋጋ ”

ኣነ ግን ንሞት

ይጽበያ ከም ኣመለይ

ንሞትስ ከይሞትኩ ብጠጠወይ።

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ ሕልና – 01/20/2012 ”

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT