ይሕመና’ሎ

ይሕመኒሎ ይልሎ ኣብ መቁሎ በቶም እሱራት፡ ዝነብሩ ዘለው ኣብ መንቀራቅሮ ብርሃን ዝተሓረሙ ጸጋታት ተፈጥሮ ብመግረፍቲ ህግደፍ ዝደንቆሩ፡ ለባማት ሰብ ኣእምሮ።   ይሕመና’ሎ ስቃይ ናይቶም ውጹዓት ደጋጊሙ ይደግሰና ኣብ ምድረ በዳ ዝተረፉ ኣውያቶም ድቃስ ከሊኡና በቶም ርሒቆም ዝተሰዱ ዝተዋህቡ ጸማም እዝኒ በቶም ኣብ ባሕሪ

ይሕመኒሎ ይልሎ ኣብ መቁሎ

በቶም እሱራት፡ ዝነብሩ ዘለው ኣብ መንቀራቅሮ

ብርሃን ዝተሓረሙ ጸጋታት ተፈጥሮ

ብመግረፍቲ ህግደፍ ዝደንቆሩ፡ ለባማት ሰብ ኣእምሮ።

 

ይሕመና’ሎ ስቃይ ናይቶም ውጹዓት ደጋጊሙ ይደግሰና

ኣብ ምድረ በዳ ዝተረፉ ኣውያቶም ድቃስ ከሊኡና

በቶም ርሒቆም ዝተሰዱ ዝተዋህቡ ጸማም እዝኒ

በቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ዘይረኸቡ መቅበሪ እምኒ።

 

ይሕመና’ሎ ድቃስ ለይቲ ይኸልኣና

እንክንሓስቦ ንድሕሪት ተመሊሱ እናሻዕ ልብና ይሓቅየና

ንሕና ክንቀስን ክንዕንገል መዕለቢ ስኢኑ ከዕነኒ ወገንና

ለበዋ ስውኣት ዝጠለምና ኮይኑ ይስምዓና።

 

ይሕመና’ሎ መጻኢ ዕድል መንእሰያት ኤርትራ

ንፈርሕ ከይጠፍኡ ንሓዋሩ ብዘይ ሓድጊ ስፍራ

መሬት ዓደቦና ከይትስእን ኣያ ዝሕልዋ ዘሕፍራ

ብጓኖት ከይትዝመት ከይትስረቅ ከይትድፈር ክብራ።

 

ይሕመና’ሎ ናይቶም ብጓሂ ዝማሰኑ ብዘይ ጠዋሪ ዝዘኽተሙ

ብዓጸቦ ሕማም ተደኒሶም ኣእውዮም ረዳኢ ዝሰኣኑ ዝደኸሙ

ናይ ኢዶም ናይ እግሮም በቲኾም ብህግደፍ ዝተጠልሙ

ብዘይ ገበን ዝተፈርዱ ሕሰም ክጸሩ ዝተረግሙ።

 

ይሕመና’ሎ ናይታ ኣብ ጸልማት ትቁዝም ኣደ

ሓዘን ዝወረሳ ወላድ መኻን ዝኾነት ውላዳ ዝተሓርደ

ኣእምሮኣ ዝስሓተት ብኽቱር ሓዘን ስንባደ

ኣብ ሲኦል ትነብር መዓንጣ ከብዳ ብጓሂ ዝነደደ።

 

ይሕመና’ሎ ብብርቱዕ ቀዝሒ ዝሰብር ንስኒ

ናይቶም ዝሰንከሉ ዝተረፉ ብዘይ ዓይኒ

በቶም ዝኣረጉ ኣብ ደልሃመት መዳጎኒ

ፈራዲ ዝሰኣኑ ንፍትሒ ዝዳኒ።

ይሕመና’ሎ በቶም ህጻናት መዓንጣ ዘይቆጸሩ

ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ናብ ስደት ዝበረሩ

ኣብ ክንዲ ዝመሃሩ ክብሪ ስኢኖም ለማኖ ዝተቀየሩ

ብመጻኢ ዕድሎም ተስፋ ዝቆረጹ ዝባህረሩ።

 

ይሕመና’ሎ በተን በራውር ኣሕዋትና

ብነጋዶ ሰብ ክብረ ንጽህንአን ዝተደፍራ

ብዓመጽ ዝወለዳ ብዕድለን ዘማርራ

ምስትምቃር ህይወት ተሓሪመን ዝተጎይሓ ብኻራ።

 

ይሕመና’ሎ ናይቲ ንዓመታት በረኻ ዝሰፈረ

ከይወልድ ከይፈሪ ዝተሰንገወ ብመግረፍቲ ዝዓወረ

ከይመሃር ከይመራመር ተዳሂሉ ዝደንቆረ ዕድሉ ዝተኸትረ

ካብ ህሉዋት ንታሕቲ ብህይወቱ ዝተቀብረ።

 

ይሕመና’ሎ በቶም ሰላም ዝሰኣኑ ኣብ መሬቶም

ብጥሜት ዝለመሱ ዝተኾርመዩ ኣብ ቤቶም

ሓቂ ከይዛረቡ ዝተዓብሱ ኣፎም

ብስቃይ ክግረፉ ክእሰሩ ዝተፈርዱ ንሕልፈቶም።

 

 

ይሕመና’ሎ በቶም ኣብ ምድረ በዳ ሳህራ ዝጠፍኡ

ቀባሪ ዘይረኸቡ ብኣራዊተ-ገዳም ዝተበልዑ

ረዳኢ ስኢኖም ንቡር ንብዓት ወዲኦም ደም ዝነበዑ

ብነጋዶ ሰብ ብጭካነ ዝተሓርዱ ከም ቃንጫ ዝተሰልዑ።

 

ይሕመና’ሎ ድቃስ ሓሪሙና ብሕሰም ዜጋታትና

ይኣክል ይበሎ ሕሰምና ይርኣየልና ክንመርሕ ህይወትና

ረጋቢት ይልኣኸልና ዝሰኣኑ ጭንቀቶም ዝሕብራ ሰላምና

ምሕረት የውርደልና መዓትና ይቁርረልና መፈውሲ ሕማምና።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 8 ጥቅምቲ 2018

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Hidat October 10, 2018

    ጽላል……….ከመይ ትሓምም ድኣ መንግስቲ ኤርትራ መንእሰያት ገፊፉ ኣብ ኩናት የመን ምስ ሳዑድያ ከሰልፎም ኢዩ ኢልካ ዶ ኣይጻሐፍካን?ኣብቶም ይሓልየሎም እየ ትብሎሞ መንእሰያት ፍርሒ ኣሕዲርካ ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ንክብሉ ዶ ኣይኮነን ይኣክል።

    • meron October 10, 2018

      anti esbti, ezi nay Ertrawyan iyu. nski abzi entay aleki? iseyas ktbli mlue edmeki tegeziki hji wedi iseyas ktbli ktmoti iki. esbti Wahid. bzaba Ertrawyan entay ymlketeki gual 40. hasad. nski gual nski medakerti esubat genzeb hzbn hagern enda menchetkn nwlke melaki ketegelgla. mato. Asena neza xemam hade derfa atfuwa kabzi. tblo kulu seminayo ina.

      • Haregot October 10, 2018

        meron aka Sol, Wedi Hagher, Amanuel, Hagherawi, Asmara Eritrea, Kesh Mars, Mohammed, Khalid, Idris Suleiman, HawuKha abey alo, alem, Almaz, kalighe and so on.
        You are extremely unstable, sick, messed up, desperate and compulsive muslim liar and damaged beyond repair garbage Arab slave dog. Are you bipolar or do you bloody suffer from severe identity crisis – inferiority complex???
        The only thing that we don’t tolerate is bloody intolerance itself and you should be reminded of this fact even in your bloody Arab slave dog’s Arabic language.

    • Haregot October 10, 2018

      Hidat, keep it up and don’t be discouraged by some garbage foreign mercenaries.

      • k.tewolde October 10, 2018

        Haregaf, instead of going into anti Arab Islamophobic rant why don’t you comment on Tsilal’s gut wrenching,soul jarring poem,are you dyslexic or you’re here simply to ambush commentators with the same limited redundant,garbage vocabulary written by those who sent you for this trashy errand? No!no!no!nop!! no trash talk,just an honest answer,lets see if you can write something of a substance for a change.

  • Hidat October 11, 2018

    meron………ጸርፊ ናይ ድኩማት እዩ።ሓቂ ዝሓዘ ሰብ ኣየጉባዕብዕን እዩ በዝን ወዲ ከምዝን ዝድሃል ተረኪብኪ ፈትኒ

POST A COMMENT