Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ይርጋኣለም፡ ዝረገጽኪዮ ለምለም

ይርጋኣለም፡ ዝረገጽኪዮ ለምለም . . . . 06,12,2018፡ “ኣብ ወርሒ ለካቲት 2009᎓ ምስ ካልኦት መሳርሕታ ተገፊፋ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዓዲ-ኣቤቶን ማይ-ስርዋን ንሽዱሽተ ዓመት ብዘይ ፍርዲ ድሕሪ ምኣሳር ኣብ ጥሪ 2015 ተለቒቓ” . . . . እህህ! እብል ከምዚ

ይርጋኣለም፡ ዝረገጽኪዮ ለምለም . . . . 06,12,2018፡

“ኣብ ወርሒ ለካቲት 2009᎓ ምስ ካልኦት መሳርሕታ ተገፊፋ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዓዲ-ኣቤቶን ማይ-ስርዋን ንሽዱሽተ ዓመት ብዘይ ፍርዲ ድሕሪ ምኣሳር ኣብ ጥሪ 2015 ተለቒቓ” . . . .

እህህ! እብል ከምዚ ዝኣመሰለ ዜና ማእሰርቲ ክሰምዕ እንከለኹ። ምናልባሽ “ተኣሲሩ/ራ/” ዝብል ዛንታ፡ ዓይነቱ እናተመ ርጸን ብዘቑጸልጸለ ገበናት እናተጠቀነን ናብ ዕዳጋ ስለዝወርድ እቲ ፍጻመ ከም ቅቡል ነገር ክጥቀስ ይስማዕ። ግናኸ ማእ ሰርቲ፡ እሞድማ ብማእሰርቱስ ኣብቲ ዘርእና ንምጥፋእ ሱርና ዝቡርቑቕ ዘሎ ስርዓት ህግደፍከ እንታይ ዘየቖንዙ ሃልዪዎ?

እሞ እህህ’ወ! ምናልባሽ እህህታይ ንዝደረኾ ሕንጣጦይ ዘይትርጉሙ ክዋሃቦን ንገሊኡ ሰብና ምንሙ ከይከውንን ይኽእ ል። እንተ ንዓይ’ሞ ብነብሰይ‘ውን ብዘይ ኣስናነይ ሑጻ ቆርጢመ ስለዘይፈልጥ፡ ትማሊ፣ ሎምን ጽባሕን ደጋጊመ እህህ!

ናይ ሎሚ ጽሕፍተይ ሓጻር ትረኻ ጋዜጠኛ ይርጋኣለም ፍስሃ ዝወለደታ’ኳ እንተኾነት ግናኸ᎓ “እዛ ጋዜጠኛስ እንታይኮን ገይራ ትኸውን ክንድኡ ተቐፊዳ?” ኢለ ዝቐበረቶ ጉዳይ ከይነብር ክፈታትሽ ኣየድለየንን። ጠንቂ ናይ’ቲ ኩሉ ስሩይን ዕሱብን ፈተነ ታት ጽንተት ህዝብና ኤርትራውነት ንምድምሳስ ምዃኑ ርዱእ ስ ለዝኾነ። ብፍላይ ሎሚ’ሞ ቅንእን ቂምታን ብዝመዘዙ ክሑን ኣጠ ማምታ፡ ዘርእን ዓይነትን እናተመርጸ ኣደዳ ናይ በልማማ ማእሰር ቲ፣ ሞትን ስደትን ከም ቁርሲ ቡን ኣብ ገገዛና ይዕደለና ከምዘ ሎ ብግህዶ ንዕዘቦ ስለዘለና፡ ማእሰርቲ እንታይ ድኽመታ ተደልዮዎ።

“እንታይ ሓድሽ ኮይኑ’ዩ፡ ተኣሲራ ጸኒሓ መንግስቲ ድማ ናጻ ሰዲ ዱዋ!” ኢልካ ንረኽቢ’ዛ ግዳይ ምክሽማሹ ክሰምዕ’ሞ ድማ ልበይ ምሒር ትደሚ’ሞ፡ ብመንጽር ናይቲ ብዘይስንኻ ሑጻ ምቑርጣም ዘሎ ኤርትራዊ ባህሪያት ተዓዚባ’ውን ባዕላ ትድበስ።

ካልእ ናይ ባዕላ ንባዕላ ዘደብስ ቀሙር ምኽንያታት የብላን ልበይ ። ጥራይ ኣብ እዋን ኣጠላላምን ዘመነ ቀላሊዓን ዝብኢ ኣብ ገረቡ ክዕቆብ ከምዝጓየ፡ ሰብ ድማ ናብ ሰቡ ከምዘቋምት ስለትፈልጥ ጥ ራይ’ያ። እንሆ’ዛ ግዳይ ጋዜጠኛ‘ውን ሓንሳብ ፈጣሪ ካብ መድፈና ምስፈነዋስ፡ ንፈንጠዚያን ምቾትን ዘይኮነ “ነዛ ሎሚ’ኮ ጽባሕ ኣላ ታ” ካብ ዝብል ናይ ቃልሲ ኒሕ፡ ልባ ብክሕንታ ከምዛ ሕጉስቲ ምስ ናይ ሓሶት ፍሽኽታ ርዖዓ ጠቕሊላን ንወያ ትብህጋን ኩሉ ዝኸፈለትላን ሃገራ ራሕሪሓን ናብ እግራ ዝመርሓ ዛዊና!

መቸን ሰሪ ዘይምልኣት ግዲኮይኑ ዓይነቱ ከይገደሰ እቲ ምህላው ኩሉ ግዜ እናሓደረ ዝሕደስ ኲናት ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ።     ኣብቲ ስግር ማዕዶ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸት ሩሕሲ ይጥዕማዶ? ከምኡ ድማ ኣብ እንዳማትካ ክህሎ እንተተመሪጹ ን ምህላው ዝበቅዕ ድፍረትን ኣኻእሎን ክህሉ ከምዘለዎ ስለዝርዳእ ድርብራብ ኲናት’ምበር!

ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ ዘጓንፍ ኣይሕሱብ ማእሰርቲ ብወንጀልነቱ ዘይኮነ ምእንቲ ሓድሽ መንነት’ዩ ክትግበር ዝጸንሐ። ኣብ ታ ሓርበኛ ተጋዳላይ ስቲፋኖስ ተመልሶ “መቓብር ህሉዋት” ዝሰመያ ቤት ማእሰርቲ ትጥረ ሓዳስ መንነት ግና ኢሳይያስ ክንደየናይ ከይርድኣ’ምበር ኣይከምቲ ዝተመነያን። ከምሳዕቤኑ ንሱ ሓድሽ መንነት ክዕድለና ክብል’ዩ ምስሩሕ መንነቱ ዝ ተጋለጸ። እምበር እታ መቓብር ህሉዋትሲ ከምቲ ኣምሓሩ “ናብራ እንተተባሂሉስ መቓብር’ውን ይመውቕ” ዝብሉዎ፣ ን ሳ’ውን ልዕሊ’ቲ ካልእ ዓለም፣ ምውቕትን ርሒብ ዩኒቨሪሲቲን ኢያ።

“ከምኡ እንተኾይኑ ይርጋኣለም ንምንታይ ዛዊና?” ትብሉ ዘለኹም ኮይኑ ይስማዓኒ። ንመንእሰይ ካብ ዓዱ ጎቲቱ ዘውጽ ኦ ከምዘየለ ዝዓይነቱ ኣቃጫጭ’ውን እሰምዕ ኢየ። ዝዛወነትሉ ምኽንያት መታን ክሓጽረልና፡ ነቲ ክሳብ ንዕምራ ልባ ዘቐ ምረሮ ኣብልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ሰብ ዘይራኣዮ ግፍዒ ከተዘንትወሉን ኣብ ዳግማይ ባሩድ ቃልሲ ክትጥበስን ኢልና እን ተንሓስብ ተወሳኺ ኣይመድለዮን። ካብቶም ከምቲ ከምኣ ውጻእ መዓት ከምንሰምዖ’ውን ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤት ማእሰርቲ’ ኮ ካልእ ዝባኣሰ ማእሰርቲ ነይሩ’ዩ። ኣብኡ እሱር ኣብታ ናይበይኑ ክንዲ መቓብር ትግመት ዕቅንቲ ቡታ’ዩ ዝነብር። ብዓ ቐን ይጥምት፡ ብዓቐን ይሓትት፣ ብዕምቆት ይሰምዕ፡ ኣምሪሩ ይነብዕ፣ ብዓቐን ይንሳዕ፡ እምብዛ ይጸንዕ። ሓንሳብ ኮፍ ም ስበለ፡ ኣይጉንቦን “ደቅስ” ከይተባህለ። ‘ደቅስ’ ምስበልዎ ድማ መታን ዝኸውን ከይርኢ ኮበርታኡ ክሽፈን ይእዝዝዎ። ተ ንስእ ምስተባህለ፡ ትማሊ መዳቕስቱ ዝነበረ፡ ንጽባሒቱ ኣይፈልጥን ናበይ ከምዘበለ። ብስርቖት እንተጠመቶም ሕድስ ን ዝበሉ፡ ንዘይጓጀሞም’ሞ እንታይ ክረብሓሉ . . . ትም ጥራይ!

ባቃ፡ መልሓሰ-ህዋሳት እሱር፣ ሓሳባትን ትርግታ ልብን እሱር! ጥራይ ዘይተጸርበ ዕንጨይቲ መሲልካ ምንባር ስለዝኾነ ዕ ድል እሱር፡ ይሽፈን ይቀላዕ፣ ይኮርመ ይጠላዕ ንዕዑ ኩላ መዓልቲ ሓንቲ ዓይነት ጥራይ ኢያ። ሓንቲ ዓይነት ትርኢት፣ሓ ንቲ ዓይነት ቃላት። ብሓንቲ ዓይነት ዝወዓለት መዓልቲ፡ ብሓንቲ ዓይነት ድማ ትሓድር ለይቲ! ኮታ ኩሉ ነገር ትማሊ፣ ሎሚ፣ ጽባሕን ንኩሉ ግዜን ሓንቲ ዓይነት! ኣብ ከምኡ ኩነት ጸሓይ ብምብራቕ እንተትዓርብ’ውን ንእሱር ኣይንታዩን።  ናብራ ሓንቲ ዓይነት ኣማሲያኣ ናብ ዕንወት ከተምርሕ’ዩ’ቲ ዓላማ። እቲ ዝገርም ኣብ ናብራ ሓንቲ ዓይነት ዝነብር ኣሳሪ፣ ዝነብር መርማሪ፣ ዝነብር ጠበንጃኡ ዓማሪ ምህላዉ ኢዩ። ስለኡ ኣባላት ሓንቲ ዓይነት ካብታ ዓይነቶም ወጻኢ ክሓስቡ ስለዘይክእሉ፡ ናይ ፌሮታት ሓጸልጸል፣ ኣውያት ናይ ብኮረመምጅ ዝቕለጥ ኣካል፣ ቶግታ ናይ ሂወት ከጥፍእ ዝትኮስ ጠ ያዪቲ ንዐዖም ንቡር ጥራይ ኢዩ። ንሳቶም ከምገለ ካብቲ ስራሕ ሓራ እንተወጺኦም ጸሓይ ስለተይትቃደዎም ክሕቡኡ ጥ ራይ ይመርጹ። ዋላ ተፈንዮም’የ ዝብለኩም፡ ዓይኖም ዝራኣየቶ ኣፎም ከይትገልጾ ምስተሰፍየት’ዮም ዝወጹ! ክሳብ ሞት!

ኣብ ከምኣ ዓለም ሽዱሽተ ዓመታት ኣቑጺራ ጋዜጠኛ ይርጋኣለም። ወዮም መሳርሕታ-ነበር ሕዩራት ፖለቲከኛታትና’ውን ዓሰርተው ሸውዓተ ዓመቶም ጸንቂቖም። ሓርበኛ ቢተው’ሞ ነቲ ሂወት ማሕቡስ ዕስራን ሸውዓቲኡን ዓመታት ነቢርሉ፡ .

“ኢሳይያስ ካብ ከምኡ ዓይነት ናይ ጽንተት እኪት ተግባሩ እንታይ ኣፍሪዩ?” ትብሉ ትህልዉ። ኣነ’ውን’ኮ ዘይኣስር መንግ ስቲ ስለዘብህገኒ ኣይኮንኩን ከሳሲ ኮይነ ዝቐርብ ዘለኹ። ኮበርታ ዝሸፈኑወን ኣዒንቲ ዝዓወራ ዝመስሎም ኢሳይያስን ደ ቂ መዛሙርቱን ኢዩም ንርእሶም ዕዉራት። ከመይሲ ኣብርእሲ’ቲ ጸልማት ምሽፋን ክውሰኾ እንከሎ እቶም ዘይሽፉናት ኢዮም ዝዕውሩ። እንተ’ቲ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ክሓድር ዝተፈርደ ሽፉን እሱር ብትንግርቲ ተፈጥሮ ናብ ድሙቕ ብርሃ ን’ዩ ዝድርግሞ። ሽዑ መን ንመን ኣብ ዕጹው ቤት ይዳጉኖ? መን’ዩ ንመን ክሽፍኖ? ስለኡ ዓለም ብዓለማ ኣብ ኢድ ሽፉ ን ምውዳቓ ግድን ይኸውን’ሞ፡ “እዞም ሰባት መን’ዮም?” ዝብል መጻሕፍቲ ብምግንጻል ከም ዒልቦ ይገናጽሎም።

ኣቤት ሽዑ ዝቕላዕ መንነት! ኣቤት ሽዑ ዝኽፈት ምስጢራት! ንበል ካብቲ ሽዑ ዝግንጸል ጉድ፡ ኢሳይያስ መን ምዃኑ ጥ ራይ ዘይኮነ፡ እቲ ቀንዲ ዘዛርብ ናይ መን ከዳሚ ምዃኑ ምስፈለጥካ፡ ኣብምንትምንታይ ወዲ ወርቂ ማህጸን ከምተባህለ ብምግንዛብ ብኩሉ ናይ ወዲሰብ ዕሽነት ምሒር ትዕጀብ’ሞ ወያ ዓለማዊት ሰብነትካ ተጽላኣካ። ትዝክር ድማ ከምቲ ከ ማኻ ዝበጽሖም እንታይ ከምዝበሉዎ ንሰብ። ትዝክር ከምእኒ ድምጻዊ ተወልደ ረዳ በቲ ረዚን ቃናኡ ኣዕሚቑ “ሰብ ም ዃነ ኣብ ዓለም ክነብር፡ ምኽኣሉ ምስኣነ” . . . እናለ ከስቆርቁር። ትዝክር ድምጻዊ ዮኑስ ኢብራሂም፡ “ደፋር ትዕቢተኛ ከም ከልቢ ዝነብሕ “. . . እናለ ነዲሩ ከነድረካ! ሽዑ እቲ ብውዲት ማእሰርቲ ክብርዕን ዝተፈተነ መንነት መሊሱ ከምዝ ደምቕ፡ መሊሱ ከምዝስውድ ደጋጊሙ ይደምቀልካ። እሞ ከምቲ ተኽለሚካኤል ገብሩ ዝበሎ ንኹሉ ከምዘርከብካሉ ም ስፈለጥካ ዘይከም ሕልሚ ኢሳይያስ፡ ኣካልካ’ኳ እንተትኣስረ፡ መንፈስካ’ሞ ኪኖ ርእሲ ምድናን መመሊሱ እናተርንዐ ናይ ምህላውን ምግባርን ስምዒታትካ እናሓደረ ክነዓዓብ!!

“ሰብሲ ሞት’ኳ ክንእሶ” ዲያ ዝበለት ወያ ለባም ወኻሪያ ዕየት ኢሉ ከልቢ ሓቚፉላ ምስመጸ! ንሳ ንተመን ካብርእሱ ዘ ውረደት ብልሂ ምዃና ዘንጊዑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ከተርክቦ ዘይከኣለት ተምሪ “ዘይ ብቐደምኪ መጻጽ” ዘበላ ምስጢር ‘ውን ክሳብ ሎሚ ኣይፈለጦን ሰብ ዓሻ! ከምኡ እንተዘይኸውን ብውዲት ኢሳይያስን ከልቢ ሓለዋኡ ህግደፍን ክታለል ኣ ይምነበረን!

ሃውቲትናዶ? መቸም እታ ክትህሉ ዝደፈረት ሄዋነይቲ ጽባሕ እንታይ ከምዘጓንፋ ዝገመተቶ’ምበር ከጓንፋ ዘረጋገጸቶ ክን ደየናይ ከይነብራ። ስለኡ ብድሕሪት ንዝገደፈቶ ምስልታት ሰኒዳ፡ ክሳብ ንኩሉ ብቅድሚኣ ዝጎንፋ ክፉእ ንክትከውን ክት ቆርጽ ከምዝነበራ ብነብሱ ይመስለኒ። ኡጋንዳ ምስ ተደርገመት ተዛማዲ ኡፎይታ ስለዝተሰምዓ ድማ ናብታ ሓንሳብን ን ሓዋሩን ኩቦ ደርቢያትላ ክትነፍጽ ዝተገደደት ገዛእ ሃገራ ምምዕዳው ከመይ ክትገድፎ?

ሓቃ’ያ ይርጋኣለም ከተርሕቕ። መቸም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ መስሪሖም ናቶም ክገብሩዋ ፈቲኖም ከምዝኾኑ ካብ ተመ ኩሮ ቡዙሓት ተበጊሰ ክብሎ እደፍር። ኣመላ ኢዩ ሰልፊ ህግደፍ እናምሓለት ሰብ ምትላል! እቲ ክበልዕ ዝበለ ገደል ኣፉ “ንዑናይ ናብ ኢቲዮጲያ ክንድመር” ከምዝመጽእ ከይተረድአ ዝረዓመ/ት/ ቡዙሕ ኣሎ። ኣብ ገደል ምስተገምገመ ድማ ማሕላ ቀታሊ፡ ጥንሲ በላሊ ብምዃኑ ምርጫ የብሉን። ብሕሙም ከብዱን ቁሉፍ መልሓሱን እንዳባጁጎኡ ዝፋኖ መሊ ኡ! እንተ ይርጋኣለም ኣይትውዕሎን ግዲ! ገሃንባዊ ቅድመ-ግምባር ካብ ሰገረት ድማ ኣራፊዳ ከምትመውት ከይተተስፈወ ት ስለዘይተረፈት ሓቃ’ያ ክትበርር። ተስፋ ድማ ጸዓት ህላወ ኢዩ’ሞ እንሆ ድማ ወያ ውጻእ መዓት ጓል-ሰብ፡ ሰብ ረኺ ባ! ሰብ ብዙሕ’ኳ እንተኾነ ዓይነቱ እቲ ንይርጋኣለም ዕድል ትምህርቲ ንኽትረከብ ብማሕበርን ውልቁን ተዋሒሱ ክተሓ ባበራ ዝቆረጸ ተባዕ ዜጋና፡ ዋና ዳይረከተር ፐን ኤርትራ ኣብራሃም ተስፋልኡል ምዃኑ ተጠቒሱ ኣሎ።

ዓዲ ሰብ ምስኣተወት “ከይደልኪ!” ዝዓይነቱ ናይ ስንብታ ዝመስል ዝፈነወቶ ቪዲዮ ምስረኣኹ ዝርንዝሕ ነቢዐ። ግና ድ ማ ኣብ ዝዓሞቘ ናይ ቃልሲ ጥልቀት ትኣቱ ከምዘላን ከምትወጾን ብምእማን ብኣ-ንባኣን፡ ባዕለይ-ንባዕለይን ተጸናናዕኩ።

ስቕ ኢለ እንተሓሰብኩሉ ግና “ንፈልስ፣ ንጸንት ዲና ዘለና?” እናልኩ ካብ ናታ ናተይ ከፊእኒ እብለኹም። ብዝኾነ “ኪዲ ዮ-ኪዲዮ ዓዲ ጓና ኪዲዮ፡” ኢላ ንዘፋነወታ ሃገር ንሕና’ዞም ቅዱማት ንምድዕዓስ ዝኣክል ኣእዳውና ዘርጊሕና’ኳ እንተተ ቐበልናያ እቲ ነገር ከይተበገሰት ፈሊጣቶን ደሪሳትሉን’ያ። “ወረ ኣብ ኣፋ ይትረፋ ዘይሓታኸ”ኢለድማ ሓሰብኩልኩም።

 

“ስምዒ ይርጋኣለም፡ ‘ሰብኡት ኣይነብዑን’ዮም’ ሰሚዕኪ ዲኺ ብናይ መፋነዊ ግጥሚ ክንድኡ ትነዋንውና? ኣብ ጥቓ ት ኪ ዘሎ ኣዒንቲድኣ ኣበይ ርኢኺ ዘይነብዕ ብድፍረት ትፈታትኒዮ? እንታይኢኺኸ ትኸስቢ ንሕና’ዞም ‘በራሓት’ ቴኖ ታ ኒካ እንተነባዕናስ እንታይ’ዩ ዋራትኪ? እንተ’ቲ ካብ ሃገርካ ምዃድ ኣብ ውሽጡ ናብ ሃገርካ ምምላስ ጠኒሱ ስለዘሎ፡ ኣብ ሕርሲ ሃገርና ገዓት ጠስሚ ከምተአንግድና እትስፎ ወይለቦኺ!” በላ’ካ መጸኒ።!

 

በዚ ኣጋጣሚ ድማ ብወገነይ ንኣብራሃም ብውልቅን ከም ትካል ድማ ንፔን ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ሰብ ክትከውን ኢደይ-ኢድካ ዝበሉ ዜጋታትና ከመስግን እፈቱ። ብዓቢኡ’ውን ንዓዓ፡ ነታ ውጻእ መዓት ክብሎ ዝደሊ ኣለኒ፦

 

“ክብርቲ ዜጋና ሓርበኛ ይርጋኣለም፡ ከምቲ ዝበልኩኺ ክደግሞስ ሞት ጠፊሕኪ ካብ ተረፍኪ ትንግርቱ ትበጽሒዮ ነገር ከምዘሎ ብምግማት ‘እንኳዕ ከም ካብ ቡሱል ጥረ ብዝዓይነቱ መዋጽኦ ፈጠረልኪ ፈጣሪ!’ ክብለኪ ደስ እብለኒ። ብዛዕባ ነገር ናብራ ስደት ዝመጸ’ውን ከምቲ ዝበልኪዮ መስገደሉን ፈተናኡን ናይ ዋዛ ተሰጋሪ ኣይኮነን። ዝሓለፈሉ ሂወት ሰብ ከ ምዘሕልፍ ንዝህመል ዘበለ ድማ ግሩም መጣፍኦ’ዩ። እንተ ንዓኺ ከምቲ ዝጠቐስኪዮ ናይታ ኩቦ ክትድርብይላ ዝተደረ ኽኪ ሃገር ብዘለኪ ፍቕርን ሒሕታ ቦቕቧቑ ከብዲ ወላዲትን ከምዘየደቅሰኪ ብዘይጥርጥር እርዳኣኒ’ዩ። ንሕና ደቂ ኤርት ራ ሕሉፍና ከይረሳዕና ዝገደደ ንሰጥም ስለዘለና ከመይቢልናኸ ክንቀስንን ክንርስዖን! እቲ ኣውራ ዘየደቅስ ድማ ‘ዘመናዊ’ ገዛኢና እቲ ትማሊ ናህና ዝመስለና ዝነበረ ከዳዕን ዕሱብን ኢዩ። ገደደ’ውን ናይ’ቶም ኣሰሩ ዝስዕቡ ኣሕዋትና!

 

ተስፋ ድማ ኣለኒ። ነቲ ኩሉ ጸገም ሰጊርኪ ኣብዛ ሎሚ ካብ በጻሕኪሲ፡ ነቲ ኩሉ ናይ ጽባሕ ገጥምታት ብምስጋር ድማ ምስ ኣሕዋትኪ ናብ መቓብር መዳሕንትኺ ብምንጓድን ተደቢርኪ መሬት ዓደቦኺ ብምስዓምን ድርኩዂት ቤትኪ ከም ትድርገሚ። ተስፋ’ውን ኣለኒ፡ ኣብቲ እዋን ህንጸት ሰብን ሃገርን ኣነ’ውን ስለ’ቲ ምንዮት ሙሉእ ምሕረት ኣብ ዝሓጸረ እ ዋን “እንኳዕ ማሪያም መሓራኺ” ኢለ ዝሕንጥጣ መልእኽቲ ክልእከልኪ።

 

ክሳብ ሽዑድማ ዝረገጽኪዮ ለምለም፡ ዝተዛረብኪዮ ቀለም ይኹነልኪ ጓለይ ይርጋኣለም!

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

ካብ ሓደ ተኸታታሊ፡

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Wedi Hagher December 9, 2018

    Dear sister ይርጋኣለም

    Congratulations for coming out safe from the killing prisons of Higdef.
    After you take rest, please join your brothers and sisters who are struggling to bring freedom and peace in Eritrea. I have no doubt your contribution will make a difference.
    Have a nice day.

POST A COMMENT