Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኣስመራ – ጉዳይ ወደብ ዓሰብ

ውልቀምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወደብ ዓሰብ ንቐጠር ብኽራይ ሂቡዎም ከምዘሎ፡ ኢትዮጵያ ድማ ብመንገዲ ቐጠር ኣገልግሎት ወደብ ክትጥቀም ምስጢራዊ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ኣብ ኣስመራ ክናፈስ ዝጸንሐ ወረ ሕቅነት ከምዘለዎ፡ ካብ ገለ ሰበስልጣን ህግደፍ ዝመልቝ

ውልቀምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወደብ ዓሰብ ንቐጠር ብኽራይ ሂቡዎም ከምዘሎ፡ ኢትዮጵያ ድማ ብመንገዲ ቐጠር ኣገልግሎት ወደብ ክትጥቀም ምስጢራዊ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ኣብ ኣስመራ ክናፈስ ዝጸንሐ ወረ ሕቅነት ከምዘለዎ፡ ካብ ገለ ሰበስልጣን ህግደፍ ዝመልቝ ዘሎ ሓበሬታ የዳምቖ’ሎ።

በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ሰራዊት ክልቲኡ ወገናት ካብቲ ከባቢ ንድሕሪት ክርሕቕ እዩ።

ኣብዚ ቐረባ እዋናት ኢሳይያስ ክልተ ግዜ ብዘይመሰነይታ ንበይኑ ናብ ቐጠር ዝገበሮ መገሻ ምስዚ ጉዳይ’ዚ ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ‘ውን ሓበሬታ ‘ሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንቲ ኣሚር ቀጠር ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብዛዕባ ዝገበሮ ርክብ ተሓቲቱ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ከምዝተቖጠበ ‘ውን ይፍለጥ።

እዚ ጉዳይ’ዚ ገና ምክትታል ዘድልዮ ኳ እንተኾነ፡ ሓቂ እንተኾይኑ ‘ውን ዘገርም ኣይኮነን። ኢሳይያስን ስርዓቱን ኩሉ ነገር ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ኮይኑ፡ መልሓጥሓጥ ኢሉዎም ተስፋ ቆሪጾም፡ ብዝመጸ ይምጻእ መሐለዊ ትንፋስ ስልጣኖም ዝኸውን ኢንፍዩዥን ኣብ ዘቋምትሉ ዘለዉ እዋን፡ ነቲ ብዕንደራን ህልኽን ዝበሉዎን ዝገበሩዎን ክዝክር ዝኽእል ሕልና ‘ውን የብሎምን።

ኢትዮጵያ፡ ንዓሰብ ብመንገዲ ቐጠር ከምዝትጥቀመሉ ንምግባር ተማሂዙ ዘሎ ጥበብ ከኣ፡ ነቲ ኢሳይያስ ንብዙሕ ዓመታት ብህልኽ ዝውርውሮ ዝነበረ ብድዓዊ መልሓስ ዓጺፉዎ ከይብሃል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንምሽፋኑ: መድሓኒ ገጽ ንምጣዉ ዝተኣልመ ጥበብ ድዉያት እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
66 COMMENTS
  • SUICIDE BY INDEPENDENCE April 29, 2013

    ሓዳሽ ደርፊ ዶ ከነውጽእ___ድሓን ኩኒ ኣባሻውል ትመስል።

    ድሓን ኩኒ ተፈታዊት ዓሰብ ሰላም ቅድሚ ምሻጥኪ
    መሕረድ ህዝቢ ዓፋር መስተይ ኣግማል ኔርኪ።
    ዓባይ ዓሰቢና ሎሚ ክደርፈላ፣
    ፈጺማ ብኹላ ከይተሸጠት ከላ
    ዓባይ ዓሰብ እታ ዝተስኣልኩላ
    መዕበይ ወሎ ኔርኪ ናይ ውግእና ጩራ

    ድሓን ኩኒ ተፈታዊት ዓሰብ
    ኣማዕድየ ክርእየኪ ከም ናይ ሰብ
    ቀደም ዝተወድኤ ኣጀንዳ ብውሽጣዊ ልዝብ
    ሰብ ጥሜቱ እምበር፣ጊዜ የብሉን ነዚ ክዕዘብ።

    ክኸይድ የ ካብ በልኪስ በሊ ተበቆጺ
    ይፈልጥየ ከምዘይትጥዓሲ
    ግን ምእንታኺ ኢለ ዘጥፋእኩዎ ነፍሲ
    ኮንቱ ድዩ ክተርፍ ደመይ ኮይኑ መቋደሲ
    ቀደም ፈሊጠዮ ኣነስ ህዝበይ እዩ ደቃሲ
    ሕጂስ ተወዲኡ ኮፍ ንበል ኣብ ናይ ድኽነት ኩርሲ።

    በታንኳ ሽርሽር፣ከዶልፊን ጨወታ
    ከምሳ በህዋላ የኣሰብ ወደባችን ደስታ
    ከም ዘሉኺ እኒ ድፋባቸው እኒ ገለታ
    ኣነስ ቀቢጸኪ ከም ኣረጊት ሙታንታ
    ኪዲ በሊ ኣብ ርእሲ ምዕባሊኦም ወስኽሎም ዛንታ
    ንዓና ድማ ናይ ቀብሪ ቋሬጣ !!!!!

    • Kalighe April 30, 2013

      “ኣነስ ቀቢጸኪ ከም ኣረጊት ሙታንታ
      ኪዲ በሊ ኣብ ርእሲ ምዕባሊኦም ወስኽሎም ዛንታ
      ንዓና ድማ ናይ ቀብሪ ቋሬጣ !!!!”

      SUICIDE

      Anta kirdad gidef’ba neza neza zibelaakala hager aytizrefa … anta neuram !!!

      • SUICIDE BY INDEPENDENCE April 30, 2013

        Brother Kaligne,

        May be you did not understand the meanning of the song..It is lamentation of what PFDJ/EPLF had us on the agenda..Why do you have to protect the brilliant song that is meant to make us so angry in to acting.
        Maybe you used to get free food from Abba Amanuel of St. Francesco church ..but my Dad & mom bought our food & no country fed me free food.
        You must be shi***g in your pants when you hear Woyane or Tegaru..Was it the meKhalif ??? Do not worry soon we will join our ancestors in Tigray. I only feel sad next time we join them it after being humulated..But, we enjoy that .ANYBODY SAID MUSSOLINNI ,CALCIO …?

        for our health kaligne

1 3 4 5

POST A COMMENT