Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኣስመራ ካብ ኣስመራ

ደሓይ ካብ ኣስመራ ሓለቓ ቦዲጋርድስ - ኮለኔል ተስፋልደት እቲ ካብ ሚኒስተራት ንላዕሊ ተኣሚኑ፣ ኣብ መገሻታት ኢሳይያስ፣ ንሚኒስተራት ከይተረፈ ዝእዝዝ ዝነበረ ሓላፊ ሓለዋ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኮለኔል ተስፋልደት፣ ኣብቲ ልሙድ ስርሑ ይነጥፍ ከምዘየልቦ ተፈሊጡ። ብወግዒ ደስኪልካ ኣለኻ ተባሂሉ

ደሓይ ካብ ኣስመራ

ሓለቓ ቦዲጋርድስ – ኮለኔል ተስፋልደት

እቲ ካብ ሚኒስተራት ንላዕሊ ተኣሚኑ፣ ኣብ መገሻታት ኢሳይያስ፣ ንሚኒስተራት ከይተረፈ ዝእዝዝ ዝነበረ ሓላፊ ሓለዋ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኮለኔል ተስፋልደት፣ ኣብቲ ልሙድ ስርሑ ይነጥፍ ከምዘየልቦ ተፈሊጡ። ብወግዒ ደስኪልካ ኣለኻ ተባሂሉ ‘ኳ ናብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ምውፋር እተዘየቋረጸ፣ ስራሕ ግን የብሉን። ንሽሙ እዩ ዝወፍር ዘሎ።

 

ኣኼባ ሓለፍቲ

ዝሓለፈ ሰሙን፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ (መዛገጃ ቤት) ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ንምዝርራብ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዶም፣ ኣብ ውሽጢ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ብዘይፍረ ተበቲኑ።

 

ሓርበኛ ወዲ ቫካሮ

ኣብ ኤርትራ ብሞት ወዲ ቫካሮ ብዙሕ ሰብ ሓዚኑ፣ ህዝቢ ኸኣ፣ “እቲ ብዓል ርእሰማል ጥራይ ምዃኑ ንፈልጦ ዝነበርና ወዲ ቫካሮ ኣቦ ሓድነት ኮይኑ ምማቱ ታሪኽ ሰሪሑ ሓሊፉ፣ እቶም ኣብ እንግድዓ ህዝቦም ሸይሸይ ዝብሉ ዘለዉ ሰበስልጣን ህግደፍ ካብዚ ናይ ወዲ ቫካሮ ስጉምቲ ክመሃሩ ኣለዎም ይብል ኣሎ።

 

ኣባ ሻውል

ኣብ ኣስመራ፣ ኣባ ሻውል ኣብ ጽርግያ ናፍታ ብኮንትሮባንዳ ክሸጡ ካብ ዝጸንሑ ዜጋታት 5 ጀሪካን ናፍታ ዝመንዝዑ ፖሊስ፣ ድሕሪ 45 ደቓይቕ ተመሊሶም ነቶም ፈለማ ዘሕደጉዎም ዋናታት ሸይጦምሎም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • sennait mesghinna November 1, 2014

    abel tesfay this is nonsense story please been proftional.

POST A COMMENT