Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሩዕ ሎሚ ድዩ ተሰዊኡ?

መስዋእቲ ድሩዕ ብሳክቲዝም ድሕሪ ምቅልሑ ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ “ድሩዕ ሎሚ መዓስ ኮይኑ ተሰዊኡ፡” ክብሉ ከለዉ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ድማ ንድሩዕ መንግስተ ሰማይ ከዋርሶ ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ክህብ ሰናይ ድሌቶም ገሊጾም። የግዳስ ነቲ ቅኑዕ መንገዲ

መስዋእቲ ድሩዕ ብሳክቲዝም ድሕሪ ምቅልሑ ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ “ድሩዕ ሎሚ መዓስ ኮይኑ ተሰዊኡ፡” ክብሉ ከለዉ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ድማ ንድሩዕ መንግስተ ሰማይ ከዋርሶ ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ክህብ ሰናይ ድሌቶም ገሊጾም። የግዳስ ነቲ ቅኑዕ መንገዲ ዝጻረር ጸረ ሓቂ ወይ ሰይጣናዊ ዘረባታት ዝነበረን ዘሎን’ዩ። ስለዝኾነ፡ ገለ ደገፍቲ ህግደፍ ደለይትዪ ፍትሒ ተመሲሎም፡ ገለ ብግርህነት፡ ገለ ድማ በረርቲ መጠፋፋእቲ ወይ መሳርሒ ባዕዳውያን ሓይልታት ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ነቲ ናይ ሳክቲዝም መልእኽቲ ዘይመልክዑ ንምትሓዝ ተጓዪዮም። ገለ ካብቲ መርዛም ዘረባኦም፡ “ሳክቲዝም ካብ መንግስቲ ወያኔ ምስጢራት እናተቐበለ ናብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሓሶት ይነዝሕ ኣሎ፡ ሳክቲዝም ምስ ሓለፍቲ ጸጥታ ጭፍራ ህግደፍ እናተራኸበ ንደለይቲ ፍትሒ ሕንፍሽ ዘእቱ ዜና የቃልሕ ኣሎ፡” ወዘተ ዝብል ጽሑፋት ክዝርግሑ ቀንዮም። ዜርካ ዜርካ እቲ ዕላማ ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ብሳክቲዝም ዝዝርጋሕ ምቅላዕ ምስጢራት ህግደፍ ንኸይቅበሉዎ ዝግበር ዘሎ ፍሹል ፈተነ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም’ውን ሳክቲዝም እከለ እዩ፡ ብምባል ንኻልኦት ሰባት ከም ዝጠቐሱ ይፍለጥ። ሳክቲዝም ግን ካልእ ሰብ ዘይኮነ መጸውዒ ኮድ ናይ ሓደ ካብ ብዙሓት ሰባት ጸብጻባት ዝቕበልን ዝዝርግሕን ሰብ መጸውዒ ኮድ ወይ ናይ ብርዒ ስም እዩ። ሳክቲዝም ድማ ከምቲ ሓደ ብጻይ ከይተረድኦ “ፍሹል ወይ ሳክት” ማለት’ዩ ዝበሎ  ዘይኮነ ንስርዓት ህግደፍዩ ሳክቲዝም ኢሉ ዝጽውዖ ዘሎ። ብዝኾነ፡ ነቲ ፍሹል ፈተነኦም ንጐድኒ ገዲፍና ኣብ መስዋእቲ ድሩዕ እንተ ኣተኰርና ይምረጽ።

ብጻይ ድሩዕ ከምቲ ባዕሉ ቅድሚ ምእሳሩ፡ “ኣብ መትከልና ክሳዕ መስዋእቲ ክንጸንዕ ኢና፡” ዝበሎ ኣብ ምተከሉ ጸኒዑ። ድሩዕ ኣብ ጀርመን ነቲ ታርኻዊ መደረኡ ምስ ኣስምዐ ብዛዕባ ድሕነቱ ዝተገደሱ ዝቐርቡዎ ሰባት ንኤርትራ ክኸይድ ከም ዘይብሉ መኺሮሞ ነይሮም’ዮም። ንሱ ግን ንብጾቱ ዝረኸበ ክረኽቦ ከም ዘለዎ ስለ ዝወሰነ ካብ ማእሰርቲ ከም ዘይድሕን እናፈለጠ ንኤርትራ ተመሊሱ። በራኺ ገብረስላሴ’ውን ከምኡ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ድሩዕ ቅድሚ ምእሳሩ ኣብ ከባቢ ኣደባባይ ባሕቲ መስከረም ዘወር ክብል ከሎ፡ “ኣንታ ድሩዕ፡ እዚ ሰብኣይ ኣይገድፈኩምን’ዩ፡ እንታይ ኢኹም ትጽበዩሉ ዘለኹም?” ዝበሉዎ ቀደም ዝፈልጡዎ ማናጁስ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብህይወት ኣለዉ። ንዓታቶም’ውን፡ “ይትረፍ ንማእሰርቲ ንመስዋእትነት’ውን ድሉዋት ኢና፡” ክብል’ዩ መሊሱሎም። ድሩዕ፡ ልዕሊ ማንም ሰብ ንጭፍራ ህግደፍን ንኢሰያስን ዝፈልጥ ሓርበኛ እዩ። ሕጂ ዝኾነ ሰብ፡ “በዓል ድቱዕ ከምዚ ገይሮም እንተ ዝነብሩ፡ ባዕላቶም’ዮም ተኣሲሮም፡ ክሃድሙ ነይሩዎም፡ ንኢሰያስ ክቐትሉዎ ነይሩዎም፡” ኢሉ ሃለውለው እንተ በለ ምህውታት ጥራይ’ዩ ዝኸውን። ስለዚ፡ እቶም ሳክቲዝም ድሩዕ ከም ዝተሰውአ ብምግላጹ  ንስድራቤቱ ኣብ ሓዘን ሸሚሙዎም፡” ኢሎም ንብዓት ሓርገጽ ዘፍስሱ ምስሉያት፡ ናይ ብሓቂ ንስድራ ስዉእ ጅግና ድሩዕ ሓልዮም ዘይኮነ፡ መሳርሒ ህግደፍ ብምዃን ነቲ ሰብ ኣንፈቱ ንምስሓት ከንቱ ጻዕሪ ዘካይዱ ዘለዉ ምዃኖም ንፍለጥ። ስድራ ድሩዕ ይኹን ካልኦት ኣብ ዒራዔሮ ናይ ዘለዉ ጀጋኑ ሓርበኛታት ስድራ ሎሚ ዘይኮነ ሽዑ እታ ሰንካም ዕለት ከም ዝተሰውኡ ይግንዘቡ እዮም። ከምቲ ሓደ ብጻይና ዝበሎ “ካብ ዳስ ሓውያ ብህይወት ዝወጽእ ሰብ የሎን።” ጅግና ድሩዕ ከኣ ምስ ዝነበሮ ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን፡ ምድፋእ ዕድመ፡ እሞ ኸኣ ኣብ ዔራዔሮ፡ ናፍቖት ስድራቤትን ኵነታት ሃገርን ተወሲኹዎ፡ ክሳዕ ሎሚ ምጽንሑ’ውን ነቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ሕልናኡን ኣብ መትከሉ ዘሎዎ ጽኑዕ እምነትን ዘመልክት’ዩ። ስለዚ፡ እቶም ብዛዕባ ድሩዕ ተሰዊኡ ስለ ዝተባህለ ሓለይቲ ተመሲሎም ነገር ክጐሃህሩ ዝፍትኑ ዘለዉ ምስሉያት፡ “እሞ ድሩዕ ብህይወት ከም ዘሎ መረጋገጺ ኣቕርቡልና፡” ንዝብል ሕቶ ይምልሱዎዶ? መልሲ የብሎምን። ንባዕሎም ኣብ ሃዋህዉ ሃውቲቶም ንኻልኦት ሰባት ክህውትቱ ዝተበግሱ ከንቱ ሰባት’ዮም።

ናይ’ዚኣቶም ከም ሻሙ ምኾነ። እቲ ዘሕዝን ናይ ገለ ደለይቲ ፍትሒ ግርህነት ወይ የዋህነት’ዩ። ንሱ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ቁምነገር ዘድህቡ ከምቲ ‘ዓባይ በጊዕስ ዕያውቲ ሒዛ ትጠፍእ’ ዝብሃል ደድሕር’ቶም ምስሉያት ኣጫፈርቲ ህግደፍ ክደርፉ ክስምዑ ከለዉ እዩ። ዘይፈልጥ ክጋገ ከሎ ጸገም ኣይኮነን። ይፈልጥ’ዩ፡ ተሞክሮ ኣሎዎ ትብሎ ሰብ ዘይትጽበዮ ደቦላ ዘረባ ክድርቢ ከሎ ግን እከለስ ብጥዕናኡ ድዩ ከምዚ ዝብል ዘሎ? ክትብል ትግደድ። ጅግና ድሩዕ ቅድሚ ወርሒ ድዩ ተሰዊኡ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ወይ ቅድሚኡ ቴክኒካዊ ጕዳይ’ዩ። ወዲሰብ ተወሊዱ ክብሃል ከሎ ሞይቱ ዝብሃለሉ መዓልቲ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ’ዩ። እዚ ግን ኣብ ንቡር ኵነታት ንዘሎ’ምበር ኣብ ዳስ ሓውያ ንዘሎ፡ እሞ ኸኣ ብኸቢድ ሕማም፡ ብዘይ መድሃኒትን ብዘይ ሕክምናዊ ክንክንን ንዝነብር እሞ ኣብ ሰውራ ከርተት ዝበለን ዕድመ ዝደፍአን ሰብ ዝምልከት ኣይኮነን። ንምጥቕላል፡ ጅግና ድሩዕን ብጾቱን እንተ ተኣስሩን እንተ ተሰውኡን ግቡኦም ፈጺሞም’ዮም። እዚ’ውን፡ ካልእ ኣማራጺ ከሎዎም። ዝኣመኑዎ ህዝቢ ዝጠልሞም ስለ ዘይመሰሎም ኣብነት ክኾኑ ብምድላይ ኣብ ምውቕቲ ገዝኦም፡ ክቡራት ኣንስቶምምን ፍቱዋት ደቆምን ሓቝፎም ክነብሩ ዝኽእሉ ከለዉ ጕዳይ መሰል ህዝቢ ክሕልዉ መሪጾም። “ኣብ ሃገር ልዕልና ሕጊ ክነግስ ኣለዎ፡ ህዝብና ፍትሒ ክረክብ ኣለዎ፡” ብምባል ታሪኽ ክሰርሑ መሪጾም። እነሆ ድማ ከምቶም ብህይወት ዘለዉ ወግሐ ጸብሐ ህዝቢ፡ “ከዳዓት፡ ጠላማት፡ ምስሉያት” ዝብሎም ዘሎ መጋበርያ ኢሰያስ ዘይኮነስ ብጅግንነት ይዝከሩን ይጽውዑን ኣለዉ። መዓልቲ መጽአ ነፍስወከፍ ደላዪ ፍትሒ ብጥርኑፍ ይኹን ብውልቀ ብዛዕባኦም ይዛረብ፡ ይጽሕፍ፡ ዓመት መጽአ ድማ ሰላማዊ ሰልፊ ይካይድ። ልዕሊ ዅሉ ግን ብኽብሪ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሃገርና ሰፊሮም ኣለዉ። ንእግረ መንገደይ ንድሩዕ መንግስተስማይ የዋርስካ፡ ንስድራቤቱ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ክብል ኣፍቅዱለይ። ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና፡ ተኣምራታዊ ፍታሕ ድማ ነቶም ብህይወት ዘለዉ ናይ ሕልና እሱራት ዒራዔሮ!!

ውድቀት ንህግደፍን መጋበርያታቱን

እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ተሞልሶ

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

<script src=”https://apis.google.com/js/platform.js”></script>
<div class=”g-ytsubscribe” data-channelid=”UCMKaCcIDaPJc7ELfP75UeYA” data-layout=”full” data-count=”hidden”></div>

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Biniam February 24, 2018

    Hzbi Eritrea betki hzbi mshmush hzbi. Zkaleselka zeytfelt hzbi Gena Eseyas ketntekum eyu.

    • k.tewolde February 25, 2018

      I voiced similar statement in 1980 when I took the final glance at the land that snatched a big chunk of me and crossed the border for good.Yes,the people didn’t have any clue what was coming to them.

      • Simon G. February 26, 2018

        I hear ya, brothers!

POST A COMMENT