Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድንጉር ተልእኾ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት “20 ሰነ”፣

ህዝቢ ኤርትራ ክቚጸርን ክግመትን ዘሸግር ህይወትን ንብረትን ብምኽፋል ዘረጋገጾ ናጽነቱ፣ ንዘልኣለም እናተዘከረን እናኸበረን ዝነብር ሞራላዊ ሃብቲ እዩ። ነዚ ኣብ እንዝክረሉ እዋን ድማ፣ ነቶም ብማይ ደሞምን፡ ብእምኒ ዓጽሞምን ንናጽነት ዝተኸሉ፣ ኩቡራት ሰማእታትና ኢና እንዝክር። ንሶም ምስ

ህዝቢ ኤርትራ ክቚጸርን ክግመትን ዘሸግር ህይወትን ንብረትን ብምኽፋል ዘረጋገጾ ናጽነቱ፣ ንዘልኣለም እናተዘከረን እናኸበረን ዝነብር ሞራላዊ ሃብቲ እዩ። ነዚ ኣብ እንዝክረሉ እዋን ድማ፣ ነቶም ብማይ ደሞምን፡ ብእምኒ ዓጽሞምን ንናጽነት ዝተኸሉ፣ ኩቡራት ሰማእታትና ኢና እንዝክር። ንሶም ምስ ዝዝከሩን ዝኸበሩን ጥራሕ ድማ እዩ፣ እቲ ናይ ናጽነታዊ መንፈስ ኣብ ውሽጢ ስምዒትና ትርጉም ዝህበና።

 

መዓልቲ ሰማእታት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ማእከላይ ክፍላ ናይ 70ታት እዩ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክዝከርን ክኸብርን ብወግዒ ዝተወሰነ። ተ.ሓ.ኤ። ድማ ንሓደ ታሕሳስ” ከም መዓልቲ ሰማእታት ክትከብር ገበረት።

 

ብልክዕ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብደርጃ ብረት ምልዓል ይኹን፡ ከም ሃገራዊ ገባር፣ ኣብ በረኻ ይኹን ኣብ ዓድታትን ከተማታትን፡ ንስለ ናጽነት ዘይተሰውኣላን ዘይወደቐላን ዕለት የላን። ይኹን እምበር፣ ሰንሰለታዊ ፍጻሜታት ኣብ ዝተፈጸመሉ ኩነታት፣ ሓደ ንኹሉ ዝምልከት ወኪል ዕለት ክትመርጽን ክትውስንን ከለኻ፣ ካብቲ ኩሉ ፍጻሜታት፡ ሓንቲ፡ ግዙፍ ተዘክሮን ፍጻሜን ዘጋጠመላ ዕለት ከም ወኪል ወሲድካ ኢኻ ንኹሉ እትውክል “ኤኮን” መዓልቲ ክትፈጥር እትኽእል። ነቲ ካብ 40ታት ጀሚሩ፣ ብቐጻሊ ዝርአ ዝነበረ መስዋእትታት ኩሉ ንኽትውክል ድማ፣  ተ.ሓ.ኤ. ንሓደ ታሕሳስ ከም መዓልቲ ሰማእታት እትዝከረላን እትኸብረላን ዕለት ንኽትከውን ወሰነት። ምኽንያት ናይዚ ድማ፣ እቲ ብጀነራል ተሾመ እርገቱ ዝፍለጥ ልኡኽ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ፣ ንሰውራ ኤርትራ ሓንሳብ ንሓዋሩ ንኽድምስስ/ ከጥፍእ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ኣስመራ ድሕሪ ምእታው፣ ንዘሎ ሰራዊቱ ብኸቢድ የዕጢቑ ንከረን ምስ ዝተበገሰ፣ ብሰራዊት ተ.ሓ. አ. ኣብ መንገዲ ተዓጊቱ፣ ሰራዊቱ ተደምሲሱ ንርእሱ’ውን ኣብቲ ኲናት ተቐንጸለ። ጸላኢ ድማ ኣብ ሓደ ታሕሳስ ‘71፣ ሕነ ናይዚ ፍሽለትን ክሳራን’ዚ ንኽፈዲ፣ ንህዝቢ (ዓዲ) ዑናን፣ ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ቁሸታትን ኣብ ሓደ በተ ኣምላኽ/ መስጊድ/ ኣኪቡ፣ ብ360 ዙርያ ብምኽባብ፣ ብናይ ካላሽንን ብሬንን ሓዊ ብምቅጻል፣ ህዝቢ አቲ ከባቢ ብጅምላ ኣብዛ ዕለት’ዚ ኣጽነቶ። ውድብ ተ.ሓ.ኤ አምበኣር ነዛ ከምዚ ዝኣምሰለት ህዝባዊ ህልቀት ዝተፈጸመላ ዕለት ሓደ ታሕሳስ፣ ከም መግለጺ ናይ ምረት መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብምውሳድ፣ ክትዝከርን ክትከብርን ብዕሊ ወሰነት። ክሳብ አቲ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ሜዳ ኢርትራ ዝነበረትሉ እዋን ድማ፣ መዓልቲ ሓደ ታሕሳስ ከም መዓልቲ ሰማእታት ትዝከርን ትኸብርን ነበረት።

 

ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር፣ ሜዳ ኤርትራ ብሒታ ምስ ተቖጻጸረት ግን፣ ኣሰራት ተ.ሓ.ኤ. ካብ ባይታ ንምጥፋእ ከም መግለጺ ናይ መንነታን፣ ህላውነታን ዓወታን ገይራ እያ ሰሪሓትሉ።  ብቐዳምነት ድማ፣ ንብዙሕ ብተ.ሓ.ኤ. ተሰሪዑ/ተተኺሉ ዝኸይድ ዝነበረ ትካላዊ ምሕደራ ይኹን ልምድን ታሪኻዊ ፍጻሜታትን ኣብ ምድምሳስ ተጓየየት። ሓደ ካብዚ ድማ ንመዓልቲ ስውኣት ብናታ ትርግታ ልቢ ከም ኣትዝከር ክገብራ ናታ ዕለት ን20 ሰነ መረጸት።

 

እቲ ኣብዚ ኣገዳሲ ግን፡ እንኳዕ ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ ተግባራቶም፣ ማለት ከምቲ ንሕድሪ ሰማእታትና ዝረገጹን ዝጠለሙን፣ “እንታይ ዝዓብሱ ስውኣት እዮም ዝኸብሩ” ብማለት፣ ነታ ናይ ዝኽሪ መዓልቲ’ውን፣ መዓስን ምኽንያቱን ብዘየገድስ፣ ጨሪሾም ኣይደምሰስዋ ኢኻ ትብል። ይኹን እምበር ረጊጸማ ሓሊፎም ነይሮም እንትዝኾኑ’ውን፣ ጽባሕ ንጒሆ፣ ምስቲ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ዲሞክራስን ንምርግጋጽ ዓሊሙ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ክምለሽ ዝኽእል ጉዳይ እዩ ነይሩ።

 

እቲ ድንጉር ተልእኾ ኢሳያስ ኣብዛ ንሰማእታት ዝተዋህበት መዓልቲ’ዚኣ ግን ብሓቂ ንሰማእታት ዝዝክርን ዘኽብርን ቃል ድዩ ነይሩ፧ ዘሕዝን እዩ። ኢሳያስ ነዛ መዓልቲ’ዚኣ፣ ከም ልማዱ፣ ንጎርቤት ሃገር ይኹን ንዓለም ብጠቕላላ ንምጽራፍ እዩ ተጠቒምላ። ማለት ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተበገሰ ናይ “ሰላም መጸዋዕታ” ኣልዒሉ ክዛረብ ከሎ፣ እዚ መጸዋዕታ’ዚ ካብ ውልቀ ሰብ ወይ ካልእ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝኾነ ሓይሊ ከም ዝተበገሰ ገይሩ ብምውሳድ፣ ነቲ ብብህረራ ዝግዛእ፣ እናሻዕ ዝግዕረሉ፣ ካብቲ ዘይጥዑይን ዘይፖለቲካውን ኣታሓሳስባኡ ዝምንጩ፣ ግዕዙይ ቃላቱ ተጠቒሙ፣ “ዘመን ውበ ዝጸመመስ ዝባን ውበ ክብል ይነብር” ከም” ዝበሃል፡ ንወያኔን ደገፍቶም እዮም ንዝብሎምን ሓይልታት ክጸርፍ እዩ ነታ ዕለት ተጠቒምላ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ቆልዓ ኮይኑስ’ያ፣ ኢሳያስ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክጎዛዚ ምፍታኑ ግን ዘስደምም ጥራሕ ዘይኮነስ ዘሕዝን እዩ’ውን። ነዚ ግን ካብ ናይ ሓንጎል ጥዕና ዝጎደሎ ሰብ ዝምንጩ፣ ስንኩል ኣተሓሳስባ ዝፈጥሮ ፈተነ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ መግለጺ ኣይርከቦን እዩ። እቲ ብዝያዳ ዘሕዝን ድማ፣ ነዚ ዘይቅዱስን ዘይህዝባውን ቃላት እዚ ክብል ከሎ፣ ኣብ ቦታ ውክልና ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተውጢሑ ምህላዉ እዩ።

 

እቲ ቐጺሉ ብዝያዳ ዘስደምምን ዝተሓሳስብን ግን፣ ተዓዊተ ክብል እዩ እመስለኒ፣ እቲ «game over» ብማለት ዘቃልሖ ሕቱር ኣበሃህላኡ እዩ። እዚ ድማ ኢሳያስን ጋንታኡን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብህዝቢ ኤርትራ ክጣልዑን ክጻወቱን ከም ዝጸንሑ እዩ ዘነጽር። በቲ ሓደ ወገን ድማ፣ ኢሳያስ ነቲ ጸወታኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገና ንምቕጻል ባይታ ንምፍጣር ዝህቅን፡ ጽዩፍን ሕሱርን ዘይፖለቲካውን ቃላቱ ክደግሞ ምስምዑ እዩ። ከም ኣመሉ ናብ ጸርፍታት ዘጒየዮ’ውን፣ ነቲ “ገይም ኦቨር” ዝበሎ ክዉን ከይከውን እሞ፡ እቲ ተበግሶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይትግበር፣ ማለት ሰላም ከይፍጠር ስለ ዝሰግአ፣ እሞ ንምዕንቃፉን ሰበብ ንምፍጣርን ዝዓለመ ምንባሩ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ሰላም ዝደሊ ናይ ሰላም ቋንቋ ደኣምበር፣ ህውከት ዝፈጥር ቋንቋ ኣይዛረብን እዩ። ንዘረባ እሳያስ ምስ አንሰምዕ ግና፣ ከም “ሓደ ቶዂላ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ናብ ኣባጊዕ ክጽንበር ምፍታን” እዩ ዘስምዕ። ብዝተርፈ እዚ ብቐጻሊ ዝሕብሮ፣ ኢሳያስን ኣማኸርቱን፣ ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ባጤራ ኮይኖም፣ ናይ ሰላምን ናይ ልዝብን ቋንቋ ዘይብሎም፣ ንዝኾነ መስርሕ ሰላም ክውክሉ ድማ ብቕዓት ዘይውንኑ ምዃኖም እዩ ዘረጋግጽ። ኢሳያስ ከም ሰብ፣ ዝገበሮን ዝዛረቦም እናጓነጸ ዝኸይድ ባህርይ ዝውንን ሰብ ምዃኑ ዘይርዳእን፣ ብግዜ ዘይመሃርን ናይ ዲፕሎማሲ መሃይም እዩ። አቲ ዘሕዝን ግን ናይዚ ኩሉ ዋጋ ዝኸፍሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እዩ።

 

ኢሳያስ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንፋስ ነጻነት ረኺቡ፣ ኣብ ኣከያይዳ መንግስቱ ርእይቶን ተቛውሞን አንትሃበስ፡ ከም ናቱ ዓወት ወሲዱ መወራዘዪ ክገብሮ ንሰማዒ ዘስደምም ጥራሕ ዝይኮነስ፣ ብፍላይ ነቲ ብሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ዝግደስ ኣካል፣ ዘሕዝን’ውን እዩ። ኢሳያስ፣ ነቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደረጃኡ ብዘየገድስ፡ ርእይቶኡ ክገልጽን፡ ኣብ ዝደለዮ ሰልፊ ክስለፍን፣ ዝመሰሎ ክሓትትን ክዛረብን ክጽሕፍን ክወቅስን ዘለዎ መሰሉ እንተተተቐመስ፣ ፍሽለት ስርዓት ኢትዮጵያ (ብናቱ ኣተሓሳስባ ስርዓት ወያኔ) ገይሩ ክቖጽሮ ምፍታኑ ድማ፣ ነቲ ጨፍላቒ ምሕደርኡ ከም ቅኑዕን ፍትሓውን ገይሩ ከገልጾ ከም ምፍታን እዩ ዘስምዕ። ኢሳያስ ነቲ ይትረፍ ርእይቶስ፣ ቋሕ ኢሉ ቀኒዑ ክርኢ መሰል ዘይብሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍርሒ ኣፉ ሒዙ ደኒኑ አንተኸደስ፣ ዓጊቡ ይኸይድ ከም ዘሎ ገይሩ ክገልጾ ምፍታኑ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ንዕቀትን ብድዐን ከም ዘለዎ እዩ ዘብርህ።

 

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ እምበኣር፣ ስርዓት ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብመሪሕነት ዶ. ኣቢይ ኣሕመድ ዝተተንበሀ፣ ቅዱስን ህዝባውን ዝኾነ ናይ ሰላም መጸዋዕታ፣ ንድሕሪት ከይበለን፣ ንጉጅለ ህግደፍ ከም መተሃላልኽቲ “ስርዓት” ወሲዱ ኣብ ደረጅኡ ከይወረደን፣ “ሰላም” ናይ ክልቲኡ ሃገር ህዝቢ ጠለብ ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ናብ ተግባር ዝበጽሕ ጎደና ሒዙ ክደፍእ፣ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ብተስፋ ይጽበዮ ምህላዉ ክግንዝብ ከም ዘድሊ እዩ። ከመይሲ እቲ ትርጉም ኣልቦ ዝኾነ፣ ኣሽሓት ህይወት ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ዝወሰደ ኲናት ዶብ፣ ካብ ናይ ምትህልላኽ ባህርያት ዝፈጠሮ ዕንወት ሓሊፉ፣ ንክልቲኡ ህዝቢ ዘየርብሕ ናይ ድንቁርና ፍጻሜ ንምባሩ ምግንዛብ የድሊ። እዚ ክልተ ህዝቢ እዚ ድማ፡ ኣብ መንጎኡኡ፣ ልዕሊ ሰላም ዝነገሶ ጉርብትና ዝምዘን ካልእ ኩቡር ነገር የብሉን። ሰላም፡ ምዕብልናን ጥዑይ ሕብረተሰብን ንምህናጽ ዝመርሕን ዘኽእልን ጎደና ስልጣኔ እዩ’ሞ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ብሰላም ዝግዛእ ጥዑይን ናይ ምትሕብባርን ጒርብትና ክነግስ ረብሓን ትጽቢትን ክልቲኡ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ፣ ነዚ ዝውክልን ነዚ ኣብ ባይታ ንምርግጋጽ ብልቢ ዝሰርሕን ምሕደራ ይጽበ ከም ዘሎ ምልላይ እዋናዊ ጠለብ ህዝብን፣ ግዴታ መራሕቲ ኣካላትን ምዃኑ ምግንዛብ ንምርግጋጹ ምስራሕን ወሳኒ እዩ። ስለዚ እምበኣር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ነዚ ኣምር እዚ ተገንዚቡን ኣሚኑን፣ ነቲ ኣብጊስዎ ዘሎ ጉዳይ ሕጋዊ መፍትሒ ብምምርኳስ ክኣልዮን፣ ንረብሓ ክልቲኡ ህዝቢ ዝውዕል ሰላም ንምርግጋጽ ድማ፣ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ብምውሳእ፣ ብልቦናን ብልብን ክሰርሕን ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ’ሞ፣ ኣብ ዓወት የውዕሎ። ኣብ ዓለምና ዓማጽን ተዓማጽን ክሳብ ዘሎ፣ ሰላም ክህሉ ፍጹም ኣይክልን ስለ ዝኾነ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ብጠቕላላ፣ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ድማ፣ ነዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ዘሎ ናይ ሰላም መጸዋዕታ፣ ከካብ ዘለውዎ ቦታን፣ ዝውንንዎ ዓቅምን ሓላፍነትን ተበጎሶም፣ ንምዕዋቱ ዝከኣል ጻዕርታቶም ክገብሩ መድረኽ ይጽውዖም ኣሎ። እቶም ሽግር ህዝቢ ክንፈትሕ ንቃለስ ኣለና ብማለት፣ ኣብ ቦታ ደንበ ተቓውሞ ዝርከቡ ውድባትና ድማ፣ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ፣ ምስ ፖልፖትን/ካምፖቺያ/፡ ፒኖቸን/ ቺለ/፣ ፍራንኮን/ ስፓንያ/ ዝመሳሰል “ስርዓት” ኣስመራ ክፈልዮም ዝኽእል ስጉምቲ ዘውስዶም፣ ማለት ፈተውቲ ውድቦም ዘይኮነስ፣ ኣብ ቐዳማይ ቦታ፡ ፈትውቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ምዃኖም ዘርእዮም፣ ልቦና ከጥርዩ ይጥለቡ ኣለዉ።

 

ሰላም ጉርብትና፣ ይመርሕ ናብ ናይ ሓባር ምዕብልና!!!

 

ወልደስላሴ ዑቕበ

ኖርወይ

Subscribe to ASSENNA NEWS Channel 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tesfai June 28, 2018

    The writer claims: ” መዓልቲ ሰማእታት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ማእከላይ ክፍላ ናይ 70ታት እዩ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክዝከርን ክኸብርን ብወግዒ ዝተወሰነ። ተ.ሓ.ኤ። ድማ “ንሓደ ታሕሳስ” ከም መዓልቲ ሰማእታት ክትከብር ገበረት።”
    The problem with the Eritrean opposition of the Jebha class is that their politics is very old, expired and out of scope. They tend to live in the past by opposing and castigating anything Shaebia while praising and white washing Jebha. If you guys can not change yourself first, you will change nothing except to live and die like the fossilized dinosaurs.
    Please grow up or stay out of the way and learn from the young new Ethiopian PM.
    To me there is no difference between Jebha and Shaebia, only the first one is already buried and history, the second one is on the edge of the cliff.

    • k.tewolde June 29, 2018

      ‘only the first one is already buried and history, the second one is on the edge of the cliff.’…..and where are you hank? alive and kicking? and of course blogging. Buddy,was the one that you excised as a quote the central message of the article? or you simply felt like taking a cheap shot at the writer? if so,I suggest you spend your time productively.

POST A COMMENT