Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድግምጋም ሓሶታት ህግደፍ ብተኽለ መንግስቱ ብትብዓት መንእሰያት ትሮንድሃይም ፈሺሉ!!!

ወዲ ሰብ ኩሉ ግዜ ብሓሶትን ብምትላልን ኪነብር ኣይክእልን እዩ᎓᎓ስርዓት ህግደፍ ግን ነዚ ሓቂ እዚ ዘስተብሃሎ ኣይመስልን እዩ᎓᎓ተኽለ መንግስቱ ክኣ ትማሊ ቀዳም 21᎐01᎐2012 ኣብ ከተማ ትሮንድሃይም ነዚ ሓቂ ጎስዩ ነቶም ሕልና ዘይብሎም ብጀካ ዝሰምዕ እዝኒ ዝዛረብ

ወዲ ሰብ ኩሉ ግዜ ብሓሶትን ብምትላልን ኪነብር ኣይክእልን እዩ᎓᎓ስርዓት ህግደፍ ግን ነዚ ሓቂ እዚ ዘስተብሃሎ ኣይመስልን እዩ᎓᎓ተኽለ መንግስቱ ክኣ ትማሊ ቀዳም 21᎐01᎐2012 ኣብ ከተማ ትሮንድሃይም ነዚ ሓቂ ጎስዩ ነቶም ሕልና ዘይብሎም ብጀካ ዝሰምዕ እዝኒ ዝዛረብ ኣፍ ዘይብሎም ሰብ ረብሓ ንዝኾኑ ደገፍቲ እቲ ስርዓት፣መኸተ ብዝብል መታለሊ ቃል ኣኼባ ኪገብር መጸ᎓᎓ደገፍቲ ህግደፍ ክኣ ቅድሚ ሕጂ ገሮሞ ዘይፈልጡ ንፖሊስ ኣመልኪቶም ሓደ ፖሊስ ተዋሂብዎም ነይሩ፣እዚ ክኣ ነቲ ብመንእሰያት ትሮንድሃይም ንለውጢ ኮጋንፎም ንዝኽእል ተጻብኦ ንምግታእ ዝሓሰብዎ እዩ ነይሩ᎓᎓ብተወሳኺ ነታ መታለሊት ኤረ ቲቪ ዝኸውን ስእሊ ከልዕሉ፣ሓደ ኢትዮፕያዊ ሰኣላይ ኣምጺኦም ነይሮም፣ዘገርም እዩ በዚ ምስ ኢትዮፕያ ክካሰሱ ናይ መኸተ ኣዀብኦም ክኣ ብኦም ስእሊ ከልዕሉ᎓᎓እንተኾነ ኣኸባ ከይተጀመረ ስእሊ ከም ዘይ ወስዱ ተሓቢርዎም ካብኡ ክኣልይዎ ምስ ተሓበሮም ብዘይ ቅድመ ኩነት ተኣልየት፣ክስእል ዝመጸ ሰኣላይ ክኣ ኩነታት ምስ ርኣየ ገረሞ፣ተኻርዮም ከም ዘምጽእዎ ውን ብተወሳኺ ሓቢርና᎓᎓ኣኸባ ሰዓት 2᎓00pm እዩ ጀሚሩ፣ወይጦ ልኡኽ ህግደፍ ተኽለ መንግስቱ ክኣ መድረኽ ተረከበ እሞ ነፍሱ ድሕሪ ምልላይ ናብ ዘዳለዎ ኣጀንዳ ክኣቱ ምስ ጀመረ ደው ንከብሎ እዩ ተኣዚዙ፣ን20 ዓመት ዝሰማዕናዮ ሓሶታትኩም ዝዓቢ ጉዳይ ስለ ዘለና ቅድሚ ኩሉ ንዕኡ ኢና ንሰርዕ ተባህለ᎓᎓ተኽለ ክኣ ከይጀመረ ብድሆታት ስለ ዘጋጠሞ ኣኸብኡ ከም ዘይዕወትን ከም ዘይ ሰልጦን ውን ብኣግኡ ተገንዘበ፣ነቲ ዝጀመረ ተቃውሞታት ውን ደው ከብል ፈተነ ጀመረ፣ገለ ካብቲ ፍሹል ፈተነ እኹል ግዜ ስለ ዘለና ንኹሉ ከነርክቦ ኢና ስለዚ ኣነ ዝተዳለኽዎ ኣጀንዳይ ክውድእ ድሕሪኡ ክኣ ትሓቱ ዝብል ዝኣረገ መላ ኣቅረበ እንተኾነ ተቀባልነት ኣይረኸበን᎓ልዕሊ እቲ እስኻ ተቅርቦ መደብ እዚ ንሕና ንሓቶ ሕቶ ይገድስ ዝብል መልሲ እዩ ተዋሂብዎ᎓᎓ከይ ፈተወ ክኣ ነቲ ሓሳብ ክቅበል ተገደደ፣

ገለ ካብቲ ሕቶታት ዝቀረበ
1᎐መንግስቲ መን ንዝበተኖ መንእሰይ እዩ ሕጂ ሓላዩ መሲሉ ብዛዕባ መኸተን ምትእኽኻብን ዝዛረብ᎒

2᎐መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ዘጋታቱ ዝግደስ እንተኾይኑ ነቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ዘይኮነስ ቀዳምነት ኣብ ሃገርን ኣብ ፈቀዶ ሲናይን ሳሃራን ሱዳንን ንዝዋረዱ ዘይሓትት᎒

3᎐ብዛዕባ ቅዋምን ምርጫን ፍትሒን ሃገራዊ ኣገልግሎትን 50 ሽሕ ናይ ውላድኩም ክፈሉ ወዘተ

እዚ ገለ ካብቲ ዝቀረበ ሕቶታት እዩ፣እንበር ኩሉ ምንቅስቃስ መንግስቲ ህግደፍ ሓቲትካ ዝውዳእ ኣይኮነን᎓᎓መልስታት ተኽለ ከም ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ስቅ ኢሉ ዓጀው ጀው ክብል እዩ ተሰሚዑ፣ንኹሉ መንእሰይ ካብ ዝገረመ ገለ ካብቲ መልስታት ግን፣ስለምንታይ ኢኹም ንወለዲ 50 ሽሕ ክፈሉ እናበልኩም ተሸግሩ፣ሓደ ወላዲ ኸ ብእኹላት ደቁ ከመይ ኢሉ ይሕተት፣መልሲ ካድር ግን ወላ ክሳብ እቶም ንድግፎ ኢና ዝብሉ ዝክዓብ መልሲ እዩ ነይሩ፣

ከምዚ ክንገብር ዝገደደና ገለ ወለዲ ናብ ናይ ስግረ ዶብ ስለዝተሓባበሩ ምስ ገለ ገለ ጉጅለታት ውን ርክብ ስለ ዘለዎም ንኽእረሙ ንካልኦት ክኣ ትምህርቲ ክኸውን ኢልና ዝወሰድናዮ ስግምቲ እዩ ክብል መለሰ ዘገርም እዩ፣ብዝኾነ ግን እቲ እሱ ዝሃቦ መልሲታት ሓቅነት ዘይብሉን ምስ ክውንነትን ዘይከይድ እዩ፣ንዝበዝሐ ሕቶታት ክኣ ክምልሶ ብቅዓት ኣይነበሮን᎓᎓ስለዚ እቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንእሰያት እዩ ኣትዩ፣ካድር ህግደፍ ውን ምስ ደገፍቱ ዝገበሮ ኣይነበሮን፣እታ ዝነበረቶ ዕድል ካብቲ ክወርደሉ ዝኽእል ሽግር ምህዳም ጥራሕ እዩ᎓᎓

እቲ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ዝተራእየ ነገር እንተሎ ግን ብገለ መጣቅዕቲ እቲ ስርዓት ዝኾና ኣደታት ንኽትብለን ዘይበቅዓ ፈኮስትን ስነ ስርዓት ዘይብለን ነፍሰን ዘየኽብራ ዝግበር ዝነበረ ካብ ሓንቲ ኣደ ዘይትጽበዮ ዘረባን ዘለፋን እዩ᎓᎓ምነልባት እዘን ኣደታት እዚአን ምስ ደቀን ማሚቆን ቀሲነንን ኣብ ፈቀዶ ዳንከራ ህግደፍ ክኣ ዙርያን ወርቀንን ገረን ሸነን ምባል ጥራሕ እዩ፣ሽግር እተን ኣብ ዓዲ ብሻቅሎት ደቀንን በቲ ስርዓት ዝወርደን ኣደራዕ ገጸን ተደዊነን ክትርየን ከለኻ፣ነዘን ጽጋበን ምጻር ዝሰኣናን እንክትሪ ብልቢ ትሃዝን᎓᎓ኣደታት ኤርትራ ብሓልዮተንን ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዘለወን ኣኽብሮትን እየን ዝልለያ፣እንተ ትማሊ ዝረአናየን ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾና ኣደታት ግን ኣይግድን᎓᎓

ኣብዚ ግን ኩሎም መንእሰያት ኩሉ ሽግር ተጻዊሮም ብኽንደይ ከርተት ሓሊፎም በዘን ደገፍቲ ኢና በሃልቲ ኣደታት ዝወርዶም ዝነበረ ጸርፍን ዘለፋን ተጻዊሮም እዝኒ ብዘይምሃቦም ማዕረ ክንደይ ኣብ መትከሎም ጽኑዓት ምኻኖም ዘርኢ ምልክት እዩ፣እተን ስነምግባር ዝወሓደን ኣደታት ገለ ካብአን ምሉእ ሂወቶም ኣብ ኤውሮፓን ዓዲ ዓረብን ዝነበሩ ገለ ኽኣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነበሩ እዮም᎓᎓እቲ ዘገርም ግን እቶም ካብ ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ብሓገዝ መንስቲ ኖርዋይ ናብዚ ዝመጹ ዓድና ሰላም ኣሎ ኢሎም ምዝራቦም ንኹሉ ሰብ እዩ ገሪምዎ፣ዓዲ ሰላም እንተዝህሉ ድኣ ካብ ኖርወይ ኤርትራ ዘይቀርቦም ዝነበረ᎒ምነልባት እዚ ነገራት እዚ ብሕጊ ከም ዘሕትቶም ዘስተውዓልዎ ኣይመስሉን እዮም᎓᎓

መድሕን

EYC ትሮንድሃይም

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • SINGAPO-ERITREAN January 23, 2012

    “እታ ብትካዘ “ባሕሪ” ኢልካ ዝደረፍካላ
    ኣበይ ተሓቢኣ ከይትኸውን፣ ፍሒራ???”

    ቆልዓ ተወሊዱ,ዳዕሮ ቃውሎስ,ከባቢ ኣስመራ
    ዜማ ደርፍታቱ ካብ ሰማይ ዘውርድ ጆፌ ኣሞራ
    ልቢ ጎበዝ ብስምዒት ዘበራበራ
    ንሜዳ ክትቃለስ,ንሓዳሽ ባንዴራ
    ዝንኡ ምስኩርዩ,መሓሪ “ፍሒራ”!!!!!
    ብሕልፊ ምስሰማዕኩ እዛ ሕጂ ዝደረፋ
    ኣብ “ባሕሪ” ዝጠፍኤት ዝስኣነላ ተስፋ
    ርእሰይ ተንኪፋቶ, ኣብ ልሳነይ ተሪፋ !!!!
    ነቲ ኣገልግሎት ቃልሲ ናይ ህግደፍ ጸሊኣቶ
    ምናልባሽ ብሜላ ,ንካፒቴን ኣሽኪዓቶ
    ተሓቢኣ ከይትኸውን,ኣብ በርሚል ኣብ ፊስቶ ?
    እቲ ጥበብ ካብ መን ተማሂራቶ ?
    ባዕልኻ መልሶ, ሰብ ኣይተሃውትቶ !!!!!!

  • hggum brhan January 24, 2012

    merbeb hasot gberu abey keytbethu

POST A COMMENT