Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ-ቫካሮ) ኣብ ነው ዮርክን ከባቢኣን ዕዉት ዋዕላ ከምዘካየደ ወደብቲ ናይቲ ኣኼባ ሓቢሮም።

እቲ ካብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ንናጽነት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምህናጽ ሃገር ዓቢ ግደ ዝተጻወተ ሓርበኛ ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ንኤርትራውያን ተቐማጦ ደለወር፣ ፐንሲልቫንያ፣ ኒው-ጀርሲ፣ ኒው-ዮርክ፣ ከነክቲከትን ቦስቶንን ብሓደ ታሕሳስ 2013 ዓ. ም. ሰፊሕ

እቲ ካብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ንናጽነት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምህናጽ ሃገር ዓቢ ግደ ዝተጻወተ ሓርበኛ ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ንኤርትራውያን ተቐማጦ ደለወር፣ ፐንሲልቫንያ፣ ኒው-ጀርሲ፣ ኒው-ዮርክ፣ ከነክቲከትን ቦስቶንን ብሓደ ታሕሳስ 2013 ዓ. ም. ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ።

Vacaro_NYኣኼባ ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ደው ኢሉ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኽቡር ባህልና ዘዘኻኽርን፡ ፍናን ቃልሲ  ኣኼበኛ ዘሐድስን ነይሩ። ወዲ-ቫካሮ፡ ብሰንኪ እቲ መብጽዓ ጀጋኑ ዝጠለመ ስርዓት፡ ሃገርና ናብ ሓደገኛ ናይ ምብትታን መንገዲ ትጓዓዝ ከም ዘላ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ነዚ ውዓል-ሕደር ዘየብል ሽግር ብእዋኑ ናይ ምእላዩ ግደ ንኹልና ደቂ-ሃገር ከም ዝምልከት ኣተሓሳሲቡ። ወዲ-ቫካሮ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ዕስራን ክልተን ናይ ነጻነት ዓመታት፡ ብሰንኪ እቲ ስሱዕ ጠባያት መራሕቲ ሃገርና፡ ኤርትራ ዘምለጣ ናይ ምዕባለ ዕድላት ብዝርዝር ገሊጹ። ናይ’ቲ ብሓፈሻ ህዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰያትና ዘሕልፍዎ ዘሎዉ ኣደራዕ ቀንዲ ተሓታቲ እቲ ባዕሉ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኮፍ ዝበለ ርእሰ-ሃገር ምዃኑ’ውን ኣስሚሩሉ። ወዲ-ቫካሮ ነቶም ልዕሊ 360 ኣብ ላምፐዱዛ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ዝሃለቑ ዕሸላትና ኣመልኪቱ፡ ንኢሰያስ ኣፍወርቂ ከም ሓርገጽ መሲሉዎ። ምኽንያቱ ሓርገጽ ዝወለዶም ህጻናቱ ዝበልዕ እንስሳ ስለ ዝኾነ። ነዚ ብሓጺናዊ ኣገዛዝኣ ዘሳቕየና ዘሎ ውልቀ – መላኺ ንምልጋስ ዘድልየና ሓይሊ ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ ጥራይ እዩ ብምባል መደርኡ ደምደመ። ቀጺሉ ኣብ ዝሰዓበ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ድማ ብዙሓት ነገራት ክበርሁ ክኢሎም። ካብ’ቶም ዝሓተቱ ሓደ፡ ደጋፊ ናይ መንግስቲ ኮይኑ ሕቶኡ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ ነበረ። “ንስኻ እቲ ዶክተር ዝብል ቅጽል ስም ሳጓኻ ድኣ እምበር ማዓርግካ ኣይኮነን። ንምንታይ ዶክተር ክብሉኻ እንከሎው መኣረምታ ዘይትገብረሉ? ካላኣይ ድማ ሃገርና ሓንቲ ካብ’ተን ብናህሪ ዝምዕብላ ዘሎዋ ሃገራት ተባሂላ ናይ ሚለኒዩም ሽልማት ረኺባ ክነሳ ንምንታይ ብሽግርን ስእነትን ጥራይ ትገልጻ?” ንዝብል ሕቶኡ ዝተዋህቦ መልሲ ድማ፡- ኣነ ዶክተር ጥራይ ዘይኮንኩስ ፕሮፈሰር እውን እየ። ማዓርገይ ዝተዋሃብክሉ ድማ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዘይኮነስ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ 800 ዕዱማት እየ ተሸሊመዮ። እዚ መልሲ እዚ ንዓኻ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ከማኻ ተታሊሎም ዘይኮነ ወረ ዝነዝሑ ይሕግዘኩም ይኸውን እዩ። እንተ እቲ ኤርትራ ናይ ሚለኒዩም ሽልማት ረኺባ ዝበልካዮ ግን ዝስተ ጽሩይ ማይን ሓይሊ መብራህትን ንህዝባ ዘይትዕድል ሃገር እንታይ ዓይነት ሽልማት እያ ትረክብ ብምባል መለሰሉ። ኣብ ናይ ለበዋን መተሓሳሰቢን ግዜ ድማ…..”ሓድነት……….ጽንዓት…………ተወፋይነት” ዝብላ ሓረጋት ብተደጋጋሚ ይስምዓ ነይረን። ኣኼበኛ ከሕልፎ ዝወዓለ ሓሳብ  ብኣጠቓላሊ ከም’ዚ ይመስል፡-

  • “ሓድነትና ሰንሰለት መግዛእቲ ዝሰበረ ምስጢራዊ ሓይልና ከም ዝነበረ ታሪኽና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ሕጂ’ውን ከም ትማሊ ነዚ ንሓድነትና በታቲኑ፡ መንነትና ንምህሳስ ለይትን መዓልትን ዝጓየ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ታሪኽ ናይ’ቶም ዝተጓሕፉ ገዛእቲ ንምድርባይ ዓቢ ሓላፍነት ይጽበየና ከም ዘሎ ኣይሰሓትናዮን። እቶም ሃገር ንምክልኻል ዘይኮነስ፡ ስልጣኑ ንምሕላው ኮሚሩዎም ዘሎ ሰራዊት ድማ ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ከም ዝብሉ ጽኑዕ እምነት ኣሎና። ካብ’ዚ ዝተጠቕሰ ሓቅታት ብምብጋስ፡ እቲ መጀመርያ ክንገብሮ ዘሎና ዕዮ ገዛ፡ ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ ስለ ዝኾነ፡ እንሆ ብዘይ ውዓል-ሕደር ከነተግብሮ ቃል ንኣቱ ይብሉ”።
  • ሃገርና ካብ’ዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ናይ ምድሓና ሓላፍነት፡ ብቐዳምነት ንዓና ንኤርትራውያን ከም ዝምልከት ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ ሓገዝ ናይ ጎረባብትን ናይ ምዕራብ ሃገራትን ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ ምስ ከም በዓል ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦትን ክህልወና ዘሎዎ ዝምድና ጥቡቕ ክኸውን ከም ዘሎዎን፤ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ድማ ምሁራትና ዝከኣሎም ክገብሩ ከም ዘሎዎምን ርእዩ።
  • ኣኼበኛ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ምጥርናፍ ኣመጒሱ። ንነብሱ’ውን ብሽም ኒው-ዮርክን ከባብን (ኒው-ዮርክ፣ ኒው-ጀርስን ከነክቲከትን) ክጥርነፍን ምስተን ድሮ ተጠርኒፈን ዘሎዋ ካልኦት ከተማታት ተወሃሂዱ ንኽሰርሕ ብድሕሪ ምውሳኑ እተወሃህድ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ግዝያዊት ሽማግለ ብምምዛዝ ኣኼባኡ ደምዲሙ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • Negga Yosif December 4, 2013

    Wdi vaccaro ajoka so far so good kulu ghze Hegdfawyan nsbuk tbgeson elaman yekafu,yeslmu,awrajwi,haymanotwi ,etc ugly but this time they are well identified they can not misgaid any, The people of ERITREA is well observant.Enough is Enough.

  • Tef December 4, 2013

    Wedi vakaro said “we need help from neigbours” that means from Ethiopia? If it is the case, wedi vakaro is not struggling for Eritreans. He has a hidden agenda. Is there any body who was on the meeting can explain to me because I don’t want to judge him when I am not sure.

  • tesfaldet December 4, 2013

    WEDI VACARO WEDIVACARO WHAY IS THIS LAYING RED CARPET ILKE AKING BY THE OPPOSITON WHEN EVER HE HELD AMEETING THIS IDIOTS THINK THAT WEDI VACARO IS GOING TO LEAD THEM TO THE PROMISE LAND OF ERITREA WHAT IS THIS ALL TEANGOT TESHEB SHEB WHEN HE TRAVELS TO MEETINGS

    • amanuel weldemichaei December 5, 2013

      WEDI VOKARO BMEJEMERIA SELAM QXILE MSKULU ZEGAWI AKBROTEY HAGERNA ERITREA HAGER SEMAITAT IYA HAGER HIDRI IYA ABLIELI ZELEWA SHIGR SHIGR ZWUSEKA SELMNTAY KABZI NSKA TEKAYDO ZELEKA MENYU ZKESB BJEKA WEYANE MEN YHLU KLTEGZIYE KITHASB YGBAKA PREZIDENTI ISSAIAS AFWERKI BOKRI WEDA NEZAHAGER IYU NSKA QERIBKA KTZAREB WUN MKALKA NAB QUWAM MSGIGAR KEA BMWGEDI WEDI AFWERQI IYU ANE AMANUEL WEDISHEQA IBEHAL ZBAN SWUAT IZI TGEBRO ZLEKA ANXAR HAEGER KETEQARXO DEWU KETEBLON NHAGERKA KEM QEDEMKA KTHIGZ YMHIXENEKA.
      AWET NHAFASH

  • Sam-sam December 4, 2013

    “ኣነ ዶክተር ጥራይ ዘይኮንኩስ ፕሮፈሰር እውን እየ።” that is so funny. He is Doctor and Professor? it does not make sense but any way which university/college is he teaching against? in what did he get his Ph.D?

  • Betri Haqi December 5, 2013

    Sam-Sam, try to be open minded or read and update ur self. A doctors can be a professor, it is not a big deal. Most doctors are professors, if they teach at any university.

POST A COMMENT