Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገዲም ሰብን ገዲም ዓሳን ጥራይ ዝነብረላ ምድረ-ባሕሪ ኤርትራ

ደላይ ጽቡቕ ሓውና ዶ/ር በርሀ ሃብተገርግስ ነቶም በቲ ናይ ብቐዳማይ ዘረብኡ ሕርኽርኽ ዝበሎም ደገፍቲ ህግደፍ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምዕባለ ብዙሕ ከይጠቀሰ ንህግደፍ ብዙሕ ከይወቐሰ እታ ብዙሕ ጸጋታት ዘለዋን ኣዝያ ምዕብልቲ ዝነበረትን ኤርትራ

ደላይ ጽቡቕ ሓውና ዶ/ር በርሀ ሃብተገርግስ ነቶም በቲ ናይ ብቐዳማይ ዘረብኡ ሕርኽርኽ ዝበሎም ደገፍቲ ህግደፍ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምዕባለ ብዙሕ ከይጠቀሰ ንህግደፍ ብዙሕ ከይወቐሰ እታ ብዙሕ ጸጋታት ዘለዋን ኣዝያ ምዕብልቲ ዝነበረትን ኤርትራ ብፍላይ ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ኣዝያ ከምዝተረመሰት ንዕረ ብመዓር ሓዊሱ ብዝወሓጠሎም ጥበብ ገይሩ ናይ ተስፋ እንጌራ ኣኾሊስዎም። ኤርትራ ብቑጠባ ክትዓብን ካብ ጎረባብታ ጸብለል ክትብልን ተስፋ ዘለዋ ሃገር ምዃናን ዘለዋ ዕቑር ሃብትን ስልጡን ሕብረተሰብን ጽላት ብጽላት ብኣብነት እንዳ ኣሰነየ ንልቦም ዘረስርስ መግለጺ ገይሩሎም። ሓደ ካብቲ ተስፋ ናይ ኤርትራ ክኸውን ዝኽእል ዕቑር ሃብቲ ድማ ኤርትራ ዘለዎ ናይ ዓሳ ጸጋታት እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ብኸመይ መንገዲ ነቲ ጽላት ናብ ኢንዳስትሪ ኣዕቢና ኣብ ዘርብሓና ነውዕሎ ብኸምዚ ዝስዕብ ምቁር ቃላት ገሊጽዎ፣-

“ብዙሕ ድኣ ኣይነቕልበሉን ንኸውን እምበር፣ ዓሳን ውጺኢት ዓሳን፣ እቲ ቀይሕ ባሕሪ ክፋል ናትና ዝተፈላለዩ ዓይነት ዓሳታት ዝርከብዎ እዩ። እቲ ኻብኡ ዘሎ ዓሳ በቲ ሳይንሳዊ መንገዲ ናይቲ ዓሳ ምርባሕን፣ ዓሳ ምግፋፍን ብእኡ ተኸቲልካሲ ምስኡ ዝኸይድ ኢንዳስትሪታት ክወጽእ ዝኽእል ይመስለኒ። እዚ ኸኣኒ ናብ ብዙሕ ሃገራት ናይ ዓለም ክንልእኾ እንኽእል ሃብቲ አለና። በቲ ሓደ ኸኣ ህዝብና ከም ልቡ ዓሳ ዝበልዓሉ ዝኽእል። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ተሰሪሑ ዘሎ ዲጋታት’ውን ዓሳ ከፍርዩሉ ይጅምሩ ኣለዉ ይመስለኒ ንሱ’ውን ዓቢ ምንጪ ናይ ምግቢ እዩ”

ሓውና ዶክተር በርሀ ኣዝዩ ብዛዕባ እታ ዝፈትዋ ሃገሩ ዘለዎ ጽቡቕ ባህጊ ምግላጹ ኣድናቖተይ ይገልጸሉ። ንዘረብኡ ክሰምዕ ከለኹ ግና ኣብ ባይታ ዘሎ ‘ቀታሊ ባህጊ፣ ቀታሊ ተስፋ፣ ቀታሊ ሕሊሚ ናይ ኤርትራውያን ከሎ’ሞ ባህግናን ሕልምናን ክገሃድ’ዶ ይኽእል ዝብል ሓሳባት ናብዚ ኣእምሮይ ቅልቅል በለኒ። ነቲ ብዘረባ ብዶክተር በርሀ ብተስፋ ክሰራሰር ጀሚሩ ዝነበረ ልበይ ዝርብሽ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቒ ቅጅል በለኒ። እቲ ምድሪ ይኹን ባሕሪ ኤርትራ ድዩ ኣግዲዑ ወይስ ንሕና ኢና ሓሚቕና? ጽቡቕ ባህግን ሞያን ክእለትን ድዩ ተሳኢኑስ ወይስ ዓንቃጺ ሓይሉ? መግለጺ ኣያና ዶክተር በርሀ ንመዘክረይ ክገናጽል ደሪኹኒ።  ክቡራት ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ገለ ካብቲ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት መዘክረይ ካብ ዝመዝገበቶ ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ዝምልከት ከካፍለኩም።

ቅድሚ ገለ ዓመታት ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳን ኪኢላ ማሪን ባዮሎጂን ኣቶ ስዒድ ንመማሃራንን እታ ብስማፕ(SMAP) እትፍለጥ እንኮ ብሕታዊት ኮለጅ ኣብቲ ብኤርትሮ ጀርመን ዝፍለጥ ህንጻ ሰሚናር ሂቡ ነይሩ። ኣነ ድማ ብትርፊ ሰዓት ኣብቲ ምሸታዊ ዝወሃብ ናይ ትያትርን ኣርትን ትምህርቲ ስለዝመሃር ተሳታፊ ናይቲ ሰሚናር ነይረ። ኣቶ ስዒድ ብዛዕባ ጸጋታትን ዕድላትን ቀይሕ ባሕርና ከምዚ ዝስዕብ መግለጺ ሂቡና፡-

“ኤርትራ 1350 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ገምገም ባሕሪ እትውንን፣ ግዝኣታዊ ማያታ 12 ኑይቲካል ማይል(22 ኪሎሜትር) ዝዝርጋሕ 120,000 ትርቢዒት ኪሎሜትር ዝስፍሓቱ ማያዊ ሃብቲ ዘለዋ፣ ከምኡውን 360 ደሴታት ዝሓቖፈ ባሕሪ 1250 ዓሌታት ዓሳ፣ 220 ማራኺ ሕብሪ ዘለዎም ዓሌታት ኮራል፣ ኣብተን 180 ደሴታታ ረጋቢት ዝራብሓሉ፣ ኣብተን 110 ደሴታታ ድማ ጎብየ ባሕሪ ክራብሓሉ ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ባህሪያዊ ሃብቲ እትወንን፣ 17% ካብ ዓሌታት ዓሳ ድማ ደቀባት ባሕሪ ኤርትራ ምዃኖምን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝርከቡ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝጸነቱ ምኻኖም” ድሕሪ ምግላጹ “ንተጠቃምነት ሃብቲ ባሕርና ዝምልከት ድማ ቀጻልነትን ዘላቕነትን(sustainability) ብምዕቓብ ኣብ ዓመት ልዕሊ 82,000 ቶን ዓሳ ክንገፍፍ ከም እንኽእል ዛጊት ግና ኣብ ዓመት ካብ ትሕቲ ሓደ ሽሕ ወይ ብልክዕ 806 ቶን ኣብ ወርሒ ድማ 67 ቶን ዓሳ ጥራይ ብምግፋፍ ትሕቲ 1% ካብቲ ክንገፎ ዝግብኣና ምዃኑ እቲ ዝለዓለ ምህርቲ ዓሳ ዝተገፈፈሉ ዓመት 2002 ምንባሩ እዚ ድማ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ንግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ፍቓድ ተዋሂቡ ብምንባሩ 13,000 ቶን ዓሳ ገፊፎም ነይሮም፣ እዚ ንባዕሉ10.6% ካብቲ ክፈሪ ዝግብኦ እቲ ዝለዓለ ኣብ ታሪኽ ምግፋፍ ዓሳ ዝተመዝገበ ብምዃኑ ባሕርና ብሰንኪ ስንፍናናን ድኹም ምሕደራን ካብቶም ኣብ ዓለም ገና ዘይተመዝመዙ ባሕርታት ሓደ ኢዩ”

ኽብል ንኹልና ዘገርመና መግለጺ ምስ ሃበና በብወገና ሕቶታት ነቕርብ ነበርና። ዶ/ር ተስፋይ ሃይለ ዳይረክተር ናይቲ ኮለጅ ዋዛ ኣምሲሎም “እሞ ሓቒ እዩ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ዓሳታት ዕድመ ጸጊቦም ብተፈጥሮኣዊ ሞት ስለዝሞቱ እቶም ኣብ ካልእ ባሕሪን ውቅያኖሳት ዘለዉ ዓሳታት ሰያባትን፣ በራሓትን፣ ጨሓማትን ኣዝማዶም ክርእዩን ገሊኦም ውን ዓበይቲ ኣያታቶምን ኣቦታቶም ከይረኣዩ ስለ ዝዓበዩ መሳኪን ዘኽታማት ዓሳታት ሞቦቆሎምን ዛንታ ኣቦታቶምን ኣቦሓጎታቶም ክፈልጡ ንቐይሕ ባሕሪ ዓመታዊ ይመጹ እዮም ዝበሃል’ሲ ሓቂ እዩ ማለት”  ኢሎም ፍሽኽ ኣበሉና።

ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ምስ ሓደ ዓርከይ ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ ሰሚናር ዝሰማዕናዮ መግለጺ ኣመልኪትና ዕላልና ቀጸልና። እቲ ንነገራት ብነቐፈታዊ ዓይኒ ምሕጫጭ  ምስ ዝፈቱ ደስ ክብለኒ ከሎ ‘ዱባለ’ ቅጭ ከምጽኣለይ ከሎ ድማ “ዱባ፣ ዒባ” ኢለ ዝጽውዖ ዓርከይ። (ኣብቲ ነቲ ዱባለ ዝተባህለ ጦርሰራዊት ምጽዳፍ ቀንዲ ተዋሳኢ ስለዝነበረ ብዛዕባ ኣጸዳድፋ “ዱባለ” ከዘንቱ ዓሰርተ ሳዕ ሞኽ ምስ ኣበለኒ እየ ነዛ ሳጓ ኣጠሚቐዮ። ንሱ’ውን ኣይጸልኣን።)

“ ኣታ እዛ ኤርትራ ሃገርናስ እባ ኣብ መሬታ ይኹን ኣብ ባሕራ ንገዳይምን ንዓበይት ጥራይ እትሰማማዕ ስጊንጢር ምድረ-ባሕሪ ኢያ። ረኤኻ እቶም ዓሳታት ኣሪጎም ብተፈጥሮኣዊ ሞት እዮም ዝሞቱ ምስ በለ እንታይ ከምዝተራእየኒ’ዶ ትፈልጥ” በለኒ ዱባለ ዓርከይ።

ኣነ ድማ እንታይ ድኣ ተራእዩካ? ኢለ ዘረብኡ ክቕጽል ምስ ሓተትኩዎ

‘ዓቢ ዓሳ ንንእሽቶይ ዓሳ እንዳበልዐ እዩ ዝነብር ክበሃል’ዶ ኣይሰማዕኻን” ይብለኒ።

እወ! ኢለ ይምልሰሉ።

‘እሞ ደይ ከምዚ እዞም ናትና ዓበይቲን ገዳይምን ተጋደልቲ ንዓና ኣብ ምድረ ኤርትራ ቀሲንና ከይንነብር ዝኣስሩናን ዝቐትሉናን ዝተረፍና ግፍዕን በደልን ምስ ኣብዝሑልና ደፊኦም ደፋፊኦም ንስደት ከም እንሃድመሎም ዝገብሩ፣ ገዳይም ዓሳታት ባሕሪ ድማ ክንደይ መንእሰያት ዓሳታት ከምዝወሓጡን ክንደይ ካብኦም ሃዲሞም ኣብ ካልእ ባሕሪን ካልእ ውቅያኖስን ዝተሰደዱ ዓሳታት ደቂ ባሕሪ ኤርትራ ኮን ይህልዉ ይኾኑ” ይብለኒ።

ኣነ ድማ ንስለ ምክታዕ ኢለ “17% ካብቶም ከይጸንቱ ዘፍርሑ ዓሌት ዓሳታት ደቀባት ባሕሪ ኤርትራ ክብል’ዶ ኣይሰማዕኻዮን፣ ስለዚ ካብ መንእሰይን ሰብን ምድረ መሬት ኤርትራስ ዓሳታት ባሕሪ ኤርትራ ዝሓሸ ናብራ ኣለዎም፣ ምድሪ ኤርትራ ድኣ ከምዚ ኸማይን ከማኻን ወይ ሰኣን እግርና ወይ ሰኣን ርእስና መን’ዶ ተሪፉ እዩ። ኣብዚ መሬት ዝእሰር ተኣሲሩ ዝቕተል ተቐቲሉ፣ ዝስደድ ተሰዲዱ ደይ ጸኒትና ኢና ካብቶም ደቂባት ዘይጸነትና 1% እኳ እንተለና” ኢለ ይምልኣሉ።

በዚ ተፋላሊና።

ዕላልና ኻልእ ጊዜ’ውን ቀጺሉ። ብፍላይ ኣብ ጥቓና ሰብ እንተሎ እዛ ናይ ዓሳታት ከም ኮድ እንዳ ተጠቀምና ንሓድሕድና ንጫረቐላ ነበርና። ሓደ ጊዜ እታ ኣብ 1890 ብጥልያን ዝተደኮነት ከተማ ኣስመራ በቶም ጣልያን ሰሪሕዎም ዝኸደ ኣርክ-ደኮ ህንጻታት ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ከም ናይ ዓለም ቅርሲ ኾይና ተመዝጊባ ምስ ተባህለ ምስ ‘ዱባለ’ ዓርከይ ኣርሚሙና ኣብ ዓንኬል’ዚ ኣርእስቲ ነዕልል ነበርና።

‘ዱባለ’ ዓርከይ ድማ “ኣንታ እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ መንደቕን ኣባይትን በጺሑ እቲ ዝለመዶ ቀንዲ ናይ “ግድምና መዐቐኒ” ገዲፍዎ ይመስል” ይብለኒ።

ኣነ ድማ ብሕቶ መልክዕ ዘረብኡ ክቕጽል “ከመይ ኢሉ ክገድፎ ወደይ?” ኢለ ጐራጎርኩዎ።

ንሱ ድማ በቲ ልሙድ ባጫዊ ነቐፌታዊ ባህሪኡ “ኣይተስተባህለሉን ዲኻ እቲ ቅድሚ እቲ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝተሃንጸ ዘመናዊ ህንጻታት ኣዱሊስ፣ እቲ ቅድሚ 2000 ዝተተኽለ ትምክሕቲ ምህዞን ጥበብን ኤርትራውያን ዝኾነ ብፊደላት ግእዝ ዝወቀበ ሓወልቲ መጠራ፣ እቲ ዘስተንክር ዲጋን ኣባይትን ቆሓይቶ፣ እቲ ቅድሚ መካን መዲናን ኣብ ካብ ዓለም ቀዳማይ ብምዃን ኣብ ሻሙናይ ክፍለ ዘበን ዝተሰርሐ ኣብ ባጽዕ ዝርከቡ ከም መስጊድ ኣል-ሰሓባ፣ ቅድሚ 1000 ዓመት ዝተሃንጸ መስጊድ ኣል-ሻፍዒ፣ ቅድሚ 800 ዝተሃንጸ መስጊድ ሸኽ-ሃማል። ከምኡውን እቲ ብ1350 ዓም ብኣቡነ ፊሊጶስ ዝተመስረተ ገዳም ደብረ ቢዘን፣ ከምኡውን ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝተደኮኑ ከም ደብረ መንቆሪዮስ፣ ደብረ ሲናን፣ ጻዕዳ እምባን ደብረ ኣውንዮናስ ኣብ ዩነስኮ ናይ ዓለም መዝገብ ይመዝገበለይ ኢሉ ዘይጸዓረ መንግስትስ ነዛ ቅድሚ 100 ዓመት ጣልያን ሰሪሑ ዝገደፈልና ናይ ጓኖት ኣስመራ ኣመዝጊበ ኢሉ ዳንኬራ ክገብር ሕፍረትናን ውርደትናን ኣብ ኣደባባይ ብምውጽኡ ኢዩ ዝጽንብል ዘሎ” ይብለኒ።

ኣነ ድማ ከራስኖ ኢለ “ክላ ብሓይልን ዓቕምን መንግስቲ ኤርትራ’ዶ ተመዝጊቡ ይመስልካ፣ ደይ እተን ጣላይን ኣንጸርጺርና ታሪኸን ከይነዕንወለን እየን ምስተን ኤውሮጳውያን ኣዝማደን ኾይነን ኣመዝጊበንኣ ዝኾና እምበር ህግደፍ ድኣ ነዚ ኣበይ ኢላቶ፣ እንተደለየቶ’ኸ ሰኣን ክእለታ መን ክሰምዓ” ኢለ ይምለሰሉ።

ንሱ ድማ ‘ወይለይ ጽቡቕ’ባ ኣቕሊብካ፣ ህግደፍ ድኣ ከመይ ኢሉ እቲ ቀንዲ ናይ ግድምና መዓቐኒኡ ኽገድፎ፣ እተን ማፍያ ድኣ ገለ ሞቕሺሽ ኣብቲ ባንኩ ኣቐሚጠናሉ ኾይነን እምበር፣ እቲ ሓሳድ ቡዳ ድኣ ኣስመራ እንታዩ ኾይናቶ ዝግደስ። ይገደስ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መቐለ ዘሎ ‘ቤተ-መንግስቲ ሃጸይ ዮውሃንስን ኣብ ጎንደር ዘሎ መቓብር ኣቦሓጎታቱ” ይብለኒ። ኣግሂዱ ኢሰያስ ትግራዋይ ወይ ኣምሓራይ እዩ ክብለኒ ድሕረት ኮይኑ ግዲ ተሰሚዕዎ ምስናይ ስክፍትኡ።

ዕላልና ቀጺሉ። እቲ ሕጫጨ’ውን ከምኡ። “ወይለ ገለ ዘረባ ኣምጺኻ። እቲ ንጥንታዊ ኣዱሊስ ከተማ፣ ንሓውልቲ መጠራ፣ ንመስጊድ ኣል-ሰሓባን ደብረቢዘንን ብጥንታውነቶም ኣብ መዝገብ ቅርሲ ዓለም ኣብ ዩነስኮ ዘየመዝገበ መንግስቲ፣ ልክዕ ከምዛ ብግዜ ጥልያን ስልጣኔ ዝረኣናን ነቲ ጥንታዊ ስልጣኔ ዝነበሮ ህዝቢን ንበይኑ ካብ ጸሊም ኣፍሪቃ ሕግን ስርዓትን ብጽሑፍ ኣስፊሩ ዝነባበር ዝነበረ ጥንታዊ ስልጣኔ ዝነበሮ ህዝቢስ ከምዛ ጣልያን ዝፈጠሩዎን ዘሰልጠንዎን፣ ነቲ ናይ ቀደም መቦቆላዊ ታሪኻዊ ያትኡን ቅርሱን ገዲፉ፣ ነዚ ናይ ትማሊ ናይ ባዕዲ ስልጣኔ ይመዝገበለይ ኢሉ ኣብ ናይ ዓለም ኣደባባይ ካብ ምምሽኻን ዝኸፍእ ሃገራዊ ሕፍረት እንታይ ክህሉ ይኽእል” ኢሉ ንዘረብኡ ዳርጋ ሕርቃን ወሰኸሉ።

ኣነ ድማ ላምባ ነስኒሰ መሊሰ ከንድዶ “እንታይ በዚ ትግረም ኣብ ክንዲ እቶም ብእርጋኖምን ብግድምንኦምን ከም ቅርሲ ኾይኖም ንመጻኢ ትውልዲ ከም መርኣያ ኽኾኑ ዝግብኦም ገዳይም ተጋደልቲን ሚኒስተራትን ኣብ ቤተ መዘክር ዘእቱ፣ ነቶም ኣብ ብርኮም ዘተንፍሱ መንእሰያት ኣብ ሙዝየም ዓዲ ኣበይቶን፣ ማይስርዋን፣ ኣብ ጎዳጉዲ ኣደርሰርን ሓሸንኪትን፣ ኣብ ደሴታት ዳህላክን ሓራትን ጥቓ ጥንታዊ ወደብ ኣዱሊስ ከምዝዕቀቡ ምግባሩስ፣ ኣብ ሰብ ወዲ ኣዳም በጺሑስ መንእሰይ ኤርትራ ንቤተ መዘክር፣ ገዲምን ኣረጊትን ንቤተ ኣተንክር ዘእቱ ደይ ኩሉ ሓደ እዩ” በልክዎ።

ንሱ ድማ ክንዲ ዝሓርቕ፣ ካብ ኣፈይ ቁሉብ ኣቢሉ ‘እሞ እዞም G 15 ጥራይ እዮም ካብቲ ናይ ገዳይም ዓሌት ዝጸነቱ” ማለት እዩ ነቲ ናይ 17% ዘይጸነቱ ዓሌት ዓሳ ዘኪሩ ኣቃጫጭ ከይገድፍ ኢሉ።

ኣነ ድማ ሕርቕ ኢለ “በጃኻ በዞም ኣርካናት ጀጋኑና፣ ደለይቲ ጽቡቕና ንዓና ክጥዕመና በጃና ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣይትቀልድ” ኢለ ገናሕክዎ።

ባጫ ንጎኒ ገዲፈ፣ ቁም-ነገር ከውግዓኩም። ሓደ ጊዜ ምስ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ በጋጣሚ ናይ ስራሕ ክዛራረብ ዕድል ረኺበ ነይረ። ጠንቀምቀም ክብል ብገርሀይ ነቲ ሓላፊ ኣዝያ እተሕርቆ ሕቶ ከምዚ ኽብል ሓቲተዮ “ከመይ ይኸደልኩም ኣሎ እዚ ሃብቲ ዓሳ?”

ንሱ ድማ ብነድሪ “ኩሉ ዝሰራሕናዮ ንኸንቱ ንብላሽ ኮይኑ ትርጉም ንዘይብሉ፣ ውጺኢት ንዘይንረኽበሉ፣ ከንቱ ሃሊኽና። ስቅ ኢልካ ንማለቱ እዩ እዚ ሚኒስትሪ ተባሂሉ ንስሙ ጥራይ እዩ ዝቕጽል ዘሎ” ይብለኒ።

ኣነ ድማ ህድእ ኢለ “እምባእ፣ ንሕና ድኣ ዓሳ በሽበሽ ክኾነልና ብተስፋ እንዲና ንጽበ ዘለና፣ እንታይ እዩ እቲ ጸገም?” ይብሎ።

ንሱ ድማ፣ ፈለማ ከምዛ ብኤክረይ ንውሽጠይ ዝርኢ ዓይነት ኣጠማምታ ኣተኩሩ ጠመተኒ። ካብ ገጸይ ቅንዕናይ ግዲ ተነቢብሉ ኾይኑ፣ ካብቲ ዝጸንሖ ነድሪ ቁሩብ ዝሕል ኢሉ “ንሕና እቲ ዘለና ሃብታም ጸጋታት ባሕሪ ንህዝብና ክሳብ ዝጸግብ ቀሊብና ንሰደድ ክንልእኽ ስትራተጂ ኣውጺእና ነዚ ሸቶታት’ዚ ንምጭባጥ ድማ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ከም ዕዲ፣ ጢዖ፣ በይሉል፣ ገልዓሎ፣ ሕርጊጎ፣ ዙላ ማርሳታት ሰሪሕና፣ ናይ በረድ ኣቕርቦት ኣዋዲድና፣ ኣብቲ ኣብ ደሴት ሓሌብ ዝርከብ ትካልናን ካብ ወጻኢ ሃገራትን ጃላቡ ቀሪብና። ብዘይካ’ቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ደቂ ቀይሕ ባሕሪ፣ ካብ ከበሳታት ዝመጹ ዜጋታት ከይተረፈ ስልጠና ሂብና ኣማኢት ዜጋታት ስራሕ ምስ ጀመሩን ካብ ትጽቢትና ንላዕሊ ምህርቲ ምስ ገፈፉን፣ ከተማታት ኣጽጊብና ዓዳጋይ ስለዝሰኣንና ክሳብ ኣብ ዓዓዱ ኼድና ንህዝብና ኣንበሽቢሽናዮ። ግን እንታይ ትርጉም ኣለዎ ‘ጸላኢ ሰናይ ከሎ፣” “እንታይ ዋጋ ኣለዎ ገባር ኽፉእ ከሎ” እዚ ዓንጃል ርእሲ ምራኽ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ከካብ ጃልብኦም ገፊፉ ወሲድዎም። እቶም ዝተረፉ ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ኣብ ክንዲ ንገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዝጽግዑ ናብ የመን ጊዒዞም ኣሽምባይ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኸውን ንህዝቢ ባጽዕ ዝኸውን ዓሳ’ውን ክግፈፍ ኣይተኻእለን። ናይ ዓሰርተ ዓመት ጻዕርና ርእሲ ምራኽ ብሓንቲ ረፍዲ ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይርና፣ ደማሲሱና። በዚ ድማ ህላወ ሚንስትሪ ሃብቲ ዓሳ ትርጉም ዘይብሉ ኾይኑ እንሄልካ” ኢሉ እንቅዓ ኣተንፊሱ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ከዕልለኩም ዝጸናሕኩ ጽሒፈ ቅድሚ ናብ መደምደምታ ምስጋረይ ጽሑፈይ ምዛናዊን ተኣማኒን መታን ክኸውን ብወገን መንግስቲ ዘሎ ርእይቶ ከስፍር ምሁራዊ ሕልና ደፋፊኡኒ ናብ ጉጉል(google) ይጎራጉረልኩም። ኣብ ሻባይት ብዕለት 2 መጋቢት 2016 ብዛዕባ ሃብቲ ዓሳ ካብ ዝተጻሕፈ መታን ርትዓዊ ፍርዲ ክትህቡ እዚ ዝስዕብ እንሄልኩም፦

“ኣብ 1950 ብዝሒ ናይቶም ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝሳተፉ ደቀባት ኤርትራ 20,000 ነይሩ። ብድምሩ ብዝሒ ነበርቲ ዞባታት ሰሜናዊን ደቡባዊን ቀይሕ ባሕሪ 302,000 እዩ። ቅድሚ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩልኩም ግፋ ናይ ርእሲ ምራኽ 1% ካብዚ ህዝቢ ጥራሕ እዮም ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝሳተፉ ነይሮም። እዚ ድማ ዳርጋ 3020 ምዃኖም እዩ። ድሕሪ’ቲ ግፋ ካብዚኦም ካብ 30 ዘይበዝሑ እዮም ከይግፈፉ ሸለብ ገለብ እንዳበሉ ናብ ማርሳታትን ወደባትን ከይተጸግዑ ዓሳታት ዘስግሩ። እቲ ዘሕዝን ድማ እቲ ካብ ሕርጊጎ ክሳብ ራስ ዱሜራ ዘሎ ግዝኣታዊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኢማሬትን ስዑድን ምእታዉ ኤርትራውያን ደቂ ደንከል ኣሽምባይ ዓሳ ካብ ባሕሪ ክገፉስ ጃልባታቶም ከይምርታ ቁሩብ ዘወር ከየብልወን እኳ እንታይ ሻብአን እተን ነፈርቲ ኩናት መጺኤን ከምዝሃርምአንን ህዝቢ ሸኩኑን ርዒዱን ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ እንዳተቐመጠ ዓሳ ካብ ዘይበልዕ ሳልሳይ ዓመቱ ሒዙ ኣሎ።

እቲ ዝገርም ድማ እቲ ናይ 2 መጋቢት 2016 ጸብጻብ “ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ብሓገዝ መንግስቲ ጃፓን ኣብ ክልተ ቦታታት ፋብሪካ በረድ፣ ኣብ ክልተ ቦታታት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝተዳለወ ዓበይቲ መዝሓሊ መኻዘን፣ ኣብ ባጽዕን ዓሰብን ብፉሉይ ንጃላቡ ዘገልግል መዐደል ነዳዲ ተሃኒጹ” ይብል። እዚ ኹሉ ግና ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ዕድል ኣይተዋህቦን። ንብላሽ ብዘይ ኣገልግሎት ብዋዒን ኦሞዲታን ይምርት ኣሎ።

ደለይቲ ሰናይ ኣባላት ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ብዝገበርዎ ሓያል ጻዕሪ ብሓገዝ መንግስቲ ጃፓንን ዓለማዊ ባንክን ካብ ዓዲ ጣልያን 8 ኣዝየን ዘመናዊያን ገፈፍቲ ዓሳ መራክብ ተገዚአን ነይረን። ባጽዕ ዝከደ ሰብ ኣብ ጥቃ ናይ ቀደም ናቫል በይዝ ለይቲን መዓልትን ብሓደስተን ተኾዲመን ከምዘለዋ ክዕዘብ ይኽእል። እቲ ዘሕዝን ገለ ግዱሳት ኤርትራውያን ላዕልን ታሕትን ኢሎም ንኽልተ ካብኣተን ንሓጺር ጊዜ ከንቀሳቅስወን ክኢሎም ነይሮም። ኣብ ሓጺር ጊዜ ድማ ብዙሓት ደቂ ባጽዕ ኣብተን መራክብ ተቖጺሮም፣ ብዝሒ ዘለዎ ዓሳታት ገፊፎም ኣብ ከተማታት ኤርትራ ብ20 ናቅፋ ንኪሎ ብምሻጥ በሽ በሽ ኣቢሎሞ ነይሮም። እቶም ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝተሳተፉ ዜጋታት ድማ ብመጠን ዝገፈፍዎ ዓሳ ካብ 10,000 ክሳብ 15,000ናቅፋ ንወርሒ ክረኽቡን መነባብርኦም ክመሓየሽ ጀሚሩ ነበረ። ነዚ ዝሰምዐ ቀታል ተስፋ፣ ሓሳድ ኣያና ድማ ነቶም ነዚ ስራሕ ዝመርሑን ዘካይዱን ግዱሳት ኤርትራውያን ጸዊዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ናይቲ ጊዜ’ቲ ኣባላት ሓይሊ ዕማም ኢሉ ኣብ ባጽዕን ዓሰብን ኣዘዝትን ናዘዝትን ገይርዎም ዝነበረ በዓል ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል(ቻይና)፣ ወዲ ማኢልን ናይ ኩባንያ ህንጻ ገደም ‘ሚኒስተር ንወርሒ 4 ሽሕ እንዳወሰደ ሓደ ገፋፍ ዓሳ 15,000 ክወስድ፣ ስርዓትና ካብ ማሕበርነታዊ ናብ ካፒታሊዝም ንምቕያር ዝግበር ሸርሒ ስለዝኾነ ደው ክብል” ኢሉ ቀጢን ትእዛዝ ምስ ሃበ ብዘይካ’ቲ ነዚ ሰሚዑ ዝሰንበደ ክኢላ ባሕሪ እቶም ኣባላት ሓይሊ ዕማም ያኢ ተራይዎም ነያይ ብስሓቕ ዓጀብዎ። እቲ ክኢላ ድማ ‘እሞ እዘን ብብዙሕ ወጻኢታት ዝተገዝኣ ዘመናውያን መራክብ እንታይ ኽኾና እዩ ዝድለ ዘሎ?” ኢሉ ብድፍረት ነያይ ይሓቶ። ኣያይ ድማ “እቶም ዝርእይወን ቆልዑ መታን ዓሳ ብመርከብ ከምዝግፈፍ ከይጠፍኦም ስቕ ኢልኪም ጥራይ ኣብቲ ናቫል ቤዝ ኣጸግዕወን፣ ንንብረትናንን ህዝብናን ካባና ንላዕሊ ኣይትሓልይሉን ኢኹም” ኢሉ ብብድዓ ኣፋነዎ።

ስለዚ ደላይ ጽቡቕ ሓውና ዶክተር በርሀ ሃብተገርግስ፣ ኤርትራ ካብቲ ‘ቀታል ሕልሚ፣ ቀታል፣ ተስፋን፣ ቀታል ባህግን ዝኾነ ኢሰያስ ሓራ ከይወጸት’ሲ ሓሳብ ልብና ክሰምር ስለዘይሕሰብ፣ ኩልና ኤርትራውያን ዓድናን ሻራናን ብዘየገድስ ኩሉ ዓቕምና ኣዋሃሂድና ኢደይ ኢደይ ኢልና ነቲ ሓሳድ ጸላኢ ሰናይ ንእለዮ።

 

ሃብተስላሴ ገብረመድህን

23 ሕዳር 2018

ካብ ሕሽክብ

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde November 24, 2018

    (‘ቀታል ሕልሚ፣ ቀታል፣ ተስፋን፣ ቀታል ባህግን ዝኾነ ኢሰያስ ሓራ ከይወጸት’ሲ ሓሳብ ልብና ክሰምር ስለዘይሕሰብ፣..)>>>> indeed,he is the killer of all the goodness our land can offer including the most precious one-THE PEOPLE. Thanks a million Haw Habteselassie,let people like you multiply and fill the earth.

  • መድሃኔ ሃ እልፉ November 28, 2018

    እወ ቀታል ሕልሚን ባህግን ከሎ ከመይ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ክሓልፈሉ። ሓውና ሃብተስላሴ ድሓን እቶ ባህሪ ናይዚ ሓሳድ መራሒ ጽቡቕ ጌርካ ገሊጽካዮ። የቐንየልና።
    እግሪ መንገደይ ንኣዳላዊ ሬድዮ ኣሰና ብዛዕባ ኤርትራ ዘለዋ ዕቑር ሃብቲ ባሕሪን፣ ጻዕርን ተበግሶን ኤርትራውያንን እቲ ቀንዲ ብድሆን እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቖም ከብርሁልና ዝኽእሉ ካብቶም ነቲ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ቆይሙ ዝነበረ ናይ ማሪን ባዮሎጂ ክፍሊ ክምስርቱ ብዙሕ ዝጸዓሩ ከም በዓል ኣማኑኤል መለስ። ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዳይረክተር ጀነራል ዝነበረ ኣብ ዝሓለፈ ጊዜ ምስ ረድዮ ኣሰና ኣዝዩ ብሉጽ ኢንተርቪው ኣቕሪቡ ስርዓት ህግደፍ ስልብጥ ኢሉ ናይ ሰላም ሓይሊ ክመስል ከምዘይሓፍር ዝገለጸልና ነቲ ስርዓት ጽቡቕ ገይሩ ከምዝፈልጦን በቲ ስሑል ኣንደበቱ ዝነገረና ኣቶ ዳዊት ፍስሃየ። ከምኡ’ውን ኣብ ጊዜ ጴጥሮስ ሰለሙን ምስቲ ፍሉጥ ኣሜሪካዊ-ጃፓናዊ ሳይንቲስት ኣብ ገማግም ገርግሱም ዝካየድ ዝነበረ መፍረ ዓሳታትን ሽሪምፕን ዝስርሕ ዝነበረን ብማሪን ባዮሎጂ ናይ ዶከተረይት ትምህርቱ ዝዛዘመ ሕጂ ኣብ ዋሽንግቶን ዘሎ ዶክተር/ቀሺ ተስፎም እንተተዛራርቦም ብዙሕ ኣስተምህሮ ምተረኽቦ።

POST A COMMENT