Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ዝሃነጾ ዘዕነዎ ካብ ዝኣበዶ ዘብከዮ ይበዝሕ

ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ዝሃነጾ ዘዕነዎ ካብ ዝኣበዶ ዘብከዮ ይበዝሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንጸሊም ጻዕዳ ንድሙ ድማ ሓርማዝ ኢሉ ከእምን ዝኽእል መልሓስን ፖለቲካዊ መናውራን ስልበጣን ስለዘለዎ፡ ኣብ 24 ግንቦትን 20 ሰነን ገበናቱ ንምሕባእን የዋሃት ንምድንጋርን፡ ነቲ ናይ እዋን

ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ዝሃነጾ ዘዕነዎ ካብ ዝኣበዶ ዘብከዮ ይበዝሕ

ጉጅለ ህግደፍ፡ ንጸሊም ጻዕዳ ንድሙ ድማ ሓርማዝ ኢሉ ከእምን ዝኽእል መልሓስን ፖለቲካዊ መናውራን ስልበጣን ስለዘለዎ፡ ኣብ 24 ግንቦትን 20 ሰነን ገበናቱ ንምሕባእን የዋሃት ንምድንጋርን፡ ነቲ ናይ እዋን ገድሊ ደርፍታትን ስእልታትን ኣብቲ ባዕሉ ዝብሕቶ መራኸቢ ብዙሓን ደጋጊሙ’ዩ ዝነግረና። ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዛዕባ ቅዋም፡ ፍትሒ፡ ምርጫ፡ ስደት ኤርትራውያን፡ መሰል ምዝራብን እምነትን፡ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዝተሓየሩ ኤርትራውያን፡ ሃገራዊ ባጀት፡ ብልሽውናን ዝኳዓት ማዕድናትን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ፈጺሙ ክለዓል ኣይደልን’ዩ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ብዙሕ ገበናትን ዕንወትን ፈጺሙ’ኳ፡ ምብትታን ስድራቤታትን ምቅታል ራእይን ዕድልን መንእሰያትን ግን እቲ ዝኸፍአ ጥፍኣትን ጥልመትን ኢዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ተጠርኒፋ ትነብርን ኣብ ሓንቲ መኣዲ ትምገብን ስድራቤት የላን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ምናልባት ንመላኺ ኢሳያስ ሓዊስካ፡ ሓደ ክልተ ኤርትራውያን እንተልዮም ድማ ኣዝዮም ዕድለኛታት’ዮም። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምብትታን ስድራቤታት ግን ከም ኣብ ሃገራት ሶማል፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርአ ቀቢላ፡ ሃይማኖት፡ ድርቂ፡ ስልጣንን መሬትን ዘንቀሎ ሓድሕድ ኩናትን ዘይምርግጋእን ኣይኮነን። ሎሚ ብሰሪ ርኹስ ፖሊሲታት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኤርትራውያን፡ ኣብ መላእ ዓለም ከም ስደተኛታት ኮይኖም ብፍርሒ ተዋሒጦም ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ኣለው። ካብ ኤርትራዊ ስደተኛ ዘለዎ ሃገር ምቁጻር ድማ፡ ኣብ ዓለም “ኤርትራዊ እግሩ ዘይዓለበላን ዘይነብረላን ሃገር መን’ያ” ኢልካ ሃሰስ ምባል ይቀልል። እቲ ሰላሕታዊ ዘይእውጅ ምምዝባልን ምብትታንን ኤርትራውያን ግን ካብ ጽባሕ ናጽነት፡ “ኤርትራ ደሴት ሰላምን መስሕብ በጻሕትን’ያ” እናተባህለ ኣብ ዝግለጸሉ ዝነበረ እዋንን መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ብመርዛም ፖለቲካ ህግደፍ ተዛንዩሉን ተደናጊሩለን ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ጀሚሩ።

ኣብ መዋእል ህግደፍ፡ ምምዝባልን ምብትታን ስድራቤታት ኤርትራ፡ ኣብ ክልተ ጉጅለ ዝተመቅለ ኢዩ። እቲ ቀዳማይን ቀንድን፡ ዝበዝሕ ኤርትራዊ ኣብ መጀመርታ እዋን ዘየስተውዓለሉን ብቅዱስ መንፈስ ዝጠመቶን ምፍንቃል፡ እቲ ህግደፍ ብሰላሕታን ብጽቡቅ ቃላት ኣሰንዩ ዘበገሶን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ምጽናት ስድራቤታትን ቁጠባዊ ዕንወትን ምድኻም ክብርታትን’ዩ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ጥርንፍትን ሓድሕድ ኣብ ማእቶት፡ ኣብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ትተሓጋገዝን ዕለታዊ ንጥፈታታ ትኣልን ስድራቤት ክርኢ ዓይኑ ድም ስለዝመልኦን ንስልጣኑ ከም ዓቢ ስግኣት ገይሩ ስለዝወስዶን፡ ብስም “ክረምታዊ ማእቶት ተማሃሮ” ዝብል ውጥን ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት፡ ኣብ ወቅቲ ብርቱዕ ክራማት፡ ቀውዕን ጥሜትን፡ ንኣዋርሕ ካብ ምውቅቲ ቤቶም ተነጺሎም ከምዝነብሩ ኮይኖም።

ብመንጽር’ቲ ጉጅለ ህግደፍ መንእሰያት ንሓድሕዶም፡ ተሞኩሮን ትምህርትን ተቀሳሲሞም፡ ንሓረስቶትን ጽጉማትን ሓጊዞም፡ ቀላጥ መሬት ገሪቦምን ዛላታት ሰሪሕምን” ኢሉ ዘቅርቦ ናይ ሓሶት ገምጋም ስራሕ፡ እቲ እኹል ሎጂስትካዊ ቀረብ ዘይምንባሩን ጥብቂ ወተሃደራዊ ምሕደራን፡ ኣብ ተማሃሮ ዝሰዓበ ስነ ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ስድራቤታት ኣብ እዋን ትኸል ንቀል ብሕጽረት ዓያዪ ጉልበት ምጭናቀንን ብምውድዳር፡ መደብ ክረምታዊ ማእቶት ተማሃሮ ብፍሽለት እምበር ብዓወት ዝግለጽ ኣይኮነን። ተማሃሮ ካብ ኣብ ኣድማዒ ስራሕ፡ ኣብ ንፋስን ጸሓይን ቀራዕ ክብሉን ብዘይ ቁምነገር ዘሕልፍዎ ግዜን ይበዝሕ። እቲ ዓመት መጸ ብክረምታዊ ማእቶት ተማሃሮ ተተኺሉ ዝብሃል ኣግራብን ፈልስታትን እውን፡ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ውጥን፡ ምክትታልን ቅድመ ምድላውን፡ ዝበዝሕ ሓሪሩን ጠፊኡን ኢዩ። ስለዚ ተማሃሮ ስሩዕ ትምህርቲ ኣብ ዘይብሎም እዋን፡ ንስድራቤቶም እናሓገዙ፡ ፍቅሪ ወለዶም እናኣስተማቀሩን ኣብ እቶት ዝረኽቡሉ ግዝያዊ ስራሕ ምስዝዋፈሩን ኢዩ ድርብ መኽሰብ ዘለዎ።

እቲ ካልኣይ ዝኸፍአ ምምዝባል መንእሰያትን ምምካን ዓያዪ ጉልበትን ድማ፡ ውልቀ መላኺ ህግደፍ ኣብ 1994፡ “መንእሰያት ብኣካላውን ሞያውን ብቅዓትን ቅሩባት ኮይኖም ንሃገሮም ከገልግሉን ህይወቶም ክመርሑን” ብምባል መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስኣወጀ፡ ዝበዝሕ ኤርትራዊ ነቲ ኣዋጅ ብጽቡቅ ድሌት’ዩ ርዒምዎ። እንተኾነ እቲ ብወግዓዊ ኣዋጅ ን18 ኣዋርሕ ዝተባህለ ደረት ግዜ ዝነበሮ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብዘይቅቡል ሓንካስ ምኽንያታት እናተናውሐ ስለዝኸደ፡ መንእሰያት ብዘይእኹል ክፍሊት ናብ ጊላታት ስለዝተቀየሩን፡ ካብ ትምህርቶምን ቤተሰቦምን ስለዝተፈላለዩን፡ ጽልኣትን ብጸገማት ምኽባብን ተመልአ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምኹብላልን ዶብ ሰጊርካ ምህዳምን ኣኸቲሉ፡ ትካላት ጸጥታ ህግደፍ ድማ ነቶም ካብ መወዳእታ ዘይብሉ ጊላነትን ጭቆናን ተቃዊሞም ሃገሮምን ስድራቤቶምን ክገድፉ ዝተቀሰቡ መንእሰያት፡ እግሪ-እግሮም እናስዓቡ ክኣስሩዎም ብጠያይቲ ክምልዕስዎም፡ ኣብ ልዕሊ ወለዶም ገበናት ምፍጻምን፡ ልሙድ ኮይኑ። ስድራቤታት፡ ሕኒ ሕነ ናይቶም ክቆጻጸርዎም ዘይክእሉ ደቆም፡ “ደቅኹም ኣምጽእዎም” ብምባል ዓሰርተታት ኣሽሓት ገንዘብ ክቅጽዑ፡ ኣብ ክንዲ ዓቅሚ ኣዳም ዝበጽሑ ደቆም ክእሰሩ፡ ዕለታዊ እቶት ዝረኽቡለን ዱኳናቶም ክዕጾን ክሕረጅን፡ ዝሕረስ መሬት ክሕደጉን ካልእ መባእታዊ መሰላት ክሕረሙን ከምዘይሃገራውያንን ከድዓትን ብሕማቅ ክጥመቱን ክኢሎም። በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ስድራቤታት መወዳእታ ዘይብሉ ተደጋጋሚ ድኽነትን ስነኣእምራዊ ጭንቀትን ስዓበ።

ሓጎጽጎጽን ዘይርጉእን ህይወት ኤርትራውያን፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ መወዳእታኡ መኣስ’ዩ ምትንባይ ዝከኣል ኣይኮነን። ፈታሕቱን ምቅልጣፉን ንሕና እቶም ተሰከምቲ ኣደራዕ ዝኾና ኤርትራውያን ምዃና ግን ዘካትዕ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ዋላ’ኳ ካብ ስቃይን ጭንቀትን ንምንጋፍ ዘፍቅርዋ ሃገሮም ሕቆኦም ክህቡ እንተተገደዱ፡ መከራን ዝኽትምናን ኣብ ስደት’ውን እግሪ እግሮም ምስዓብ ኣየቋረጸን። ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ናብ ስደት ሃጽ ዝብል ዘሎ ኤርትራዊ፡ በብዓይነቱ ጸገም ከምዘጋጥሞ ዝዝንግዖ ኣይኮነን። የግዳስ ዓቅሊ ጽበትን መሬት ብብርሃኑ ምስ ጸልመተካን እትወስዶ ስጉምቲ ዘመክሕ ኣይኮነን።

 

 ካብ ጨቋኒ ኣገዛዝኣ ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጦም ናብሮኦም ንምምሕያሽ ካብ ኤርትራ ወጺኦም ናብ ካልእ ሃገር ብመርዓ፡ ብሕጸን ብትካላት ስደተኛታት ኣቢሎም ወረቀት ዘሳልጡን ካብ ቤተሰቦም ገንዘብ እናተሓወሎም(እናተላእኮም) ንመዓልታት፡ ንኣዋርሕን ንዓመታትን ዝነብሩ ዜጋታት ብዙሓት’ዮም። እዞም ዜጋታት’ዚኦም፡ ዝበዝሑ ብዘይ ስራሕ ቀንፈዘው ዝብሉን ኣብ ዘይርጉእ ኩነተ- ህይወት ዝነብሩን’ዮም። ለይትን መዓልትን ዕላሎም፡ ብጭንቀትን ምረት ናብራን ዝተዓብለለ’ዩ። ሎሚ ኣብ ሃገርና፡ ሓቢርካ ክትሕጎስን ንቡር ባህላዊ ንጥፈታትካ ምክያድ ይትረፍ፡ ክትሓዝን ወይ ክትቀብር’ውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተኣታትዩ ዘሎ ናይ ኣይትተኣከብ፡ ገንዘብ ሃባ፡ ተፈናተትን ኣብ ገዛ ምጽናሕን ትእዛዝ፡ ብኣባላት ጸጥታን ወተሃደራትን ጉጅለ ህግደፍ፡ ከይግፈፍን ከይእሰርን ፈሪሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናይ ሓባር ህይወት ኣየስተማቀረን። ህዝቢ ኤርትራ፡ መባእታዊ መሰላት ስለዘይብሉ ናይ ሕልና እሱር’ዩ።

ኣብ 60ታትን 70ታትን ብግፍዒታት ገዛእቲ ካብ ዝፈትዋ ሃገሩ ዝተሰደ ኤርትራዊ ሃገሩ ናጻ ምስወጸት ናብ ዓድታቱ ክምለስ ልዑል ድሌት’ኳ እንተነበሮ፡ ብሰንኪ ሓንኳል መደባት ህግደፍ ግን ኣብ ዘለዎ ጠጠው ኢሉ፡፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበረ ህዝብና’ውን ስዒብዎ። እቲ ኣብ መዓስከራት ስደትኛታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ግብጺ፡ እስኣኤል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሊብያ ኣብ ክልተ መጋርያ ሓዊ ተቀርቂሩ ዝጭነቅ ዘሎ ኤርትራዊ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ዝፈጠሮ ምምዝባልን ምብትታንን ስድራቤታት ኢዩ። ከምቲ “ክሳብ ዝሓልፈልካ ቆልቋል ሕቆፍ” ዝብሃል፡ ኤርትራዊት ስድራቤት ገለ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እቲ ዝበዝሐ ድማ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ፋሕ ጭንግራሕ ኢላ ትነብር ስለዘላ ናይ ሓባር መኣዲ፡ መርዓ፡ በዓላትን ሓዘንን ዝብሃል በኒኑ። ኣብ ክንድኡ ብናይ ጓና ባህሊ፡ መንነትን ታሪኽን ይስረቅ ኣሎ።

ካብ 1998 ክሳብ 2000 ብስም ዶብ ኣብ መንጎ ጉጅለ ህግደፍን ወያነን ዝተኻየደ ደማዊ ኩናት፡ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ተመዛቡሉን ከሲሩን። ንኣብነት ብኮሚሽን ዶብ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣካቲዑ ዘይፈልጥ ካብ ከባቢ ኣኽራን፡ ሎጎሳርዳ ኣርባዕተ በለሳ ናብ ኢትዮጵያ ተዋሂበን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይ ዝኾነ ምቅርራብ ህዝቢ ንብረቱን ዓዱን ገዲፉ ክበታተን ናብ ዘይፈልጦ ቦታ ጋሽ ባርካ ከምዝበታተን ዓድታቱ ሬሳታቱ ከይተረፈ ሓንሳብ ሕቆኡ ምስ ሃበ ዳግማይ ኣይተመልሰን። መላኺ ኢሳያስ ሞትን ምክልባትን  ህዝቢ ኤርትራ ክርኢ ደስ ስለዝብሎ ድማ፡ ንበዓል ነጎዳ ብሓዊ ደብሶ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዓድታቱ ዝሰኣነ፡ ብሰበብ ዶብ ደቁ ዝኸፈለን መንነቱ ዝተጋህሰን ህዝብና ምጥያስን ምሕጋዝን፡ መራሒ ህግደፍ፡ “ምስ ኢትዮጵያ ጸገም ዶብ የብልናን ኣይከሰርናን ንብረትና መሊስና ኢና” ኢሉና። በዚ ሓቅታት እዚ ኢና ድማ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ 29 ዓመታት፡ ካብ ዝሃነጾ ዘዕነዎ ካብ ዝኣበዶ ድማ ዘንብዖ ይብዝሕ ንብሎ ዘለና።

ሰላምን ብልጽግናን ንህዝቢ ኤርትራ!!

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 21 ግንቦት 2020

 

 

yakobe@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT